ሓደ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ በዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝካየድ ንዝቀነየ ርኽክባት ተመርኲሹ፡ “ደስ ይበለና ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ሰላም ኰይኑ” እናበለ ና ይ ደ ስ ታ ስ ምዒቱ ገለጸለይ ። እቲ መንእሰይ ዘ ረ ባ ኡ ብምቅጻል፡ “ተዓጽዩ ዝነበረ መንገዲ ጽርግያታት ተኸፊቱልና፡ ኣቋሪጹ ዝነበረመስመር ተለፎንቀጺሉ፡ ነፈርቲ በረራ ጀሚረን”፡ ወዘተ…እናበለ ነ ቲ ብ መራ ኸ ቢ ብ ዙ ሓ ን ክ ፍ ኖ ን ዝ ቀ ነ የ ዜና ደገ መለ ይ ። ኣ ነ ግ ን ነ ቲ ሰ ና ይ ናይ ሰላም ድልየቱ ብምስትባሃልን፡ ሰላም ድሌት መላእ ኣህዛብን ድሌት ህዝብናን ብምዃኑን፡ ቃልካ ይስዓር በልኩዎ። እወ፡ ሰላምንኽስዕር ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ። ዕንቅፋት ናይ ሰላም ድማ እቶም ወግሔ ጸብሐ ዎ!ኣምላኽ ሰላም ኣውርደልና! እናበለ ዝጽልን፣ ዝምነን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ እቶም ሰላም እንትኾነ ስልጣንና ካብ ኢድና ክምንዛዕ እዩ፡ ካብ ዝብል ፍርህን፣ ስሱዕ ኣተሓሳስባኦምን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትርጉም ዘይብሉ ውግኣትን፣ ቅልውላውን ከርተት ዘብልዎ ዘለዉ፡ እዞም ናይ አርትራዊነ ት ሃገራዊ መንነት ጸገም ዘለዎም ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን፣ መሻርኽቶም ትምክሕተኛታት አትዮጵያውያንን፡ ንዕኦም ዝምችእ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝምስርቱ፡ ዝኣለምዎ ተንኮል ምዃኑ ክስወረና የብሉን።

ከምቲ ናይ ዕዳጋ ዕግርግርን ሰራቂይጥዕሞዝብልዎ፡ እቲንመንነቶም ዝምችእ ጥጡሕ ባይታ፡ በዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላውን፡ ጸጥታ ኣብ ዘይተረጋግኣሉ ዘሎ እዋንን፡ መሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስተ ዶር. ዓቢይ ኣሕመድ ዓቢኣፍደገ ከፊቱልና ኣሎ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ሰብ ሰላም ኮይኖም ክረኣዩ ይጽዕሩ ኣለዉ። ብዓይኒ ኤርትራውያንግን፡ ናይዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ መዓትን መከራን፣ ቀጥታ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተሓታቲ፡ ዲክታቶር ኢሰያስ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ “ወንጮእንተገምጠልካዮ ወንጮ” ኮይኑ፡ ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ምንምዓይነት ጥቅሚምስ ዘይብሎምበኣታታት እዩ ሰላምኮይኑ ዝበሃል ዘሎ።

እቲ ክንዕዘቦ ዝቀነ ና ትያትር ንምእማኑ ዘጸግምእኳ እንተነ በረ፡ ብዙሓት ገርሃኛታት ኤርትራውያን ግን ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ከይተመራመሩሉን፡ ነቲ ዝተባህለከየስተብሃሉሉን፡ ብደገጥራሕብምጥማትኣብሃገርናሰላምወሪዱ ብማለትናይቲመንገዱዝሰሓተጓይላመዳምቅቲብምኻኖም፡ ካብናይታሪኽ ተመኵሮና ብምምርኳስ፡ ከይተሃወኽና ህዲእ ኢልና ንሕሰብ እንተበልኩ ካብ ሓ ቂ ዝ ወ ጻ እ ኩ ኰይ ኑ ኣ ይ ስ መዓ ን ን ። ን ህ ዝ ቢ ኤ ር ት ራ ውግ እ ኮ ይ ኑ ፣ ወ ይ ውን ብኣንጻሩሰላምኮይኑእንተተባህለምጥቃዕጥራሕዘይኮነስ፡ ኣብጉዳይ ሃ ገ ሩ ወ ሳ ኒ ተ ራ ን ክ ህ ል ዎ ክ ቃ ል ስ ኣ ማራ ጺ ከ ም ዘ ይ ብ ሉ ምእ ማን ኣ ገ ዳ ሲ እ ዩ ። ናይ ሰላምመስርሕ መሲሉ፡ ግንከ መኣዝኑ ኣብ ዝሰሓተ ፖሊቲካዊ ሓሸውየ ሸንኰልልከይበልና፡ ኣብቲኣብመንጎኤርትራንኢትዮጲያንተበጺሑኣብ ዝበሃል ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ከይተገ ራህናን ከይፈራህናን ንጥቅሚ ሃገ ርና ክንቃለስን፥ ከይተሰከፍና ድማርእይቶና ክንህብን ሃገ ራዊ ግዴታና ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ክምቲ ኣቦታትና ዝመሰልዎ፡ ክሰርቀኒ ዝረኤኽዎስ ክውስኸኒውን ነይኣምኖ ዝበልዎ፡ ሕቶና ስለምንታይ ምስ አትዮጵያ ሰላም

ተገይሩ ዘይኮነስ፡ እረ ብመሰረቱኸ እንታይ ዘባእስነይ ሩና፡ ኢለ ክሓትት እፈቱ።ዶ ብእንተኾነ፡ ዶብ ትርጉም የብሉን ዝብል ጽውጽዋይ ካብቶም ንዂናት ዝወልዑ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ይንገረና ኣሎ። እዞም ሕጂ ቆርበት በጊዕ ተወንዚፎም ሰላም ኰይኑ ዝብሉና ዘለዉ፡ ከምቲ ዓዋን ሓደ ደርፉ ዝብልዎ፡ ግደፉባ ሰላም ንግበር ምስ ዝበሃሉ፡ ምስ ወያነ ሰላም ዘግብር የብልናን፡ እምብለይ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንዕረቅን፡ እናበሉ ኣእዛና ኣጽሚሞምና ከምዘይነበሩ፡ “ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ” ከምዝብልዎ፡ ሎሚ ተገምጢሎም ሃዋርያታት ሰላም መሲሎም ከታልሉና ምፍታኖም ክገርመና የብሉን። ንህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ግን ብዳግማይ ክይታለል ኣብቲ ምቁር ናይ ሰላም ዘረባኦም ዘ ይ ኮ ነ ስ ኣ ብ ተ ግ ባ ራ ቶ ም ን ኸ ተ ኵ ር ሃ ገ ራ ዊ ግ ዴ ታ ኡ ይ ኸ ውን ።

እቲ ኣብ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክንርእዮ ዝቀነ ና፡ ደይ መደይ ተባሂሉ ዝተደርሰ ናይ ተዋስኦ ምርኢት፡ ዋዛን ቁምነገርን ዝሓዙ መልእኽትታት ነይርዎ።እቲዋዛከምቲመንእሰይዝበሎኣብመእተዊዝጠቀስኩዎ፡ ሰላም ኰይ ኑ ፣ ተ ዓ ጽ ዩ ዝ ነ በ ረ መን ገ ዲ ጽ ር ግ ያ ታ ት ተ ኸ ፊ ቱ ል ና ፣ ኣ ቋ ሪ ጹ ዝ ነ በ ረ መስመርተለፎንቀጺሉ፣ ነፈርቲበረራጀሚረን፡ ወዘተ…ዝብሉብምዑዝ ቃ ላ ት ዝ ተ ወ ቀ ጡ ክ ን ሰ ምዖ ም ዝ ቀ ነ ና ምደ ሬ ታ ት እ ዮ ም። እ ቲ ቁ ም ነ ገ ር ግ ን ፡ ህዝቢኤርትራን ህዝቢኢትዮጵያን ሓደ ሕዝቢእዩ፣ ዶክተር ዓቢይን ኢሰያስን ዓሰብ ክሻረኹ እዮም፣ ኣብ ፍቅሪ ዝምርኮስ ንአርትራን ንአትዮጵያን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ቆፎ ዝዕሽግ ናይ ምድማር መደብ ዕዮ ምጅማሩ፣ ምስ ኢትዮጵያ ሕቶ ዶብ ትርጉም ከምዘይብሉ፣ ብሓጺሩ ባህሪያት ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን፡ ካብ ልዑላውነት ኤርትራ ምሕላው ልዑላውነት ኢትዮጵያ፣ ካብ ፍቅሪ ኤርትራ ፍቅሪ ኢትዮጵያ፣ እምነ ቶም ከም ዝኾነ ብግልጺ ዝተጋህደሉ መድረኽ እዩ ነ ይሩ። ዲክታቶር ኢሰያስ ከይሓፈረ ተጠሊዑ “ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዮምኢሉ ድሕሪ ሕጂ ዝዛረብ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ እዩ” ኢሉ ክዛረብ ከሎ፡ ዓገብ!! ንሕናስ ክልተ ኣህዛብ ኢና፡ ሓደንኽንገብሮ  ንሰላሳዓመት ዘቃልስ ኣይነበረናን፡ ወይ ድማ ብ1998- 2 0 0 0 ዓ . ም. ሃ ገ ር ኩ ም ተ ዘ ሚታ ስ ለ ዝ በ ል ኩ ሞ ኣ ብ ና ይ ዶ ብ ውግ እ ዓ ሰ ር ተ ታ ት ኣሽሓት መንእሰያትና መይኣሰዋእናን ዝብሎግን ኣይረኸበን። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ነቲ ብሽም ሰላም ዝንፋሕ ታቱላ ትርጉም ኣይረኸብናሉን፡ ንምእማኑእውን ዘጸግምኮይኑረኺብናዮ።ግንከኣብቲቁምነገርምልስኢልና፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ናይ ሰላምጉዳይ ንምኣምኑ ዘጸግምና ዘሎኢልና ምስ ንሓትት እዞም ዝ ስ ዕ ቡ ሓ ቅ ታ ት በ ሪ ሆ ምል ና ።

ቀዳማይ፡ መሰረታዊ ጠንቂ ናይ 1998 ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ ነበረ? ጠንቂ ናይቲ ብ1998 ዝተጀመረ ውግእ ወላእኳ ብመንግስቲ ኤርትራን ኢ ት ዮ ጵ ያ ን ና ይ ጉ ዳ ይ ዶ ብ ምስ ባ ድ መ ዝ ተ ኣ ሳ ሰ ር ምኽ ን ያ ት እ ን ተ ተ ዋ ህ ቦ ፡ እቲ ሓቀኛ ጠንቂ ግን እቲ ኲኖ ዶባት ኤርትራ፡ ፍሉይ ህርፋንን ህንጥይናን ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ከም ዝነበረ፡ ምስ ጉዳይ ዶብ ባድመውን ጨሪ ሹ ዘ ይ ራ ኸ ብ ከ ም ዝ ኾ ነ ን ኣ ብ ዚ እ ዋ ን እ ዚ ኣ ዓ ር ዩ ክ በ ር ሃ ል ና ክ ኢ ሉ ኣ ሎ ። ዝ ተ ፈ ላ ለ ዩ ተ ን ተ ን ቲ ነ ቲ ውግ እ ክ ገ ል ጽ ዎ ከ ለ ዉ ዶ ብ ከ ም ምኽንያትመባርዒድኣ ተጠቂሞምሉምበር፡ እቲ ብቀዳምነት ከም ግዳማዊ ረቃሒ ዝጥቀስ ቀንዲ ምኽንያት መጀመሪ ውግእ፡ እቲ ኣብ መንጎ ህግሓኤን ህወሓትን ዝነ በረ ኪዳን፡ ኢሰያስን ሰዓብቱን ኣብ ሽቶኦም ከይበጽሑ ስለ ዝፈረሰ እዩ ይበሃል። እቲ ከም ውሽጣዊ ረቃሒ ዝጥቀስ ጠንቂ ምጅማር ውግእ ንመንእሰይ ኤርትራ ኮነ ኢልካ ብምጽናት፣ ንሕቶ ዲሞክራሲ ንምጕዕጻጽ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርዓን ደይመደይ ተባሂሉ ዝተኣልመ ማእለማ እከይ እ ዩ ነ ይ ሩ ። ኮ ይ ኑ ግ ን እ ዚ ብዙሕ ዝዝመረሉ ዘ ሎ ናይ ሰላም  ርኽ ክ ብ ነቲ መሰረት ግርጭት ናይ ክልቲአን ሃገ ራት ከይተንከፎ ብዕበጦ ዕበጦ ሰጊርዎ። ኣ ብ ቲ ናይ ዘ ተ ኣ ጀ ን ዳ እውን ኣይ ሰ ፈ ረ ን። እ ቲ ዝ ገ ር ም ምኽ ን ያ ት መበ ኣ ሲኻ ከይፍለጥካስ ሰላም ኮይኑ ተዓሪቅና ተብሂሉስ ክንድዚ ዳንኬራ! ተሰሚዑኳ ኣይፈልጥ። ሕማምንኽትፍውስ ሳዕቤን ጥራሕ ዝይኮነስ ትርኢ ጠንቂ ቲ ሕማምውን ክምርመር ይግባእ። ገለ ድኣ ክሓብእዎ ዝደለይዎ ምስጢር ሃልይዎም እምበር፡ መስርሕ ሰላም ዝኣክል ብሸፍኖ ሸፍኖ፣ ድሕረ ባይታ ግርጭት ከይተመራመርካ፡ ብናይ ጐደና ከበሮን፣ ሳዕስዒትን ስለ ዝደመቀ ክዕወት እዩ ኢልካ ምሕሳብልቦና ዝጐደሎነ ፍሰ ምትላል እዩ።

ካልኣይ፡ ፖሊቲካፍቅሪገደብኣለዎ። መቸስ ፍቅሪ ክበሃል እንከሎ ማንም ሰብ እዩዝምሰጥ።ንምዃኑ ብዘይካቶም ዓመጽትን ጨቆንትን፡ ኩሉ ሰብ ፍቅሪ ጽቡቅ እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን፡ ግርጭት ግን ብፍቅሪ ጥራሕ ክፍታሕ ኣይከኣልን። ብዓይኒ መንፈሳውነት ክንጥምቶ ከሎና፡ ኩልና አርትራውያን ዜጋታት፣ ኣመንቲ ክርስትናን፡ እስልመናን ነጻነት፣ ሰላም፣ ፍቅሪ፣ ራህዋ፣ ቅሳነት፣ ሓጎስ፣ ፍትሒ ዝብላ ጥምሮ ሓሳባት ካብ ኣምላኽ ዝተዋህቡና ጽጋታት እዮም ንብል። ኮይኑ ግን፡ ብሰንኪ ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን ሃገርና ኤርትራ ኣብ ክንዲ ነጻነት ግፍዕን ፣ ማእሰርትን፣ ጭቆናን ፡ ኣብ ክንዲ ሰላም ህውከትን፣ ውግእን፡ መቅዘፍትን፡ ኣብ ክንዲ ፍቅሪ ባእስን፣ ጽልእን፡ ኣብ ክንዲ ራህዋ ስቃይን፣ መከራን፣ ውርደትን፡ ኣብ ክንዲ ቅሳነት ሕንፍሽፍስ፡ ኣብ ክንዲ ሓጎስ ሞትን፣ብኽያትን፣ ሕሰምን፡ ኣብ ክንዲ ፍትሒ ዓመጽን፣ ብልሽውናን ተዓዲላ ትርከብ። እዚ ዝሕብረና፡ ፍቅሪ መሓዙት ጥራሕ ዘይኮነስ እዞም ዝተጠቅሱ ሰይጣናዊ ህያባት ተጻባእቲ ከምዘለዋ ክንርዳእ ይግባእ። ዝኾነ ግርጭት ብፍቅሪ ጥራሕ ዝፍታሕ እንተ ዝነብር፡ ብደረጃ ሃገር ዕጡቅ ሰራዊት፣ ፖሊስ፣ ፈራዶ፣ ቤት ማእሰርቲ ስለምንታይ መድለየ? እዚ ዘረድኣና ከምቲ ዶክቶር ዓቢይ ኣሕመድ ዝበሎ ዘይኮነስ፡ ፍቅሪ ኣብ ምፍታሕ ግርጭት ብዘይቶም ካልኦት ጸ ጋ ታ ት ብፍላይ ድማ ፍትሒ ኣ ብ ዘይብ ላ ሃ ገ ር ፡ ንበይና ሰላም ንኸተስፍን ኣይትኽእልን እያ። ፍቅሪ ትበሃል ኣብ መዝገ በ ቃላት ናይ ዲክታቶር ኢሰያስን ሰዓብቱን የላን። ፍቅሪ ብይቅሬታ እዩ ዝ ጅ መር ። ክሳብ ሃገርና ኤርትራ ካብዚ ሰይጣናዊ ስ ር ዓ ት ዲክታቶር ኢሰያስ እትገላገል፡ ብፖሊቲካ ፍቅሪ ጥራሕ ዝመጽእ ሰላም የልቦን።

ሳልሳይ፡ ናይ ሰላም ጥጡሕ ባይታ። ኣብዘበን ዲክታቶር ኢሰያስ ሓደ ከም ዓቢ ሓድጊ (legacy) ዝቁጸር ነገር እንተሎ፡ ብዝኾነ ይኹን ይዕበ ወይ ይንኣስ፡ ብናይ ፖሊቲካን ሕልናን ጉዳያት ተጠርጢሮም ዝእሰሩ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከይወጹ ኣብታ ዝተኣስሩላ ቦታ ይሓቁ። ከምቲ ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝብልዎ፡ ናይ ፖሊቲካን ሕልናን እሱራት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ከምዝቁጸሩን፡ ንኤርትራ ድማ ናይ ኹምራ መዳጎኒ ቤት ማእሰርቲ ቀይሮማ ከምዘለዉ ይሕብሩ። እሱራት ክወጹ እዮም ኢልካ ዘይሕሰብ እዩ። ኣነ ከም ውልቀይ ንስርዓት ዲክታቶር ኢሰያስ ካብ ነውሕ ጊዜ ከም ዝተዓዘብኩዎ፡ ስልጣኑ ንምዕቋብ ራዕድን ሽበራን፡ እተን ዝለዓላ ዝጥቀመለን ሜላታት ምዃነን ብእዋኑ ተረዲኡኒ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ፖሊቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ርኢና ትሓጒሽና። ኣብ ኤርትራ ግን ዝወጸ እሱር ኣሎዶ? ወላ ሓደኳ ወጺኡዝብል ኣይሰማዕናን።ኣብዚ ክብሎ ዝደሊ፡ ሕቶ እሱራት ኣብ ፍትሓዊ ቃልስና ማእከላዊ ሕቶ ስለ ዝኾነ፡ ኢትዮጵያን እተን ንዕርቂ ሓለይቲ ኢና ዝብላ ሃገራትን፡ ንሕቶ እሱራት ኣወንዚፍካ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተብጽሔ ስምምዕ ይኹን፡ ወይ ድማ ንብድሕሪ ሕጂ ዝግበር ስምምዓት፡ ጊዚያዊ እምበር ነባሪ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ነጻም ልቃቅ ናይ ኩሎም እሱራትን፡ ከምኡውን ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ንዝተሰውኡ ኣ ገ ባ ብ ኣ ሰ ዋ ውኣ ኦ ም ብዕሊ ምግላጽን እ ተ ን ዝተሓታ ቅ ድመኩነት ና ይ ሰላም እየን። ሰላም ጥጡሕ ባይታ ይደሊ፡ ባይታ ሰላም ግን ኣይተብጽሔን።

ራብዓይ፡ ጉዳይ ዶብ። ዲክታቶር ኢሰያስ ካብ ምጽሕታር ውግእን፣ ምፍጣር ቅልውላውን ድሕር ዘይብል፡ ብዓንዳሪ ጠባይ ዝግለጽ ጽማኣተ ደም ዘለዎ ዘይሰብኣዊ እኩይ ግለ ስብ ኮይኑ፡ ብሕቶ ዶብ እናመሳመሰ፡ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ኲናት እናጻሕተረ መንእሰያትና ዘሕለቀ ሰብ እዩ። ነቲ ብሰንኪ ባድመ ዝተላዕለ ኩናትን፡ ኣስዒቡ በቲ ናይ ኲናት ሃዋህው ዝተፈጠረ ውጥሪን ክልቲአን መንግስታት ብሰላም ክፍታሕ ምውሳን ኣዎንታዊኳ እንተኾነ፡ ሕሉፍ ጌጋታት ንኸይድገም፡ ሕቶ ዶብ ብግቡእ ተዘተየሉ ክትግበር ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ከዘኻኽር እፈቱ። ብመሰረቱ ዲክታቶር ኢሳያስ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ከይተሓንጸጸን፡ ወይውን ነ ቶምምስ ዶብ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ስምምዕ ከይተገብረሎም፡ ነቲ ኣብ ድሮ ዋዜማ ነጻነት 1993 ዓ.ም.ፈ. ዝብሎ ዝነበረ ኣበሃህላ ብምድጋም፡ ኣብዚ እዋን እዚውን ተግምጢሉ “ዶብትርጉምየብሉን” ምባሉ፡ ሃናጺ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ነቲ ናይ ቀደምን ናይ ሕጅን ኣዘረባኡ ብምዝካር ድማ መመሊሽና ኣብሻቅሎት ንርከብ ኣሎና። ከምቲ ብተመን ዝተዳህለ ካብ ልሕጺ ሃደመ ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብ ብኢሰያስ ተታሊሉ እዩ። ሕጂኸ እንታይ ዝጻሕተሮ ሃልይዎ ኾይኑዩ “ዶብ ትርጉም የብሉን” ዝብል ዘሎ? ይስተረና! ጥራሕ ኢና ንብል ዘሎና።

ሓ ምሻ ይ ፡ ፍ ል ስ ፍ ና ምድ ማር ብ መን ጽ ር ሃ ገ ራ ዊ ል ዑ ላ ውነ ት ። ፍ ል ሰ ፍ ና ምድማር ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ብሓንሳብ ይጠምረን። ሓደ (ኢትዮጵያ) ተደመሮ ሓደ (ኤርትራ) ኣብ ክንዲ ክለተ ዝኸውን ብናይ ዶክተር ዓቢይ ኣሕመድ ኣገላልጻ ግን ሓደ ይኸውን። ትርጉም ናይዚ ኣሃዱነት እንታይእዩ ፧ ከም እንዝክሮ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ስርዓት ንጉስ ሃይለስላሴ ፈደረሽን ንሓድነ ት እትዮጵያ እኹል ኣይኮነን ኢሉ ምስ ኣፍረሶ ናይ ነጻነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ተ ጀ ሚሩ ። እ ቲ ዝ ቀ ጸ ለ ቃ ል ሲ ኣ ብ ምዕ ባ ሌ ክ ል ቲ ኤ ን ሃ ገ ራ ት ኣ ሉ ታ ዊ ጽ ል ዋ ከምዝነ በሮ ንኹልና ብሩህ እዩ። ሰፍ ዘይብል ናይ ሕይወትን ንዋትን ዋጋ ድማ ከፊልና። መራሕቲ ሃይማኖት ፍቅሪ ኢሎም እንተ ሰበኹ ስ ራሖም እዮም ዝገብሩ ዘለዉ። ኮይኑ ግን መራሕ መንግስቲ፡ ፍቅሪ ንኹሉ መፍትሒ እዩ እንተበለ ምትላል ጥራሕ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። ዶር. ዓቢይ ኣሕመድ ራእዪ ኣሎኒ ዝብል እንተኾነ፣ ካብ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባ ፍቅርን ምድማርን ርሒቁ፡ ቅድም ቀዳድም ንዘሎ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብወድዓዊ መንጽር ተመልኪቱ፡ ብስርዓተ ሕግን፡ ብሃገራዊ ቁዋምን ተመርኲሹ ነቶም ኩሎም ሽግራት ክፈትሖም ክቃለስ ይግባእ። ከምቲ ብኣምሓርኛ “የነ ተሎ ተሎ ቤት ግድግዳው ሰንበሌጥ” ማለት “ብሃወኽ ዝህነጽ ገዛ መንደቑ (ግድግዳኡ) ቀሻሺ” ከምዝብልዎ፡ ዝተዋህለሉ ፖሎቲካዊ ጸገማት ብጉያ ጉያ ክፍትሑ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ዘበለኒ ድማ እቲ ንኢትዮጵያውያን ጽቡቅ ዝስምዖም ነጥብታት ኣልዒልካ ምጭፋር ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይቶም ክድመሩ ዝድለዩ ኣህዛብ ኩነታን፣ ስክፍታን፣ ስግኣትን ብ ግ ቡ እ ክርኤ ኣለዎ። ብሰንኪ እ ቲ ኣ ብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሔ ሕማቕ ደማዊ ታሪኽ ፖሎቲካዊ ምትእምማን የብልናን።

እዚ ዝተበጽሐ ስምምዕን ኽ ል ቲ ኡ ኣህዛብ ዘተኣማምን ሃዋህው ክፈጥርዩ ዝብል እምነት የ ለ ን ። ን ዓ ና ንኤርትራውያን ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ዘገድሰና መሰል ሰብን፣ ቅዋምን፣ ልዕልና ሕግን ዘኽብር ሰርዓት ምትካል እዩ። ኢትዮጵያውያን እንተ ደለዩ ይደመሩ፣ ይጕደሉ፣ ይርብሑ፣ ወይ ድማ ይመቀሉ፡ ንዕኦም ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ግን “ከምቲ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ” ዝብልዎ መሰልና ከይተሓለወ ናይ ምድማር ፍልስፍና ኣብ ጉዳይ ልዑላውነትና ጣልቃ ስለዝኣቱ ኣየድልየናን እዩ። ምስ ኢትዮጵያ ከኣ ኣይንድመር! ኣይንጎድል!

ኣብ መደምደምታ ጽሑፈይ፡ ሓንቲ ሕቶ ክሓትት። ሕይወት ኤርትራዊን ዲክታቶር ኢሰያስን መዛምርቱን፡ እንታይ ኮን ትብጽሖም? መልሱ ሓጺር እዩ፡ ሕይወት ኤርትራዊ ኣብ ቅድሚኦም ወላ ሓንቲኳ ትርጉም ይኹን ዋጋ የብላን ። ካብ ሞት ኤርትራዊ እቲ ኣዚዩ ዘገ ድሶምን፣ ዘሕምሞን እቲ ዝበኾሮም ዝኽፈል ወርሓዊ ገንዘብ እዩ። ወላ እውን ሕይወት ኤርትራዊ ውልቃዊ ንብረትና ኢዩ ኢሎም ንምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መቊሖም ጅሆ ገይሮሞ እንተለዉ፡ ከምቲ ንንብረትካ ከይበላሸወካ እትከናኸኖ ግን፡ ነ ቲ ኣብ ዝበልዎ ከርተት ዝብል መስኪን ኤርትራዊ፡ ንብርትና እዩ ኢሎምውን ግቡእ ናይ ንብረት ኣተሓሕዛ ኣይኣርኣዩን።

ብከምዚኦምዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ስምዒት ብዘይብሎምዝተረግሙ ከም መዓል ዲክታቶር ኢሰያስን፣ ጭፍርኡ መራሕቲ ህግዲፍን፡ ንህዝብና ብዘስካሕክሕ ጭቆና እናኣሳቀዩ ከለዉ፡ ሰላም ከምጽኡልና እዮም ኢልካ ምሕላም ተስፋ ዘይብሉ ናይ ድቃስ ዓጀውጀው እዩ።

ኤርትራ ድሕሪ ሃገራዊ ናጽነታ ምእዋጃ፡ እሞ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጽነታ ኣሚኖም፡ ከምነጻ ሃ ገ ር ምስ ፈ ለ ጡል ና ፡ እ ቲ ኣ ብ መን ከልተና ሃ ገራት ዝ ጸ ንሔ ና ይ 3 0 ዓ መት ናይ ናጽነታዊ ቃልሲ ውግእ መደ ምደ ምታ ተ ገ ይ ሩ ሉ ። እዚ ዳሕራይ ናይ 1 9 9 8 – 2000 ዓ.ም.ፈ. ውግእ ግን ዲክታቶር ኢሰያስ ዝጻሕተሮ ውግእ ስለዝኾነ ፡ ንዕዑ እዩ ዝምልከት።ተሓታቲእ’ውን ንሱ ጥራሕ ምዃኑ ካባና ንላዕሊ መርሕነት ኢትዮጵያ ኣዕሪዮም ይፈልጥዎ። ነዚ ኣወንዚፍካ ዝግበር ሰላም ነፍሰ ቅሸሻ ኢዩ። ንሕና ሕቶና ሕቶ ፍትሒ ስለ ዝኾነ፡ ብዘይ ፍትሕን፣ ስርዓተ ሕግን፣ ቅዋማዊ ምሕደራን ዝርከብ ሰላም የልቦን። እሱ ሰልዝኾነ ድማ፡ ወላእኳ ሰላም ንክኸውን ምሉእ ብምሉእ ንድግፎ እንተኾነ፡ በዚ ጀሚሮሞ ዘለዉ ሰላም ዘርእስቱ ተዋስኦ፡ ምንም መንገዲ ሰላም ዝሕብር ኣንፈት ስለ ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ እኳ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና፡ ካብቲ ዲክታቶር ኢሰያስን ደቂ መዛምርቱን፡ ምስ መሻርኽቶም ትምክሕተኛታትን፣ ኣስፋሕፋሕትን ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ንሕልቀትና ኣጻዊዶምልና ዘለዉ መጻወድያ ግሩሃት ክንጥንቀቅ ይግበኣና።