ብዘመን ባርባራዊ መግዛእቲ ልኡኽ መላኺ ተንቤናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ንጀጋኑ ደቂ ሃገር ኣብ ትሕቲ መሬት ኣስፊሩ፣ ነቶም ኮራኹሩ ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ግና፣ ክሳብ ብመርዚ ወይ ብሰላሕታ ጥዪት ዝቕንጽሎም፣ ኣብ ልዕሊ መሬት የስፍሮም ! ኣብ ቀብሪ ስነስርዓቶም ድማ ብኣካል ተረኺቡ ጥሩምባ ኣንፊሑ የፋንዎም።
ንኽትበልዓ ዝደሌኻ ኣባ ጉምባሕሲ ዛግራ ትብላ።

ኣብቲ ኣምሆ ዘመን መቓብር ደቀባት ቤት ምኻን ዓዲ ሰግዶን ዝነበረ፣ ጥንታዊ መቓብር ደቀባት፣ ሎሚ ግና ነንጭዋ ገዛስ ኣንጭዋ ደገ ተውጽኣ ከምዝብሃል፣ ህግደፍ ብኢደ ወነኑ ካብ ደቀባት መንዚዑ፣ ኣስከሬን ደቀባት ጉሒፉ፣ “መቓብር ሓርበኛታት“ ኢሉ፣ ኮራኹር ኢሰያስ ጥራይ ንኽቕበሩሉ ሓዚኡዎ ኣሎ። ትማሊ እምባኣር  ብዕለት 17 ነሓሰ 2017 ዕ.ም.ፈ : ክልተ ሰበስልጣን ህግደፍ፣ ግንከኣ ቀንዲ ኮራኹር ኢሰያስ ዝነበሩ፣ ጽገረዳን ሙሳ ራባዕን፣ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም ::

ትማሊ 17 ንሓሰ ሓንቲ ጽገረዳ ጓል መም ወልደገርጊስ ቀሺ ተድላ፣ ኣኣማሓዳሪት ሰሜናዊ ባሕሪ ኮይና ንጎይትኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተኽድም ይነበረት፣ ኣሪፋ ተባሂሉ፣ ዕዙ ስነስርዓት ቀብሪ ድማ ኣብቲ መቓብር ሓርበኛታት ይብሃል፣ ግንከኣ መቓብር ህግደፋውያን፣ ምስቲ ን25 ዓመታት ንኽትበልዓ ይደሌኻ ኣብጉምባሕስ ዛግራ ትብላ። ዝኣክል ተደንጊቱ ዝነበረ ብሪግ. ጀነራል ሙሳ ራባዕ ተቐቢሮም። ብዓጀባ ድማ በቲ ንስሙ “ፕረሲደንት ሓዳስ ኤርትራ“ ዝብሃል ግንከኣ ልኡኽ ባዕዳውያን ኮይኑ ንኣስታት 50 ዓመታት ብእንኮ መላኺ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብባርባራዊ መግዛእቲ ዝገዝእ ዘሎ ተቐቢሮም። እወ። ቅድሚ ትማሊ እቲ ንመዋእሉ ዘገልግሎ ዝነበረ ናይዝጊ ክፉ ሓመት አርትራ ከምዘይለብስ ገሩ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ከምዝቕበር ኣዚዙ። ንግርማይ ኣስመሮም ድማ፣ ኣብቲ ቅብሪ ስነስርዓቱውን ኣይተረኽበን። ነተን ውሽማታቱን፣ ነቶም ክሳብ ዝሞቱ ወዲ ኣፎም ይብሉ ኮራኹር ድማ ዕዙዝ ዓጀባ ክግበረሎም ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ካብታ ኮብሊሉላ ዘሎ ቁሸት ዓዲ ሃሎ፣ብዘይካ ኣብ ቀብሪ ስነስርዓት ኮራኹሩን፣ ንጎይቶቱ ክራሐብ ድማ ንቀጠር ምምልላስ ኣንተዘይኮይኑ፣ ጉዳይ ህዝቢ ካብዝርስዕስ እዋን ኮይኑ እዩ።
ንሓደ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ከተታልሎ ይከኣል እዩ። ብዙሕ ግዜ እውን ከተታልሎ ይከኣል እዩ። ንኹሉ ግዜ ከተታልሎ ግና ባህርያዊ ስለዘይኮነ ኣይክርኣልን እዩ። ኢሰያስ ግና ብሳላ ጎይቶቱ ጽዮናውያን ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝጸንት ገና ከታልሎ ገልዳሕ ይብል ኣሎ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 20.08.2017 ዓ.ም.ፈ።