ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ህዝባዊ ስልጣን መንጢሉ ኣብ ስልጣን ካብ ዝውጣሕ ዳርጋ ሎሚስ 28 ዓመታት  ሓሊፉ። እዚ ዘይሓፍር ባንቡላ ጽዮናውያን ሰብዚ፣ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ ኣሎኹ እንዳበለ፣ እንሆ ዛጊት ካብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ዳርጋ ሎሚስ 28 ዓመታት ኣሕሊፉዎ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ከኣ፣ኣብዘን ዝሓለፋ 28 ዓመታት፣ ነቲ መብጽዓን ራእዪን ህዝቢ ኤርትራ ራሕሪሑ፣ብኣንጻሩ ግና ብመሃንድሳት ዓሰብቱን ጐይተቱን ጽዮናውያን ዘውጽኡሉ መደብ-ዕዮ ሓደ ብሓደ ክፍጽሞ ጥራይ እዩ ጸኒሑ።

እወ፣ለይትን መዓልትን ንህዝቢ ክኣስርን ክጨውን ክቕንጽልን፣ክረባረብ ጥራይ እዩ ኣሕሊፉወን። ኣቦታትና ክምስሉ ከለው፣”ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ” ይብሉ። እዚ ሰብዚ፣ ሎሚ ሕሉፍ ሓሊፉዎ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ሰራዊትን ስለዝነዓቖ፣ ነታ ሃገር መሬታን ባሕራን፣ ነቶም መሳርሒ ጽዮናውያን ዝኾኑ ኣዕራብን፣ ግብጽን ኣሕሊፉ ክዕድላ ይርኤ ኣሎ። እዞም ተዛረብቲ ኣቑሑት ጽዮናውያን ዝኾኑ ኣዕራብ ድማ፣ መደብ ዕዮ ጎይተቶም ንኸተግብሩ ጥራይ እዮም ብጽዮናውያን ቾፕላ ተባሂሎም፣ ብሰንኪዚ ፈዛዝ ኢሰያስ፣ ኣብ መሬት ኤርትራ ከም ፕሮክሲ ጽዮናውያን ኮይኖም ዝቃላቐሉ ዘለው።

እዞም ባህርያዊ ጸጋ  ህዝቢታት ዓዲ ዓረብን፣ ዘይትን፣ በልዚንን፣ንጽዮናውያን ኣሕሊፎም ዘረከቡ ዘለው፣ ግንከኣ ካብ ብኣእምርኦም፣ ብኣእምሮ ጽዮናውያን ዝሓስቡ ደናቑር መራሕቲ ሃገራት ኣዕራብ፣ከምልኡኻት ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ብቅድመ ግንባር ምስቲ ሰላዪ ኢሰያስ ይሰርሑ ኣለው።

ብድሕሪዞም ሰለይቲ ጭፍራ እዚኦም ግና፣ማለት ጽርግያ በዞም ደናቑር ሰለይቲ ምስተጸርገሎም፣ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብዓል መን ከምዝመጹ፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና፣ ከይደቀስና ዝሓለምናዮ ራእዪ እዩ። መኽንያቱ ድማ እተን ቀንዲ ስትራትጂካውያን ዞባታት እዘን ዝስዕባ ስለዝኾና።

1. ከባቢ ደቡባዊ ኣስያ፣ ንመረዳእታ፣ እዚ ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝኸይድ ዘሎ ወራር ጽዮናውያን ሓደ ብሉጽ ስትራተጂካዊን ባህርያዊ ጸጋ ሃገር ኣፍጋኒስታን ንምዝማት እዩ።

2. ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዝኸይድ ዘሎ ወራር እስራአልን ሃጸያውያንን፣ ከም 2ይ ስትራተጂካዊን ባህርያዊ ጸጋ ከባቢ ሃገራት ኣዕራብ ንምውናን እዩ። ንመረዳእት ክኲናት ኢራቕ፣ ሶርያ  ሊባኖንን ከምኡውን እንተተኻኢሉ ድማ ንሃገር ኢራን ንምቍጽጻር ወዘተ እዩ።

3. ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንመረዳእታ ኣብ ሶማልያ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላውን ውግእን፣ ካብ ባዶ ዝተበገስ ወፍሪ ኣይኮነን። በዞም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ ካብ ረብሓ ህዝቦም መርሲነሪ ጽዮናውያን ንኽኾኑ ዝተዓስቡ፣ ንህዝቦም ኣሕሊፎም ንባዕዳውያ ዝህቡ፣ ጭፍራ ህግደፍን፣ ወያኔን፣ ዝኸይድ ዘሎ ደፋእ እንዳበለ፣ ወለዶ ህዝቢታት ዘህልቕ ፕሮጀክት ፈላሊኻ ግዛእን፣ ዝሑል ውግእን፣ ኣይ ውግእ ኣይሰላም ዝኾነ ውዲታዊ ስትራተጂ ድማ 3ይ መደብ ዕዮን፣ ስትራተጂካዊ ዓላማን ጽዮናውያን እዩ። ነዚ ዓላማዚ ንምትግባር እየን እዘን መሳርሒ ጽዮናውያን ሃገራት ኣዕራብውን፣ ንወገነን ዘይኮናስ ይኣይ ንቀዪሕ ባሕሪ ዓሪደን ኣሎና ዝብላ ዘለዋ። ስለዚ እዚ ሎሚ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ሶማልን ኢትዮጵያን ዝርአ ዘሎ ቅልውላው፣ ብደም ደቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ደፋእ እንዳበለ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጻጻር ዝኸይድ ዘሎ ስትራተጂካዊ ወፍሪ እዩ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ጽዮናውያን ኣብ ኣፍጋኒስታንን ኣብ ከባቢ ሃገራት ኣዕራብ፣ ብኣካልን ብስም ግብረሽበራ ሃገረ ኣስላም፣ ISIS ክወሩ ከለው፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ግና ደሞም ከየፍሰሱ በዞም ኮራኹሮም፣ ጭፍራ ህግደፍን፣ ወያኔን፣ ሱዳንን፣ ግብጽን ልኢኾም፣ በጽዋሮምን ብገንዘቦምን ጥራይ ምውግኦም እዩ።

ኣስተብህል፤ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመን፣ጽዮናውያን ሜላ ቀይሮም እዮም ስትራተጂካዊ ዓላምኦም ንምውቃዕ፣ፕሮክሲ ወይ ሜርሲነሪ ሃገራት የዋፍሩ ኣለው። እወ፣ ደናቑርን ተዛረብቲ ኣቑሑን ኣፍሪቃውያንን፣ ኣዕራብን ስለዝኸተቡ፣ እንሆ ፕሮጀክቶም ንከተግብሩ፣ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ንመረዳእታ፣ ንወያኔ ስንቅን ኣጽዋርን መጽዊቶም፣ኣንጻር ኣልሸባብ ንሶማል ንክዋግኡ ልኢኾሞም። ንኢሰያስ ድማ ንኣልሸባብ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ታዕሊም ክገብር።  ንግብጺ ኣብ ኤርትራ ዓሪዳ ንኢትዮጵያ ንኸተፋራርሕ።

ንሃገር ቱርኪ ድማ፣ ኣብ ሱዳን ዓሪዳ፣ ንግብጺ ንከተፋራርሕ ዝብል ማተማቲካል ውዲት ምሂዞም ንርእዮም ኣሎና። እቲ ኩሉ መደቦምን ሕልሞምን ድማ፣ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር ጥራይ እዩ።ብርግጽ ግና፣ መራሒ ቱርኪ ይኹን፣ መራሒ ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፈዛዝ ሰላዪ ኢሰያስን፣ከምኡውን ኮራኺር ጽዮናውያን መራሕቲ ጭፍራ ወያኔን፣ተዓሲቦም እዮም፣ ጽባሕ ብጊሓት ጽዮናውያን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንክኣትው ጽርግያ ዝጸርጉሎም ዘለው።

ሰራዊት ግብጺ ኣብ ከባባ ሳዋ መዓስከር ይገብር ኣሎ ይብሃል ኣሎ። እዞም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ፣ መራሒ ግብጺ ጀነራል ዓበደል ፋታሕ ኣል-ሲሲን፣ ሰላዪን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅ ብብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን፣ ዓባይ ብሪጣንያን ብመጽናዕቲ ተመልሚሎም፣ ንህዝቦም ረሲዖም ንስትራተጂካዊ ፕሮጀክት ጽዮናውያን ብፍላይ ንረብሓ ጽዮናውያን ጥራይ ንኸተግብሩ ዝተዋፈሩ እዮም።

ካብ ህዝቢ ተኸዊሉ ኣብ ቅሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ እንዳነበረስ፣ ይኣይ ሎሚ  ኣሎኹ ማለት ወግዓዊ ርክብ ምስ መራሒ ሃገር ግብጺ ተገሩለይ። ንኣዳም ገረሞ እዩ ዝብሃ!!!

Youtube: ብዛዕባ ምትእታው ግብጺ ኣብ ከባቢ ኤርትራ
https://youtu.be/e6MZzhtf4gs

እወ፣ ሰራዊት ግብጺ ኣብ ሳዋ ክቀላቐሉ ከለው፣ እተን ብዘይካ ኣሜሪካን እስራአልን ዝበሉዎም ጥራይ ዝገብሩ መራሕቲ ቀጠርን፣ ኢሚራትን፣ ስዑዲ ዓረብን ድማ፣ ሰብ ኮይኖምስ፣ ኣብ ከባቢ ደሴታት ዳህላክን፣ ገማግም ዳንካልያ ቀዪሕ ባሕሪን፣ይኣይ መዓስከር ንኽገብሩ ፈቒዱሎም ይብሃል ኣሎ።
ተወርዋሪ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ዶብ ኤርትራ ይዓርድ ኣሎ።

Egyptian army and military [File photo]

ኢሳያስ አፈወርቅ ”በኢትዮፕያ ህዝብ መካከል የነበረዉን አንድነት እንዳይኖር ይህያዲግ በማያቁዋርጥ ዉትወታ ዉሳኔ ዉስጥ ሊያስገ ብቪድዮ

https://youtu.be/q2D6iVU86HU

ሎሚ ኣብ ውሽቲ ኤርትራ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምይ ዝስተ፣ መብራህቲ ዝበርህ፣ ንመዓልታዊ ዝበልዖ ቀለብ ዝሽምተሉ ባጤራ ናቕፋገንዘብ ካብ ባንኪ ንኸየውጽእ ተኸልኪሉ፣ ዘሪኡ ክሓፍሰሉ ዝኽእል መሬቱ ተሃጊሩ፣ ነጋዶ ንግዶምን ከይነግዱ፣ ሊቸንሳኦምን ተሓዲጎም፣ መንእሰይ ካብ ምኣዲ ትምህርቶ ብቐስብ ተገፊፎም ንመዓስከር ባርነት ሳዋ ስለዝተዳጎኑ፣ሃገር ገዲፎም ሃጽ ኢሎም ንስደት ዘምርሓሉ ዘሎው እዋን  እዩ ። ሃገር መራሕ መንግስቲ ዘይብላ፣ መኽንያቱ ንሱ ኣብ ቊሸት ዓዲ ሃሎ ኮብሊሉ እንዳውዓለን ሓደረንሲ፣ ይኣይ ዲፕሎማስያዊን ስትራተጂካውን ወግዓዊ ውዕላት፣ ምስ መንግስታት እእዕራብን ግብጽን ክገብር። ዘይዓቢ ቆልዓስ ክሳዱ ይነውሕ ከምዝብሃል፣ እዚ ሰብዚ ክሳብ ክንደይ ከምዝጸንሕ እኳ ኣዝዩ ዘጠራጥር እንተኾነ፣ ንህዝብን ሰራዊትን ንዒቑ ግና ነታ ዓዲ ጀጋኑ ዝኾነት ሃገር ይላገጸላ ኣሎ። ነዚ ተረዲኦም ግና ደቂ ሃገር ነዚ ሰላዪ ጽዮናውያን ሰብዚ ክኣልዩዎ መድረኽ ይጠልቦም ኣሎ።

ድሕሪ ንመጀመርያ ግዜ ፕረሲደንት ሃገር ቱርኪ ፣ ሬሴብ ጠይብ ኤርዶጋን፣ወግዓዊ ዑደት ምፍጻሙ፣ ዝምድና ሃገር ሱዳንን ቱርክን ይብርትዕ ኣሎ ይብሃል ኣሎ።

ስለምንታይ ግና ኣብዚ እዋንዚ፣ ዝምድናታ ሃገር ግብጺ ምስ ኤርትራ፣ ሃገር ሱዳን ምስ ኢትዮጵያን ቱርክን፣ ሃገራት ኣዕራብ ድማ ምስ ኤርትራ ክካየድ ንርእዮ ኣሎና? እቶም መሃንድሳት ነዚ መድብ ዕዮዚ ዝሰርሑ ዘለው ብዓል መን ምኻኖምስ ይርድኣናዶኾን ይኸው?

President of Turkey Recep Tayyip Erdogan (L) and President of Sudan Omar Al-Bashir (R) gesture during a joint press conference following their inter-delegation meeting in Khartoum, Sudan on 24 December, 2017 [Binnur Ege Gürün/Anadolu Agency]

President of Turkey Recep Tayyip Erdogan (L) and President of Sudan Omar Al-Bashir (R) can be seen during a joint press conference following their inter-delegation meeting in Khartoum, Sudan on 24 December, 2017 [Binnur Ege Gürün/Anadolu Agency]

ሚንስተር ምክልኻል ስዑዲ ዓረብ ምሓመድ ቢን ሳልማን Crown Prince and Defence Minister of Saudi Arabia Mohammed bin Salman Al Saud In Riyadh, Saudi Arabia on 26 November 2017 ስዑዲ ዓረብ ከኣ ከም ሃገር ተቖጺራስ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ኤርትራ ተፈቒዱላ። ኤርትራ ለኣረብ ኣትሼትም ኣትለወጥም። ጭርሖ መንግስቱ ሃይለማርያም ጋህዲ ኮይኑ

AfricaEurope & RussiaNewsSudanTurkey

ይቕጽል……..

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ.ኮም፣
14.01.2018 ዓ.ም.ፈ.