ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን
እብ መንጎ ዝኣሰሮም ሚንስተራትን
ኣብ’ቲ ዝተኸሥተ ዘየቃዱ እዋን
ወራዙት ኣቦታት ንኽዓርቁ ብዘለዎም ውጥን
ኣብ ዕሱብ ኢሰያስ እትዮም እንታይ ከምዝበሎም ኣጻርዩ ዝፈልጥ የለን
ካብ ኩሉ ዘሕዝን ዘስደምም
ነዞም ሽማግለ ዓረቕትን ተባህግትን ሰላም
ኢሰያስ ዘይፈልጥ ፍትሒ ዓለም ብዘይ ገበናዊ በደል
መስኪናይ ኢሰያስ ሓቂ መሲሉዎ ካብ ምዕዶ ህዝቢ ምዕዶ ጽዮናውያን ኣሚኑ ሓሻካ ጠቢስሞ ኣብ ዘይወጾ ገደል
ብዘይ ክሲ ፍርዲ ን4 ኣመታት ኣሲሩዎም
ኣብቲ ማሕዩር ንበይኖም ግዳይ ጓሂ ኮይኖም
ምስ ወጹ ኣይጸንሑም ገሊኦምሲ ሞይቶም
ጭካኔ’ኳ ዘይባህሉ ህዝብና ጭካኔ ምሂሩዎ እዚ ዘርኢ መርገም
ንጉጅለ ሰላም ዝዓርቕ ዝልምን
ርኢኺምዶ ቀደም ዝኣስር መራሒ ብዓል ስልጣን?
እሞ ኢሰያስሲ ንዝዓርቁ ሰባት ዘይተረኽቦም ገበን
ካብ ኣሰሮም ብነድሪ ብሕርቃን
እንታይ ርእይቶኹም ሰብ ድኹም ትብሉዎስ ወይሲ ሰይጣን?
ንወራዙት ሃገር ንዓረቕቲ ንደለይቲ ሰላም
ዝሕይር ዝኣስር ዝዳጉን ኣብ ጸላም
እምበርዶለዎዩ ኤርትራዊ ደም
ካብ ምኽሪ ኣቦታት ንምኽሪ ጽዮናውያን ኣሜን
እቶም ዝነበሩ ባህልታት ኩሎም
ስነምግባር ኣቦታት እንብሎም
ኣብ ዘመን ከይሲ ኢሰያስ ጠፊኡ ኣሠሮም
(ኤርትራዊ ሆመር)
Selam Yehwat
Kenbib ele entefetenku aykifetin zelo.eti tsuhuf.
greetings
Henok
ሰላም ሓው ሄኖክ፣
Thank you for you Information!
ነቲ ብራውዛኻ ማለት መጸውዒ መርበባት ኢንተርነት፣ማለትሲ ኣብ ላዕሊ ብማውስ ወይ ታይፕ ገርካ ኣሓድሶ፣ ግድነት ክኽፈት ኣለዎ። You just actualize you Internet Explorer or FierFox Browser.
You know Brother? It must work.We are checking it always by other Computers. Any way, Where are you living?
” ንደቅና ንዕረቕ ዝበሉ ኣቦታት ይእሰሩ!! ”
ንከቢድ ነገር ብዕረቆ ዕረቆ ኣይፍታሕን እዩ ። ዳሕራይ ከኣ ድሩዕ ” ትምክሕቲ ናይ ከበሳውያን ክስበር ኣለዎ ” ይብል ከም ዝነበረ ትፈልጡ ዶ ? ንዝኾነ ዝተኣስረ ሰብ ከም መልኣኽ ጌርካ ምቕራብ ምስ ባህልና ዝሳማማዕ ኣይኮነን ።
ኣንታ ሓውና! እንታይ ማለትካ እዩ “ንዝኾነ ዝተኣስረ ሰብ ከም መልኣኽ ጌርካ ምቕራብ ምስ ባህልና ዝሳማማዕ ኣይኮነን“ ። ክትብል ከሎኻ? እንተድኣ ኣብ ስነ-መጎትን ቕንዕናን: ብፍላይ ንሃገራዊን ህዝባዊን ረብሓን ኣትሓስባ ሃልዩካ፣ ዘይፍታሕ ግርጭት የልቦን። እንተድኣ ህዝቢ ዘይወክሎም ግንከኣ ወከልትን ዕሱባትን ሃጸያውያን ዝኾኑ ወረበላታት ፣ማለት ብፍላይ መራሕቲ ጀብሃ (ኣስላማዊን ጸረ ትግሪኛን ኣዕራብ ኢናን) ይኹኑ ሻዕብያ ድማ ኣይ ኮሚኒስት ኣይሶሻሊስት ህዝብን ሃገርን ሓዲግ መዲግ ገሩ ንጽዮናውያን ረብሓ ዝኽድም ኩባንያ ባዕዳውያን። ከምኡውን ህውሓት፣ ከም ነፋሒቶ ኣስማቱ እንዳቀያየረ ንመረዳእታ፣ መጀመርያ T.P.L.F ቅንይ ኢሉ ከኣ E.P.L.F. ካብ ደበቢት ንመቐለ ምስብጽሑ ድማ E.P.R.D.F. ዝብል ስኑዕ ኣስማት ዝቐያየሩ ንብረት ጽዮናውያን እዮም። ስለምንታይ ከምዝኾነ ክንርዳእ ክንፍትን ኣሎና። ኣስማቶም ብወግዒ ዘይፍለጡ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህውሓት፤ ንኣብነት መለስ ዘናዊ (ለገሰ) ፤ ስዩም መስፍን (እምባየ) ወዛተ…ኣጠራቒሙ ብባዕዳውያን ተሰኒዑ ዝተፈጥረ ጭፍራ እዩ። ክቡር ሓው፣ ንሃገር ክቃለስ ኢሉ ንበረኻ ዝወፈረ ጅግና ሃገራዊ፣ ኣብ ትሕቲ ጉድጓድ ክበሊ ከሎ፣ ዝስደምምንዶ መን እዩ? መንዩኸ ኣሳሪ ተኣሳሪ ኣሳ መንዩኸ ተኣሳራይ። እዚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ አርትራ በቲ ብጽዮናውያን ተዓሊሙን ሰልጢኑን ንሜዳ ኤርትራ ዝተላእከ ተባዕታይ ወኻርያ ሳሕል፣ እቲ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ደይኮነን ፣ ባርባራዊን ኣራዊታዊን ተግባራት ንኽፍጸም ዝእዝዝ ዘሎ፣ ሎሚ ዱብ ኢሉ ኩባንያ ህግደፍ ዝመጸ ዘይኮነስ፣ ገና ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ፣ ማለት ካብ ዘመነ „መንካዕ“፣ ዘመነ „የሚን“፣ ዘመነ ኲናት ሕድሕድ ጀብሃን ሻእብይያን፣ ምቕፋድን ምብትታንን ተቓውሞ ተጋደልቲ 1993 ዓ.ም.ፈ.፣ ጸኒሑ ከኣ ማኣሰርቲ ጉጅለ 15: ትማሊ ድማ ኣብ ርእሲ ብዓል ወዲ ዓሊን፣ ዓብደላ ጃብርን ወዘተ . . . በቲ ተባዕታይ ወኻርያ ሳሕል ኣረሜናዊ ተግባር ዝተፈጸመ፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተኣልመን ወጸን ፕሮጀክት ህልቀት፣ ግንከኣ ኣማስያኡ ንረብሓ ጽዮናውያን ዝውዕል እዩ። ስለዚ ግድነት ይኸውን ጀጋኑ ምስጠፍኡ ወርቅናን ደቅናን ሃገርና ገዲፎም ክስደዱ፣ እዚዩ እቲ ዓላማ ጽዮናውያን እምብኣር። ነዚ እንተፈለጥካ ጥራሕ ኢኻ ነዚ ሎሚ ብኩባንያ ህግደፍን፣ኩባንያ ወያኔን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝፍጸም ዘሎ ስለምታይ ምኻኑ እትርድኦ።
ፍልጠትን ንቕሓትን ንህዝቢ አርትራን ትግራይን:ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኣግኣይዛን!!
ኣብ ሰራየን ኣከለ-ጉዛይን ብደረጃ ኣውራጃ ዳርጋ ደሓን ዝኾነ ምትእስሳር ከም ዘሎ ንፈልጥ ። እዛ ሓማሴን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሲ ብወረዳን ብዓድን ብገዛን ምፍልላይ ዋላ እውን ክልተ ደቂ ሓወቦታት ኣብ ዘየድሊ ምትህልላኽን ጽልእን ክኣትዉ ትርእይ ። እንታይ እዩ ነገራቱ ?
ንከቢርኩም ሃገርኩምን ህዝብኹምን ምርሑ ተባሂሎም ጉጉይ መንገዲ ንዝመረጹ ሰባት ዝኣለየ መንግስቲ ኣንበሳ እምበር ወኻርያ ዶ ይበሃል እዩ ? ዋላ እኳ ኣብ ባህልና ” ኩልና ደቂ ትሽዓተ ወርሒ ፡ ከቢብና ኣብ መኣዲ ቀረብና ከም ሰብና ኢድና ወስ ኣቢልና ንበልዕ ፡ ኮበሮ ቲም እንተ በለት ኩልና ተኣኪብና ንስዕስዕ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ …..” ዝብል ቅኑዕ ኣዘራርባ እንተሎ ሓደ ገበን ጌሩ ክዳጎን እንከሎ ” መን እዩ ኣሳሪ ፡ መንከ ተኣሳሪ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና ። ብደም ጀጋኑ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣሳርን ፈታሕን እንተ ዘይኮኑ መን ደኣ ክኽውን ? ብሓደ ሸነኽ ግዝኣተ-ሕጊ ክድልድል ኣለዎ እንዳ በልካ በቲ ካልእ ሸነኽ ” ከም ድላየይ ፡ ኣነ ከም ድላየይ ” ዝብል ደርፊ ይድረፍ ድዩ ?
ሓማሴን በጃኹም ኣይተጽርፉና ። ” ሃላይ ሓማሴናይ” ካብ በዓል ሰመረ ሃብተማርያም እንተ ዘይበዝሑ ይሓይሽ ።
„ኣብ ሰራየን ኣከለ-ጉዛይን ብደረጃ ኣውራጃ ዳርጋ ደሓን ዝኾነ ምትእስሳር ከም ዘሎ ንፈልጥ ። እዛ ሓማሴን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሲ ብወረዳን ብዓድን ብገዛን ምፍልላይ ዋላ እውን ክልተ ደቂ ሓወቦታት ኣብ ዘየድሊ ምትህልላኽን ጽልእን ክኣትዉ ትርእይ ። እንታይ እዩ ነገራቱ „?
ስማዕ ወዲ ዓድና፣ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን ሰራየን ትግሪኛ ተዛረብቲ ክርስትያን፣ ውሑዳት ኣስላም ድማ ኣብቲ ኣከባቢ ኣለው። ከም ዓሳውርታን ሳሆን ጀበርትን ደቂ ከበሳ እዮም። ከምኡውን ትግራዎት ዋላኳ እቶም መሳፍንቲ ትግርይ ኣትማን እንተነበሩ ንሳቶምውን ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣሕዋት ኤርትራውያን እዮ። እቲ ኤርትራ ዝብል ስም ኮሎንያል ጣልያን ዝሰንዖ እምበር፣ ሃገርናስ ምድረ- ባሕር-ምድርን፣ ብሓሪ-ነጋሲ ምድረ ሓማሰን እያ ትብሃል ነይራ። እዞም ኩሎም እምብኣ ደቂ ከበስ ደቂ ደጋን ወይነደጋን ኮይኖም፣ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ንመላእ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓልዮምን ዓቂቦምን ዝጸንሑ ደቂ ምድረባሕሪ እዮም። ኣብ ግዜ ንጉስ መነሊክን መግዛእቲ ኮሎንያል ጣልያንን ግና፣ መረብ ምላሽ ዝብል እከይ ፍልስፍና ጎዛዚኻን ፈላሊኻን ግዛእ ምሂዞም ንህዝቢ ትርጋይን ኤርትራን ፈላልዮም። ጸኒሖም ድማ ኮሎንያል ጣልያን ንሓማሴን ጎዛዚዮም፣ ንመረዳእታ፣ ንለጎጭዋን ከበሳ ጭዋን ጽልማ ኢሎም ምስ ሰራየ ኣላጊቦም። እቲ ግዕዙ ታሪኽ መነሊክን ኮሎንያል ጣልያንን ከይኣክል ድማ መራሕ ኩባቅንያ ህግደፍ ኢሰያስ፣ መቐጸልታ ኮሎንያልጣልያን ኮይኑ፣ ንዋና ከተማ ኣከለጉዛይ ዓዲ ቀይሕ ንመንደፈራ ኣግዕዙዋ። ነቲ ታሪኻዊ ኣስማት ኣውራጃታት ኤርትራ ድማ፣ ብደቡብን፣ ብሰሜንን፣ ብዓንሰባዶ፣ ጋሽ ባርካዶ ዝብሉ ቃላትን ኣስማትን ሂቡዎ። ህዝቢ ኣከለጉዛይ ካብ ዓዱ ንሳረየ ክግዕዝ ከሎ ምኣስ ተሓጉሱ፣ ድንበዛን ንከረን ክግዕዝ ከሎ ምኣስ ሐራይ ኢሉ፣ ፍርቂ ሰራየ ምስጋሽ ባርካ ክሕወስ ከሎ ምኣስዩ ህዝቢ ቆላ ሰራየ ዝተሓጎሰ። ስለዚ ህዝቢ ሓማሴን ነዚ ሓማሴናይ ተመሲሉ መጺኡ ብፍላይ ንህዝቢ ሓማሴን ዘጽንትን መሬቱ ዝሕርጅን ዘሎ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ፣ ናቶም ከምዘይኮነ ዛጊት ፈሊጦሞ እዮም። ስለዚ ህዝቢ 3 ኣውራኋታት ግድነት ተዋሃሂዱ ከምቀደሙመኪቱ መንነቱን ሃገሩን ክቍብ ክኽእል መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ሰራየን ኣከለጉዛይን ንበይኖም ሓቢሮም ዝገብሩዎ ነገር የልን ብዘይ ኣሕዋቶም ደቂ ሓማሴን። እስከ ንገረኒ ህዝቢ ሓማሴን ካብ ኩባንያ ህግደፍ ዝረኸቦ ረብሓ? እዚ ተባዕታይ ወኻርያ ሳሕል ኢሰያስ እኮ፣ ብሳላ ደቂ ሓማሴን እዩ ኣብዙፋን ደቂ ኤርትራ ኩዲጭ ኢሉ ዘሎ፣ እታ ዙፋኑ ግና ዙፋና ኣይግበራ፣ ሎምስ ክትብጠስ ቀሪባ ኣላ። ንሱ እንተ ጠፍኤ ንኤርትራ ክመርሕ( ብቕዓት ዘለዎ ደቀባት፣ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ለባማትን ሊቃውንትን ኣለው።
“ንከቢርኩም ሃገርኩምን ህዝብኹምን ምርሑ ተባሂሎም ጉጉይ መንገዲ ንዝመረጹ“፣ከኣ ደጊምካ፣ እየ ጉዳም! መንዩ ኣብ አርትራ ከቢሩ ዝመርሕ ዘሎ ? ብዘይካቶም ደቂ ጸማቚት ስዋን፣ እካብ ወዲ እኳድኣ ብቅልውላው መንነት ዝጠስጠሱ ደይኮኑን፣ናይቅድሚቱን ድሕሪቱን ዘይፍለጥ ግዛያዊ መንግስቲ ኩባንያ ህግደፍ ዘለው? ነዚ ዘይስቆረካ እንተድኣ ኮይኑ በጃኻ ነዚ ትሰዶ ዘሎኻ ርእይቶታትካ ምቍርጹ ይሕሸካ፣ ሰብ ከይክዕበካ። ሎሚ ኣብ ኤትራ መንግስቲ aንተዝህሉ ወርቅናን ደቅናን ካብ ሃገር ንምድረ ባዕዳውያን ኣይምትሰጉን። ህዝብና ድማ „ማይ ጠፊእ ሉቸ ከኣ ተቐልቂላ ነይራስ ሕጂ ከኣ ዓሪባ“ ክብል ኣይምውዓለን ነይሩ። የርህዎ እዩ ዘብል ሓውና።
ኩባንያ ህግደፍ ግና ግብኣተ መሬቱ ይቀራረብ ኣሎ። ሓንቲ መዓልቲ ሓንቲኣ እላ!
“ሰባት ዝኣለየ መንግስቲ ኣንበሳ እምበር ወኻርያዶ ይበሃል እዩ ? ዋላ እኳ ኣብ ባህልና ” ኩልና ደቂ ትሽዓተ ወርሒ ፡ ከቢብና ኣብ መኣዲ ቀረብና ከም ሰብና ኢድና ወስ ኣቢልና ንበልዕ ፡ ኮበሮ ቲም እንተ በለት ኩልና ተኣኪብና ንስዕስዕ ብዘይ ገለ ኣፈላላይ …..” ዝብል ቅኑዕ ኣዘራርባ እንተሎ ሓደ ገበን ጌሩ ክዳጎን እንከሎ ” መን እዩ ኣሳሪ ፡ መንከ ተኣሳሪ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና ። ብደም ጀጋኑ ዝተመስረተ መንግስቲ ኣሳርን ፈታሕን እንተ ዘይኮኑ መን ደኣ ክኽውን ? ብሓደ ሸነኽ ግዝኣተ-ሕጊ ክድልድል ኣለዎ እንዳ በልካ በቲ ካልእ ሸነኽ ” ከም ድላየይ ፡ ኣነ ከም ድላየይ ” ዝብል ደርፊ ይድረፍ ድዩ ?
እቲ ዝኣስር ዘሎ እዩ ክእሰር ዝግብኦ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣብያተ ትምህርትታ ንላዕሊ ክሳብ 350 ኣብያተ ማእሰርቲ ተሰሪሐን ኣሎዋ። ኣባu ድማ ጀጋኑ ሃገር ደቀባት ጥራይ ስለዝኾኑ ብዘይ ፍርዲ ምስተዳጎኑ ተረሲዖም ይነብሩን ይመቱን ኣለው።
ሓማሴን በጃኹም ኣይተጽርፉና ። ” ሃላይ ሓማሴናይ” ካብ በዓል ሰመረ ሃብተማርያም እንተ ዘይበዝሑ ይሓይሽ“ ከኣ’ምብኣር „። በል ሓማሴንሲ የኽርዑ እምበር ኣየጽርፉን እዮም። ፍቶ ጽላእ ጀጋኑ እዮም። ሎሚ ግና፣ ተባዕትዮ ኣናብስን ሽደናትን ዝነበሩ፣ በዚ ልኡኽ ጽዮናውያ ተባዕታይ ወኻርያ ጉዳም ረኺቦም ኣለው። ከድግሙሉ ከኣ እዮም! ግዲ የለን! እቲ ሃጠውቀጠው ዘረባ 03 ምዝራብ ግና ነይበሎ ግደፎ ኢኻ ሰብ ከይክዕበካ። ኣብ ሓቅነትን ኣብ ህልዊ ኩነታትን ዝተመርኮሱ፣ ግንከኣ ብሓቀኛ ታሪኽ ዝተሰነዩዛዕባታ ተመርኲስና ክንምሃርን ክንምህርን ክንጽዕር ኣሎና።
ዝኸበርካ ወዲ ሓወቦይ
ገለ ዘይድሊ ዘረባታት ወሲኽካሉ ደኣ እምበር ቁጠዐኻ ይርደኣኒ እዩ ። ፈቲኻ ጸሊእካ ኩልና ብመሰረትና ደቂ ሓረስቶት ስለ ዝኮንና ኣብ በዓላትና ስዋ ተፈልዩና ኣይፈልጥን እዩ። ነዚ ብሓደ ሸነኽ ገዲፈ ኣብቲ ገለ ገለ ዘልዓልካዮም ነጥብታት ከድህብ ኣፍቅደለይ ።
” ከም ዓሳውርታን ሳሆን ጀበርትን ( ኣስላም ተጋሩ ! ) ደቂ ከበሳ እዮም። ”
ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ( ሎጎ ጭዋ ከም በዓል ኣቦታትና ኣቶ ሃብተማርያም ትኽ ኢልና ኢና ንዛረብ ) እዚ ዘረባኻ ን ” ኣበይ ኣሎኻ ዘይበልዎስ ኣብዚ ኣለኹ በለ ! ” ትብል ብሂል እያ ተዘኻኽር ። ንሳቶም ብዛዕባኻ እንታይ ከም ዝብሉ ትፈልጥ ዶ ? ለካስ ሓማሴናይ ሓማሴናይ ! ( ለዋህን የዋህን )
” ሰራየን ኣከለጉዛይን ንበይኖም ሓቢሮም ዝገብሩዎ ነገር የልን ብዘይ ኣሕዋቶም ደቂ ሓማሴን። ”
ኣነ ብዛዕባ ዘይጥሙር ባህርያት ደቂ ሓማሴን (ዓደቦይ) እየ ተዛሪበ እምበር ሰራየን ኣከለ-ጉዛይን ንበይኖም ሓቢሮም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ኢሉ ዘስምዕ ዘረባ ኣይመሓላለፍኩን ። ኣነ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልክዎ ስድራ-ቤተይ ኣብ ሓማሴን ርእሲ ሓማሴን ፡ ኣብ ሰራየ ርእሲ ሰራየ ( ገሊኦም ቀንዲ ሰራዮ ገሊኦም ድማ ከምቲ ደቀባት.ኮም ዝመሃረትና ብዘይ ኣገባብ ምስቲ ኣውራጃ ዝተጸንበሩ ደቂ ሓማሴን ) ኣብ ኣከለ-ጉዛይ ( ገለ ካብኦም ንበዓል ፕረዚደንትን ኣብራሃም ተወልደን ዘዓንገሉን ዘጽለሉን ዓበይቲ ናይ ግንባራት መራሕቲ ኮይኖም ድማ ኣብ ናጽነት ኤርትራ እጃሞም ዘበርከቱ ) ድማ ርእሲ ኣከለ-ጉዛይ እዮም ።
” ኣብ ግዜ ንጉስ መነሊክን መግዛእቲ ኮሎንያል ጣልያንን ግና፣ መረብ ምላሽ ዝብል እከይ ፍልስፍና ጎዛዚኻን ፈላሊኻን ግዛእ ምሂዞም ንህዝቢ ትርጋይን ኤርትራን ፈላልዮም። ”
መረብ ምላሽ ዝብል ቃል ምስ መግዛእቲ ጥልያን ዝመጸ ዶ ይመስለካ ?
” እስከ ንገረኒ ህዝቢ ሓማሴን ካብ ህግደፍ ዝረኸቦ ረብሓ? ”
ርህሩህን ለጋስን ህዝቢ ሓማሴን ካብ ዘለዎ ተማቒሉ ይበልዕ እምበር ሃቡኒ ስለ ዘይብል ካብ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ዝረኸቦ የብሉን ። ኣዚኻ ሕያዋይ እንተ ኰንካ ትህሰ እምበር ኣይትኸስብን ኢኻ ። ከምኡ ኮይኑ ድማ እነሀልካ ዓሳውርታ/ሳሆ ንነፋሲት ወሪሩ ኣብ እግሪ ደብረ-ቢዘን መስጊድ ተኺሉ ብመጉልሕ ድምጺ ንክርስትያን ይጻረፍ ኣሎ ። ኣስላም ተጋሩ ድማ ንመንደፈራ ጠሊፎም ሳላ ሻዕብያ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ድማ የስፋሕፍሑ ኣለዉ ። ሓደ መዓልቲ ነዚ ዕብዳን እዚ መወዳእታ ክግበረሉ እዩ ። ኣስላም ተጋሩ ብሰላም ናብ ዓዶም ዝኸድሉ ኣገባብ ክናደ ኣለዎ ።
” ብቕዓት ዘለዎ ደቀባት፣ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ለባማትን ሊቃውንትን ኣለው። ”
እንድዒ ገለ ሻዕብያ ዘፍረዮም እንተ ኣለዉ እምበር ኣነስ ከምዚ ከማኻ ተኣማሚነ ኣሽሓት ኣለዉ ክብል ኣይክእልን እየ ። ነዞም ኣብ ደገ ኮይኖም ” ተቓውሞ ” ኢና እንዳ በሉ ጫው-ጫው ዝብሉ ዘለዉ ሰባት ኣይስተብሃልካሎምን ዲኻ ? ከምዚ ንስኻ ነዛ መርበብ ሓበሬታ እንዳ ኣለኻ ብዓቕምኻ ቁም-ነገር ትገብር ዘሎኻ ብተማሳሳሊ ንበዓል ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብራሃም ኣበርክቶኦም – ምስ ኩሉ ጉድለቶም – ክትኣምነሎም ምስ ባህርያት ህዝቢ ሎጎ-ጭዋ ( ጀብሃን ሻዕብያን ዝመስከሩሉ ) ዝጻረር ኣይኮነን ።
“ሎሚ ኣብ ኤርትራ ካብ ኣብያተ ትምህርትታ ንላዕሊ ክሳብ 350 ኣብያተ ማእሰርቲ ተሰሪሐን ኣሎዋ። ”
ኣነ እዚ ትብሎ ዘሎኻ ቁጽሪ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን እየ ። ሓቂ እንተ ኮይኑ ግን ክንድኡ ዝኣክል ኣብያተ ማእሰርቲ የድልየና ድዩ ዝብል ሕቶ ካባና መልሲ ክጠልብ እዮ ። ዝኾነ ኾይኑ ናይ ምእሳርን ምፍታሕን ጉዳይ ኣብ ኣሜሪካ ከይተረፈ እውን ዓቢ ኣርእስቲ እዩ ኮይኑ ዘሎ ።
“በል ሓማሴንሲ የኽርዑ እምበር ኣየጽርፉን እዮም። ፍቶ ጽላእ ጀጋኑ እዮም። ”
ሓማሴን ጀጋኑስ ጀጋኑ ኔርና እንታይ እሞ ይገበር ትሮፓ ይብል ጥልያን ትሮፖ ለዋሃት ኰና ። መልኣከ ተኽለ ( ዓዲ ንኣምን ) ኣብ ርእሲ ጅግንነቱ ለውሃት እንተ ዘይነብሮ በቶም ዝኣመኖም ኣስላም ከም ከልቢ ተቐቲሉ ኣብ ጎል-ጎል ኣይምተደርበየን ኔሩ ። ደቂ ሓማሴን ነንሕድሕድና እንዳ ተማናጨትና መፍቶ ጸላእትና ክንከውን የብልናን መታን መወዳእታና ከም ናይ ሓውና ጻዕዳ ፈረስ ከይትከውን ።
ሰላም የውሃንሰ! “የውሃንሰይ ቅዱሰይ ዘልኣለም ንጉሰይ” ኣብ ምሸት ቅዱስ የውሃንስ ዝድረፍ ኦሪታዊን ባህላዊን ዜማ ሰሚዕካዮዶ ትፈልጥ? ስምካ እምብኣር እቶም ብሩኻት ስድራኻ ብመደብ እዞም “የ ው ሃ ን ስ ” ኢሎም ስም እውጺኦምልካ፣ እምበር ኣብ aፎም ዝጸንሖም ስም ኣዝኮኑን ኣውጺኦምላሓቀኛ ። ስምካ እንተድእ ኮዝኑ እዩ ግና። ከም ብዓል ለገሰ መለስ መስፍን = እምባየ መራሕቲ ወያኔ ኣይኮነን ምሽ? ሓቂዶ ሓሶት? ተስፋ እገብር ኣብቲ ዓዲ ጀጋኑ ዝኾነ ሃገረ-ሰብ ዓቢኻ ክትከውን፣ምሽዶ? በቶም ወዲኒን፣አረ ገሊኦምሲ ደቂ ጸማቒት ስዋን፣ ግንከኣ ካብ ብኣእምሮኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ፣ኣባታዊ ውርዙይ ባህሊ ዘይውንኑ፣ኣብ ኣባሻውልን ገዛ ብርሃኑን ዝዓበዩ፣ ትማሊ ንሜዳ ምስ ወጹ ንሃገረሰባት ዝተላለዩን መቐረቱ ከኣ ዘስተማቐን፣ ኣምሆ ዘመን ሃገረሰብ ማለት ንዓዓቶም ዘይማዕበለ ማለት እዩ ነይሩ። ንሶም ሓደ ክልተ ጥራዝ ነጠቅ ቃላት ቋንቋ ጣልያን ስለተዛረቡ ንመረዳእታ፣”ኣፋንኩሉ፣ ሼሞ ስቱፒቶ ኣሚኮ” ክብሉ ከለው፣ እቲ ካብ ሃገርሰብ ዝመጸ ድማ “ሃላይ! ዓንጃል! ህበይ! ጋውና! ወዲ-ርግምቲ ወዲ-ተካሊት”!ኢሉ ክጻረፍ ከሎ ካዕካዕ ኢሎም እንዳስሓቑ፣ እዋይ ስጋደይ ማርያም . . . እንታ ኣሚኮ ነዚ ዕንጃል ዝዛረቦ ዘሎ እባ እባ በልፋቮረ ስምዓዮ ዝብሉ እዮም ነይሮም።
ስለዚ ብዛዕባቲ ርእይቶኻ ካልእ እዋን ኣስፊሐ ክምልሰልካ እየ።
ርኣዩዎ በሉ እዚ ሃገረሰብ” ይብሉዎ