ኢሰያስ “መልእኽቲ ህዝቢ ኤርትራ ሒዙ” ንኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ኢሰያስ ቅድሚ ንኣዲስ ኣበባ ምብጋሱ፣ ኣብቲ መመረቕታ መበል 31 ዙርያ ዋርሳይ ይከኣሎ፣ “መልእኽትኹም ሂዘ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እየ” እሉ መግለጺ ሂቡ። ንህዝቢ ኤርትራ ግና ኣይሓበረን።

 ኣቀባብላ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ

እዚ ኣብዚ እዋንዚ ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምዕንጃል፣ ኮነ ኢልካ  ማእለያ ዘይብሉ ግንከኣ ዘይፍጸም ተስፋታት እንዳ ኣተስፈዉ ዘብዘብ ዝብሉዎ ዘለው፣ ሓዲሽ ተርእዮ ድዩ፣ ወይስ ነቲ 66 ዓመታት ምርብራብ ዝወሰደ ስትራተጂካዊ መስርሕ ጽዮናውያን ንምትግባር እዩ? እስከ ነዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ቪድዮታት ሓደ ብሓደ ተኻታተሉወን።

ድሕሪ ምብጻሕ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፣ ካብቲ ስትራተጂካዊ ወፍሪ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ኤርትራ ስለዝኾነት፣  መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢሰያስን ወያኔን ስለዝኣዘዘቶም

ዶር. ዓቢዪን ኢሰያስን  ብዘይ ፍቓድ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ብኢደወናንነት ድፍኢት ኣሜሪካ ጥራይ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተደሚረን እየን ይብሉና ኣለው።
ድሕሪ 66 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ሕልንኡን ጅግንነቱን ሕይወቱን ክጽንቅቕ ምስ ቀረበ፣ ማለት ድሕሪ ዘይተኣደነ ኣራባራብ ጽዮናውያን፣ ሎሚ ኮራኹሮም ንኤርትራ ብውዲት ብዘይ ኢንተርናሽናል ቅጥዒ ማለት ብዘይ መንጎኘት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፣ ምስ ኢትዮጵያ ክጽንብሩዋ ከለው ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ።

እቶም ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ብፍላይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮንነት ሃጸይነትን፣ ብሓፈሻ ድማ ንረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ንምትግባር ንሜዳ ዝወፈሩ፣ ውድባት ሻዕብያን ወያኔን፣ ድሕሪ 66 ዓመታት ውረድ ደዪብ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ምስኣረብረቡዎ፣ ሎሚ  ቍጽሪ ፈላስፋታትን፣ ጀጋኑን ኤርትራ መሬት ምስዘበጠን፣ ውርዙይ ባህልን፣ ቅዱስ ኦሪታዊ ሃይማኖትን፣ ኩሩዕ መንነትን ህዝቢ ኤርትራ  ምስ ጐደልለ! ብዘይ ዓለምለኻዊ ቅጥዒ ውላድ ወያኔ ዶር. ዓቢዪን ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ኣብ ከተማ ኣስመራ ተራኺቦም “ተደሚርና ኢና፣ ሰላምን ፍቕርን፣እልልታ እልልታ”! እንዳበሉ ንኤርትራን ኢትዮጵያን መቐጸልታ ምፍራስ ፈደረሽን ነቲ ን30 ዓመታት ማእለያ ዘይብሉ ደም ንጹሃት ሃገራውያን ዝውሓዘሉ ቃልሲ ኣበርዒኖሞ።

US President Franklin Roosevelt and Ethiopian Emperor Haile Selassie aboard USS Q…HD Stock Footage

ፕረሲደንት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ፍራንክሊን ሩዝቨልትን፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሴን፣ ኣብ ስዌዝ ካናል ኣብ ውሽጢ ዓባይ መርከብ ኣሜሪካ ተራኺቦም ስዉር ኣጀንዳ ዝሓዘ ስትራተጂካዊ ውዕል፣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምሉ 1947 ዓ.ም.ፈ. ነበረ።

ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ጆን ፎርስተር ዱላስ ወኪል መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ፣ ኣብ ኣኼባ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣብ ሳንፍራንሲስኮ ተረኺቡ፣ መቐጸልታ ውዕል ንጉስ ሃይለስላሴን ፕረሲደንት ሩዝቨልት ከተግብር ከሎ፣ ከምዚ ኢሉ፤  “ዋላኳ ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ንነጻነት እንተኾነ፣ ምእንቲ ስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ  ከባቢ ቀዪሕ ባሕሪ ክንብል ግና፣ ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ”

ብ1963 ዓ.ም.ፈ.ፕረሲደንት መንግስቲ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ጆን ኤፍ ኴነዲን፣ ንጉስ ኢትዮጵያ ሃይለስላሴን፣ መቐጸልታ ውዕል ፕረሲደንት ሩስቨልት ክሰማምዑ ከለው ዘርኢ ኣውድዮ ቪስዋል መግለጺ።

እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍጸም ዝድለ ዘሎ ድጉል ሓዊ፣ ሎሚ ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝነጠበ ዘይኮነስ፣ ካብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ማለት ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ምውጽኡ፣ ብመንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ዝተኣልመ ውዲታዊ መስርሕ ሰለይ እንዳበለ ክኸይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስን፣ ብሓዲሽ ኢሰያስ ዶር. ዓቢዪ ኣሕመድን ይኣይ ክትግበር ይድለ ኣሎ። ነክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ነት ሕመሬት  ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምርዳእ፣ እስከ ብኽብረትኩም ነዘን ኣብ ላዕልን ኣብ ታሕትን ዘለዋ ቪድዮታትን ስእላዊ መግለጺታትን ተኸታተሉወን። ታሪኽ ብምጽናዕን፣ ነቲ ኲነታት ድማ ብውድዓዊን ብመጎታዊን ተንቲካ ክትፈልጥ ምስትኽእል፣ ጥራይ እዩ፣ ትርጉም ናብራ ህይወት ክፍሌት ዝኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ከይፈለጥካ ብድንቒርናኻ ሙማት ካብኡ ዝኸፍእ ሞት ስለዘየለ።

ካብ ዝሓለፈ ዓምድታትና ዝተወስደ ሓተታ እዩሞ እስከ ጠውቑዎ።

Richard / Miles COPELAND ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ብስም ፕሮጀችት “ፈልሲ” Nercery” C.I.A.ኤጀንት ገሩ ዝሓጸዮን ዝመልመሎን፣ ስዉር ኣጀንዳ ወይ ውዕል ዝኣተወሉን።


Paul Henze ወኪል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ካብ 1969 ክሳብ 1991 ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቅን ሃገራት ኣዕራብን ዘገልግል ዝነበረ ልዑል ወኪል መንግስቲ ኣሜሪካ።  ኤርትራ ነጻነታ ክትረክብ የብላን ኢሉ ዝተጣብቐ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ እዩ።

 ፓወል ሂንሰ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሲኣይኤን ።

Image result for paul henze

ፓውል ሂንሰ ኣባት ነብሲ (God Father) ኢሰያስን መለስን::

FILE - Former U.S. President George H.W. Bush arrives on the field to do the coin toss ahead of the start of Super Bowl LI between the New England Patriots and the Atlanta Falcons in Houston, Texas, Feb. 5, 2017.

ጆርጅ ቡሽ ንብዙሕ ዓመታት ብጀነራል ዳይረክተር መዓርግ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ድሕሪ ምንባር ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ምክትል ፕረሲደንት ሮላንድ ሬጋን ዝነበረ፣ ብ1980  ዓ.ም.ፈ. ምስ መራሕቲ ሻዕብያን ወያኔን ኣብ ካርቱም ሱዳን ተራኺቡ፣ ተላፊኖም ንጀብሃ ክወቕዕዋ ከምዘለዎም ኢሉ ዝኣዘዘ ብዓል ስልጣን። ሎሚ 93 ዕድሜ ገሩ ኣብ ጻዕሪ ሞት ይርከብ ኣሎ።

ፕረሲደንት ሕቡራት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር

Image result for President Jimmy Carter

ፕረሲደንት ጂሚ ካርተን ንጉዳይ ኤርትራ ብሓላፍነት ንኽከታተል ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ሥልጣን ተዋህቦ። ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ምስ መራሕቲ ወያኔን ሻዕብያን ኣብ ካርቱም ሃገር ሱዳን ተራኺቡ፣ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ተታሒዙ ዝነበረ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ ንምውዓል፣ ወያኔን ሻዕብያዝን ከም ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ዝምወል  ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ንክምክቱዎ፣ ምሉእ ስትራተጂካዊን፣ ቁጠባዊ ሓገዝ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ከምዝውሃቦም ዘሰማምዐን ሕቡእ ኣጀንዳ ዝተሰማምዐን ነበረ።

7ይ. ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ዎኪል መንግስቲ ኣሜሪካ

Image result for African representant hermann cohen
ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀን ዎኪል መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ሃገራት ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ዛጊት ኣብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ለንደን፣ ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ መለስ ዜናዊን፣ ተስፋየ ዲንቃ ኣባል ስዑር መንግስቲ ደርጊ፣ ስዉርን ግንከኣ እንዳጸንሐ ዝግሃድ ውዲታዊ ዝኾነ ጸረ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ውዒል ዝገበረ ገበረ።

ልክዕ ካብ 1952 ዓ.ም.ፈ. ጀሚርና ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. 66 ዓመታት ሓሊፉ። እንሆ እምብኣር ድሕሪ 66 ዓመታት ሎሚዘመን ኣብ2018 ዓ.ም.ፈ. ፍሉይ ኣምባሳደር መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ: ዶናልድ ያ. ያማሞቶ Donald Y. Yamamoto ዝተባህለ፣ ብዝረቐቐ ውዲት ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ንምፍታ” ብዝብል ውዲት ምስ መራሒ ግዝያዊ መንግስቲ ሓዳስ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ምስ መራሕቲ ወያኔን ተራኺቡ፣ ብዘመሓላለፈሎም ትእዛዝ፣ ኣብዚ እዋንዚ ብዶር. ዓቡዪ ኣሕመድ፣ ሓዲሽ “ሰላማዊ”! “ፍቕራዊ”! “መደመር”! “መደማመር”! ዝብሉ ጭርሖታት ንልብን ቀልብን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክሰልብ ገልዳሕ ይብል ንዕዘብ ኣሎና። ኣብግብሪ ክትርጎም ድዩ ንዝብል ሕቶ ግና፣ ብግርህነትን ስምዒትን፣ ለዋህነትን ምምላስ ዘይኮነስ፣ ብንቕሓት፣ ግንከኣ ነቶም ብዛዕባ ፍታሕ ሽግር ኤርትራን ተባሂሎም ን66 ዓመታት ብውሑድ 8 ልኡኻት መንግስቲ ኣሜሪካ ከካይዱዎ ዝጸንሑ ሰንሰለታዊ ውዲታት ወይ ፖለቲካዊን ስለላዊን መስርሓት መንግስቲ ኣሜሪካ ብኣድህቦ ብምጽናዕ ጥራይ ኢና መሰረታዊ ሰላም ብሓቂ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክመጽእ ድዩ ወይስ ብኣንጻሩ ውግእን ወረ ውግእን ክኸውን እዩ ኢልና ክንምልስ እንኽእል። ዝኾነ ፣ ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ዘለዎ ቦታ ጥራይ ንብጻሕ።

ተመራሚርናን ታሪኽ ኣጽኒንዕናን  እንተዘይ ፈሊጥና፣ ድሕሪ ምፍላጥና ድማ፣ ንጸላእትና ከነለሊ እንተይዘይክኢልና፣ ከምቲ  ጀርመናውያን ክምስሉ ከለው፣ “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ደንቆሮ ምዃኑ ከይተረድኦ ብድንቁርናኡ ሞይቱ ” ዝብሉዎ ጥራይ እዩ ዝኸውን፣  መላገጺ ጽዮናውያንን፣ ምዕራባውያንን፣ ሃጸያውያንን  ኮንና ንተርፍ።