ኣቦዋት ክምስሉ ከለው፣ “ኣብ ኣንዳቦኻ ኣይትከተር ኣብ እንዳኖኻ ጾምካ ኣይትሕደር” ይብሉ። እቲ ኣብ ኣንዳቦና ከቲሩ ኣብ ኣንዳኖና ኣጥምዩ፣

 ንኣስታት 30 ዓመታት ክግዝኣና ዝጸንሐ፣ መበቆሉ ትግራውይ ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣  ካብ ዝተፋላለያ መንጭታት ዜናን፣ በቲ እስቲፋኖስ ዝተባህለ ኣብ ሃገር ጃፓን ኢንባሲ ህግደፍ፣ ብትዊተር ዝተሓላለፈ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ 74 ዕድሜኡ ብኣምላኽ ይኣኽለካ ስለዝተባህለ ብወግዒ ከምዝዓረፈ ፈሊጥና።

 

ኢስቲፋኖስ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ጃፓን
“በቲ ዝየማዕኩዎ ሃንደበታዊ ዜና ሞት ፕረሲደንት ኢሰያስ ንብዓልቲ ቤቱን፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብኩም” ክብል ብትዊተር ሓጺር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብዝኾነ፣ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ክሳብ ሓደ ሚልዮን መንእሰያትን ዓበይትን ዘህለቐ፣ ኢሰያስ እንተሞተ “ደንⶔዩኳ”! ድኣዩ ዝብል ኣምበር፣ ድሙ ከምዝሞቶ ገሩውን ኣይርእዮን እዩ። ኣብ ክንዲ ብሞት ኢሰያስ  ግን መጻኢት ኤርትራ እንታይ ከምትኸውን ኣንዳበለ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ንሱ ከኣ እዩ እቲ ሓቂ።

ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሑ ታሪኽ ሕይወት ኢሰያስ ዝሓዘ ሓበሬታ ክንሕብር ኢና።

ክሳብ ሽዑ

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
29.04.2020 ዓ.ም.ፈ።