ታሪኽ

ሃይማኖት ከኒሻ መዓስ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣትዩ? በየን ኣቢሉኸ ኣትዩ?
ስለምንታይ እዩኸ ኣትዩ? መንዮምከ እቶም ምሃንድሳት ውዲታውያን ስዉራት ሓይልታት፣ ኣብቲ  ምትእትታው ሃይማኖት ከንሻ ብቅድመ ግንባር ብመደብ ተዋፊሮም ዝነበሩ ?

“ዓሻ ተወሊድካ፣ ዓሻ ኰንካ ከኣ ምዕባይን፣ ብዓሻኻ ከኣ ሙማት ዝኸፍአ ዕሽነት፣ ካብ ኩሉ ዝገደደ ግና ዓሻ ምዃንካ ከይተፈለጠካ ሙማት።“ “Dumm geboren, dumm aufgewachsen und dumm gestorben aber dazu nicht gelernt“. Stupid born, Stupid grown and Stupid died but did not learned out of it.
ምስላ ጀርመን።

እስከ ንዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ንእቶ ሓበሬታ ብዛዕብ እተእታትዋ ሃይማኖት ከንሻ እብ ኤርትራን እትዮጵያን ንክታተላ። ሰናይ ምንባብን ምርዳእን።

“ኒቆዲሞስ  ነሲብ“ ብ1856 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከባቢ ሑሩሙ ሎሚ ብኢሉሉ ኣባቦራ ትጽዋዕ ገጠር ተወሊዱ። እቲ ቀንዲ ስሙ ብቋንቋ ኦሮምኛ ሂቃ ይብሃል። ትርጉሙ ድማ ተርጓማይ ማለትዩ። ኣብኡ ወላዲኡ ገና ሂቃ ወዲ 4 ዓመታት ከሎ እዩ ሞይቱ። ነጋዶ ባረዩ ካብ ስድራኡ ሰሪቖም ንባጽዕ ወሲዶም ሸይጦሞ። ከም ባርያ ኮይኑ ምስ ተሸጠ ግና፣ ብቋንቋ ትግሪኛ
ነሲብ (ዕድል ማለትዩ) ዝብሃል ስም ተሰምዩ።

 

Lage

Flagge ሎሚ ዘላ ባንዴራ ኦሮሞ

ጥንታዊት ባንዴራ ኢትዮጵያ

እንደገና ድማ ካብቶምዋናታቱ ተሰሪቑ ኣብ ካልእ ነጋዳይ ባረዩ ተሸይጡ። እቲ Werner Munzinger ዝተባህለ ሰላዪ ወዲ ስዊዘርላንድ (ፍሪሜሶ=ሕቡእ ኣህግራዊ ልማሕበራዊ ትካል) ሽዑ ዘመን ምክትል ኮንስል ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ስልጣን ተዋሂቡዎ ኣብ ምጽዋዕ ስለላን ኮለላን ኣንዳሳለጠ ይነብር ነበረ። እቲ ሰብ እቲ ወዲ ካብ 1850 ክሳብ 1875 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ማእከል ከረን እንዳነበረ፣ ሓንቲ ብሌነይቲ ተመርዒዩ ስለያኡ ዝቕጽል ዝነበረ ቀንዲ ሰላዪ ነበረ። ቬርነር ሙሲንገር ንነሲብ ካብ ባርነት ሓራ ኣውጺኡ ባዕሉ “ኒቆዲሞስ ነሲ“ ዝብል ስም ኣውጽኣሉ። ካብ 1840 ክሳብ 1885 ... ዝነበረ እዋን፣ ካብሃገር ስዊደን ዝመጹ ሚስዮናውያን፣ ኣብ ከተማ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ቤት ትምህርቲ ኣወዳት ከፊቶም ነይሮም። እብቲ ዘመን እቲ 1840 ... ሃይማኖት ከኒሻ ፍሑኽ እናበለ፣ ካብ ሃገር ስዊድን ንኤርትራ ዝኣተወሉ ዘመን እዩ ዝነበረ።

Kondominium oder  Kondominat (ብቋንቋ ላቲን  con-dominium,  „ሓባራዊ ዋንነት“,ጠቕልሊ ገዛኢ. ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ጠቕላሊት ወናኒትን ገዛኢትን ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝነበረትሉ እዋን ዝነበረ ምልክት ወይ ሎጎ ሲንቦል ገዛኢት ዕባይ ብሪጣንያ

 ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ካርታ ሃገራት ግብጽን ሱዳንን Anglo-Ägyptischer Sudan ካብ 1899 ክሳብ 1956 ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዓባይ ብሪጣንያ።

ኣስተብህል፣ እቲ ንጉስ ሃገር ስዊድን ካብቶም ተዃሉ ውዲታውያን ፍሪሜሶን = ሕቡእ ኣህግራዊ ማሕበራዊ ትካል እዩ ዝነበረ። እቶም ኣብ ምጽዋዕ ቤት ትምህርቲ ኣወዳት ከፊቶም ዝነበሩ ስዊደናውያን፣ ቀንዲ ስዉርን ግሁድን ተልእኹኦም ሃይማኖት ከንሻ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምእታው እዩ ዝነበረ። ኣብቲ ዘመን እቲ እቶም ዝበርትዑ ፍሪሜሶን = ሕቡእ ኣህግራዊ ማሕበራዊ ትካል ዝነበሩ፣ ኣብ ስኮትላንድን፣ ኣብ ስዊድንን፣ ኣብ ቫቲካንን ሀገር ፈረንሳን፣ ስፓኛን፣ በልጂምን፣ ጀርመንን እዮም ዝነበሩ። ነቶም ኩሎም ንኣፍሪቃ ዝዋፈሩ ዝነበሩ ኣባላቶም ሰለልቲ ድማ፣ ንሶም ባዕሎም እዮም መደብን ፕሮግራምን ኣስኒቖም፣ ንብሉጽ ስትራተጂካዊ ቦታታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣጽኒዖም ጸብጻብ ንኤውሮጳ ከምሓላልፉ ዘዋፍሩዎም ዝነበሩ። ንመረዳእታ፣ ብ1541 ዓ.ም.ፈ. እቶም ቀዳሞት ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝዳህሰሱ ፖርቱጋላውያን ነበሩ። ኣብ ወራር መሓመድ ግራኝ ብወዲ ቫስኮ ዳ ጋማ Dom Christivaö Dagama ዝምርሑ 400 ወተሃደራት ኣኽቲቱ ንባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ካብ መሓመድ ግራኝ ንኸጋላግል ክሳብ ኢትዮጵያ በጽሐ። ፖርቱጋላውያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓገዝ እንተዘይኮይኑ ዝፈጸምዎ ኣሉታዊ ተግባራት ኣይፈጸሙን። ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ግን ማaለያ ዘይብሉ ስለላን ግፍዕን ፈጺሞም እዮም።

ብ1760 ዓ.ም.ፈ. እንግሊዛዊ ጀምስ ብሩስ  ዝተባህለ ፍሪሜሶን ሰላዪ፣ ካብ ስኮትላንድ ንፈለግ ኒልን ንባሕሪ ጻናን ንኽስሊ ንጎጃምን ጎንደርን ኣተወ።  ጁሰፐ ሳፔቶ ብቫቲካን (ማሕበር የሱሳውያ) ከም ኣባል ካቶልክ ሚስዮን ላዛሪስት ተመሲሉ፣ ንከባቢ ዓሰብን ምጽዋዕን፣ ዓድዋን ጎንደርን ተላእከ። ቨርነር ሙሲንገር ካብ ስዊዘርላንድ 25 ቋንቋታት ዝዛረብ ካብ ከተማ ባዘል ስዊዘርላንድ ተበጊሱ ብፍላይ ንምድረባሕርን ሱዳንን ኢትዮጵያን ንኽስሊ በቶም ፍሪሜሶን = ሕቡእ ኣህግራዊ ማሕበራዊ ትካል ተዋፈረ። ፓድረ ስቴላ ካብ ፈረንሳ ብፍላይ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽስልዩ ተመልሚሎም ዝተዋፈሩ ነበሩ።  ብሰንኪ እዞም ኣባላት ፍሪሜሶን ሰለይቲ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራን ኢትዮጵያን ክቆጻጸር ከኣለ።

Werner Munzinger ( ብ21 ምያዝያ ኣብ Olten, Schweiz 1832 ተወሊዱ ፣ ብ16. November 1875 ኣብ ኣውሳ መሬት ኣዳል ደንከል ስለያን ኮለላን ከካይድ ከሎ ብደቂ ደንከል ተቐንጺሉ ከኣ ኣብ Awsa, ትዮጵያ ሞይቱ። ሙሲንገር ኣባል ስዉራት ሓይልታት ፍሪሜሶንስ እዩ ነይሩ።

ቬርነር ሙሲንገር እምብኣር ንነሲብ ካብ ባርነት ሓራ ኣውጺኡ፣ ኣብቲ ብስዊዲናውያን ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ኣመዝገቦ። ካብኡ 1870 ... ነሲብ ከዳማይ ሓለቓ ስዊደናዊት ቤት ትምህርቲ ዝነበረ Mr. W. Ahlborg (SEM) ዝብሃል ሰብኣይ ኮይኑ እንዳ ኣገልገለ ካብቶም ተማሃሮ ሓደ ተማሃራይ ኮይኑ ትምህርቲ ጀመረ። እቲ ቀዳማይ መምህሩ ድማ ሓደ ስዊድናዊ ከኒሻ Mr. P. E. Lager (SEM) ዝብሃል ነበረ። ነሲብ ድማ ንፉዕ ተመሃራይ ነበረ። ወዲ 16 ዓመት ምስ ኮነ ድማ ብፋስጋ ግዜ ሰንበት መዓልቲ ብዕለት (March 31, 1872) ኣብ ከኒሻ ሃይማኖት ተጠመቐ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስም ሓደ ባርያ፣ ማለት ብሃዋርያ ጳውሎስ ዝዓደጎ ኒቆዲሞስ ዝብሃል ባርያ፣ ስሙ Onesimus ተባህለ። ብቍንቋ ትግሪኛ ድማ ንቆዲሞስ ማለት እዩ።ድሕሪ 5 ዓመታት ትምህርቱ ኣብ ባጽዕ ምስ ወድአ ድማ፣ እቲ ሕልሙ ንህዝቢ ኦሮሞ እምነት ከኒሻ ንክምህሮም ነበረ።

እታ ሽዑ ዝጽልያ ዝነበረ ጸሎት ድማ ከምዚ ነበረት፣ “How long, O Lord, how long will it be before you send a preacher of the gospel there?” ዎ ኣምላኸይ ክንደይ ክወስድ እዩ ክሳብ ንስኻ ንህዝበይ ሰባኻይ ትሰደሉ ። ካብኡ ብ1876 ዓ.ም.ፈ. ትዮሎጂ ንኸጽንዕ ንመወዳእታ 1881 ዓ.ም.ፈ. ትምህርቲ ቲዮሎጂ ወዲኡ ንምጽዋዕ ተመልሰ። ካብኡ ምሕረት ሃይሉ እትብሃል ጓል 19 ዓመት ተመርዕዩ፣ ንወለጋ ክፍለሃገር ኢትዮጵያ ከደ። ኣብኡ ግና ወተሃደራት ንጉስ መነሊክን ካህናት ቤተክርስትያን ተዋህዶን ኣገዱዎ።

ኣስተብህል፣ ኣብ ሃገር ስዊድን ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ ንጉስ፣ ኩሎም ነገስታት ኤሮጳን፣ ኣባላት ፍሪሜሶን እዮም ነይሮም። ኩሎም ነገስታት ኤውሮጳ ኣብ ቅኑዕ ሃይማኖት ዘይኮነስ ኣብ ጣኦትን ጥንቆላን ዓመጽን ጥራይ እዮም ዝኣምኑ ነይሮም።ንህዝቢ ኣፍሪቃ ከዓንጅሉ እዮም ከኒሻዶ ካቶሊክዶ ኢሎም ዝሰብኩ ዝነበሩ እምበር እምነቶም ግና ኣብ ድያብሎስ እዩ ዝነበረን ገን ዘሎን።

ብሓልዮት ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ