ኣብቲ ብዙሓት ሃገራውያን ትግራዎት፣ ካብ ወጻእን ካብ ውሽጢ ትግራይን ተኣኺኺቦም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ዘተ፣ግንከኣ ብድፍኢት ህዝብን፣ ብመሪሕነት ወያኔ ዝተዓደመ ዕድመ መሰረት፣ ኣገድስቲ ነጥብታት ዝሓዘ ህዝባዊ ኣኼባ ተኻዪዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ  ኣኼባ ድማ እዝዮም ኣገደስቲ ነጥብታትት እኳድኣ ንህዝቢ ኤርትራ ዘቕንኡ ነይሮም። ንኤርትራውያን ዘቕንእ ኮይኑ ድማ ኤርትራውያን ከምኡ ዓይነት ዘተ ዝገብሩሉ ይግበሮ ንብል። እሞ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ከድኣ፣እንታይ እዩ እቲ ጒዱ? ተዓዛቢ ኮይኑ ጥራይ ግንከኣ ብኢሰያስ ተወኪሉ ትም ክብል ስለምንታይ? “ሰይቲ ዕዉር ብኾፉ ይስዕምሉ፣ሰይቲ ጸማም ድማ ብኾፉ ይጽውዑሉ” ከም ዝብሃል ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጥራይ ድዩ፣በይኑ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተፈልዩ ንህዝቢ ትግራይ ከኣ ፈንፊኑ፣ምስቲ 1ይ ሚንስተር ኢህኣዴግ ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ ክዛተ ን”ክድመርን”? ኢሰያስን እቶም ምስኡ ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለው ኮራዂሩ መበቆሎም ትግራዊት እዮ። ስለምንታይ ግና ትግራዎት ክነሶም ንትግራዎት ይጸልኡ: ጠንቂ ሰላም ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ይኾኑ ኣለ??

እቲ ስነመጎታዊ ሓቂ እኳ፣ ኣቢዪ ኣሕመድ ኣባል ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. እዩ፣ ወያኔ ከኣ ኣባላት ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. እዮም፣ እሞ ኢሰያስ ምስ 1ይ ሚንስተር ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ክዛመድ ከሎ ድኣ፣ ምስ ወያኔ ዝምድና የብሉን ማለት ድዩ ? እስከ ነዛ ሓጻር ስነመጎታዊት ትንተና እዚእ ነስተብህለላ።If A = B (እንተድኣ ኢሰያስ ምስ ኣቢዪ ብሓደ ተደሚሮም) and B = to C (ኣቢዪ ከኣ ኣባል ወያኔ ወይ ኢህኣዴግ ኮይኑ) therefore A = C (ስለዚ ኢሰያስውን ምስ ወያኔ ተደሚሩ እዩ ማለትዩ)። ስለዚ እቲ ኣብዚ እዋንዚ፣ ማለት ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ጒያ “ምድማር” ብመሃንድሳት ግሎባል ፕለየርስ ብውሕልነት ዝተዳለወ ውዲት ኮይኑ፣ ግንከኣ ጽባሕ ብጊሓት ዝፍዳሕ እዩ። ንስምዒትን ሕልናን ባህግን ገርሀኛ ህዝቢ ሰሪቕካ ንምድንጋር ተባሂሉ ዝተኣልመ ማእለማ ጥራይ እዩ። ቅድሚ ሎሚ እውን ኢትዮጵያ ትቕደም ብዘይ ደም ተባሂሉ ህዝቢ ብግርህነት ጨፊሩሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ማእለያ ዘይብሉ ደም እዩ ፈሲሱ። aሞ እዝ ምድማር ትብል ድራማኸ መሰረት ዘይብላ ድራማ ከምዝኾነት ጽባሕ ብጊሓት ክንዕዘባ ኢና።

እወ፣ ከምዚ ኣቢዪን ኢሰያስን ዝጭፍሩዎ ዘለው መስሓቕ ዝኾነ ድራማ፣ ብርግጽ እቲ ወፍሪ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ዝመሃዙዎ ወፍሪ ኣይኮነን። ከምቲ ኣቦዋትና ዝምስሉዎ፣ “ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናን” ወይከኣ “ንዓይ ነጭዋስ ኣብ ለቖታ” ከምዝብሃል፣ እዚ ድራምዚ እቶም ኣርሒቕ ኣቢሎም ዝርእዩ ሃገራውያን፣ ትግራዎትን፣ ኤርትራውያንን፣ ከምኡውን ምሁራት ኣምሓሩን ኦሮሞን፣ካበይ ነቒሉ ኣበይ ከምዝዓልብ፣ ዋናታቱን ሓንጸጽቱን መሃንድሳት ስትራተጂካዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝኾኑ ኣጸቢቖም ኣስተብሂሎምሉ እዮም። እዚ ከምፈረስ ብዘይ ሰረገላ ዝዕንድር ዘሎ ፖፑላሪስት ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ፣ “ዓሻ በጊዕስ ምስ ቶዅላ ዕርክነ” ከምዝብሃል ምስ ኢሰያስ ተዓራሪኹ ከምዘየዋጽኦ ጽባሕ ብጊሓት ክንርእዮ ኢና።

ነዚ ዝግበር ዘሎ ብውሽጡ ዕረ ብደጊኡ ግና ምዓር ዝመስል ወፍሪ “ምድማር”፣ ህዝቢ ኤርትር ኣይፋል! ቅድሚ ኩሉ ኤርትራዊ ይደመር! “ድሕሪኡ ምስ ትግራዎት ክንድመር”! ክብል ኣለዎ። ዋላኳ ንመላኺ ኢሰያስን ንጭፍራ ህግደፍ ኮራዂሩን፣ ምትእኽኻብን ዘተን  ከም ከቢድ ሕማም መርዘን እንተኾኖም፣ እቲ ን30 ዓመታት ዝተቓለሰን፣ን27 ዓመታት ከኣ ኣብ ዘይከውን “ዶባዊ ውግእ” ምስ ወፈረ ክሳብ ሎሚ ምስ ስድራ ቤቱ ከይትራኸበ: ዓሕ እንዳበለ ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ፣ “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ”! ኢሉ ድምጹ ከስምዕ ኣለዎ። እቲ ኣብ ከንቱ ድፋዕ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ድማ፣ ብረቱ ኣብ ልዕሊ ከዳዕ ኢሰያስን ጭፍራኡን ከቕንዕ መድረኽ ይጽውዖ ኣሎ።

ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ኣሎና ዝብሉ፣ ግንከኣ ን27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያን መቐለን፣ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ኮይኖም ንቃለስ ኣሎና ክብሉ ዝኸረሙን ዝሓገዩን፣ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፣ ነቲ ምትእኽኻብን ዘተን ክጠልቡዎ መድረኽ እንዳጠለቦም ከሎ፣ ስለምንታይ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ተደሚሮም ዘይምክቱ። ብዛዕባ ኤርትራ ሓቢሮም ከዕልሉ ምስዘይደልዩ ግና፣ ኤርትራዊ እየ ምባል ከንቱ እዩ። ብኸምዚ እንተድኣ ቀጺሎም ድማ ከምቲ “እንዳሰምዐ ዝሞተስ፣ እንዳርኣየ ቅበሩዎ”፣ዝብሃል ምስላ ኣቦታትና ጥራይ እዩ ክበጽሖም።

ካብቶም ኣብቲ ኣደራሽ ዘተ ዝተዘርበሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. መሪሕነት ህውሓት ኢህወደግ ፈሪሱ እዩ ነባር ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባዬ

2.  ህዝቢ ትግራይ ፕሮኣክቲቭ (Proactive) እምበር ፕሮቮካቲቭ (Provocative) ክኸውን የብሉን። ጠባይ ኢሰያስ ግና ፕሮቮካቲቭ እምበር (Provocative) ፕሮኣክቲቭ (Proactive) ኮይኑ ኣይፈልጥን።

3. ትግሪኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ድዮም ንኢትዮጵያ መስሪቶማን፣ ንኽትህሉ ከኣ ተኻላኺሉን ወይስ ኣምሓርኛን ኦሮሞን (ጋላ) ቋንቋ ተዛረብቲ እዮም?
ዓባይ ታሪኻዊ ምስክርነት፣ ንግስነት ኣኽሱምን፣ያሓ፣ ኣዱሊስን፣ ድባርዋን ይመስክራ። ክሳብ ኣብ ንግስነት ምምጻእ ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክን፣ ምቕልቃል ኮሎንያል ጣልያንን፣ እንግሊዝን፣ ትግሪኛ ዝዛርብ ህዝቢ ብባሕረነገስታት እንዳተማሓደረ፣ብስም ከበሳውያን ሓበሳ ግንከኣ ምድረ ባህረነግሽ ተጸዊዖም ካብ ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ጀሚሩ ክሳብ ወሎን ቤገምድርን፣ የማሓድሩ ነበሩ። እቶም ጀጋኑ ኣመሓደርቲ ድማ ባሕረ ነገስታት እዮም ዝነበሩ።

4. እዚ ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ተሾሙ ዘሎ  ኣቢ ኣሕመድ ዓሊ ዝብሃል፣ግንከኣ ሎሚ “ንደመር”! ሰላም”! ፍቕሪ”! ዝብላ ጭርሖታት እንዳ ጨርሐ ፖለቲካዊ ወፍሪ ሒዙ ዝጎዪ ዘሎ፣ ነቲ ዘካይዶ ዘሎ መስርሕ ብንቕሓት ብዓሚቕ ምርምርን ኣስተብሂልና  እንተድኣ ርኢናዮን ተኻታቲልናዮን፣ ጽባሕ ብጊሓት ፋሺስታዊ መንግስቲ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝሕብር።

5. መሪሕነት ትግራይ ቅልውላው መንነት ኣጥቂዑዎ ዕንይንይ ዝብል ዘሎ፣ ትግራውነቱ ስለዝኽሓደ እዩ። ኣብ ክንዲ ትግራይ ኢትዮጵያ ስለዝነረጸ እዩ።

6. መሪሕነት ይመጽእ ይኸይድ፣ ህዝቢ ግና ክሳብ ባህርያዊ ሞት ይነብር። ስለዚ ህዝቢ ዘይኮነ ዝቕየርስ መሪሕነት እዩ።

7. መንእሰይ ወለዶ እኮ እዩ ነቲ ሰውራ ኣካይዱ ንደርጊ ደምሲሱ ተዓዊቱ። ተስለምንታይ ድኣ ሎሚ መንእሰይ ወለዶኣብ ስልጣን ዘይመጽእ?

 ዘተ ኣብ ቁመና ፖሎቲካዊ መሪሕነት ትግራይ

ብወገን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ከም ፍታሕ ንብሎ ርእይቶና  ከምዚ ዝስዕብ እዩ፣

መራሕቲ ሻዕብያ ብፍላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂን፣ መራሕቲ ወያኔን ካብ እዋን ሰውራ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ፣ ብረቂቕን ስዉርን ፕሮጀክትን መምርሕን ባዕዳውያን ክመርሑ ከምዝጸንሑ ክንርዳእ ኣሎና። ሕጂውን ካብቲ ተጽዕኖቲ ክወጹ ከምዘይከኣሉውን ክንርዳእ ግድነ ይኸውን። ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ወያኔ ዝካየድ ዘሎ ምዕቡል ብህዝባዊ ዘተ፣ካብዚ መራሕቲ ዘስዓበዎ ዓዘቕቲ ወጺእካ ህዝብኻን ሃገርካን ንምድሓን ነቲ ዝኣረገ መሪሕነት ብመንእሰይ ምትካእንዩ። ንድምጺ ህዝቦም ሰሚዖም፣ካብቲ ሒዞሞ ዘለው ባዕዳዊ  ተጽዕኖ እንተድኣ ሓራ ወጺኦም ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም፣ወይከኣ ድምጺ ህዝቢ ሰሚዖም ምስ ህዝቢ እንተድኣዋሃሂዶም፣  ህዝቢ ክድሕንን  ሃገር ከኣ ክትምዕብልን ትኽእል።

ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ካብቲ መሪሕነት ወያኔን ሻዕብያን ዘባላሸዎ ፈላላዪ ፕሮጀክት ቅድም ቀዳድም ሓራ ክወጽእ ኣለዎ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ ካብቲ ብስነ-ኣእምራዊ ሕማም ዝተለኽፈ(Paranoid schizophrenia) ኢሰያስ ኣፈወርቂ ሓራ ንምውጻእ፣ ከምዚ ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ዘተ፣ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ከካዪድ መድረኽ ይጥልቦ ኣሎ። ካብኡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ “ክድመር” ኣለዎ። ድሕሪኡ ድማ ምስ ኣምሓራን ኦሮሞን “ክድመር” ወይ ክጽንበር ክሓብር ጸገም የብሉን። እወ ካብት ባዕዳውያን ዝደልዩው ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል እከይ ፕሮጀክት ግና ሓራ ክወጽእ ኣለዎ። እዚ ግን ብዙሕ መስዋእቲ ዝሕትት ቃልሲ እዩ። ካብኡ ክልቲኡ ህዝብታት ተደሚሩ ብውህደት እንተድኣ ተጓዒዙ፣ ድሕነት ህዝቢ ትግራይን ኤርትራ ዘየጠራጥር እዩ። ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን እንተድኣ ተረጋጊጹ ድማ ድሕነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድነት እዩ ክረጋገጽ። ካብዚ መሰረታዊን፣ መጎታዊን፣ ታሪኻዊን ሓቅን እዚ ወጺእካ ፍታሕ ምድላይ ግና፣ እንዳሓደረ ዝትኮስ ቦምባ ምቕባር ማለት ጥራይ ኮይኑ፣ ግንከኣ ህልቀት ክልቲኡ ህዝብታት ኣስዒቡ እቲ ረብሓ ድማ ንመሃንድሳት ባዕዳውያን ወይከኣ ግሎባል ፕለየርስ ኮይኑዩ ጥራይ እዩ ክተርፍ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 25 ነሓሰ 2018 ዓ.ም.ፈ.