ኢሰያስን ዶር. ኣቢዪን ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ 66 ዓመታት ምስ ጐደልና! “ተደሚርና ኢና”! ይብሉና ኣለው።
ኢሰያስ “መልእኽቲ ህዝቢ ኤርትራ ሒዙ” ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ኢሰያስ ቅድሚ ንኣዲስ ኣበባ ምብጋሱ፣ ኣብቲ መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ዋርሳይ ይከኣሎ፣ “መልእኽትኹም ሂዘ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እየ” እሉ መግለጺ ሂቡ። ንህዝቢ ኤርትራ ግና ኣይሓበረን።
ኣቀባብላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ
እዚ ኣብዚ እዋንዚ ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕንጃል፣ ኮነ ኢልካ ማእለያ ዘይብሉ ግንከኣ ዘይፍጸም ተስፋታት እንዳ ኣተስፈዉ ዘብዘብ ዝብሉዎ ዘለው፣ ሓዲሽ ተርእዮ ድዩ፣ ወይስ ነቲ 66 ዓመታት ምርብራብ ዝወሰደ ስትራተጂካዊ መስርሕ ጽዮናውያን ንምትግባር እዩ? እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ቪድዮታት ሓደ ብሓደ ተኻታተሉወን።
ድሕሪ ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፣ ካብቲ ስትራተጂካዊ ወፍሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ኤርትራ ስለዝኾነት፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢሰያስን ወያኔን ስለዝኣዘዘቶም
ዶር. ዓቢዪን ኢሰያስን ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ብኢደወናንነት ድፍኢት ኣሜሪካ ጥራይ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደሚረን እየን ይብሉና ኣለው።
ድሕሪ 66 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሕልንኡን ጅግንነቱን ሕይወቱን ክጽንቅቕ ምስ ቀረበ፣ ማለት ድሕሪ ዘይተኣደነ ኣራባራብ ጽዮናውያን፣ ሎሚ ኮራኹሮም ንኤርትራ ብውዲት ብዘይ ኢንተርናሽናል ቅጥዒ ማለት ብዘይ መንጎኘት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብሩዋ ከለው ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ።
እቶም ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ብፍላይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮንነት ሃጸይነትን፣ ብሓፈሻ ድማ ንረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ንምትግባር ንሜዳ ዝወፈሩ፣ ውድባት ሻዕብያን ወያኔን፣ ድሕሪ 66 ዓመታት ውረድ ደዪብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ምስኣረብረቡዎ፣ ሎሚ ቍጽሪ ፈላስፋታትን፣ ጀጋኑን ኤርትራ መሬት ምስዘበጠን፣ ውርዙይ ባህልን፣ ቅዱስ ኦሪታዊ ሃይማኖትን፣ ኩሩዕ መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጐደልለ! ብዘይ ዓለምለኻዊ ቅጥዒ ውላድ ወያኔ ዶር. ዓቢዪን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣብ ከተማ ኣስመራ ተራኺቦም “ተደሚርና ኢና፣ ሰላምን ፍቕርን፣እልልታ እልልታ”! እንዳበሉ ንኤርትራን ኢትዮጵያን መቐጸልታ ምፍራስ ፈደረሽን ነቲ ን30 ዓመታት ማእለያ ዘይብሉ ደም ንጹሃት ሃገራውያን ዝውሓዘሉ ቃልሲ ኣበርዒኖሞ።
US President Franklin Roosevelt and Ethiopian Emperor Haile Selassie aboard USS Q…HD Stock Footage
ፕረሲደንት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ፍራንክሊን ሩዝቨልትን፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሴን፣ ኣብ ስዌዝ ካናል ኣብ ውሽጢ ዓባይ መርከብ ኣሜሪካ ተራኺቦም ስዉር ኣጀንዳ ዝሓዘ ስትራተጂካዊ ውዕል፣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምሉ 1947 ዓ.ም.ፈ. ነበረ።
ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ጆን ፎርስተር ዱላስ ወኪል መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ተረኺቡ፣ መቐጸልታ ውዕል ንጉስ ሃይለስላሴን ፕረሲደንት ሩዝቨልት ከተግብር ከሎ፣ ከምዚ ኢሉ፤ “ዋላኳ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት እንተኾነ፣ ምእንቲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ ከባቢ ቀዪሕ ባሕሪ ክንብል ግና፣ ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ”
ብ1963 ዓ.ም.ፈ.ፕረሲደንት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ጆን ኤፍ ኴነዲን፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሴን፣ መቐጸልታ ውዕል ፕረሲደንት ሩስቨልት ክሰማምዑ ከለው ዘርኢ ኣውድዮ ቪስዋል መግለጺ።
እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍጸም ዝድለ ዘሎ ድጉል ሓዊ፣ ሎሚ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝነጠበ ዘይኮነስ፣ ካብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ማለት ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ምውጽኡ፣ ብመንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ዝተኣልመ ውዲታዊ መስርሕ ሰለይ እንዳበለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስን፣ ብሓዲሽ ኢሰያስ ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድን ይኣይ ክትግበር ይድለ ኣሎ። ነክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ነት ሕመሬት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምርዳእ፣ እስከ ብኽብረትኩም ነዘን ኣብ ላዕልን ኣብ ታሕትን ዘለዋ ቪድዮታትን ስእላዊ መግለጺታትን ተኸታተሉወን። ታሪኽ ብምጽናዕን፣ ነቲ ኲነታት ድማ ብውድዓዊን ብመጎታዊን ተንቲካ ክትፈልጥ ምስትኽእል፣ ጥራይ እዩ፣ ትርጉም ናብራ ህይወት ክፍሌት ዝኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ከይፈለጥካ ብድንቒርናኻ ሙማት ካብኡ ዝኸፍእ ሞት ስለዘየለ።
Richard / Miles COPELAND ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ብስም ፕሮጀችት “ፈልሲ” Nercery” C.I.A.ኤጀንት ገሩ ዝሓጸዮን ዝመልመሎን፣ ስዉር ኣጀንዳ ወይ ውዕል ዝኣተወሉን።
Paul Henze ወኪል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ካብ 1969 ክሳብ 1991 ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቅን ሃገራት ኣዕራብን ዘገልግል ዝነበረ ልዑል ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ። ኤርትራ ነጻነታ ክትረክብ የብላን ኢሉ ዝተጣብቐ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ።
ፓወል ሂንሰ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲኣይኤን ።
ፓውል ሂንሰ ኣባት ነብሲ (God Father) ኢሰያስን መለስን::
Recent Comments