እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ዋናታታ እቶም መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ዝኾኑ፣ “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት እዮም። ንጭፍራ ህግደፍ ከም ትሑታት ደርቢ “ኤሊት“ ሊኢኾም ግና፣ ብፍላይ ነቲ ኣካል ህዝቢ ኣግኣዝያን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ታሪኹን ባህሉን ሃይማኖቱን ሓኺኾም፣ ንኸጽንቱዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለዉ። ምጽናትን ስደትን ወለዶ ህዝቢ ኤርትራን ኣግኣይዝያንን ከይኣኽሎም ድማ፣ ባህርያዊ ጸጋ ኤርትራ  ዕደና ወርቅን ሃብቲ ቀይሕ ባሕርን፣ እቲ ደሙ ዘፍሰሰ ህዝቢ ኤርትራ ተሓሪሙዎ፣ ገረብ ብሓኽላ ዝብል መደብ ብምውጻእ፣ንኩባንያ ህግደፍ ቅድመ ግንባር ልኢኾም ይዘምቱዎ ኣሎው።

ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ፣ እቲ ቀንዲ ዓላማ “ኤሊት“ ብረቂቕ ውዲት፣ ማለት ብሓንጎል ተጠቒሞም፣ ንኣእምሮን ቀልብን ዋናታት ባህርያዊ ጸጋ (ሪሰዎርስ) ዝኾኑ ደቀባት፣ ሓንቲ ትንኣስ ትዕበ ብዘየገድስ፣ ግንከኣ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት ሃገርና ምድረባሕሪ፣ ኣብ ዘመን ኮሎንያል ጣልያን “ኤርትራ”፣ ሎሚ ዘመን ህግደፍ ድማ “ሓዳስ ኤርትራ” ተቛጻጺርካ፣ ነቶም ደቂ ርስቲ ዝኾኑ ደቀባት ኣጽኒትካ፣ ንስደት ኣምሪሕካን፣ ድሕሪኡ ነቲ ባህርያዊ ሃብታ ንምዝማት ጥራይ እዩ።

ሃገርና ኤርትራ እምብኣር በቶም ነፋጣት ጭፍራ ህግደፍ ዘይኮነስ፣ እቶም ላዕለዎት “ኤሊት“ ጽዮናውያን ን“ኤሊት“ ጭፍራ ህግደፍ ከቲቦም ዝልኣኹዎምን እያ ትግዛእ ዘላን ህዝባ ድማ ዝጸንት ዘሎን። እወ ህዝቢ ኣግኣዝያን ግዳይ መንነቱን እምነቱን ጅግንነቱን ሃይማኖቱን ኮይኑ፣ በቶም ዓበይቲ “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት ቾፕላ ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ማፍያ እዩ ዝዋረድ ዘሎ። ሓቂዶ ሓሶት??

እቲ ዋና ውዲታዊ ፕሮጀክት እዞም “ኤሊት“ ዝብሃሉ ስዉራት ሓይልታት እምብኣር፣ ነዞም ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ዘለው ክናናን ምናናን ወይከኣ  ሰኮንዶ ማኖ “ኤሊት“፣ ከቲቦምን ዓሲቦምን፣ ግንከኣ ነቲ ፕሮጀክት ጥፍኣት፣ ብድሕሪ መጋረጃ ኰይኖም ብረቂቕ ስለላን ኮለላን እንዳተቛጻጸሩዎ እዮም ዘገዝኡ ዘለው።ፈዛዝ  ኢሰያስ ኣይኮነን ዝገዛ ዘሎ ንሱስ ማስኬራ መሃንድሳት ጽዮናውያንወይከኣ zombie እዩ። ሓቂዶ ሓሶት???

ንምኻኑኸ እቶም ቀንዲ ልኡኻት ባዕዳውያን፣ ሰኮንዶ ማኖ ኤሊት ህግደፍ ብዕልመን ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ??

እቶም ንዓለም ክቆጻጸሩዋ ዝደልዩ፣ ዘለው መሃንድሳት ጽዮናውያንን ሃጸያውያን፣ ኣብ ኤርትራ ክመርሕ ዝግብኦ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም መልሚሎም ዝጠፍጠፍዎ ውልቀሰ-ሰብ ከኸውን ከሎ (ንኣብነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ)፣ ብመንነቱ ድማ ጽሩይ ወደባት ሰራየን፣ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን፣ ሰኒሒትን፣ሳሕልን፣ ጋሽ ባርካን፣ ሰምሃርን፣ ደንከልን ክኸውን የብሉን፣ ዝብል ውዲታዊ ፕሮጀክት ኣውጺኦም እዮም።

መኽንያቱ እቲ ወደባት ንህዝቢ ስለዝሓሊ ንህዝቡን ንሃገሩን ንባዕዳውያን ኣሕሊፉ ከኣ ከምዘይህብ፣ ኣብ ታሪኽን መንነትን ባህልን እቲ ህዝቢ ተመርኲሶም፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ስለዝበጽሑዎ፣ ግድነት እዮም ወይ በዲኡ ወይ በብኡ ካብ ካልእ ዝተወልደ መልሚሎም ኣብ ስልጣን ከብጽሑዎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብባሕርን ኣፍላጋትን ዝተማእከለት፣ግንከኣ ብባህርያዊ ሃብትን ጸጋን ዝበልጸገት ንእሽቶ ሃገር ከምዝነብር፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ማለት ካብ ቅድሚ 200 ዓመታት እዮም ኣለልዮሞ ነይሮም። ድሕርቲ ክንደይ ውግእን ኲናትን ግና፣ ሎሚ ዛጊት እቶም ንርስቶምን ባሕሮምን መንነቶምን፣ ባህሎምን፣ ሃይማኖቶምን ካብ ወራር ባዕዳውያን ከከላኸሉን ክዕቅቡን ዝኽእሉ ጀጋኑ ስለዘጥፍኡ፣ ነዞም ኣብታሕቲ ተጠቒሶም ዘለው ማሕበር ሰይጣን መልሚሎም፣ ነዚ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ጭዋን ህዝቢ ደይመደይ ኢሎም፣ ብገረብ ብሓኽላ ንኸጥፍኡዎ ኣዋፊሮምልና ዘለው።

ስለዚ ድማ፣ህዝቢ ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝተወልዱ ልኡኻቶም ሓለውቲ ሕዛእቲ ጥራይ እዮም ኣላሽ ከብሉዎ ዝኽእሉ ካብ ዝብል መጽናዕትን ምርምርን ተበጊሶም፣ነዞም ቅልውላው ወለዶ ዘማሰኖም ካብ ትግራይ ዝተወልዱ ማፍያ ኣዋፊሮም፣ ነቲ ህዝቢ ትኣምኖ ልኢኽካስ ኣይትጠራጠር ከምዝብሃል፣ እሙናት ኮራኹር ሰለይቲ ልኢኾም፣እንሆ ንህዝቢ ኤርትራ ሰጥለበጥ ኣቢሎም ምግዛእ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ወለድኡ ከይተረፈ ከጽንቱዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።

እቶም ቀንዲ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከም ባልዕ ባርኖሳይ ኮይኖም፣ ብዘይ ንሕስያ ንህዝቢ ኤርትራ ንኸጽንቱዎ ምስ ባዕዳውያን መብጽዓ ኣትዮም ዕንክሊል ዝብሉ ዘለው እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  • 1ይ) ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ 1969 ጀሚሩ፣ሰላዪ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ኮይኑ፣ ንገድሊ ኤርትራ ንኽመርሕ ብባዕዳውያን ተላኢኹ። ንኢሰያ ስድርኡ ትግራዎት እዮም። ኣቡኡ ተንቤን ኣዲኡ ድማ ጓል ዓድዋ እዮም። እዚ ሰብዚ ክምልምሉዎ ከለው ብዘርኡን መበቆሉን፣ ውሽጣዊ ጸገማቱን ኣጽኒዖምን መርሚሮምን እዮም።

  • 2ይ) የማነ ገብረ-መስቀል ክሳብ ኤርትራ በዞም ልኡኻት ሳጥናአል ህግደፍ ካብ ሰራዊት ግዝያዊ ወተሃደራዊ ደርግ ነጻ ዘውጽኡላ ኣዋን፣ ኣብ ሃገር ኣንግሊዝ ደቂ ኣንስትዮ ንሎርድስ እንዳ ኣቃጠረ ድራር ዕለቱ ዝእቱ ዝነበረ ሰብዩ። ኣብ ሃገር እንግሊዝ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ንኤርትራ ዝኣተወ፣ብስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ኤም.ኣይ.6. ዝተመልመለ ንብረት ሃገር እንግሊዝ እዩ።እዚ ሰላዪ እንግሊዝ እዚ፣ ኣዲኡ ካብ ኣውራጃ ዓጋመ ክትከውን ከላ፣ኣብኡ ድማ ካብቲ ብህግደፍ ሎሚ ዞባ ደቡብ ተጠሚቑ ዘሎ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፣ ኣብ ስመጃና እትርከብ፣ ሓንቲ ንእሽቶ ዳሽም እትብሃል ዓዲ እዩ መበቆሉ ይብሃል።

  • 3ይ) የማነ ገብረ-ኣብ ካብ ሰብዓታት ጀሚሩ፣ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ብዛዕባ ስለላን ኮለላን ክምሃርን ክሳብ 1986 ዓ.ም.ፈ. ክነብርን ድሕሪ ምጽናሕ፤ ከምኡውን ኣባል ጴንጠቆስጠ ኮይኑ ኣምልኽ ይባረኽ እንዳበለ ክሽቅጥ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ ግዜ ግና ይኣይ ፖለቲካዊ ኮይኑ፣ ነቲ ፕሮግራም ህግደፍ ተኾልኲሉ ብትእዛዝ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ንሜዳ ዝኣተወ፣ ግንከኣ ነቶም ኣህባይ መዓልዲ ዝመስል ከምሽሙ ማንኪ ህበይ መኣልዲ እዩ። ካብኡ ነታ ትካል ሲ.ኣይ.ኤይ. ዝኾነት ሰልፊ ህግደፍ መስሪቱ። ማንኪ ሰላዪ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤን ኮይኑ ዝልዓለ ኣብ ትሕቲ ጎይትኡ ፈዛዝ ኢሰያስ ኮይኑ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝውንን፣ ግንከኣ ጸብጻቡ ሲ.ኣይ.ኤይ. ዘመሓላሊፍ ንረብሓ ጽዮናውያን ጥራይ ዝኽድም ኣዝዩ እከይ ሰላዪ እዩ። እዚ ሰላዪ ሰብዚ ኣድኡ ወይዘሮ ገብሪኤላ ኣብ ገጅረት እንዳስዋ ዝነበረን፣ ነዚ ድቓላ ሰብዚ፣ ኣደይ ገብሪኤላ ካበይ ከምዝወለድኦ ዘይፍለጥ፣ ግንከኣ ንኣቶ ገብርኣብ ዝብሃሉ ብትውልዶም ወደባት ዓዲ ሰጕዶ ዝኾኑ፣ ምቕማም ግና ሽከቲ ከባቢ ኣስመራ ዝኾኑ ኣልጊባትሉ። ብመንነት ቅልውላው ዝጠስጠሰ ሎሚ ግና ጎብለል ኮይኑ ንወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ፣ ዜግነት ሕቡራት ሃገራት እሜሪካ ዝወነ፣ ውገኑን ዓሌቱን ዘይፈለጥ ነቶም ኣህባይ ምዓልዲ ዝመስል ማንክ ከምሽሙ ዕሱብ ጽዮናውያን ድያብሎስ እዩ።

ኣስተብህል፣ እዞም ዝተጠቕሱ ሰለልቲ ማፍያ፣ ግንከኣ መሳርሒ ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ ዝልዓለ ተራ ዘለዎ ከደምቲ ባዕዳውያን፣ መበቆሎም እኳ ትግራዎት እንተኾኑ፣ ንህዝቢ ትግራይ ግና ሓንቲ ነገር ኣይዓብስሉን እዮም። ርግጽዩ ውጹዕ ህዝቢ ትግራይን ሕዝቢ ኤርትራን ነዚኦም ምውላዱ ይሓዝን እዩ። ብመንነቱ ዝኾርዕ ህዝቢ ክነሱ፣ በዞም ደቓሉ እዚኦም ግና ይሓስር ምህላዉ ኣዝዩ ዘጕሂ ታሪኽ እዩ።

እወ፣ እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ ዓመት ዓመት “መዓልቲ ስውኣት”እንዳበሉ፣  ብምሽቃጥ፣ ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ክትራኢ ከሎኻ እዩ። እቲ ገርሀኛ ህዝቢ ድማ ነታ ዕለት 20 ሰነ ብኢሰያስ ዝተሰነዐት ዕለት፣ ከም ክብርቲ መዓልቲ ገሩ ተቈቢሉ ምስ ጭፍራ ህግደፍ ዘብዕል ምህላዉ እዝዩ። እወ ነቶም ብጅግንነት ዝተበጀዉ ደቀባት ኤርትራ ከም መሸቀጢ ተጠቒሞም በተን ድንምጺ ሓሶት ዝኾና ማዕከን ህግደፍ፣ “ድምጺ ሓፋስን ቲቪ ኤረን” ንህዝቢ ኣእምሮኡ ክሰልቡዎ ክትሰምዕን ክትርእን ከሎኻስ ክንደይኮን የሕምመካ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቅባት ኤርትራ 20 ሰነ2017 ዓ.ም.ፈ.