እቲ ዝተመቐሉ ቀንዲ ስም ተፈሪ እዩ ነይሩ። ኣብ ሥልጣን ምስ መጸ ግና፣ ንደብተራታት ጸዊዑ ዝበለጸ ስም እንታይ ይሓይሽ ኢሉ ሓቲቱ እዮም ደብተራታት እዚ ይሕሸካ ምስ በሉዎ  ኃይለ-ስላሴ ተባሂሉ። እታ ጃንሆይ እትብል ሽመት ድማ፣ “ዝበለጸ ሽመት እስኪ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ገnaጺልኩም ርኸቡለይ”፣ ምስ በሎም፣ “ቀደም ነገስታት ሓማሴንን  ነገደ ዛጒየን፣ “ጃ ን” ዝብል ልዑል ሽመት እዩ ነይሩዎም፣ “ጃ ን”  ትርጒሙ ብቋንቋ ብኣገውኛ ሓርማዝ ወይ ሓያል፣ ብዓል ዓቢ ኃይለ ሥልጣን ማለትዩ” ኢሎም ምስ ነገሩዎ፣ እምብኣር “ጃንሆይ” ኢልኩም ጸውዑኒ” ምስ በሎም፣ “ጃ ን ሆ ይ ንጉሠ ነገሥት” ተባሂሉ።

ንመረድእታ፣ ኣብ ኤርትራ ብዝሕ እስማት ጥንታውያን መራሕቲ ምድረ ባሕሪ፣ ብጃን ዝውድእ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። ከም ስመጃና፣( ሹም ጅግና ሹም ጃን) ከም ድንበጃን (ሎሚ ድንበዛን), ዓዲ ተከሌጃን (ሎሚ ዓዲ ተከሌዛን) ጠዓውቀ ጃን፣ ንደቂ ተውቀ ኣብ ሓልሓልን ኣብ ዓዲ ተክሌዛንን ደቀጥሮስ ኣብ ድንበዛን ዝነብሩን ዝወለደ እዩ። ስም “ደ ጀ ን” ዝብሃል ስም ዕርዲ ድማ ካብ ሓያል፣ ካብ ጃን ዝተወስደ እዩ ስለዚ ነገስታት ምድረባሕሪ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ሓያላት ፈርዖናውያን ስለዝነበሩ ብጃን እዮም ዝጽውዑ ነይሮም። ኣብዛ ሎሚ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ግና ወይ ምድረ ኣምሓራን ጋላን ግና ኣብ ታሪኽ ግንጽል ውዒልካ ሓያል ንጉስ ነይሩ ኣይፈልጥን፣ ደሊኻውን ብፍጹም ኣይርከብን። ግን ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ጅግንነትን ሽመትን ከምዘይነበሮ ገሮም ንዓለም ንምቕራብ፣ ፍላይ ጽዮናውያን ከም መደብ እዮም ወሲዶሞ። ንሕና እዞም ሎሚ ኤርትራውያን ንጽዋዕ ዘሎና፣ ኣምሆ ዘመን ግና “ደቂ ምድረባሕ”ርን “ደቂ ባረነገስ”ን፣ “ደቂ ጃንሆያት”ንጽዋዕ ዝነበርና፣ እሞ ከኣ ንወራር ቱርኪ ዝሰዕርና፣ ንወራር ግብጺ፣ ዝሰዓርና፣ እዚ ብሸቃ ኣሉላ ትግራዎት ዝውርዝዩሉ ኲናት ዶጓሊ ንኮሎንያል ጣልያን ዝሰዓርና፣ ስለዝኾና፣ ወፍሪ ስነኣእምራዊ ውዲታት ብጻዕቂ ምክያድ፣ ትሕቲ ኢትዮጵያውያን ምዃና ገሮም የቕርቡና ኣለው ።

መንዮም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ን42 ዓመታት ብድሑር መስፍንነት ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ ኃይለ-ስላሴ  ንኽሽየም ዝገበሩ? ካብ ራእሲ መኮነን ዝብሃል ኣብ ኣውራጅ ሃረር እንደራሴ ንጉስ መነሊክ ኮይኑ ዝገዝእ ዝነበረ፣ ወድ-ሓትኖኡ ንንጉሥ ዳግማዊ መነሊክ ነበረ። ኣዲኡ ንኃይለ-ስላሴ ኣስላመይቲ ጓል ሃረር እያ ዝነበረት። 8 ቆልዑ ወሊዳ 7 ሞይቶም መበል ሻሙናይ ተፈሪ ዝብሃል፣ ጸኒሑ ንጉስ ኃይለ- ስላሰ ዝተባህለ፣ ድሕሪ ኲናት ዕድዋ ማለት እቲ ብስምምዕ ኩሎም ኤውሮጳውያን፣ ብቅድመ ግንባርነት ኮሎንያል ጣልያን ዝተባርዐ ኲናት፣ ኣብ ውግእ ዓድዋ ምስተሳዕሩ እዝዮም ሓፈሩ። ብዝተናውሐ ውዲት ገሮም ንኢትዮጵያ ክቆጻጸሩዋ ግና መደብ ሓንጸጹ። ንሱ ድማ ካብቶም ኣብ ኲናት ዓድዋ ዝውዓሉ ጀጋኑ ሓደ፣ ንኤውሮጳ ኣምጺእና፣ ሰላዪና ንኽኸውን ኣሰልጢንና፣ ንረብሓን ወኪሉ ንጉስ ኢትዮጵያ ገርና ክንሸሞ ኣሎና ኢሎም መደብ ኣውጽኡ።  ካብኡ ኣቡኡ ንሃይለስላሴ ብንጉስ መነሊክ ተመሪጹ፣ ከም ሓደ ጅግና ንኤውሮጳ ተላእከ። ኣብ ኤውሮጳ መጺኡ ብዘይካ ንጉስ መነሊክ ካብ ምሉኣት ኢትዮጵያውያን፣ እንኮ ንመጀመርያ ግዜ ፓቴንትን ሕሳብ ባንክን (ኣካውንት ናምበር) ዘውጽኤ ኣቡኡ ንሃይለስላሴ ራስ መኮንን እዩ ዝነበረ። ክትበልዕ ዝደሌኻ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ትብላ።

እቲ ሓቂ ግና ውግእ ዓድዋ ክካየድ ከሎ፣ ራስ መኮነን ምስ ዳግማዊ ንጉስ መነሊክን፣ ምስ ብዙሓት ደብተራታትን ኢትዮጵያን ኣብ ቤተ ክርስትያን ትሓቢኦም እዮም  ጣልያን ንኽስዕር ዝምህለሉ ነይሮም። እቶም ጀጋኑ ኣብ ኲናት ዕድዋ ብጅግንነት ንኮሎንያል ጣልያን ዝሰዓሩ ግና፣ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ከምኡ ድማ ካብ ወሎ ራስ ዓሊ ኣቡኣ ንብዓልቲ ቤቱ ንሃይለስላሰ ኢተገመነን ነበረ። ምዕራባውያን ግና ብቐደሞም ተዃሉ ስለዝኾኑ፣ ካብቶም ጀጋኑ ኣብ ኲናት ዕድዋ ዝውዓሉ ትግራዎት ወይ ኤርትራውያን ኣይኮኑን ንኤውሮጳ ወሲዶም ንኸሰልጥኑዎም መሪጾም። ብኣንጻሩ ግና ነቲ ሰላዪ ክኾኖም ዝኽእል ራስ መኮንን ኣቡኡ ንሃይለስላሴ እዮም መሪጾም። እዚ ሰብዚ ካብ ኤውሮጳ ቋንቋ እንግሊዝን ፈረንሳን ኣጽኒዑ ንኢትዮጵያ ምስተመልሰ ዋርሳይ ዳግማዊ መነሊክ ኮይኑ ንኽነግስ እዮም መዲቦም ዝነበሩ።

ንሱ ግና ካብ ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ምስተመልሰ ሓሚሙ። ክመውት ምስ ቀረበ ግና፣ ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ፣ “ነዚ ወደይ ወራስ ዓራት ክትገብረለይ”! ኢሉ ተላቢዩዎ ዓረፈ። ካብኡ ሃይለስላሴ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ንጉስ መነሊክ ካብ ወዲ 13 ዓመት ጀሚሩ ዓበየ። ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ግና፣ ንኢያሱ ዝተባህለ ወዲ ጋሉ: ሰይቲ ራስ ዓሊ ገዛኢ ዎሎ  ይኸውን ኣሎ ማለትዩ፣ ኣልጋውራሽ ንኽኸውን እዩ መዲቡ ዝነበረ።  ብድሕሪ ሞት ንጉስ መነሊክ ከኣ፣ ልጅ ኢያሱንሃይለስላሴን ብሓደ ኣብ ቤተመንግስቲ ይዓብዩ ነበሩ። ጸኒሑ ግን ልጅ ኢያሱ  ብሰንኪ ቀታሊ ንጉስ ሃይለስላሴን ብምኽሪ ሰለይቲ እንግሊዛውያንን ተቐንጺሉ። ካብኡ  ብድሕሪ ሞት ንጉስ መነሊክ፣ ዘውዲቱ ጓል ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ንግስቲ ኮይና ተሾመት። ንንግስቲ ዘውዲቱ ድማ ሃይለ ስላሴ ምስ ሓደ እንግሊዛዊን ስዊደናዊን ሓካይም ተማሳጢሩ ብስሚ ሰሚሙ ቀንጸላ። ካብኡ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ኣበለ። ካብ ድሕሪ ሞት ንጉስ መነሊክ ጀሚሩ ክሳብ ኮሎንያል ጣልያን ንኣዲስ ኣበባ ዝወርር ድማ ንጉስ ነበረ። ዘይትነግረ aምበር ዘይተገብረስ የልቦን።

እዚ ጠንቋሊ ንጉስ ሃይለ ስላሴ እምብኣር፣ ድሕሪ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ንኣዲስ ኣበባ፣ ሃዲሙ ንፈረንሳ ተሰደ። ካብ ፈረንሳ ንዓዲ እንግሊዝ ኮይኑ ድማ ትምህርቲ ስለላን ጥንቆላን ተማህረ። ጣልያን ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሪሕነት ኮሎንያሊስት እንግሊዝ ዝምራሕ ሓይሊ ሕቡራት 4 መንግስታት ተሳዒሩ ምስ ወጸ ድማ፣ ሃይለ ስላሴ ንጉስ ኮይኑ ካብ ሃገር እንግሊዝ ብሃገር ሱዳን ኣቢሉ ንኢትዮጵያ ተመልሰ። ካብኡ እቶም ብጅግና በላይ ዘለቀ ዝምርሑ ዝነበሩ ኣርበኞች ኢትዮጵያውያን፣ ብዝዙሓት ኤርትራውያንውን ምስኦም ነይሮምዮም፣ ንኮሎንያል ጣልያን ዝምክቱዎ ዝነበሩ፣ ኣብ ስልጣን ዘይመጹ፣ እቲ ተሰዲዱ ዝነበረ ጠንቋላይን ሰላዪን ንጉስ ሃይለ ስላሴ ተባሂሉ ብሓገዝ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ሥልጣን ተወጥሐ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ከኣ ብምኽሪ እንግሊ- ዛውያን፣ ንጅግና በላይ ዘለቀን፣ ንብዙሓት ኣርበችን ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ቀንጺሉ እዩ “ንጉሰ ነገስት ዘእምነገደ ይሁዳ: ጃንሆይ ሃይለ-ስላሴ” ተባሂሉ ብሳላ መንግስቲ እንግሊዝ ኣብ ስልጣን ምድያቡ እዩ። እቲ ኩሉ ውዲት ድማ ሰበስልጣን መንግስቲ እንግሊዝ ዝኣለምዎን ዝጠለፉዎን እዩ ነይሩ።


እስከ ነተን ክልተ ኣዳዉ ከመይ ገሩ ኣተሓሒዙወን ከምዘሎ ኣስተብህልሉ። እዚ ምልክት ኢሉሚናትን ፍሪሜሶንን ስሉስ ኲርናዕ እዩ።

ንጉስ ሃይለ ስላሴ ኣብ ሃገር እንግሊዝ ክነብር ከሎ፣ ቋንቋ እንግሊዝኛን ፈረንሳይኛ ድሕሪ ምምሃር፣ ብለላን ጥንቆላን ካልእ ግብረ እከይን እዩ ሰልጢኑ። ሃይለ ስላሰ  ብቐጥታ ምስ ኢሉሚናቲን፣ ፊሪሜሶንስ ኣባል ኮይኑ ብብዙሕ እከይ ነገር እዩ ሰልጢኑ። እተን ክልተ ኢዱ ስሉስ ኲርና ኮይነን ተላጊበን ዘለዋ፣ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ ስእሊ ርአ ) እዚ ምልክት እዚ ምልክት ፍሪሜሶንን ኢሉሚናትን እዩ። ኩሎም መራሕቲ ኧሮጳን ኣሜሪካን ድማ ይጥቀምሉ።

ንመረዳታ.


እዚ ኣብ ካንስለ ኣንጀላ ሜርከል መራሂት ሃገር ጀርመን፣እስከ ነዘን ኣእዳው ከመይ ገራ ኣላጊባተን ከምዘላ ኣስተብህሉልላ።


ፕረሲደንት ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ካንስለር ኣንጀላ መርከልን እተን ኣእዳዎም ከመይ ገሮም ኣተሓሒዞመን ከምዘለው እስከ ኣስተብሁሉለን። ስለምንታይ?

እቲ ካልእ ታሪኽ ምትንታንስ ክነውሓና ስለዝኾነ፣ እስከ እምብኣር ንጉስ ሃይለስላሴ ኣባል ፍሪሜሶንስ፣ ኣብ ጕድጓዱ ክኣቱ ከሎ ዘየድሓኑዎ፣ ሎሚ ዋናታት ኢትዮጵያ ምዃኖም ንኽሕብሩና፣ ሓውልቲ ከምዝስርሓሉ ገሮም። እቲ ምልክት ኣእዳዉ ድማ ከምቲ ኣምሆ ዘመን ህዝቢ ከይፈለጦ ዝጥቀመለን ዝነበረ ሎሚ ነቲ ሓውልቱ ከኣ ምልክቶም ገሮምሉ። ስለምንታይ?

ንዋርሳይ እከኣሎ መተካእትኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኤርትራ ምስ ኢዮጵያ ከምተሓወሰት ንህዝቢ ከግህደሉ ከምዘለዎ ገሮም። ወዮ ድኣ ንሕና የዋህነትን ግርህነት የጥቅዕና ኮይኑምበር፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ንሜዳ ኤርትራ ክወፍር ከሎ፣ ንሰውራ ኤርትራ ኣበርዒኑ፣ ንጀጋኑ ስውኣት ደቂ ኤርትራ ከዲዑ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣዓንጂሉን ኣታሊሉን ነታ ሃገር መቐጸልታ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ኮይኑ ምስ ኢትዮጵያ ንኽጽንብራ ጥራይ እዩ። ጭፍራ ወያኔ ድማ ካብ መጀመርያ ንሜዳ ደበቢት ዝወፈሩ ንህዝቢ ትግራይ ሓራ ከውጽኡ ዘይኮኑ፣ ኢሰያስ እንተደኺሙ ከብርዩዎሞ፣ ንኤርትራ ከኣ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር ጥራይ እዩ። ምናልባት እቶም ተቕወምቲ ኢሰያስ ኢና እንዳበልኩም፣ ኣብ ወያኔ ከድኩም ማርያም ተሃብኩም ትብሉ ዝሓገኹምን ዝኸረምኩምን ውድባት ኤርትራ፣  ሎምኸ መራሕቲ ወያኔ ሕቡእ ኣጀንዳ ስለዝነበሮም ንኸይትቃለሱ ከምዘቃለስኩምዶ ተረዲኡኩም። ምዕራባውያን ትዕርበሎም ድኣምበር፣ ን100 ዓመታት ዝኣክል ምርምርን መጽናዕትን ዘካየዱዎ፣ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ሓበሻ፣ ብገረብ ብሓኽላ ብፍላይ እኳድኣ፣ ትግሪኛ ዝዛረቡ ትግራዎት ኣሰልጢኖም፣  ብምውፋር ኣላሽ ኣቢሎም፣ ንቀዪሕ ባሕርን፣ ንቀላይ ጻናን፣ ንፈለግ ኒል ወይ ኣባይን ተከዘን ካብኡ ቀጺሎም ድማ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምግባትን ንምቍጽጻርን እዩ። ዛጊት ከኣ ሸቶኦም ንምውቃዕ ውሑድ ዓመታት ከምዝተረፎም ንዕዘብ ኣሎና። ንዝርድኦ ሰብ፣ በዚ ሰላዪ ኢሰያስን ውሽምኡ ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ከምኡውን ወኻሩ መራሕቲ ወያኔን ዝፍጽምዎ ዘለው ውዲታዊ ፍጻሜታት ነቲ መስርሕን ፕሮጀክትን ጽዮናውያን ኣብሪሁ ይሕብረና ኣሎ። እወ፣ ጽዮናውያን ብዝረቐቐ ስለላዊ መስርሕ፣ (ሎሚ ድኣ ክርድኣና ክኢሉ ኣሎምበ) ን50 ዓመታት ዝኣክል ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም፣ ንሰላዪ ኢሰያስ ክጓስዩዎ እዮም ጸኒሖም። ሎሚ ከኣ ሕሉፍ ሓሊፎም፣ ሓውልቲ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ገዲም ሰላዪን ኣባል ኢሉሚናትን ፊሪሜሶንስን ኣብ ማእከል ኣዲስ እበባ ተኺሎምሉ። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይ ፈልጥስ ኣይሃዳናይን! ወይድማ ንዓይ ነንጭዋስ ኣብ ለቖታ። ከምዝብሃል ኩሉ ኢሰያስን ወያኔን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑን፣ ሎሚ ዝፍጽሙዎ ዘለውን፣ ጽባሕ ክፍጽሙዎ ዝሓስቡዎ ዘለውን እቶም ካብ ኣፍንጫና ኣርሕቕ ኣቢልና aንጥምት ደቀባት ኤርትራ ግና ዛጊት ፈልጢናዮ ኣሎና።


ሎሚ ሓውልቲ ንጉስ ሃይለስላሴ  ምትካሉ ኣይትገረሙ፣ ጽባሕ ብጊሓትውን፣ ሓውልቲ ኢሰያስ ኣብ ኣስመራ ከይትከል ጥራይ ፍርሑ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ ዕለት 12 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ.