ንቡር  <  ጽረ-ንቡር = ዘይንቡር። ግድል – ዕንቅፋት = ፍታሕ።

ጽዮናውያን ንህዝቢ ኤርትራ ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩዎ ስለዘይከኣሉ፣ ብንቡር < ጽረ-ንቡር = ዘይንቡር (Thesis – Antithesis = Synthesis)፣ ግድል < ዕንቅፋት = ፍታሕ (Problem – Reaction = Solution)፣ ዝብሉ ረቀቕቲ መሳርሒ መግዛእቲ ዝኾኑ ፎርሙላታት ምሂዞም፣ ንኣእምሮኡ ተቖጻጺሮም ባህርያዊ ጸግኡ፣ መሬቱን ባሕሩን (Rsource) ንኽቆጻጸሩ፣ ብምርምርን መጽናዕትን ውዲታዊ ኣውጺኦም።

 ኣብ’ዚ በጺሕናዮ ዘሎና መበል 21 ክፍለ-ዘመን፣ ኩሎም መለኽቲ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ማዕራባዊ ዓለም ይሃልዉ፣ ኣብ ምብራቓዊ ዓለም፣ ወይከኣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ሃገራት ኣዕራብን፣ ወይድማ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካን ይሃልዉ፣ በቶም መሃንድሳት ስዉር ሓይሊ ተዓሲቦም እዮም ከም ሜርሲኔሪ ኮይኖም፣ በቲ መሃንድሳት ዓሰብቶም ዘውጽኡሎም ረቂቕ መደብ ዕዮ ወይ ፕሮጀክት ተመሪሖም ዘገልግሉዎም። እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ዓለም ግና ከም መራሕቱን፣ ነገስታቱን ወይ ከም ብሓቂ ሃገራውያንን፣ ንህዝቢ ዝሓልዩን ጌሩ እዩ ዝርድኦም።  ብረቀቕቲ ሓይልታት ከም ዝዝወሩ እንተ ሓበርካዮ ከኣ ብቐሊሉ ክርድኣካ ኣይደልን እዩ። እቶም ዕሱባት መራሕቲ ነቲ ብመሃንድሳት ዓሰብቶም ዝተዳለወሎም ፕሮጀክት ንባዕሎም ጥራይ ተረዲኦም ብእኡ እንዳተመርሑ፣ ንህዝቦም ድፋዕን ግዳይ ጽዮናውያንን  ገሮም ብጥንቃቐን ብምስጢርን ክሳብ መወዳእታ የሳቕዩዎ።

ኣስተብህል፤
ኣብዚ ክንስሕቶ ዘይብልና ግና ሓደ ነገር ኣሎ፣ ንሱ ድማ እዞም ዕሱባት መራሕቲ፣ ኣብቲ ዝተዋህቦም ፕሮጀክት ዋላ ኣዝዩ ዝደቐቐ ጌጋ ምስ ዝፍጽሙ፣ ብስዉር ይኹን ብግሁድ ከምዝቕንጸሉ በቶም መሃንድሳት ልኣኽቶም ተሓቢሩዎም እዩ። ንዋሕስነት ሕይወቶም ድማ፣ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ካብ ህዝቢ ተዘሚቱ ኣብ ኦፍሾር ባንክታት፣ ከም ብዓል ስዊዘርላንድ፣ ሉክሰምቡርግ፣ ወይከኣ ኣብ ዝተፋላለያ ዴስየታት ይቕመጠሎም። እቲ ሓቂኳ፣ ነቲ ገንዘብ ከይበልዑሉ እዮም ዝሞቱ። በዚ ተኣማሚኖም ድማ ንህዝቦም ይገፍዑ። እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ግና፣ ንዝኾነ ረቂቕ ይኹን ረጒድ እከይ፣ ብመደብ ኣብቲ ሃገር  ክፍጸም ከሎ፣ በቶም ብድሕሪ መጋረጃ ዘለው ስዉራት መሃንድሳት እከይ ዘይኮነስ፣ በቶም ልኡኻት መለኽቲ ጥራይ ዝፍጸም ዘሎ ገሮማ እዮም ዝርድኡ። ዝኾነ ይኹን መላኺ ገዛኢ ይኹን፣ ንስሙ “ብዲሞክራስያዊ ምርጫ“ ዝተመርጸ ይኹን ንሓደ መንግስቲ ዓልዩ ኣብ ስልጣን ዝደየበ ብዓል ስልጣን፣ ክሳብ ነቶም ስዉራት ሓይልታት ዓሰብቱ ዘገልገለ ጽንጽያ ዓይኑ ዘንፍረሉ ተጻባኢ ከምዘይህሉ ብግቡእ እዩ ዝሕበሮ። ነዚኣ መብጽዓን ዋሕስነት ሕይወቶምን ተኣማሚኖም እዮም እምብኣር፣ ንህዝቦም ኣሕሊፎም ግዳይ ባዕዳውያን ገሮም ክሳብ ዝኣርጉን ዝሞቱን ዝኽድሙሎም። ኣብዛ ነጥቢ እዚኣ ኣያ እምብኣር እታ ኣዝያ ረቃቕ ዝኾነት ምስጢር ካብ ህዝቢ ተኸዊላ ክሳብ መወዳእታ ግዜ ትቕጽል ዘላ።

እዚ በቶም መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሓንጸጸ ውዲታዊ ወፍሪ’ዚ፣ ካብ መዋእለ ባርነት ኣትሒዙ፣ ብፈላሊኻ ግዛእን፣ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ሜላን መልክዑ እንዳቀያየረኳ ክቕጽል እንተጸንሐ፣ ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ግና፣ ብመልክዕ ካልእ ይምሰል እምበር፣ ትሕዝቶ እቲ መደብ ዕዮን ግናኣዝዩ ምዕቡል  ዘመናዊ ባርነት እዩ። እወ፣ ብረቂቕ ስነ-ኣእምራዊ መጽናዕቲ ዝተሰነየ ሶሻል ኢንጂኔሪን ዝብሃል ፍልስፍና፣ ግንከኣ ብስነኣእምሮን ሶሻል እንጂነሪን ዝሰልጠኑ ክኢላታት ዝዝወር ወፍሪ እዩ ዝካየድ። እቶም ነዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝኸይድ ዘሎ መስርሕ መግዛእቲ ከም መሳለጢ ተመሪጾም ዝተመደቡ ፍቱናት ፎርሙላታት ድማ ከም መረዳእታ ንምጥቃስ፣ እዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው እዮም።

1ይ.) ንቡር ጽረ-ንቡር = ዘይንቡር (Thesis, Antithesis, Synthesis) ብጆርጅ ቪልሄልም ፍሪድሪክ ሄገል ዝተባህለ ተማራማራይ ሶሻል ኢንጂኔሪን ፈላስፋ ጀርመናዊ ዝተማህዘ እዩ። እስከ እምብኣር ነዘን 3 ፎርሙላታት እዚአን እንታይ ከምዝኾነ ትሕዝቶአንን ውዲታዊ ትርጕመንን ብኣድህቦ ብስእላዊ መልክዕ ንከታተለን።


እዘን ኣብዛ ስእሊ ተገሊጸን ዘለዋ ኣገባባት እስከ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ፣ ብኸመይ ከምዝተተግበራ ንከታተል።

ኣብ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ወራር ኮለንያል ጣልያን፣ ብሕገ-ንዳባ፣ ንመረዳእታ ሕጊ ኣድግና ተገለባ፣ ኣብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፣ ሕጊ ኣከለ-ምልጋእ፣ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ፣ ሕጊ ለጎ-ጭዋን፣ ሕገ ዓዲ-ቆንጽን፣ ሕገ 7 ድንበዛንን፣ 7 ዓንሰባን ከኣ ኣብ ውራጃ ሓማሴን፣ ፍትሕ መሓሪ ወዓዶታት፣ ሕጊ ክልተ መንሳዕ (ክልአ) ድማ ኣብ ሰኒሒት ወይ ኣብ ምድረ መንሳዕ፣ ብሓውሲ ፌደራላዊ ምሕደራ ብባሓረ ነገስታት ተማእኪሉ ክጉዓዝ ጸኒሑ።


ብተወሳኺ ድማ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣገባባት፣ ንኣእምሮ ወዲሰብ ንምቍጽጻር ዘገልግሉ ረቀቕቲ ሜላታት እዮም።

  • ኣብ መግብን ማይን ስሚን መድሃኒትን ሕእዋዊስካን ኣቃሚምካን ንህዝቢ ምስማም

  • ዜና ማዕከናት ምቍጽጻር። ነቲ ገዛኢ ሃይሊ ጥራይ ከምዘገልግል ምግባር።

  • ንህዝቢ ብፍርሒ ብራዕዲን ገርካ ምግዝእ፣ ንመረዳእታ ህግደፍ ዝጥቀመሎም ውዲታውያን ሜላታት “ወያኔ መጸካ፣ መጃሃዲን ተቕልቀሉኻ” ወዘተ…

  • ንህዝቢ ፈላሊኻ ምስዓር፣ “ትግራውይ እዩ፣  ኣገለጉዛይ፣ ሰራየ፣ ሓማሴን ኣስላማይ” ወዘተ…

  • ብሃይማኖት ሰቢኽካ ኣእምሮ ወዲ ሰብ ምዝንባዕ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንዕዘቦ ዘሎና፣ ብመራሒ ኢትዮፕያን ዲክታቶር ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ምስ ሃገራት ኣዕራብ ዘካድ ዘሎ መርዛም ግንከኣ ውዲታዊ ሕጽኖት፣ ጽባሕ ብጊሓት ታሪኽ ክድገም ክንርእዮ ኢና።ንሱ ድማ  ኣስላማዊ ኲናት (ISIS) ካብ ሶርያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክግዕዝን ክልሕምን እዩ።

  • ንተቓዋሚ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርካ ምእታው፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ወያኔን ህግደፍን እዮም።

  • ቍጠባዊ ሥርዓት፣ ጥንቆላዊ ሕንፍሽፍሽ፣ ግብሪ ክርስቶስ እንገብር ብጹኣን ኢና ዝብሉ ከም ኊሆቫ ጴንጠቆስጥ፣ መምህር ግርማ፣ ወዘተ..ኣዋፊርካ ንህዝቢ ካብቲ ርትዓዊ ቅኑን እምነቱ ኣዘናቢልካ ሕንፍሽፍሽ ምእታው።

  • ፍልስፍና ሄገል

    1. ኣጀንዳ ሥልጣን ምግባት

    2. ንቡር ፣ ኮነ ኢልካ ዝመሃዝካዮ ግብረ ሽበራ፣ ፈተና

    3. ጸረ ንቡር፣ ጭቆና፣ ብፖሊስ ዝግዛእ ሃገር

    4. ጸረ ሓርነት፣ ነቲ ሓቀኛ ሓርነት ኣልጊስካ ስልጣን ህዝቢ ብውሑዳት ምቍጽጻር

    ንቡር > ጸረንቡር > ዘይንቡር

    ብውርዙይ ባህልን፣ ቅዱስ ርትዓዊ ሃይማኖትን (ኦሪታዊ ሃይማኖት ብቋንቋ ግሪኽ ከኣ ኦርቶዶክስ)፣ ብዴሳዊ ዋንነት መሬትን ክመሓደር ጸኒሑ። እዚ ኣገባ ምሕደራ እዚ እምብኣ

    ን ቡ ር (Thesis) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ነዚ ን ቡ ር (Thesis) ምሕደራ ዓደቦ ግና ጸረ ንቡር (Antithesis) ዝኾነ ወራር ኮሎንያል ጣልያ መጺኡ፣ ነቲ ንቡር ዝነበረ ብሓይሊ ኣብ ዘይ ንቡር (Synthesis) ንኽቕዪሮ ብዘለዎ ሓይሊ ፈቲኑ። ይኹን እምበር እቲ ዝነበረ ንቡር ባህልን ሃይማኖትን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካብ ውሉድ ወለዶ እንዳተወራረሰ ህዝቢ ምድረባሕሪ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ኣገባብ ምሕደራ (ንቡር) ኮሎንያል ጣልያን ብቐሊሉ ክቕይሮ ስለዘይከኣለ ዳርጋ እቲ ንቡር ምሕደራ ምድረባሕሪ ብፍላይ ኣብ ኣውራጃታትን ወረዳታትን ዓድታትን ብባይቶ ይመሓደር ነበረ። ከምዚ ኢሉ ክቕጽል ምስ ጸንሐ ድማ ኮሎንያል እንግሊዝ ንኮሎንያል ጣልያን ተኪኡ፣ ኣብ ምድረባሕሪ መግዛእቱ ጀመረ። ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ እንተኾነውን፣ እቲ ንቡር ዋላኳ ግእዝኣት እንግሊዝ ብስነኣእምራዊ ሜላ ይጉዓዝ እንተነበረ ዳርጋ ብመጠኑ ከም ቀደሙ  ንቡር ኮይኑ ቀጸለ።

    ኮሎንያል እንግሊዝ ካብ ምድረባሕሪ ምስተሳናበተ ድማ፣ ብወራር ንጉስ ሃይለስላሴ ኣርከበሞ ተቓዳዲሙ ነቲ ጥንታዊ ቋንቋ ትግሪኛ፣ ብባዕዳዊ ቋንቋ ኣምሓሪኛ ብምትካእ፣ ነቲ ሕገንዳባ ዝነበረ ድማ ብፍትሃ ነገስት ዝብሃል ሕጊ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ብምትካእ፣ ነቲ ን ቡ ር (Thesis) ምሕደራ ዓደቦ ጸረ ንቡር (Antithesis) ኣተኣታትዩ፣ ኣብዘይ ንቡር (Synthesis) ክቒይሮ ፈተነ። ይኹን እምበር፣ እቲ ኣብ ኣውራጃታትን ወረዳታትን፣ ዓድታትን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ኤርትር ግና፣ ዋላኳ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ መስፍናዊ ሃይለስላሴ ንዳተገዝአ ከሎ፣ ብሕጊ እንዳባን ብባይቶን እንዳተማእከለ ጸኒሑ፣ ነቲ ንቡር ዝጸንሐ መግዛእቲ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስስቲ መጺኡ፣ ብጋሻ ፍልስፍና ማርክሰ ሌኒን ኣብ ዘይ ንቡር ቀዪሩዎ። ድሕሪ ምስንባት ግዛይዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርጊ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ንቡር መሰረት ክምለስ ክብህግ ከሎ፣ ጸረ ንቡር ዝኾነ ፍልስፍና ሓንጊጡ ብሓደ ልኡኽ መላኺ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ነቲ ዝነብበረ ንቡር ምሕደራ ህዝቢ ኤርትራ፣ ፈጺሙ ንምድምሳስ ዝተፋላለዩ መደብ ዕዮታት ኣውጽኤ።  መሬት ንመንግስቲ፣ ኣውራጃታት ብዞባታት ብምቕያር፣ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻው፣ ካህናትን ድያቆናትን ጠመንኋ ከምዝሕንግጡ ገሩ ንበረኻ ከምዝወፍሩ ብምግባር፣ ንዝቃወሞን ብልዑላውነት ሃገር ዝኣምኑ ደቂ ሃገርን፣ ገዳይም ተጋደልትን፣ ካህናትን ኣሻኻትን ንቤት ማእሰርቲ ጓረቶም።ንመንእሰይ ኣብ በረኻ ምስፋር፣ ገንዘብ ህዝቢ ምህጋር፣ ኣብ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተመርኮሰ ግንከኣ ወተሃደራዊ መግዛእቲ ዝኾነ ስርዓተ ኣልቦ መንግስቲ መስረተ። በዚ ከኣ ነቲ ንቡር ዝነበረ ባህላዊን ሃይማኖታዊን፣ መለዪ መንነትን ግሂሱ  ኣብዘይ ንቡር፣ ኣብ ኣዝዩ ፋሉልን ግዕዙይን ዝኾነ ዘይንቡር ስርዓት ለወጦ። ንቡር ጽረ-ንቡር = ዘይንቡር (Thesis, Antithesis, Synthesis)።

  • 2ይ.) ግድል – ዕንቅፋት = ፍታሕ (Problem – Reaction-Solution) ዝብሃሉ ረቀቕቲ ኣገባባት’ዮም።

  1. ግድል (Problem) ወይ ሽግር ይፈጥሩሞ፣ ብቅድመ ግንባር ተዋፊሮም ከኣ ገብረ ሽበራ ዘካይዱ ግብረሽበራውያን መልሚሎምን ኣሰልጢኖም፣ ግንከኣ ንረብሓኦም ንከገልግሉ ኣዕጢቖም የዋፍሩዎም።

    2. ዕንቅፋት (Reaction)፣ ነቶም ዘዋፈሩዎም ግብረ-ሽበራውያን ድማ ኣንጻሮም ኮይኖም ዝዋግኡ፣ ሓደስቲ ጸረ እቲ ዘሎ መስርሕ ይፈጥሩ። ብውዲት ሓደስቲ መራሕቲ ግብረ ሽበራ መልሚሎም ድማ መራሕቲ ይሸሙ።

  2. ፍታሕ (Solution)፣ ካብኡ ነቲ ብህዝቢ ዝተላዕለ ቅኑዕን ንመሰረታዊ ፍታሕ ዝዓለመ ተበግሶ ኣብ መaለቢኡ ከይበጽሐ የበርዕኑዎ። በብዓይነቱ ምስምሳት እንዳምሃዙ ድማ ነቲ ነቲ ህዝቢ ኣብ ዕንክሊል ከምዝነብር ገሮም ሓዲግ መዲግ ይገብሩዎ።

    ኣብ ኤርትራ ነቲ ኣምሆ ዘመን ብሻዕብያ ዝፍለጥ ዝነበረ፣ ሎሚ ብህግደፍ ዝስመ ጭፍራ።

    ኣብ ሜዳ ከሎ ኣብዞም ሰለስተ ሜላታት ተመርኲሱ፣ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጓይ፣ ዘመሳምሶም ዝነበረ ምስምሳት ብሕጽር ዝበለ ንምቕራብ፣

    “ዓማ ሓራዲት፣ ዓማ ኣስላማዊት እያኳ ትዕንቅፈና ዘላ እምበር ነጻነትስ ቀልቲንፍና መምጻእናያ”።

    ውጽኢቱ፣ ባaሽሓት ዝቝጸሩ ኣሕዋትንኣሓትን ኲናት ሓድሕድ ወሊዕካ ንምጽናትን፣ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ድማ ዓወት ወይ ነጻነት ንዓሰርተታት ዓመታት ተናዊሑ። ድሕሪ ክንደይ ዕንክሊል ሻዕብያን ህግደፍን መራሕቲ ጀብሃን ተላፊኖም ንሰራዊት ጀብሃ ንስግረ ዶብ ሱዳን ከምዝድፋእ ተገብረ።

    ድሕሪ ነጻነት ከኣ ህዝባዊ መንግስቲ ክንዲ ዝምስረት፣ ብደሴት ሓኒሽ ኣመሳሚሱ ኲናት ኣንጻር የመንን፣ ኣንጻር ጅቡቲ፣ ኣንጻር ሱዳን፣ ኣንጻር ባዕሉ ዝመሃዞም ብስም መጃሃዲንን ጭሓማት ዝፍለጡ ”ጒጅለ ኣኽራሪ ኣስላማዊ ግብረሽበራ“ ብዝብል ስም ዘጠመቖም ኲናት ብምውላዕ፣ ሕገ መንግስትን መንግስትን ከምዘይ ቆውም ገበረ። ካብኡ ጸኒሑ ድማ፣ ምስቶም ህወሓት ዝብሃሉ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ምስኦም ተላፊኑ ንውድብ ጀብሃ ዝደምሰሰን፣ ምስኦም ተላፊኑ ንሰራዊት ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰዓረን፣ ሓዲሽ ዶባዊ ኲናት ዝፍለጥ ውዲታዊ ኲናት ወሊዑ። ድሕሪ ኣዋድቓ ፈረስ ዓቀት ዶባዊ ኲናት ድማ፣ “ዶብና ከይተሓንጸጸ፣ ሕገ መንግስቲ ክንእውጅን፣ ህዝባዊ መንግስቲ  ከነቕውም ኣይንኽእልን ኢና“ ብዝብል ምስምስ፣ “ወፍሪ ዋርሳይ እከኣሎ፣ “ሃገራዊ ኣገልግሎት” ብዝብል ውዲት መኽንያት ብምፍጣር፣ ንመንእሰይ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ዓዶም ዘይኮነስ ኣብቲ ምድሪ ዓሶን ጻጾትን ዝኾነ ሳዋ ዝብሃል ቦታ ኣብ ዘመናዊ ባርነት ዳጒኑዎም። ድሕሪ 20 ዓመታት እቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ፣ ጭፍራ ወያኔ፣ ጉዳይ ዶብ ብዘይ ቅድመ ኲነት ኣልዒልናዮ ኢና ኢሎም ምስ ኣወጁ፣ ኢሰያስ “ተቐቢለዮ እየ“ ኢሉ ከብቅዕ፣ ጉዳይ ዶብ ከይተላaለ፣ ምስቲ ኢህኣደግ ከም 1ይ ሚንስተር ኢሎም ዝሓረዩዎ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ጥራይ ብምምስጣር፣ “ካብ ሕጂ ንድሓር ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ክልተ ሃገራት ዘይኮናስ፣ ሓንቲ ሃገር እየን! ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ዘይኮኑስ ሓደ ህዝቢ እዮም!“ ክብል ከይሓፈረ ግዒሩ።

    ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ኣምሆ ዘመን ህወሓት ዝፍለጥ ዝነበረ፣ ሎሚ ብኢሃኣዴግ ዝፍለጥ ዘሎ ጭፍራ ፣ ኣምሆ ዘመን ኣብ ሜዳ ከሎ ዝካየዶ ዝጸንሐ መስርሕን፣ ከም መንግስቲ ምስቆመ ዝፍጽሞም ዘሎ ውዲታትን፣ ሰውራ ትግራይ ብዘይካ ህወሓት ካልእ ውድብ ኣየፍቅድንዩ ካብ ዝብል ተበግሱ፣ ንውድብ ነቲ ብድሕሪ ስዕረት ንጉስ ሃይለ ሥላሴ፣ ኢትዮጵያዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት (EDU) ዝብሃል ውድብ ደምሲሱዎ፣ ነቲ ብብዓል ሃይለፊዳ ዝብሃል ሓርበኛውን ፈላስፋን ዝምራሕ ዝነበረ ብ “ሜኤሶን“ ዝፍለጥ ማርክሰ ለኒናዊ ሰልፊ ኣጥፊኡዎ፣ ነቲ ብብርሃነ መስቀል ረዳ ወልደሩፋኤል ዝምራሕ ዝነበረ ብ (ኢ.ህ.አ.ፓ. E.P.R.P.) ዝፍለጥ ምንቅስቓስ ኣዕሪቡዎ።

    ነቲ ብተጋድሎ ሓርነት ትግራይ ዝፍለጥ ብኣረጋዊ ን ግደይ ዘራጸንን ዝምራሕ ዝነበረ ውዲብ ኣፍሪሱ፣ ምስ ህ.ግ.ሓ. ኤ. (E.P.L.F.) ተላፊኑ ንተ.ሓ.ኤ. (E.L.F.) ዝብሃል ውድብ ደምሲሱ፣ ብማለሊት ዝምእከል ህ.ግ.ሓ.ት. ወይ ህ.ወ.ሓ.ት. (T.P.L.F.) ዝብሃል ውድብ መስሪቱ። ድሕሪዚ ኩሉ ውረድ ደዪብ ከኣ፣ ብ1987 ዓ.ም.ፈ. ንከተማ መቐለ ወሪሩ ካብ ኢድ ግዝያዊ ወተሃደርቅዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ መንዝዓ፣ ነቲ ብስም ህ.ወ.ሓ.ት. (T.P.L.F.) እንዳጨርሐ ንህዝቢ ትግራይ ነጻ ንምውጻእ እየ ዝቃለስ ዘሎኹ እንዳበለ ን17 ዕመታት ዝጭርሖ ዝነበረ ጭርሖ ጒሒፉ ድማ፣ ካብቶም ኣብ ሜዳ ከሎ ዘጥፍኦም ኢትዮጵያዊ ዲሞክራስያዊ ሕብረት (EDU)ን፣ “ሜኤሶን MEISON“ Ethiopia Socialist Movement (ኢ.ህ.አ.ፓ. E.P.R.P.) ዝተረፉ፣ ተረፍ መረፍ ከም ብዓል በረኸት ስምኦንን፣ ታምራት ላይነን iቡ ተጸንቢሩ፣ ኢህኣዴግ ዝብሃል ሓዲሽ ውድብ መሃዘ። እዚ ውድብዚ እዩ ሎሚ ከም ሰልፊ ኮይኑ እምባኣር ሎሚ ኣብ ኣራት ኪሎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኮይኑ ንኢትዮጵያ ብዞባ ጎዛዝዩ ዝገዝእ ዘሎ።

    ግድል (Problem) ትፈጥር እሞ፣ ኣብ ፍታሕ ከይበጽሕካ ከኣ፣ ጸረ ግድል (Reaction) ከኣ ትፈጥር፣ ካብኡ ኣብቲ መደብ ዘውጻእካሉ ፍታሕ (Solution) ከይበጻሕካ ዕንክሊል ብምባል, ነቲ ፍትሕ ተዳናጒዮ። እስከ ነዘን ክልተ ፎርሙላታት፣ ኣምሆ ዘመን ኣብ ሰውራ ኤርትራ፣ ሎሚ ከኣ ኣብ ኤርትራ፣ ብኸመይ ኣገልጋላ ከምዝነበራን ዘለዋን ብቕልል ዝበለ መረዳእታ ንከታተል: ኩሉ ኤርትራዊ ከምዝፈልጦ፣ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኤርትራ “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ” ዝብሃል ሃገራዊ ውድብ ተመስሪቱ። ዓላማ ተ.ሓ.ኤ. ከኣ ነጻነት ኤርትራ ንምጻእ ነበረ። እምብኣር እቲ ብስም “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ” ዝጽዋዕ ዝነበረ ውድብ፣ ድሕሪ ኣስታት 10 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ጸረ መዛእቲ ኢትዮጵያ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ዛጊት ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራ “ህዝባዊ ግንባርሓርነት ኤርትራ” ዝብሃል ተመስሪተ።

    ኣብዚ ኣስተብህል፣ ስለምንታይ “ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ” ኣንጻር ወራር መንግስቲ ኢትዮጵያ እንዳመከተ ከሎ፣  “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” ዝብሃል  ሓድሽ ውድብ ተማሂዙ? መንከ ምሂዙዎ? “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ” ዝተማህዘኸ ስለምንታይ?  2 ውድባት ሓቢረን: ንነጻነት ኤርትራ ኣቀላጢፈን ንኽየምጽኣ ዘይተቓለሳ ኣበይ እዩ እቲ ጸገም? ስለምንታይከ 2 ውድባት ነንሓድሕደን ኲናት ሓድሕድ ወሊዐን? ብሰንኪ እቲ ኲናት ሓድሕድከ ነጻነት ኤርትራ ከምተዳንጐየ ንዝክሮዶ? ስለምንታይ ነጻነት ኤርትራ ክቀላጠፍ ዘይተደልየ? ኣስተብህል ልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ከምዘይድለ እምብኣር በዚ መርትዖዚ ክርዳእ ዘይክእል ኤርትራዊ እንተሎ፣ ብዛዕባ ኤርትራ ምዝራብ ደው እንተበሎ ይሕሾ!!

    መበገሲ > (Motive) ዘይተኣደነ ሓሶት > (The Big Lie) ግድል > (Problem)፣ ምስምስ > (Means) ዕንቅፋት > (Reaction) = ፍታሕ (Solution) ኣብ መወዳእታ = ውድዓዊ መግዛእቲ > (Government Objetives)።

    እምብኣር በዘን ሜላታት እዚኤን ተጠቒሞም እዮም እቶም ገዛእቲ ብጸረ ህዝቢ ዝኾነ ውዲት ተጠቒሞም ንህዝቢ ኣታሊሎም ግዝኣቶም ዘናውሑ። ብሕጽር ዝበለ መረዳእታ፣ ብመጽናዕትን ብምርምርን ሶሻል ኢንጂኔርን ዝሰልጠኑ ክኢላታት ተዳልዩ ዝቐረበ እከይ ሜላ ተጠቒምካ፣ ጸረ ህዝቢ ዝኾነ መግዛእቲ እንዳኣተግበርካ፣ ንህዝቢ ብራዕድን ብሓሶትን ብውዲትን ምግዛእ። እቲ ረቂቕን እከይን ውዲት ድማ፣ ህዝቢ ምእንቲ ከናቝቱ ደቂ ዓዲ መሲሎም ዝረኣይሉ ብቅልውላው መንነት ዝደንዘዙ ተወሊጄ መልሚልካ ንህዝቢ ኣዓንጂልካ ምግዛእ። ህዝቢ ሰሚሩ ምእንቲ ከይቃወሞም ብፍላይ ኣብ ድሑር ሕብረ- ተሰብ ወገንን ዓሌትን ሃይማኖትን ወዘተ…. ዝተመርኮሰ ሜላ ተጠቒሞም፣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ነንሓድሕዱ ከም ዝናቖት ምግባር ቀንዲ ውዲታዊ ተግባራቶም እዩ። እዚ ክኣ ንገለ ኣካላት ካብቲ ንይምሰል ንዕኦም ዝመስል ገለ ሓለፋታት ስልጣን ይዕድሉ’ሞ፣ እቲ ህዝቢ ኣብ ወገናዊ ዕግርግር ኣትዩ፣ መሰረታዊ ጸላኢኡ ከየለለየ፣ ካብ ሰሚርካን ተዋሃሂድካን ተፋቒርካን ምንባር ተጓናዲቡ ተፋላልዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ብጽልእን ብቕርሕንትን ከምዝነብር ይኸውን።

    እቲ ቀንዲ ውዲት ግና፣ እቲ ህዝቢ መሰረታዊ ሓድነቱን ሕውነታዊ ዝምድናኡ ኣጥፊኡ፣ ወገኑን፣ዓዱን ሃገሩን ከምዝጸልእ ይገብሩዎ። እቲ ቀንዲ ዓላማ ድማ፣ እቲ ህዝቢ ብማይንድ ኮንትሮል ኣእምርኡን ሕንኡን ሰሊብካ ነቲ ዝውንኖ ባህርያዊ ጸግኡን ሃገሩን ባሕሩን ከምዘይከላኸል ገርካ፣ ባዕልኽ ከምትቆጻጸሮ ንምግባር ጥራይ እዩ።

    Who controls the Land and the food Supply, controls the People.

    መሬትን ህዝብን ማእቶትን እንተድኣ ተቛጻጺርካ: ንህዝቢ ተቛጻጺርካዮ ማለትዩ።

    Who controls the Energy can control the whole Eritrea.

    ንሓይሊ መብራህትን ማይን እንተድኣ ተቛጻጺርካዮ ንመሉእ ህዝቢ ተቛጻጺርካዮ ማለትዩ።

    Who controls the Money controls the People of Eritrea.

    ንባጤራ ናቕፋ እንተድኣ ሃጊርካዮን ተቛጻጺርናዮን፣ ሃብቲ ህዝቢ ተቛጻጺርናዮ ማለትዩ።

    ድሕሪዚ ኩሉ እምብኣር ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓንቲ ሃገር እየን እንተበልና ኣይተጋጌናን።

    ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
    12 ንሓሴ 2018 ዓ.ም.ፈ.