ኣብ ኣስመራ ሰላማዊ ሰልፊ ዝውዓሉ ህዝቢ፣ ግንከኣ ዝተባህሎም ጥራይ ዝደግሙ ክፍሊ ህዝቢ ኣስመራ “ምስ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና”! ኢሎምና? ነዚ ክትጥሓናዶ ክንድዚ ትርህጻ!

ልሳን ኢሰያስ ብቋንቋ ኣምሕርኛ

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ብዋጋ ሰውራ ኤርትራን፣ ህዝቢ ኤርትራን ብዘይ ቅድመ ኲነት “ምስ ኢትዮጵያ ተደሚርና ኢና” ይብለና ኣሎ። ኣናፍራ ቅቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን! ሓደራኻ ንበሎ ኣሕሊፍካ ንሓላፍ መንገድ ወደቦ ከይትህቦ!

ነዚ ሊንክ እዚ እስከ ንእግረመንገድኹም ተምልእዎ።

ንውዲት ኢሰያስን ዶር. ኣቢን እንታይ ተልእኾን ስዉር ኣጀንዳን ከምዘለዎ ዝተረድኡ መድያታት ኤርትራ ኣብ ወጽኢ እንታይ ይብሉ ከምዘለው እስከ ክቡራት ደቂ ሃገር ኤርትራ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ቪድዮታትን ሓተታታትን ተኻታተሉዎ ኢኹም። ሰናይ ምክትታል

 ኢሳያስ ስልጣኑ ንዶክተር ኣብይ ኣሰጋጊሩ? ርእይቶኹም ከመይ እዩ?
Mestyat Betna |https://youtu.be/fxU-84QXmnY

ክዳን ኣንድነት ብህግደፍ ተሰፍዩሎም፣ ብኣዋጅ ህግደፍ ከኣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ተረኺቦም፣ ጭርሖ ኣንድነት “ተደሚርና ኢና”! ዝብል ጭርሖ ክጭርሑ ዝተኣኻኸቡ፣ ግንከኣ ዝተባህሎም ጥራይ ዝደግሙ ክፍሊ ህዝቢ ኣስመራ ክግዕሩ ሰሚዕናዮም። “ተደሚርና ኢና”! ንምዃኑኸ ምስ መን ኢና ንድመር ዘሎና? ነቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝምሽምሽ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ እሱር ገዲም ተጋዳላይ ዲና ተማሊእና ክንድመር? ነቶም ኣብ ሳሃራን ብኣኽረርቲ ኣስላም ዝሕረዱን፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉን ዘለው መንእስያት ተማሊእና ዲና ወይስ ሓዲግና ክንድመር? ንሕጊ መንገስቲ ወይ ቅዋም ረሲዕና ዲና ክንድመር፣ ወይስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ረሲዕና ኢና ክንድመር፣ ወይስ ተማሊእንዮ ኢና ክንድመ? መደረ ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣደራሽ ሚልዮንዩም ተረኺቡ፣ “ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣEርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ሃገራት ዘይኮናስ: ሓደ ህዝብን ሓንቲ ሃገርን ኢየን”! ኢሉ ክግዕር ከሎስ እንታይ ማለቱ እዩ? ደጊሙ ኢሰያስ ክግዕር ከሎ፣ “ንቀላዓለም ዘይኮንኩስ መራሒና ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣቢ እዩ ክመርሓና” ክብል ከሎ እንታይ ክንርዳእ ንኽእል?። ሓዲሽ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተኣዊጁ ማለት እዩ እምበር ሓቂዶ ሓሶት። ክንብርኩትከይንብርኲት እስከበሉ ኣብ ማይ ንብጻሕ

https://youtu.be/ogLmFjx-hGs

እዚ ንዕዘቦ ዘሎና እዋናዊ ዕንክሊል በዞም ክልተ ዕሱባት ጽዮናውያን ኢሰያስን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያን፣ ብድሕሪኦም  ኮይኖም ዝዝውሩዎም ኣካላት ከምዘለውስ ትፈልጡዶ?

እዚ ሎሚ ዶር. ዓቢ ኣሕመድ ዝዋናጨፎ ዘሎን፣ ኢሰያስን ህግደፍን ከኣ ደድሕሪኡ ዘብዘብ ዝብሉዎ ዘለውስ፣ እቲ ኣሜሪካዊ ልኡኽ ንኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ድሕሪ ምጽሑ ምዃኑ ትፈልጡዎዶ? ስለምንታይ ግና ? ሰናይ ምክትታል።

ስለምንታይ ግና   ጽዮናውያን ካብታ ኮሎንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ዝተሳናበተላ እዋን ጀሚሮም፣ ኤርትራ ኣብ ዓይኖም በቒላ? ህዝቢ ኤርትራኸ እንታይ በደል ስለዝፈጸመ እዩ ጽዮናውያን ገረብ ብሓኽላ ገሮም ክሳብ ሎሚ ዝላገጹሉ ዘለው? ብዘይካ ዓንጃል ኢሰያስ ካብ 5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራዶ ለባም ሰብ የልቦንዩ? እዚ ኩሉ ንዕቀትስ ስለምንታይ እዩ?

https://youtu.be/ogLmFjx-hGs

Tesfazion. ስለምንታይ ኢዬ ኢሰያስ አፈወርቂ ከም አቡኡ ሃገርና ድሸጣ ዘሎ?

ንምዃኑ ምስ መን ኢና ንድመር? ቅድም ምስ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኤርትራውያን፣ ድሓር ድማ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ድዩ ወይስ ብዘየገድስ ብጃምላ ጥራይ ምድማር ማለትዩ ? ምድማር ማለት ትርጉሙ ብግቡእ እንተድኣ ፈሊጥናዮ፣ እዚ ሎሚ ብዶር. ዓቢ ኣሕመድን፣ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዓንገረር ዝብሉዎ ዘለው ስለምንታይ እዩ ንዝብል ሕቶ፣ ብሕጽር ዝበለ መልሲ፣ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምእዋጅ ጥራይ እዩ። እወ፣ ሰራዊት ኤርትራ ምስደኸመ፣ ጀጋኑ ገዳይም ተጋደልቲ ጽማ ዓስቦም ከይረኸቡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበልዩ ከለው፣ መንእሰይ ዋርሳይ ይከኣሎ፣ ካብ ሃገር ተሓግሒጉ ንስደት ከምርሕ ከሎ፣ ኣሜሪካ ብዘምጽእዎ ስትራተጂካዊ ሜላ፣ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ገሮም ንኤርትራ ክወርዋ ጸገም ኣይኮነን፣ ድሕሪኡ ንኢሰያስ ፕረሲደንት ኢትዮጵያ ንክሸምዎ ማንም ዝኽልክሎም ሰብ የልቦን። ቅድሚ 66 ዓመታ ታሪኽ ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ድሕሪ 10 ዓመታት እዩ ነይሩ፣ ምክትታል ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪ 66 ዓመታት ድማ ሎሚ እቲ ውዲታዊ መስርሕ ጽዮናውያን፣ ንከታተሎ ስለዘሎና  ታሪኽ ይድገም ከምዘሎ ንምርድኡ ኣይጠፍኣናን እዩ። ኣዋጅ ሰላም ዘይኮነስ ኣዋጅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ድሕሪ ሰለፋ ኣንታይ ተረፋ። ካብዚ ንላዕሊ ውዲታዊ ክሕደት ልዑላውነተ ኤርትራ የልቦን።

https://youtu.be/cSjLmtqHhhM

ክንብርኲት ከይንብርኲት ግና እስከ ኣብ ማይ ንብጻሕ። እወ እቶም ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን ኢሎም ዝኣምኑ፣ ለባማት ኤርትራውይንግና ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ኣጸቢቖም ይፈልጡዎ እዮም።  ብዕራይ ኣብ ዘበለ የብል ዕርፊ ጥራይ ኣጽንዕ ከምዝብሉ ኣቦታትና፣ ኢሰያስ ንኣዲስ ኣበባ ይኺድ ንኣዋሳ ተደሚርና ይበል ተጸንቢርና፣ እቲጉዳይ ጽባሕ ብጊሓት ክንርእዮ ኢና። ዘይውግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዅራ ትጽሕጽሕ ከምዝብሃል፣ ነቲ ዘይሓንኽ ኢሰያስ ግና እዚ ንጽሕፎ ዘሎና ሓተታ ጽውጽዋይ ኮይኑ እዩ ዝርድኦ።

ኣልዒል ኣቢልካ ተገቲርካ “ነደመር! ተደሚርና ኢና “! እንዳበልካ ዓንገረር ምባል፣ ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ዝኾነ ውዲታዊ ወፍሪ እዩ። እዚ “ንደመር፣ ተድሚርና”! ዝብል ውዲት፣ ኣምሆ ዘመን ብመሃንድሳት ኣሜሪካን እንግሊዝ ን፣ ተኣሊሙ ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክት ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣምሆ ዘመን ድሕሪ 66 ዓመታት ኣራባራብ ጽዮናውያን፣ ሎሚ ኢሰያስ ወይ ክትመዊት ኢኻ፣ ወይ ንህዝቢ ኤርትራ ለኪምካዮ ኪድ ተባሂሉ ዝገብሮ ዘሎ መልእኽትን ትእዛዝን መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እዩ።፣ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከይተማኸረ ከም ኣመሉ ንበይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ክሒዱ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጀላዕላዕ ዝብሎ ዘሎ፣ ጽባህ ብጊሓት ነስመራ ምስተመልሰ ክትግበር ድዩ ኣይትግበርን፣ ክንብርኵ)ት ከይንብርኲት ኣብ ማይ ንብጻሕ ጥራይ ኢና ንብል።ግንከኣ እዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ዕንክሊል፣ ጽባሕ ብጊሓት ክፈሽል ከምዝኾነ፣ እቶም ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ዝተነበዩዎ ትንቢት ዝሕብሮ እዩ።

ምድማር ምስ መን፤ ንምንታይ ዕላማ፤ መብርሂ ብ መምህር ቀሺ ሙስየ ሽሻይ

https://youtu.be/mdpyIW5MKng

ካብ ስርዓት ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻኢ ዝኾነ ሓዲሽን ውዲታዊን ኣዋጅ፣

ካብ ስርዓት ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻኢ ዝኾነ ሓዲሽ ኣዋጅ፣ ግንከኣ ንጥፍኣት ርቱዕ ሃይማኖት ኤርትራ (ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያንን Eritrean orthodox tewahdo) ዝዓለመ፣ ብዕለት 14. 9. 2017  ተኣዊጁ። እዚ ኣዋጅዚኸ ድሕሪ ርክብ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ዶር. ዓቢ ኣሕመድን ክቕየር ድዩ?

ብ ወርሒ ነሃሰ 2017 ዓ.ም.ፈ. ወከልቲ ኩለን ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዝተኣከቡሉ ዕለት፣ ካብ ትእዛዝ ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻኢ ዝወጸ ትእዛዝ ድያብሎስ ተዋሂቡዎም፣ ነፍሲወከፍ ትሕቲ 60 ዓመታት ዝዕድሜኦም ካህናትን ዲያቆናትን ንሃገራዊ ኣገልግሎት ክወርዱ ከምዘለዎም ኣቡነ ልቋስን ኣቡነ ባስልዮስ ሓቢሮም፣ በየናይ መዓቀኒ እዩ ግና እዚ ድያብሎሳውን፣ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻኢ። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሎ መራሒ ሃይማኖት ፓትሪያርክ ተዋህዶ ካብ ቅዱስ ሲኖደስ ወጻኢ ኮይኑ፣ብሕገኣልቦ ኢሰያስ ዝኣዘዞም ትእዛዝ ተቐቢሎም የገልግሉ ኣለው። እዚ ድያብሎስ ብሕገ ኣልቦ ጥራይ ን27 ዓመታት ኣብ ስልጣን ህዝቢ ሰሪቑ ብባርባራዊ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ባህልናን ሃይማኖትናን ክብርናን ሰብኣዊ መሰልናን፣ጅግንነትናን ኩሩዕ መንነትና ሓግሒጉ ምስ ኣጥፈኤ ንኢትዮጵያን ንባዕዳውያንን ኣሕሊፉ ንኽበን እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ መራሕቲ  ርቱዕ ሃይማኖት (ኦርቶዶክ) ካብ ሥርዓት ቅዱስ ሲኖዶስ ወጺኦም ንድያብሎስ የገልግሉ ኣለው።

Eritrean orthodox tewahdo ሓዱሽሓበሬታቅዱስፓትራርክን፡ሓዱሽናይጥፍኣትኣዋጅኣብተዋህዶቤተክርስትያንን14 / 9/ 2017

ኢሰያስን ዶር. ኣብን ዝነግሩና ዘለው፣ ብስነኣእምራዊ ሜላ መሃንድሳት ጽዮናውያን ተኣሊሙ  ብዉሕሉል ሜላ ዝቐረበ ግንከኣ ንውግእ ዘምርሕ ጥራይ እዩ!!

ጽባሕ ብጊሓት ንውዕል ኢሰያስን ዶር. ኣቢን ተጻሪርኩም ኢሎም ከይድምስሱና ጥራይ ኣምላኽ ኣውጽኣና!!!