ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም፡ ንክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መራሒ መንግስቲ

ጀነራል ኣማን ዓንዶም

ምንጪ ስእሊ, Bettmann

ናይ 1974 ‘ኣብዮት’ (ሰውራ/ወያነ) ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ለውጢ ዘተኣታተወ ፍጻሜ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ፍጻሜ’ቲ ዘይሩ ዘይሩ ኣብ ኢድ ወተሃደራት እኳ እንተወደቐ ምኽንያት ግን ነይሩዎ።

ብመጀመርታ ብሸነኽ ሲቪል ህዝቢ ክርአ ኸሎ ቀንዲ ጠንቅታት ናይ’ቶም ኣብ መጀመርያ ሰብዓታት ዝተኸሰቱ ነውጽታት፡ ኣብ ወሎን ትግራይን ብዘጋጠመ ዓጸቦን ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን ተቓውሞ ተማሃሮ እዩ ነይሩ። ኣይጸንሐን፡ እቲ ናዕቢ ናብ መላእ ኢትዮጵያ ለሓመ።

ስለዚ፡ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ 1974 እቲ ክሕቆን ዝጸንሐ ቅሬታ ንህዝቢ ኣነዲሩ ካብቲ ብፍርሃት ተዋሒጡሉ ዝነበረ መዓሙቝ ኣውጺኡ፡ ኣብ ግዳም ኰይኑ ኣንጻር ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ክእድም ደፍኦ።

ክሳብ’ቲ እዋን፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣይኰነንዶ ኣይጠዓመናን ክብሉ፡ ‘ንጃንሆይ ከም ሓደ መልኣኽ’ምበር ከም ሰብ ዘይርእይሉ እዋን ነበረ ምባል ኣጋንኖ ኣይኰነን። እቶም ናይ ሽዑ ተርእዮታት ግን መንግስቲ ሃይለስላሴ ክቈጻጸሮም ኣይክኣለን።

ተምሃሮን ሰብ-ታክሲ ጥራይ ዘይኰኑ ኣብ መዓስከር ነገሌ-ቦረና ዝነበሩ ወትሃደራት “ደሞዝ ይወሰኸና” ብምባል ኣደሙ፣ ኣብ ሓይሊ ኣየር’ውን ተመሳሳሊ ተርእዮታት ተኸሰቱ።

መምህራን ብግዲኦም ኣደሙ … ሃገር ሕንፍሽፍሽ ኣተዋ። ሽዑ ንጉስ ሃይለስላሴ ነቲ ኵነታት ንከህድኡ ፈተኑ – “ወሰኽ ዋጋ በንዚና ኣይክህሉን’ዩ” በሉ፡ ንመምህራን ከህድኡ ድማ ድልየቶም ከማልኡሎም ምዃኖም ሓበሩ። ቃል ንጉስ ግን እኹል ኣይነበረን። ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ኸኣ ካልእ ሽግር ተፈጥረ።

እቲ እዋን’ቲ ራስ ኣስራተ ካሳ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ገዛኢ፡ ፍሉያት ብእስራኤል ዝተዓለሙ “ኮማንድስ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣሃዱታት ኮማንዶ ኣዳልዮም ንገድሊ ኤርትራ ንከዳኽሙ ይፍትኑ ከምዝነበሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይምስክሩ።

ኣብ መወዳእታ 1973 ከኣ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ኣባላት 2ይ-ክፍለ-ጦር ኣብ ሳሕል ብህዝባዊ ሓይልታት ብርቱዕ ማህሰይቲ ስለ ዝወረዶም፡ ካብ መዓስከራቶም ወጺኦም ንሜዳ ክወፍሩ ኣብ ዘይክእሉሉ፡ ብ’ኮሎኛ”ምበር ከምድላዮም ኣብ ዘይንቀሳቕሰሉ ደረጃ ወዲቖም ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ወተሃደራት ብምእዳሞም ነቲ ረብሻ መሊሱ ከም ዘጓሃሮ መጻሕፍቲ ታሪኽ ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ይገልጹዎ’ዮም።

እቲ ኣድማ’ቲ ድማ ፈኸም እናበለ ኣብ ኵሎም መዓስከራት ለሓመ።

12 መስከረም 1974

ብሰነ ’74 ካብ ኵሎም ሓይልታት ዝተዋጽኡ 120 ዝኣኽሉ መኰንናት – ካብ መጆር (ሻለቃ) ንታሕቲ ዝመዓርጎም – ተኣኻኺቦም፡ መንነቶም ኣብ ቃልዕ ከየውጽኡ፡ ለውጢ ንኽትኣታቶ ጠለባቶም ከነጽሩ ጀመሩ፣ እዚ ወርሒ’ዚ ደርግ ዝተመስረተሉ ወርሒ ነበረ።

ክልተ ካብኣታቶም፡ ሻለቃ መንግስቱ ሃይለማርያምን ሻለቃ ኣጥናፉ ኣባተን፡ ከም ቀዳማይን ካልኣይን መራሕቲ ናይቲ ጕጅለ ዀይኖም ቦሎኽ በሉ።

ደርግ ‘ኢትዮጵያ ትቅደም’ ዝብል ጭርሖ እናጨርሑ በብቑሩብ ንዅሎም ዓንድታት መንግስቲ ሃይለስላሴ ከፍርሱ ጀመሩ።

ንኣክሊሉ ሃብተወልድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር፡ ከምኡ’ውን ኣባላት ካቢኔኡ ዝነበሩ በብሓደ ኣሰሩዎም። እቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ውትህድርና ዝነበሩ መኮነናት ይዅኑ ካልኦት ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራትን ሰብ ልዑል መዓርጋትን’ውን ተኣስሩ። ኣገዳሲ ዝተባህለ ንብረት ተሃገረ።

ዕለት 12/9/1974 ደበኽ በለት – ጃንሆይ ካብ ስልጣኖም ዝተኣልዩላን ኣማን ዓንዶም መራሕ መንግስቲ ዝዀነላን መዓልቲ መጽአት።

ሃጸይ ሃይለስላሴ

ምንጪ ስእሊ, Fox Photos

እታ መዓልቲ’ቲኣ ጃንሆይ ብወተሃደራት ተዀብኲቦም ካብ ቤተ-መንግስቲ ክወጽኡን ኣብ ሓንቲ ቮልክስዋገን መኪና ክኸዱን ኣብ ተዘክሮታት ብዙሓት ሰባት ተቐሪጹ ተሪፉ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ኵነታት ክሰፍን’ዩ እናተባህለ ግን፡ ኩነታት ሃገር እናኸፍአ ከደ።

ደርግ ኵነታት ሃገር ጋሕመጥመጥ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተምሳል መንግስቲ ንኸትሕዝዎ ኢሎም ንሓደ ዘይኣባሎም ግን ስምን ግርማን ተሰማዕነትን ዝነበሮ ኣዛዚ 3ይ ክፍለ-ጦር ዝነበረ ዉሩይ መኰነን ንክመርሖም ጠለቡ – ሌተናንት ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም።

ከም’ዛ ሎሚ፡ ብ 12 መስከረም 1974፡ ቅድሚ 45 ዓመታት ማለት’ዩ፡ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ጊዜ ካብ’ቲ ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረ ንግሰነት ኣግሊሳ ኣብ ወተሃደራዊ ምሕደራ ዝኣተወትሉ መዓልቲ ነበረ።

ብመጀመርታ ጃንሆይ ንኣማን ዓንዶም ከም ሓለቓ ስታፍ ክሸምዎ፡ ደርጊ፡ ብድሕሪት ኰይኖም ደፍኡ፣ ኰነ ኸኣ።

ሓደ ወርሒ ጸኒሑ ኸኣ ኣማን ከም ሚኒስተር ምክልኻል ተሾመ። ጸኒሖም ከኣ ደርጊ ባዕሎም ከም መራሕ መንግስቲ መዘዝዎ።

ሰለምንታይ ኣማን ዓንዶም ካብ ስልጣን ወሪዱ

ደርግ ንጀነራል ኣማን ከም ሓደ ባምቡላ ክጥቀምሉ፡ ብዝኣዘዝዎ ክኸይድ፡ ድልየቶም ከኣ ከማልኣሎም ደላይ ከምዝነበሮም ተንተንቲ ፓለቲካ ናይቲ እዋን ይገልጹ።

ኣይኰነን ግን፤ ጀነራል ኣማን ብሰለስተ ጕዳያት ምስ ኣባላት ደርግ ክሰማማዕ ኣይከኣለን –

1) ብዝሕን ተራን ኣባላት ደርግ (ቍጽሮም ኣመና በዚሑ ባሃላይ’ዩ ነይሩ)፣

2) ኣተሓሕዛ ጕዳይ ኤርትራ (ብሓይሊ ዘይኰነስ ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ኣሎዎ በሃላይ’ዩ ነይሩ)፣ ከምኡ’ውን

3) ኣተሓሕዛ ናይ’ቶም ሰበ-ስልጣን ነበር ናይ ፖለቲካ እሱራት (ፍትሓዊ ክኸውን ኣሎዎ በሃላይ’ዩ ነይሩ)።

ዋላካ መንግስቱ ሃይለማርያም ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ እቲ ጀነራል ከምቲ ደርግ ዝተጸበዮ ኣይኮነን እንተበለ፥ ኣካይዳን ባህግን ጀነራል ኣማን ከም ዘይተዋሕጠሉ’ዮም ብዙሓት ተንተንቲ ዝዛረቡ።

መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ጀነራል ንሰራዊት ኣንጻር ጉጅለ ደርግ ከለዓዕል ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ርክቡ ከምዝተጠልፈን’ዩ ዝገልጽ።

ብዘይካ’ዚ ጀነራል ኣማን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሓተ ማዕርግ ዝነበሮም ኣባላት ደርግ ንዕቅት ነይርዎ ክብል’ውን መንግስቱ ምስ ገነት ኣያለው ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ይዛረብ።

ይኹን ‘ምበር ኣብ ተመሳሳሊ ቃለመሕትት፡ እቲ ጀነራል ኤርትራዊ ብምኻኑ፡ ነቲ እናኸፍእ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ኤርትራ ኩነታት ንምፍታሕ ክሕግዘና ኢልና ኢና ንላዕሊ ኣደይብናዮ ምባሉ፡ ነቲ፡ ደርግ፡ ኣማን ዓንዶም ከም ባንቡላ ክምእዘዞ እዩ ዝደሊ ነይሩ ዝብል ዘረባ ዝድግፍ ይመስል።

ፍጻሜ ወኪ-ዛግርን ንጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ዝገበሮ ጻዕርን

ዕለት 12/9/1974 ክትዝከር ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም ኣብ ሓሳብ ኤርትራውያን ጦብላሕ ትብል፣ እቲ ጀነራል፡ ብኣባላት ደርጊ ተሓጊዙ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ መዓልቲ ኮይና ኵነታት ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ’ዩ ዚብል ተስፋ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ (1974)ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ.) ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኣደልዲላ ዝተመስረተትሉ፡ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ድማ ኣብ ሓድሕድ ዉግእ ዝገጠመትሉ እዋን ነበረ፣ ንህዝቢ ልቡ ዝሰበረን ዜሻቐለን ውግእ ሓድሕድ።

ወኪን ዛግርን ኣብ ካርነሽም (ዞባ ማእከል) ዝርከባ ቁሸታት ኰይነን ኣብ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራ ካብ ዝጥቀሳ ዓድታት’የን። እቲ ሽዑ ዝነበረ ሰብ፡ ምናዳ ደቂ’ስመራን ከባቢኡን፡ ነቲ እዋን’ቲ ብወኪ-ዛግር’ዮም ዝዝክርዎ፣ ንኣማን ዓንዶም’ውን ምስ’ቲ ታሪኽ የተኣሳስርዎ።

ተጋደልቲ ኣብ ከበሳ ዝደየብሉ እዋን፡ እታ እናዓበየት ትመጽእ ዝነበረት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣብ ወኪ፡ ተ.ሓ.ኤ ድማ ኣብ ዛግር ዓሪደን ስለ ዝነበራ ኣብ በሪኽ ቦታ ወጺአን፡ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ማለት’ዩ፡ ኲናት ገጠማ፣ ህዝቢ ኸኣ ኣእወየ። ብርግጽ እቲ ክርክር ናይ’ዘን ክልተ ዉድባት ብ ’72 ጀሚሩ።

ዝዝከር’ዩ፡ 30,000 ዝኣኽሉ ህዝቢ ንተጋደልቲ ዓገብ ክብሉ ካብ ኣስመራ ብኣውቶቡሳት ተጻዒኖም ንወኪ-ዛግር ወረዱ፣ ኣባ ፍስሓጽዮን ዝተባህሉ ህቡብ ፈላሲ (ካብ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን) ንተጋደልቲ ክዓርቁ ምስ ህዝቦም ንወከ-ዛግር ተጓዓዙ።

እቲ ናይ ሽዑ ኣዛዚ ጦር-ሰራዊት ነቲ ምስ ደቁ ተጋደልቲ ክላዘብ ዝወዓለ ህዝቢ ንምሸቱ ካብ ወከ-ዛግር ክምለስ ኣብ ብሎኮ ሓኒቑ ብምሓዝ ንከጥፍኦም ወዲኡዎ ከም ዝነበረ፡ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ግን ናብ ኣስመራ ብብምኻድ ከም ዝዓገቶ ብተደጋጋሚ ዝንገር ዛንታ’ዩ።

እታ ምሸት’ቲኣ ህዝቢ ኣስመራ ሳላ ኣማን ዓንዶም ክድሕን ከኣለ ይበሃል።

ጕዳይ ኤርትራ ብሰላማዊ መንገዲ ንከይፍታሕ መትርባት ተዓጽወ።

ኮሎኔል መንግስቱ ኸኣ ንተፈሪ ባንቴ ኮማንደር ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዓሪዱ ዝነበረ 2ይ ክፍለ-ጦር ክኸውን ብምሻም እቲ ዉግእ ከም ዝንህር ገበረ። ኣብ ኤርትራ ኸኣ ተጋደልቲ ንኣማን ዓንዶም ኰነንዎ፡ ከዳዕን መሳርሒ-ደርግን ብምባል ስሙ ኣመራስሕዎ።

ኣብ ፍርቂ ሕዳር (1974)፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብገዛእ ፍቓዱ ካብ ስልጣኑ ወረደ። ብዕለት 23 ሕዳር ምስ’ቶም ክኣስሩዎ ዝመጹ ወትሃደራት እናተታዀሰ ኸኣህይወቱ ሓለፈ።

እታ ለይቲ’ቲኣ፡ ቀዳም ምሸት፡ ኣብ ራድዮ ኢትይጵያ “የፍየል ወጠጤ” እናተደርፈሎም 59 ኣባላት መንግስቲ ሃይለስላሴ ተረሸኑ። ክሳብ ሕጂ “እታ ብደም ዝተዓለሰት ቀዳም” እናተባህለት ትዝከር።

ብሰንኩ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ደማዊ ኵናት ሓድሕድ ተሸመት። ኵነታት ኤርትራ ኸኣ ዝበኣሰ ዀነ።

ጀነራል ኣማን ዓንዶም መን’ዩ?

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ብ 1924 ኣብ ጸዓዘጋ (ሓማሴን) ተወሊዱ ግን ኣብ ሱዳን ዓብዩ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብኡ ዝወደአ’ዩ። ስድርኡ ኣብ ሚስዮናዊ (ሽወደን) ቤት ትምህርቲ ዝተማህሩ ኰይኖም፡ ኣቦኡ ምስ እንግሊዝ ኣብ ካርቱም ይሰርሑ ነይሮም።

ብ 1941 እንግሊዝ ብሱዳን ኣቢሉ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ኸሎ ስድራ-ቤት ኣማን ዓንዶም ንጃንሆይ ኣዐጂቦም ንኢትዮጵያ ኣተዉ።

ጀነራል ኣማን ብመሳልል ውትህድርና ኣቢሉ ላዕሊ ክድይብ ጊዜ ኣይወሰደሉን። ኣብ ዓውዲ ትምርቲ ዉትህድርና ብምእታው መኰነን ክኸውን ከኣለ። ጸኒሑ ኸኣ ኣዛዚ 3ይ ክፍለ-ጦር ኰይኑ ብ 1964 ንዉግእ ኦጋዴን መርሐ። ብኣዘዝቱን ወትሃደራቱን ኣዝዩ ፍትው ስለ ዝነበረ ‘ኣንበሳ ኦጋዴን” ዚብል ቅጽል-ስም ተዋሂብዎ’ዩ።

ጃንሆይ ግን ብኣማን ዓንዶም ብዙሕ ኣይተሓጐሱን – ደፊኡ ክሳብ መሬት ሶማል ስለ ዝኣተወ። ንኽቐጽዑዎ ካብ 3ይ ክፍለ-ጦር ስሒቦም ን ሕ.መ.ኣ. ከም ወትሃደራዊ ኣታሸ ንሓደ ዓመት ከም ዘገልግል ገበሩ።

ብ 1965 ንኢትዮጵያ ተመሊሱ ኣብ ሰኔት (ላዕለዋይ ባይቶ) ተመደበ። ጀነራል ኣማን ብስርሑን ብኵነታት ሃገር ብዙሕ ሕጉስ ከም ዘይነበረ ዶክተር በረኸት ሃብተስላሴ ኣብታ ዘውድን ብርዕን እትብል መጽሓፉ ይገልጾ።እቲ ብቕትለቱ ዝሕመ መንግስቱ ሃይለማርያም ከይተረፈ፡ “ኤ ማን” ወይ “ቁጽሪ ሓደ” ኢሎም ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ ድሒሩ መስኪሩ’ዩ።

ኤርትራውያን ንጀነራል ኣማን ብኸመይ ይርእይዎ?

ኤርትራውያን ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ብክልተ ሸነኽ’ዮም ዝርእይዎ። እቲ ቀዳማይ ኤርትራዊ ብምዃኑ ኣብ ጽቡቕ መዝገቦም ንኸእትዉዎ ጸገም ኣይነበረን።

ኣብ ኣስመራ ዝመጸሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ኣብ ኣደባባይ ሆ እናበሉ ተቐቢሎምዎ’ዮም። ኣብ ሜዳ ንግስተ ሳባ [ናይ ቀደም ሽሙ] መጺኡ ‘ኢትዮጵያ ትቅደም / ኤርትራ ትቅደም’ ኣብ ዝበለሉ እዋን ብጣቕዒትን ብፋጻን እልልታን መለስሉ።

እቲ ካልእ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ኣማን ዝነበረ ትዕዝብቲ ግን ኣይግድን። ፖል ሄንዝ ዝተባህለ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ልዑል ኣፍልጦ ዘሎዎ ጸሓፊ ከም ዝብሎ [ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ዘስፈሮ ዓንቀጽ] ህዝባዊ ግንባር ንጀነራል ኣማን ዓንዶም ከም መጋበርያ ደርግ ይርእዮ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ጀነራል ኣማን ዓንዶም ተቐቲሉ ምስ ተሰምዐ ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሕማቕ ከም እተሰምዖም እቶም ሰብ ሽዑ ጌና ይምስክሩ’ዮም።

ምንጪ ሓበሬታ ካብ ቢቢሲ ትግሪኛ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

ባሕቲ ነሓሰ 2021 ዓ.ም.ፈ.