ኣብ መንጎ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን
እብ መንጎ ዝኣሰሮም ሚንስተራትን
ኣብ’ቲ ዝተኸሥተ ዘየቃዱ እዋን
ወራዙት ኣቦታት ንኽዓርቁ ብዘለዎም ውጥን
ኣብ ዕሱብ ኢሰያስ እትዮም እንታይ ከምዝበሎም ኣጻርዩ ዝፈልጥ የለን

ካብ ኩሉ ዘሕዝን ዘስደምም
ነዞም ሽማግለ ዓረቕትን ተባህግትን ሰላም
ኢሰያስ ዘይፈልጥ ፍትሒ ዓለም ብዘይ ገበናዊ በደል
መስኪናይ ኢሰያስ ሓቂ መሲሉዎ ካብ ምዕዶ ህዝቢ ምዕዶ ጽዮናውያን ኣሚኑ ሓሻካ ጠቢስሞ ኣብ ዘይወጾ ገደል

ብዘይ ክሲ ፍርዲ ን4 ኣመታት ኣሲሩዎም
ኣብቲ ማሕዩር ንበይኖም ግዳይ ጓሂ  ኮይኖም
ምስ ወጹ ኣይጸንሑም ገሊኦምሲ ሞይቶም
ጭካኔ’ኳ ዘይባህሉ ህዝብና ጭካኔ ምሂሩዎ እዚ ዘርኢ መርገም

ንጉጅለ ሰላም ዝዓርቕ ዝልምን
ርኢኺምዶ ቀደም ዝኣስር መራሒ ብዓል ስልጣን?
እሞ ኢሰያስሲ ንዝዓርቁ ሰባት ዘይተረኽቦም ገበን
ካብ ኣሰሮም ብነድሪ ብሕርቃን
እንታይ ርእይቶኹም ሰብ ድኹም ትብሉዎስ ወይሲ ሰይጣን?

ንወራዙት ሃገር ንዓረቕቲ ንደለይቲ ሰላም
ዝሕይር ዝኣስር ዝዳጉን ኣብ ጸላም
እምበርዶለዎዩ ኤርትራዊ ደም
ካብ ምኽሪ ኣቦታት ንምኽሪ ጽዮናውያን ኣሜን
እቶም ዝነበሩ ባህልታት ኩሎም
ስነምግባር ኣቦታት እንብሎም
ኣብ ዘመን ከይሲ ኢሰያስ ጠፊኡ ኣሠሮም

(ኤርትራዊ ሆመር)