ብህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ዋዕላ ጀነቫ  ዝተዳለወ መጸዋዕታ

መእተዊ፣

ጽባሕ እቲ ንናይ ሃገርና ልዑላዉነት ንነጻነትን አሕሊፍና፡ አይንህብን ዝብል ነድርን መርገጽን ናይ ህዝብና ዘቃልሔን፣ ነቲ ከብ ህዝቢ ተኸዊሉ ዝካዬድ ዘሎ ሽርሕታት ዉልቀ-መላኺ ስርዓት ዝመከተን ንሕቡራት ሃገራት ንመላእ ዓለምን መርገጺኡ ዝነጸረ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝተሳተፍዎ ታሪኻዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ፣ አብ ታሪኻዊ መዓልቲ ሰዉራ ኤርትራ ሓደ መስከረም 2018 ዝተኻዬደ ህዝባዊ ዋዕላ ብህዝቢ ዝተመርጸት ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ቆይማ። መሰረታዊ ተልእኾአ ንናይግዝዬ መዋእላን ብተኻታተሊ ክልተ ህዝባዊ መግለጺታት ዘርጊሓምንባራ ዝዝከርእዩ። ዳግ ምንምብራህ መሰረታዊ ተልእኹአ ነቲ አብ መላእ ዓለም ዝርከብ ናይ ኤርትራዉያን ህዝባዊ ቃልሲ ንምድልዳሉን ብክብ ዝበለ ደረጃ ተጠርኒፉና ብአድማዒ ሓይሊ ንምስግጋሩን፣ አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካዬድ ቃልስታቱ ዘስምርን ዘወሃህድን ህዝባዊ ወኪልን ልኡኽን ንምፍጣርእዩ። ህዝባዊ መዝነትን ቅቡልነትን ዘለዎ፣ ብህዝቢ ዝተመርጸትን ትሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነን ልኡኽ ህዝቢ ንምቛም ናይ ኩልና ንፍትሕን ሓርነትን ንቃለስ ኤርትራዉያን ሓላፍነት እዩ። ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ ብመሰረት ዝተዋህባ ተልእኾ አድላይ መጽናዕትታት ከተካይድ ድሕሪ ምጽናሕ እንሆ ነዚ ዝስዕብ መደብ ትግበራና ብክቡር ህዝብና ነቕርብ።

1.) ህዝባዊ ጥርናፈና አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም አብ ንነብረሉ ቦታታት ምድልዳል። ብሰንኪ ሕሱም ምልካዊ መግዛእቲ ህዝብና አብ ፈቐድኡ ዓለም ተበቲኑ አብ ዘለወሉ እዋን [ብቦታ] [ብከተማ] [ብአከባቢ] ደረጃ ኩሎም ንፍትሒ ዝቃለሱ ኤርትራዉያን ምጥርናፍን አብ ሓደ መአዲ አብ ምድሓን ሃገሮምን ህዝቦምን ምስማርን፣ ንኹሉ እቲ ምልካዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ሽርሕታትን ምትላላትን ብምፍሻል፣ ኩሎም ኤርትራዉያን አብ ጎኒ ልዑላዊት ሃገርን ሓርነትን ህዝብን ንኽዓስሉ ምስራሕ። 2.እቲ ብአ ካባቢ/ ከተማታት ዝተጠርነፈ አካላት፣ ብደረጃ ሃገር ንምጥርናፍ አብ ሓደ ማእከላይ ቦታ ወከልቶም ብምልአኽ፣ ብደረጃ ሃገር ዝዉክልዎም ይመርጹ። ዓቐን ወከልቲ ሃገር ከከምዓቐኑ ኮይኑ ካብ 7 ስጋብ 10 ይበጽሕ። ክሳብ 15/ መጋቢት 2019 ወከልቲ ሃገራትና ይ ምምራጽ ስራሕ ንክዉዳእ ነማሕጽን።

3.) እቶም ካብ ኩለን ሃገራት ዝተመርጹ ወከልቲ ሃገራት፣ አብ ማእከላይ ቦታ አብ ዝግበር ዋዕላ ተጋቢኦም፣ ሰፊሕ ናይ ዓወት ዓቢ ስትራተጂ የጽድቑን ብክፍለ ዓለምን፡ ዓለም-ለኸን ደረጃ ህዝባዉያን ወከልትን ልኡኻትን ይመርጹ። እቶም ናይ ዓለምለኸ ወከልትን ልኡኻትን፣ ብመሰረት ዝጸደቐ ዓቢ ስትራተጅን መደብን ንኹሉ ቃልስታት ዬወሃህዱን፣ ዕላዉያን አፈኛታትን ወከልትንይኾኑን። አብ ኩሉ መድረኻት ይመርሑ። ቦታን ግዝዬን ዋዕላ አብ ተኸታታሊ መግለጺታትን ክንሕብርኢና።

ተወሳኺ፡

1.) ነዚ አብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ተዘርዚሩ ዘሎ አገዳሲ ህዝባዊ ዕማምን ምስላጥን፣ ክንድቲ መድረኽ ዝጠልበና፣ ሃገርና ንህዝብናን አብ ምድሓን ክንዕወት፣ መላእ ደላይ ፍትሒ ዉድባትን ማሕበርትን ምንቅስቓሳትን፣ እዚ ዋኒንእዚ ከም ቀንዲ ዋኒኖም ክሕዝዎን አብ ምዕዋቱ ክትሓባበሩን ንጽዉዕ።

2.) ኤርትራዊ ደንበ ፍትሕን ሓርነትን ሰሚሩን ተሓባቢሩን ሃገሩ አብ ምድሓን፣ ህዝባዊ ጥርናፈ ህዝባዊ ሓይሊ ፈጢሩን ኹሉ ዉዱብን ጥርኑፍን ትሕዝቶኡ አወሃሂዱ ምልክን ምልካዉነትን ብምልጋስ፣ ናብ ጥጡሕ ሰላማዊ ምስግጋር ከምዝዉዕል ምግባር።

3.) አብ ኤርትራ ከጋጥም ዝኽእል ምዕባሌታት ለዉጥታት፣ ሃገራዊ መጽናዕቲታትን ምድላዋትን ምግባር፣ ንኹሎም ዓቕሚ ዘለዎም ምሁራት አበርክትኦም ብዝያዳ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ሰላማዊ ምስግጋርን ከም ዝዉዕል ምግባር።

4.) ነቶም ዝለዓለ ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ዝኾኑ መንእሰያትን ደቂ አንስትዮን፣ ዝያዳ አቓልቦ ምግባርን፣ ጸገማቶም ብምፍታሕ፣ አብ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓቀኛ ቦታኦም ምሃብ። አብ መደምደምታ፣ ሃገርናን ህዝብናን ብምድሓን፣ ሓርነት መላእ ህዝብና ምርግጋጽ ሓላፍነት ኩልና ምኻኑ ዘጠራጥር አይኮነን። በብዝመስለና ዓቢ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ ቃልሲ ይካዬድ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ህዝባዊ ጥርናፈ ንምቛም ዓለምለኻዊ ህዝባዊ ወኪልን፣ ንህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ክብ ዝበለ ደረጃ ብምስግጋር፣ ስሉጥን አድማዕን መንገዲ ብምኻኑ፣ ኩሎም አብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘለዉ ኤርትራዉያን ክዉንንዎን፣ ድምጾምን ጻዕርታቶምን ብምስማር፣ ምልክን ምልካዊ ዋንነትን ንምዉጋድ ንበገስ። አብ ከባቢና ዝካዬድ ጥርናፌታት አደልዲልና፣  ሃገራዊ ወከልትና ንምረጽ።

ንዝያዳ ሓበሬታ አድራሻና፡ ኢመይል……abiyassu5@gmail.com….

ቴሌፎን 33 769467278፡ 39 3245980876፡47 94730411 44 7508050586። ዓወትንህዝባዊ ጥርናፈን ምምራጽ ወከልቲ ህዝብን፣ ልዑላዊት ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ንዘልአለም ትንበር፣ ህዝባ ብሕግን ፍትሕን ይናበር፣ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉአትና፣ ህዝባዊ ሓይሊ ዕማም ጀነቫ።