ክቡር ሓውና ተስፋጽዮን!

ሰላምን ጥዕናን ክህልወካ ሰናይ ትምኒትና እዩ። እምነትናን ባህግናን ልክዕ ከምቲ ናትካ ስለዝኾነ ነቲ ርኣዪና ተተግቢሩ ክንርእዮ ኣምካኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃበና ጥራይ ኢና ንብል።
እወ!  መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ንወርሓት ዝኣክል  ደስኪሉ ከምዝወርሐ ንዓኻ ኣይጠፍኣካን እዩ። ብዝኾነ ግና ነቲ ንስኻ ብትብዓት እኳድኣ ደኺመ ከይበልካ ንህዝብኻ ተበርክቶ ዘሎኻ እጃም በብእዋኑ ኢና ንከታተሎ ዘሎና። ክንደይኳ እዚና ትሕጕስና። ወረ መሪቕናስ ንመረቕቲ እኳ ሂብናካ። ሎሚ ድማ መርበብ ደቀባት (ደቂ ኣግኣዝያን)  ብግቡእን ብሓዲሽን ኣገባብ ስርሑ ከምዝጀመረ ከነበስረካ ከሎና ባህታ እዳተሰምዓና ኢና። ከነረጋግጸልካ aንደልዮ ሓድ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ድማ፣ ንሕና ወነንቲ መርበብ ሓበሬታ፣ከምተን ካልኦት ማዕከን ሓሶትን ስለላን ኮለላን ዝኾና መርበብ ሓበሬታት፣ ግንከኣ ብኤርትራውያን ኢና ዝብሉ ዝውነና ዝዝርግሕ መደንቆሪ ሓበሬታ ኣይንዝርግሕን ኢና። መርገጽናን ራእዪናን ከኣ ከምቲ ናትካ ከምዝኾነ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ካብ ሎሚ ጀሚርና ድማ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ኣምበር! ኩሉ ኣንዝርግሖ ሓበሬታታት ከምቲ ናትካ  ራእዪ ስለዘሎና፣ምስቲ እተስተምህሮ ዘሎኻ ማይን ጸባን ኮይኑ ዝኸይድ  ትሕዝቶ ኢና ክንዝርግሕ። ንዓኻውን ኩሉ ግዜ እብቲ ደንቤና እኳድኣ ኣብቲ ፍሮንት ፔጅ ከነውጽኣካ ኢና። እቲ ደንበ ደንበ ደቀባ ደቂ ኣግኣዝያን ስለዝoነ ደንበኻ እዩሞ ከምድላይካ ከምተን ኣብቲ ማይ ጓይላ ዝዕንድራ ኣባቲይ ዓንድረሉ ኢኻ። እቶም ሽዑ ዝዋጥዩ ድማ ከውጠጥዩ እንተዘይኮይኖም ጥዑይ ክዋጥዩስ ከቶ ኣይክኽእሉን  እዮም።

እዚ ከይተሓለልካ ኣብ ታሪኽን ኣብ ፍልስፍናን ሓፈሻዊ ፍልጠትን ዝተመርኮሰ ኣስተምህሮ ንህዝብኻ ተበርክቶ ዘሎኻ መዘና የብሉን እም ዕድመን ጥዕናን ከኣ ይሃብካ። ር እናበልካ ትኻጎስ ኣልፋን ኦሜጋን እንዳህeደፍ ድማ የርኢኻ። እወ! ካብ እዋን ኮሎንያል ጣልያን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፣ ብዙሓት ምሁራት ኤርትራውያን ተጠርዮም እዮም ወረ ተዋህሊሎምሲ ብኣሽሓት ዝቕጸሩ እዮም።  ይኹን እምበር፣ ሓደ ካብዚኣቶም ንሃገርን ህዝቢ ዝጠቅም ኣስተምህሮ ሂቡ ግና  ከቶ ኣይፈልጥን። ብኣንጻሩ እኳድኣ ምስ ጸላኢ ኮይኖም ንህዝቦም ዝዘርዩዎ ወይከኣ ከምዘይርዳእ ኮይኑ ክምዝነብርን፣ኣብ ስነኣእምራዊ ዝተመርኮሰ ረቂቕ ሓሶት እናነዝሑሉ ገርሀኝ ህዝቢ ምድረባሕሪ (ኤርትራ) ኣብዘይይ  ፍጸም ተስፋ ከምዝህውትት ገሮሞ እዮም። ሓቂ ብሓቂ እብኣር ክሳብ ሎሚ ከምዚ ናትካ ብትብዓት ሓቂ ዘውጽአ ምሁር ኤትራዊ ይኹን ትግራዋይ ወይ ኣምሓራይ ኣየጋጠመን። ቃልሲ ኤርትራ ክጅመር ከሎ ከምዚ ናትካ ራእዪ ዝነበሮም ብዙሓት በቶም ረቀቕት ውዲታውያን ባዕዳውያን ሓይልታት ዝተላእከ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተቐንጺሎም እዮም። እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለው ምሁራት ዝብሃሉ ሰብ ብጅላን ዲግሪታትን ከኣ፣ በቶም ሕቡኣት ሓይልታት ስለዝተዓስቡ፣ሓቂ ከውጽኡ ኣይደለዩን። ስለዚ ብገንዘብ ተዓሲቦም ኣንጻር መወዳድርቲ ዘይብሉ ጭዋ ህዝቢ ኣገኣዝያን እንዳጸነተ ኣማዕድዮም ይዕዘብዎ ኣለው።

ክቕጽል እዩ

ብደቀባት