ካብ 15 ክፍለዘመን ጀሚሮም፣ ኣባሓጎታትና፣ ደቂ ኣግኣዝያን (ሎሚ ኤርትራውያንን፣ ትግራዎትን) ብሓባር ኮይኖም ንወራር ግርኝን፣ ንወራር ቱርክን፣ ንወራር ግብጺ ኣብ ኲናት ጎዳጉድን፣ ጉራዕን፣ ጉንደትን ብቅያ ዝመልኦ ጅግንነት ስዒሮሞ። ንወራር ማህዲ ገላብት ከኣ ክልቲኦም ደቂ ኣግኣዝያን ኣብ ኲናት መተማ ብ1889 ኣብ መንጎ 2 ምዓልታ ደምሲሶሞ። ከምኡውን ንኮሎንያል ጣልያን፣ በቲ ምዕቡል ኣጽዋሩ ከይርዓዱ: ወዲ ፈለጋን! ወዲ ማይ ጓይላን! ኢሎም እንዳዝመሩ ኣብ ኲናት ዶጓሊን ዓድዋን ስዒሮሞ። ኣብ 1981 1982 ዓ.ም.ፈ. ድማ፣ ነቲ ሃገራዊ ሓይሊ ዝብሃል ዝነበረ ተ.ሓ.ኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንሃገር ሱዳን ክምዝሰግር ገሮሞ። ኣብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ድማ፣ እቶም ብስም ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን፣ ህ.ግ.ሓ.ት.ን ዝጽውዑ ደቂ ደቆም ንጀጋኑ ኣቦሓጎታትና፣“ራዛ ናየቡኣ ሓዛ“ ከምዝብሃል ተላፊኖም፣ ነቲ ብምዕራባውያንን ብምብራቓውያንን ተመዎሉ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን (ትግሪኛ ዝዛረቡ ህዝቢ ኣግኣዝያን) ንኽምንቍስ ዝተበገሰ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከኣ ንሓዋሩ ከምዘይትንስእ ገሮም ስዒሮሞ።

ኣስተብህል፣

ነዚ ኩሉ ብሓባር ተላፊኖም ዝፈጸምዎ ጅግንነታዊ ቅያ ረሲዖም ድኣ፣ ስለምንታ፣ ነቲ ንመዋኣሉ ዝቃለስ ዝነበረ ጅግና ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን፣ ድሕሪ ምብትታን ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክንዲ ብሰላምን ቅሳነትን ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እንዳመሓደሩ ንምዕባሌ ዝስጉሙ፣ ኣዕናዊ ኩናት ባዱመ ወሊዖም ፣ ካብ 100.000 ዝኣኽሉ ደቂ ክልቲአን ሃገራት ኣህሊቖም፣ ኣስታት ካብ 2 ሚልዮን ዝበዝሕ ህዝቢ ካብ መነባብሮኡ ኣዛናቢሎም ክልቲኡ ህዝብታት እፎይ ኢሉ ንኸይነብር፣ ክልቲኡ ሃገራት ከኣ ለምንታይ ንድሕሪት መሊሶሞ? እቲ ረብሓ ኲናት ባድመ   መንዩ ክረኽቦ? ንክልተ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ድዩ ነይሩ ወይስ ንካልኦት ስዉራት ሓይልታት?

ክሳብ ኣብ መደምደምታን ገምጋምን እንበጽሕ፣ እስከ ንምርምርን መጽናዕትን ክጠቕሙ ዝኽእሉ ሕቶትታ ከነቕርብ።

1) ካብቲ ዝተባርዐን፣ ግንከኣ ኣናሓደረ ዝረኩስ ስምብራትን፣ ዝሓደጎ ኣዕናዊ ኩናት ባዱመ (ወያኔን ህግደፍን) መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን እንታይ ረብሓ ረኺቦምሉ?

 2) ሎሚኸ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ድዮም ኣብ ድጉል ምትፍናንን ምስሕሓብን ዘለው፣ ወይስ ሰራዊት ክልቲኤን ሃገራትን ህዝብን እዩ ? ካብዚ ድጉል ምትፍናንን ምስሕሓብን እዚኸ መንዩ ዝረብሕ?

 3) እቲ ኣብ ሞንጎ ዕሱብን ልኡኽ ባዕዳውያንን ዝኾን ኣባጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን፣ እቶም ንቤት ማእሰርቲ ክሳብ ሎሚ ተዳጒኖም ዘለው፣ ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ጻውዒት ዝገብሩ ሰበስልጣናትን (ጉጅለ 15 ) ዝነበረ ኩነታት፣ ንሳቶም ክእሰሩ ከለው ኢሰያስ ግና ስለምንታይ ኣይተኣስረን? መንዩ ኣሳራይ መንዩኽ ተኣሳራይ? እቶም ቀንዲ መሃንድሳት ነዚ ማእሰርቲ ነባራት ተጋደልቲ (ጉጅለ 15) ዘተግበሩዎ ባዕዳውያን ስለላ መርበብ ድዮም ህግደፍን ኢሰያስ? ስለምንታይ ግና  ኮይኑ እቲ ጉዳይ ከምኡ ኮይኑ?

 4) ቃልሲ ህ.ው.ሓ.ት.ን ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ብሓቂ ንረብሓ ህዝቢ ትግርራይን ኤርትራን ተባሂሉ ከምዝተኻየደ እንታይ መርትዖ  ኣሎ?

 5) ሓደ ሰውራ ወይ መኸተ፣ ሓደ ሃገራዊ ዝኾነ ህዝቢ ወይ ህዝብታት ዘይረብሑሉ እንተድኣ ኮይኖም፣ መን እዮም እቶም ካብዚ ዝረብሑ ስዉራት መንግስታት? ትፈልጡዎም ዶ?

 6)ወያኔን ህግደፍን ኣብዛ እዋንዚኣ እንተዝዕረቑ፣ እዞም መሃንድሳት ጽዮናውያን እንታይ ምፈጸሙ ይመስለኩም?

7) ብዛ እዋን እዚኣ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ብቕኑዕ ሃገራዊን ኣግኣዝያዊ ባህልን፣ ብስምምዕ (ብኮንሰንሱስ) እንተዝዕረቑ ነይሮም፣ እቲ ጸጋን በረኸትን ገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንረብሓመን ይውዕል ይመስለኩም? ንጽዮናውያንዶ ንህዝቢ ኣግኣዝያን?

8)ፍላይ ካብቲ ድሕሪ ስልጣን ምሓዞም ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ፣ ወያኔን ህግደፍን እንዳተነዓዓቑ ዝኸዱዎ ዘለው ጕዕዞ ንረብሓ ህዝቢ ኣግእዝያን ወይ ኣምሓራን ኦሮሞን ድዩ ወይስ ንባዕዳውያን ሓይልታ? እዝይ ተፋላሊኻ ምኻድ ነመን ረብሓ እዩ ክውዕል?

 

ኣብ ዝቕጽል፣ ኣብቲ ካብ ተኻታተልቲ ዝመጸና መልስታት ተመርኲስና ብሰፊሑ መልስታት ክንዝርግሕ ኢና።

 የቐንየልና፣ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት– ኣግኣዝያን

24.12.2016 ዓ.ም.ፈ.