ድሕሪ ኵናት ዶጓሊ ስለምንታይ ኣሉላ ምስደቂ ማይጛይላ ኮይኑ ንጣልያን ካብ ምጽዋዕ ከምዝባረር ዘይገበሮ ንዓዲ ተኽላይ ተመሊሱ? ድሕሪኡ ድማ ንጉስ የውሃንስ ካብ አርትራ ስሒቡ ክሳብ ኲናት መተማ ኣደስኪሉዎ ጸኒሑ? ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክኣቱ እንዳተዳለወ ከሎ፣ ስለምንታይ ንጉስ የውሃንስ ነምሓራ ገዲፉ፣ንመላእ ሰራዊት ኤርትራ ንመተማ ኣንጻር ወራር ደርቡሽ ንኽኸቱ  ኣዊጁ? ነዚኹሉ ጸገማትን ውዲትን መሳፍንቲ ትግራይን ዘጽንዕ ዝነበረ መንግስቲ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ድማ፣ ኣብቲ መሃንድሳት ኮሎንያል ገዛእቲ፣ ብፍላይ ጽዮናውያን ንኣፍሪቃ ንኽማስሑዋ ኣብ ከተማ በርሊን ወሲኖም ዘውጽኡዎ መደብን ፕሮጀክት ማለት” ውዕል ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ ብኤውሮጳውያን The Berlin Conference of 1884–85″ ዝብል ፕሮጀክት ሽዑ ንኢትዮጵያ ጣልያን ክማስሓ ከምዝኾነ እቶም መሃንድሳት ወሲኖሞ እዮም። ስለዚ መሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዝ ኣብዚ ተመርሶም፣ብኸመይ ውዲት ተጠቒሞም ንጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ኣዳኺሞም፣ ንምድረ ባሕሪ ክቆጻጸሩዋ ከምዝኻሉ እስትራተጂካዊ መደም መደቡ። ብርግጽ ድማ ብሓገዝ መሳፍንት ትግራይ፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሰ ተቖጻጸራ።

ነዚ ንምርግጋጽ ድማ፣እቲ ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ብሳላ መሳፍንቲ ትግራይ ንአርትራ ምስተቛጻጸራ፣ ንመጀመርያ መራሒ ኮሎንያል ጣልያን ዝነበረ ፈርዲናንድ ማርቲኒ፣ ኣብ ኣደባባይ ከተማ ኣስመራ ብዛዕባ ዓወት ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ልዕሊ ደቂ ምድረባሕሪ ክገልጽ ከሎ፣ ከምዚ ይብል:- ” ነዛ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ጀሚራ ግብሪ ንባዕዳውያን ከፊላ ዘይትፈልጥ ሃገር ምድረባሕሪ፣(ሎሚ ኤርትራ) ንሕና ብሳላ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ክንገዝኣ በቕዕና እሞ ምስጋን ይኹኖም”።

ብድሕሪ ስዕረት ኲናት ደጓሊ ብ27.01.1987 ዓ.ም.ፈ.፣ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሎም መሃንድሳት ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ተጸፍዮም ዝስልዩ ዝነበሩ ሰለልቲ ካህናት ቫቲካን፣ ከም ብዓል ጁሰፐ ሳፔቶ ኣብ ከባቢ ደንከልን ምጽዋዕን ኮለል ዝብል ዝነበረ ሰላዪ ፈላሲ፣ ከም ብዓል ፓድረ ስቴላ ዝብሃል፣ ኣብ ምሕላብን ግለብን (ምድሪ መንሳዕ) ተጸፍዩ፣ ዝስልን እከይ ግብርን ጽዩፍን ግብረሰዶም ንቆልዑ ዝፍጽም ዝነበረ ፈረንሳዊ ፈላሲን፣ ቬርነር ሙሲንገርን ወዲ ስዊዘርላንድ ኣብ ከረን ዝነበረ ሰላዪን፣ ዝምሓላለፈሎም ዝነበረ  ሓበሬታ እንዳተቐበሉ፣”ቅድሚ ንኢትዮጵያ ምቍጽጻርና፣ንምድረ ባሕሪ ክንቆጻጸራ ኣሎና” ዝብል መደብ ሓንጸጹ። ነዚ መደብ እዚ ንምትግባር ድማ፣ ቅድም ቀዳድም ንጅግና ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ብመሳፍንቲ ትግራይ ገርካ ምስእነዳኽሞ ጥራይ እዩ ኢሎም መደቡ።

ካብኡ ከኣ እቲ ውዲታዊ ፕሮጀቶም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ግብሪ ክውዕሉዎ ጀመሩ።ብፍላይ ተዃሉ ስለያ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ንንጉስ ቴድሮስ ብሳላ ሓገዝ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ክስዕርዎ ስለዝኽኣሉ፣ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ድማ ብንጉስ የውሃንስ ገርካ ጥራይ እዩ ክደክም ዝኽእል ብምባል ስርሖም ጀመሩ።

ዛጊት ድሕሩ ስዕረት ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ደጓሊ፣ ተዃሉ ስለያ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ቀልጢፎም ንንጉስ የውሃን 4ይ መዳፍዕን ባጤራን ማሪያ ተሬዛን፣ ካልእ ህያባትን ሃቡዎ። ካብኡ ድማ፣ንደቂ ምድረባሕሪ ብመሳፍንቲ ትግራዎት ገርካን ንምድኻም ዝብል መደብ ዕዮ በብሓደ ተጀመረ።

ኮሎንያል እንግሊዝ ነቶም ተዃሉ ስለላ መርበቡ፣ ሎሚ ኤም.ኣይ.6 ዝብሃሉ ጭፍራ ስለላ ብምውፋር፣ ድሕሪ ውድቀት ንጉስ ቴድሮስ ማለትዩ፣ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣየኖት ኣህዛብ እዮም ጀጋኑን ተኻላኸልቲ ዓዶምን ባሕሮምን፣ ከምኡውን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጳን ምድረባሕርን፣ኣየኖት ህዝቢ ወይ ዓሌት እዮም፣ ህርፋን ገንዘብ ስልጣንን ግንከኣ ምስጢር ክዕቅቡ ዝኽእሉ ኣጸቢቖም ፈቲኖም ዘረጋገጹዎ ሓቂ እዩ። እቶም ዘለለዩዎም ዓሌት ድማ ንሳቶም ትግራዎት ጥራይ ምዃኖም ነበረ። እምሆ ዘመን ማለት ብብ1868 ድሮ ቅድሚ 20 ዓመታት ጣልያን ንከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ካብዝወርር ማለትዩ፣ጀነራል ናምፒር እንግሊዛዊ ንሃጸይ ቴድሮስ ክወርር ከሎ፣ረዲኤት ንጉስ የውሃንስ ስለ ዝረኸቡ እዮም። እዚ ኩሉ ስራሕ ድማ ነቲ ኣብ በርሊን ዝተመደበ ውዕል ምሽማው መሬት ኣፍሪቃ ሃገራት ኣብ ግብሪ ንምውዓል እዩ።

ብሓገዝ መንግስቲ እንግሊዝ እምብኣር፣ ኤርትራ ብኮሎንያል ጣልያን ንኽትውረር ስለላ መርበብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ተጓዪዮም ቅድም ንትግራዎት ገንዘብ ብላዕ ኣብሊዓoም  ዋርድያ ብምግባር ንጀጋኑ ኤርትራውያን ከምዝስዓሩ ምግባር እዩ እቲ ውዲት። ብፍላይ ከኣ ሰለልቲ ካህናት ቫቲካን ከም ብዓል ጁሰፐ ሳፔቶን፣ ከም ብዓል ፈላሲ ስቴላ ኣብ ምሕላብን ግለብን ፈላሲ ተመሲሉ ግንከኣ ሰላይ ኤም.ኣይ.6 ዝነበረ። ብፍላይ እኳድኣ ንቖልዑ ሽዑ እዋን፣ግብረሰዶም ዝፍጽም ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊን፣ ከምኡ ድማ ቬርነር ሙሲንገርን ወዲ ስዊዘርላንድ፣ ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ባጽዕ ዝነበረ፣ ድሓር ግና ንከረን ዝግዓዘ ሰላዪ ዘዋህለልዎ ፍረ ስለላን ኮለላን ሓበሬታ ብማካብ፣ ጣልያን ብዘይ ምክልኻል ደቂ ሓማሴን ንኣስመራ ከምትወራ ተገብረ።

ስለዚ እቲ መደብ ዕዮ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብ ተግባር ክውዕል ከኣለ። ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ቅድሚ ምሓዛ፣ ንጉስ የውሃንስ ራብዓይ ንሓይሊ ምድረባሕሪ ኣዳኺሙዎ እዩ ጸኒሑ። ሸቃ እሉላ ነስመራ መጺኡ ንራእሲ ወልደሚካኤል ኣታሊሉ ምስሓየሮም። ጅግና ጎፋር ብዓል ጎይታ ሓበላን ዴዳን ሰብኣይ ጓሎም ንራእሲ ወልደሚካኤል ከኣ፣ ብእከይ ተግባር ኣሉላ ተቐይሙ ንሓባብ ግዓዘ። ድግያት ሓድገምበስ ብሰንኪ ኣሉላ ንድንበዛን ገዲፉ ንሓባብ ግዒዙ።  ጀጋኑ ሓማሴን ምስጠፍኡሉ ራእሲ ኣሉላ ሜስ ሓማሴን ከማርጽ ጀመረ። ሽዑ ድማ ጅግንነት ሓማሴንን ሰራየን ተደፊሩ። ራእሲ እምባየ ካብ ማይቤት ንጉስ የውሃንስ ንሰገነይቲ ምስተቖጻጸረ፣ደግያት ሓጎስ  ሰገነይቲ፣ መኪቱ ንራእሲ እንባየ ቀቲሉ ንሓባብ ከይዱ። ሽዑ ድማ ጅግንነት ደቂ ኣከለጉዛይ ተደፍረ።

ኣስተብህል፣
ኣብዚ ከነስተውዕለሉ ዘሎና ጉዳይ እንተሎ፣ እቶም ቀንዲ መሃንድሳት ውዲታውያን ጽዮናውያን እዮም። እታ ዝዓበየት መዕቆቢ ረቀቕርቲ ጽዮናውያን ድማ፣ ከተማ ለንደንን ስኮት ላንድን እየን። ሮትሻይልድን ብጾቱ ዲታትን ዋናታ ብጤራን ክሳብ ሎሚ ዝነብሩሉ ዘልው ቦታ እዩ። ቀንዲ መማኽርቶምን መሻርኽቶምን ድማ ቫቲካን እያ። ካብ መዋእለ ባርነት ጀሚሮም ንሶምዮም ወነንቲ ባጤራን ወርቅን ዓለም እምብኣር። ንሶም ዘዋፈሩዎም እዮም ድማ፣ ኩሎም ኮሎንያሊስት ንሃገራት ኣፍሪቃ ክወሩ ዝጸንሑ። ኮሎንያል ጣልያንውን ምስ ዓባይ ብሪጣንያን መሳፍንቲ ትግራይን ተላፊኑ ነስመራ ክቆጻጸራ ዝኽኣለ። ሎሚውን እዚ ኢሰያስ ዝብሃል ካብ ንእስነቱ መልሚሎም ስለላ መርበባት ዘዕበዩዎ ድኣንበር ምድ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘተሓሕዝ ጉዳይ ኣይኮነን።፣ ነቲ ኣብ በርሊንን ኣብ ሮምን ኣብ ኒዮርክን ዝተሰማምዕሉ ምግባት መሬትንባሕርን ኤርትራን ጽባሕ ብጊሓት ድማ ቀኒ ኣፍሪቃን ኡ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብመራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ ዝፍጸም ዘሎ መስርሕ ጥፍኣትን ህልቀትን፣በዚ ነፋጥ ሰብዚ ከም መለኮታዊ ብዓል ሓይለ ስልጣን ኮይኑ ጥራይ ዝፍጽሞ ዘሎዶ ይመስለኩም፣ ወይስ ካብ ጸጕሪ እትደቅቕ ጉዳይ ከይተረፈ ባዕሎም፣ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤልን፣ ኣሜሪካን ኤውሮጳን እየን?

እዛ ሎሚ ሓዳስ ላቦራቶሪ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት (እቶም መዋእል ባርነት ዝምሃዙ፣ ጸኒሖም ኮሎንያሊዝም፣ ካብኡ ጸኒሖም ሶžaሊዝምን ኮሙኒዝምን፣ ድሕሪ ኮሚኒዝም ድማ፣ ሎሚ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ግሎባላይዘሽን (New World Order) ዝፍጸመላ ዘሎ ኮይና፣ ማለት ህዝባ እንዳጸነተን እንዳተሰደን፣ ባህርያዊ ጸግኣ ድማ ብጽዮናውያን እናርኣናዮ ተጓሕጒሑ ይዝመት ኣሎ። እቲ “ሓዳስ ኤርትራ” ተባሂላ ንኽትጽዋዕ እውን፣ ብመደብ ጽዮናውያን እዩ፣ ኮሎንያል ጣልያን ኤርትራ ኢሉ ኣጠሚቑዋ ነይሩ፣ እቲ ፕሮጀክቲ እቲ ግን ብሰንኪ ኣዶልፍ ሂትለር ዝወልዖ ካልኣይ ኲናት ዓለም ስለዝፈሸሎም፣ ሎሚ ነቲ ፕሮጀክቶም ንኸተግብሩዎ “ብሓዳስ ኤርትራ” ተባሂላ፣ ተዋስኦ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ዝካየደላ ዘሎ ቦታ ንኽትከውን ተፈሪዳ ማለትዩ።

እታ ቀንዲ ስማ ድማ ምድረባሕ ዝብሃል ሃገር እምብኣር፣ ወዮ ድኣ ሙሁራት ኤርትራውያን ኣዝዮም ስለ ዝጀጀው፣ ብዛዕባ ምስጢር ሃገር ኤርትራ ብሒም ምባል ኣብዮም እምበር፣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኢድ ስለላ መርበብ እንግሊዝን እስራኤልን፣ኣሜሪካን እዩ ተታሒዙ ዘሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዝስደምም እምብኣር፣ ብዙሕ ሰብ ግና ገና ዘይፈለጦ ረቂቕ ምስጢር፣ እተን እስትራተጂ ጽዮናውያን (ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት) ሰለስት እየን። ንሳተን ድማ ከባቢ ኣስያ ስትራተጂካዊ ቦታ ኣፍጋኒስታን፣ኣብ ሃገራት እዕራብ ሃገር ዒራቕ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኤርትራን ሶማልን ንምቅጽጻር እየን። ስለዚ ኤርትራ ከኣ ሓንቲ ኣባል ናይዚ ውዲታዊ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ስለዝኾነት እያ፣ ካብ ትግራዎት ዝተወልደ ድያብሎስ መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ዝምንቁሱና ዘለው። እዚ ሰብዚ ግና ከም ዕቡድ ተመሲሉ ረቂቕ ፕሮጀክት ጽዮናውያን ኣብ ግብሪ ዘተግብር ዘሎ ልኡኽ ጽዮናውያን ኮይኑ እዩ። ጽባሕ ብጊሓት ክትርእዩዎ ኢኹም፣ ድሕሪ ኤርትራ ሶማልን ኢትዮጵያን ክውረራ እየን። እቲ ኣብዛ ” ሓዳስ ኤርትራ” ብመራሕ ኩባንያ ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ ውዲታዊ ፕሮጀክት፣ ነቲ ብጽዮናውያን ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ሸቶ፣”ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት” መንገዲ ንምጥጣሕ እዩ።

ኣስተብህል፤
ጅግና ህዝቢ ኤርትራ መሳፍንቲ ትግራይ ን ኢትዮጵያውያንን ከምኡውን እቶም ኮራኽር ቱርክን ግብጽን ኣብ ሒርጊጎ ዝነበሩ ደቂ ናይብ፣(ወኪል ማለት እዩ)፣ገለገለ ገለ ሽዩጣት ደቂ ኤርትራን፣ካብ 1759 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም እንተዘይጻብኡዎ ነይሮም፣ብፍላይ እኳድኣ ብድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ፣ንጅግና ህዝቢ ምድረባሕሪ ድሎ ከይትዕሎ ኢሉ ደፊሩ ክስዕሮ ዝኽእል ሓይሊ ኣይምተረኽበን። ሎሚ ከኣ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕት ቁጽጽር ደቂ ምድረ ባሕሪ ምሃለወ ነይሩ። እዚዩ እቲ ሓቂ። እቶም ንምድረባሕሪ ቅሳነት ዝኸልኡዋ ዝነበሩ መሳፍንቲ ትግራይ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

ደግያት ውቤ፣ ድግያት ስማጋድሽ፣ ደግያት ደበብ፣ ብዓቢኡ ድማ ንጉስ የውሃንስን ሸቃ ኣሉላን ነበሩ። ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ ድማ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኮሎንያል ጣልያን ኣተወት።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት 2017 ዕ.ም.ፈ.

ይቕጽል. . . .  .