ኣብ ኤርትራኸ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ምስተሳናበተ፣ ኮሎንያል ጣልያን ድዮም ንኤርትራ ክምለሱ: ወይስ እቶም መራሕቲ እታ ፋሕ-ፋሕ ክትብል ቀሪባ ዘላ ኢትዮጵያ?

ህዝቢ ዚንባቨ፣ ነቲ ብያን ስሚይዝ ዝብሃል ኤውሮጳዊ ዝምራሕ መንግስቲ ውሑዳት ኤውሮጳውያን ተቓሊሱ፣ ንሃገር ዚንባቨ ነጻ ኣውጺኡዋ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ነገር ግና፣ ነቲ ሰውራ ዚንባቨ ዝመርሖ ዝነበረ መራሕ ሰውራ ልኡኽ ጽዮናውያን ሮበርት ሞጋበ እዩ ዝነበረ። ሮበርት ሞጋበ፣ ኣብ እክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ እዩ ብጽዮናውያን ሰልጢኑ። ንህዝቡ ዚንባቨ ንምህማል ድማ፣ ምዕራባውያን፣ ንዚንባቨ ንኸምስሉ ን10 ዓመታት “ኣሲሮሞ”። ማእሰርቲ ዘይኮነ ግና ብፍልስፍና የሱሳውያንን ስለላን ኮለላ እዩ ክስልጥን ጸኒሑ እምበር ኣይተኣስረን።

ካብኡ ብውዲት ጽዮናውያን ህዝቢ ዚንባቨ ብገርሁ፣ ሞጋበ ድማ ብጉርሑ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ገዚኡ።  ኣብ መውዳእታ ግና ንግበሮን ኣይነጸብቆን፣ ብውዲታዊ ጎነጽ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ።  እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ፣ ኣይተኣስረ፣ ኣይተፈርደ። ኣብ ስልጣኑ ከሎ ግና፣ ህዝቢ  ሃገር ዚንባቨ፣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳውያን ዝነበሮ ዝገደደ ስቓይ ኣሕሊፉ። እዚ ድማ ብረቂቕ ውዲት ምዕራባውያን ዝተኣልመ እዩ። 


ያን ስሚዝ ገዛኢ ዝኒባቨ ነበር

ድሕሪ ዓወት ህዝቢ ዚንባቨ ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ሮበርት ሞጋበ ፕረሲደንት ሃገር ተሸሙ። ካብ 1980 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ 2017 ዓ.ም.ፈ. ንኣስታት 30 ዓመታት ዝኣክል ከኣ፣ ማለት ክሳብ ወዲ 92 ዓመት ዕድሜኡ፣ ንህዝቢ ዚንባቨ ገዚኡዎ። ኣብ ውሽጢ እዘን 30 ዓመታት ግና ህዝቢ ዚንባቨ ኣብ ስደትን ኣብ ሥእነት ድኣ ወደቐ እምበር ኣይሓለፈሉን። ስለምንታ ግና ባዕዳዊ ገዛኢ፣ ብወደ ባት መንግስቲ ምስተተክኤ እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዝገደደ ናብራ ከሕልፍ ተይግደድ?ውዲት ድዩ

ሎሚ ድማ እንሆ ድሕሪ ውድቀት ፕረሲደንት ሃገር ዚንባቬ ሞጋበ፣ እቶም ንኸምስል ሮበርት ሞጋበ ሰጒጒዎም ዝነበረ ኤውሮጳውያን ሓረስቶት ከምቲ ኣብ እዋን ያን ስሚዝ ዝነበሩዎ ኣብ ሕርሽኦም ይምለሱ ኣሎው።

እስከ ነዚ ዝስዕብ ቪድዮ ተኸታተሉዎ

ኣስተብህል፣ ውዲት ጽዮናውያን ኣፍሪቃውያን ብሓገዝ ኤውሮጳያን እንተዘይኮኑ፣ ባዕሎም ነብሶም ክኢሎም ከምዘይነብሩ ንዓለም ንምእማን፣ እንሆ እዚ ኣብ ዚንባቨ ዝፍጸም ዘሎ ፍጻሜ ምዕዛብ እኹል እዩ።

Commercial farmer Darreyn Smart is welcomed at Lesbury Estates by village elders and children at a farm in Headlands communal lands east of the capital Harare, Zimbabwe, December 21, 2017. REUTERS/Philimon BulawayoCommercial farmer Darreyn Smart is welcomed at Lesbury Estates by village elders and children at a farm in Headlands communal lands east of the capital Harare, Zimbabwe, December 21, 2017. REUTERS/Philimon Bulawayo

ምዕራባውያን፣ ብፍላይ መሃንድሳት ጽዮናውያን፣ ጽባሕ ብጊሓትውን፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ  ተመሳሳሊ ኩነታት ንኽመጽእ እዮም ዝሓልሙን እኳድኣ መደብ ኣውጺኦም ዘለው። ኢሰያስ ሃገር ለኪሙ ምስ ዓረበ፣ ኣይግበሮ ድኣንበር፣ ምናልባት እታ ኣምሆ ዘመን ኮሎንያል ጣልያን ዝነበረት፣ ሎሚ ብምዕቡል ኣገባብ ንኣሜሪካን ኤውሮጳን ወኪላ፣ ኣብ ኤርትራ ክትቅልቀል ክትጅምር እያ። እናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን ከምዝብሃል፣ እቲ ኩሉ ኣብ እዋን ሜዳ ንፈላስፋታትን፣ ጀጋኑን ክኢላታትን ደቀባት እናጸልጸለ ነስመራ ዝኣቶን፣  ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎን፣ እንተድኣ ኣስተብሂልናሉ፣ መንገዲ ንባዕዳውያን ንምጽራግ ጥራይ ከምዝኾነ እዝዩ ግሁድ እዩ። እወ፣ ነቶም ንሰውራ ኤርትራን፣ ነቲ ሎሚ ብህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ መደብ ዕዮታት ዘስተብሃሉ ግዱሳት ግና፣  ኢሰያስ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ክበጽሕ ከምዝደለየ ንምፍላጥ ኣይዝንግዕዎን እዮም።

መተሓሳሰቢ፣ ብፍላይ ንሕና አርትራውያንም ንኹን ትግራዎት፣ ብሓፈሽ ድማ ኢትዮጵያውያን፣ ተፋላሊና፣ ብዛዕባ ህግደፍን፣ ኢሰያስን፣ ወያኔን፣ ዕንክሊል ጥራይ ክንብል እንተቀስጺልና፣ ምስ ደኸምና ግና፣ እቶ ምዕራባውያን ከምቲ መደቦምን ፕሮጀክቶምን፣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን፣ ከም ኣመሎም፣ ደፋእ እንዳበሉ፣ መሬትናን ባሕርና ክወርሱ እዩ እቲ ቀንዲ ሸቶኦም። እሞ ነዚ ተረዲእና፣ ተዋሃሂድና  ብሓባር ንሓባራዊ ረብሓና ክንብል፣ ነቶም ቀንዲ ጸላእትና ክንፈልጥ እንተዘይክኢልና፣ እናሰማዕናን እናርኤና፣ ሃገርና ከባቢናን ንሓላሎም ካብ ኢድና መንዚዖም ክዘምቱዋዎ እዮም።

 

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ፣
26.12.2017 ዓ.ም.ፈ.