ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፣ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ. ንተግባራት ልኡኽ መላኺ ጭፍራ ህግደፍ  ብትብዓት ዝተቓወሙ ጅግና ሃገራዊ እዮም። ህግደፍ ግና በቲ ሓቦኦምን ትብዓቶምን፣ ራዕዲ ስለዝኣተዎ ከም ኣመሉ ኣብ ምእሳሮም ተጓዪዩ፣ ብዘይንሕስያ ድማ ንቤት ማእሰርቲ ዳጒኑዎም። ጅግና ኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድኑር፣ ብሰንኪ ገፋዒ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ፣ ምእንቲ ሃገሮም ክብሉ ሎሚ ንግሆ ዕለት 03 መጋቢት 2018 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቤት ማእሰርቲ በጃ ሃገሮም ሓሊፎም። ሬስኦም ድማ ንስድራ ቤቶም ከም ዝተዋህበ ካብ ኣስመራ ዝተመሓላለፈልና ዜና ሓቢሩ።

ከምዝዝከር ቅድም ኢሉ ጠሃ መሓመድኑር ዝተባህለ ንእሽቶይ ሓዎም ንኣቦና ሸኽ ሙሳ መሓመድኑር፡ ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ ኣሲርዎ ከምዝነበረን፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ዓረፈ ግና ሬስኡ ንስድራ ቤቶም ከምዘረከብዎን ይዝከር።

              ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ፡ ንኣስታት 5 ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህግደፍ ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሖም ብጀግንነቶም ተሰዊኦም  ንሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር መንግስተ ሰማይ የዋርሶም።

               መግለጺ ሓዘን ገረገር መርበብ ሓቤሬታ ንስውእ ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር ፡ ንኣስታት 5 ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ህግደፍ ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሖም ብጀግንነቶም ተሰዊኦም መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንስድራቤቱን ቤተሰቡን እግዝ ኣብሄ ጽንዓቱ ይሃቦም እናበልና ናይ ዚ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተካፈልቲ ምካና ንገልጽ ,ዝክርን ክብርን ንስዋኣትና

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ንስውእ ክቡር ሓርበኛ ወላዲና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ብሰንኪ ሃገሮም ንኣስታት 5 ወርሒ ዝኣክል ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንዳ ህግደፍ ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሖም፣ ሎሚ ዕለት 3 መጋቢት 2018 ዓ.ም.ፈ. ብጀግንነቶም በጃ ሃገሮም ሓሊፎም። በዚ ኣጋጣሚ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም ንስድራቤቶምን ቤተሰቦምን ከኣ እግዚኣብሔር ጽንዓቱ ይሃቦም እናበልና ነዚ ብሰንኪ ሃገሮም ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተካፈልቲ ምዅና ንገልጽ። ነዚ መሪር ሓዘን መሰረት ብምግባር ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣስላምናን ክርስትያኑን ጸላኢና ኣለሊና፣ ነቲ ኣቦና ሓርበኛ ሓጂ ሙሳ ዝገደፉልና ተበግሶ ተኸቲልና፣ ብሓባር ንህግደፍ ክንምክት ንጽውዕ።

መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 3 መጋቢት 2018 ዓ.ም.ፈ.