ተልእኾ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ እንታይ እዩ? ልኣኽቱኸ ብዓል መን እዮም?

ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቆጻጸሩ ዘለው ዓበይቲ ስለላ መርበባት እዞም ዝስዕቡ  እዮም።

ብቀዳምይ ደረጃ ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዋፊሮም ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ እዮም።

ብካልኣይ ደረጃ ምስ ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ ተላፊኖም ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ስለላ መርበብ ኤምኣይ6 ዝብሃሉ፣ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተላእኩ እዮም።

 

ብሳልሳይ ደረጃ ምስ ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ምስ ስለላ መርበብ ኤምኣይ6 ተላፊኖም ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ስለላ መርበብ ሞሳዓድ ዝብሃሉ፣ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተላእኩ እዮም።

እዚ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝብሃል፣ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ስልጣን መጺኡ ዘሎ፣ ሎሚ ንገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኸታልል ዝልህልህ ዘሎ መንእሰይ፣ ውላድ ወያኔ እምበር ፣ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝወረደ መሲሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ብኣንጻሩም በቲ ንንቡር ብጸረ ንቡር ገርካ ዘይንቡር ስርዓት ምፍጣር (Thesis Antithesis Synthesis) ዝብል ውዲታዊ  ኣሰራርሕ መሃንድሳት ጽዮናውያን ተሰኒዑ ዝተማህዘ ተዛራቢ ኣቕሓ እዩ።

እቲ ቀንዲ መኽንያት ነዚ ሰብዚ ኣብ ስልጣን ንምምጻ ዝተገብረ ድማ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ድሕሪ 50 ዓመታት ሃልኪ ሎሚ ኣብ እርጋን ገጾም ይኸዱ ስለዘለው፣ ህዝቢ ድማ ክፍንፍኖም ስለዝጀመረ፣ ቶዃሉ ጽዮናውያን ሓዲሽ ምህዞ ክምህዙ ግድነት ኮይኑዎም። እወ! ንስትራተጂካዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽቆጻጸሩ እንተኾይኖም ግድነት  እዮም፣ ሓዲሽ ሓይሊ ክምልምሉ።ስለዚ እንሆ  ነዚ መንእሰይ ኣገልጋሊ ብጽዮናውያን  መልሚሎም ኣሰልጢኖም ኣምጺኦሞ። እወ! እዚ ሰብዚ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሞሳድን ብመጽናዕትን ምርምርን ተመልሚሉ ዝሰልጠነ እኳድኣ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝያዳ ቋንቋታት ክዛረብ ዝኽእልን፣ፍርቁ ነብሱ ኣስላማይ፣ ፍርቁ ነብሱ ድማ ክርስትያ ዝኾነ መሳርሒ ኮይኑ ተጠፍጢፉ ዝተሰንዔ መንእሰይ ሰላዪ ጽዮናውያን እዩ።

እዚ ሰብዚ ብረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን ምሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሉን ሰልጢኑን፣ ንገርሀኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዕንጃል ዘይተኣደነ ግንከኣ ዘይፍጽሙ ጭርሖታት “ሰላምን ፍቕርን ምድማርን”! እንዳጨርሐ ጉያ ዝተወሰኾ ወፍሪ ወፊሩ ንዕዘቦ ኣሎና።ብፍላይ እኳድኣ ዝተፋላለዩ ቋንቋታት ኦሮምኛ፣ኣምሓሪኛ፣ ትግሪኛ፣ እንግሊዝኛ እንዳተዛረበ ግንከኣ ፣ ዘይተኣደነን ዘይፍጸምን ተስፋታት እንዳጨርሐ፣ ንሕልናን ስምዒትን፣እምነቲ ኣምላኽን  ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰሊቡን መዝሚዙን ንረብሓ ጽዮናውያን ንኽቃለስ ዝተዋፈረ ሰላዪ እዩ።

እወ፣ ጽዮናውያን እቲ ቀንዲ ውዲቶም፣ ነቲ ብወገን ህዝቢ ኦሮሞ፣ ቄሮን፣ ህዝቢ ኣምሓራን ተበጊሱ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይተወደበ ህዝባዊ ቁጣዔ ኣበርዒኖም፣ ነቲ ህዝቢ ጽባሕ ብጊሓት ከም ቀደሙ ከጽንቱዎ  ጥራይ እዩ። እወ፣ እዚ ሎሚ ዶር. ኣቢዪ ዘብዘብ ዝብሎ ዘሎ፣  ዛጊት ህዝቢ ብገርሁ ከሎ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ኣቐዲሞም ተዳልዮምሉ ዝጸንሑ መደብ ዕዮ እዩ።

ዝሓለፉ ቀዳሞት መራሕቲ ኢትዮጵያ

ጽዮናውያን ንመኸተን ህዝቢ ምጭዋይን፣ ንህዝባዊ ኣብዮት ምብርዓንን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ክፍጽሙው ዝጸንሑ ውዲት እዩ። ንመረዳእታ፣ ኣብ ህገር ግብጽን ቱኒዝያን ዝተባርዐ ብ”ቀውዒ ኣዕራብ” (Arab Spring) ዝብሃል መኸተ ህዝቢ ብውዲት ከምዘበርዓኑዎ ተገንዚብና ኢና። ህዝቢ ኣፍጋኒስታን፣ ዋላኳ ሓርበኛ ውድብ ሞጃሃዲን ንሶቭየት ሕብረት ብሓገዝ ጽዮናውያን እንተስዓሮ፣ ሓይሊ መጃሃዲን ንጽዮናውያን ስለዘስግኦም ግና፣ እንደገና “ኣልቃሂዳ” ዝብሃል “ኣኽራሪ  ኣስላማዊ ሓይሊ” ምሂዞም ንከበርዕንዎ ብዙሕ ሃሊኾም። ክሳብ ሎሚ ከኣ ይረባረቡ ኣለው። ብሰንኪ ጽዮናውያን ድማ ሃገር ኣፍጋኒስታን ኣብ ዓዘቕቲ ጥሒላ ትርከብ ኣላኣ።  ነቲ ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ምህርቲ ኣፍጋኒስታን፣እጸ ፋርስ፣ ሄሮይንን፣ ኮከይንን፣ ማሪዋናን፣ ካናቢስ፣ ብለይቲ ብነፈርቲ ንምዕራባውያን ሃገራት ከግዕዙዎ ይሓድሩ ኣለው።

ህዝቢ ኣፍጋኒስታን ግና ብዘገምታዊ መስርሕ ይጸንት ኣሎ። ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ  እንተድኣ ተኻታቲልና ድማ፣ ብ1868 ዓ.ም.ፈ.ጅግና ሃጸይ ቴድሮስ ብጀነራል ናምፒር ዝምራሕ ወራር ኮሎንያል እንግሊዝ ከምዝተሳዕሩ።
ንጉስ ቴድሮስ እምቢ ንባዕዳውያን ኢደይ ኣይህብንየ ኢሎም ንመምነቶምን ሃገሮምን ክብሉ ሽጉጦም ሰትዮም በጃ ዝሓለፉ ጅግና ኢትዮጵያዊ እዮም።

 ንብረት ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘሚቶም ንእደንቡርግ ዘግዕዙ እንግሊዛውያን እዮም ዝነበሩ።

ብ1945 ዓ.ም.ፈ.ሓርበኛ ወደባት ክፍለ ሃገር ጎጃም ፊትወራሪ በላይ ዘለቀ ብንጉስ ሃይለስላሴን ብስለላ መርበብ እንግሊዝን ተቐንጺሉ በጃ ሃገሩ ዝሓለፈ።

Belay Zeleke ethiopian Arbenuoch resistance heros.jpg

ንጅግና በላይ ዝeለቀ ቀንጺሉ ንጉስ ዝኾነ ሃይለስላሴ


በላይ ዘለቀ፣ ብሓገዝ  መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ተረሽኑ፣ ሰላዪ ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ ብውዲት ሳላ እንግሊዝ ዘውዲ ደፊኡ።

ብ30 መጋሚት 1961 ዓ.ም.ፈ. ድማ ጅግና ሃገራዊ

A black and white photograph of Mengistu Neway
ጀነራል መንግስቱ ነዋዩ 1961 ዓ.ም.ፈ.
ጀነራል መንግስቱ ነዋዩን ፈላስፋ ሓዉ ግርማዊ ነዋዩን ንመስፍናዊ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ገልቢጦም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዲመክራስያን ምዕባሌን  ከምጽኡ ኢሎም ምስተበገሱ። መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝ  ካብ ከታም ኣስመራ 6 ነፈርቲ  ኣበጊሶም ንኣዲስ ኣበባ ብምውራር፣ ነቲ  ጅግና መንግስቱ ነዋዩን፣ ግርማ ነዋዩ ሓውን ካልኦት ጀጋኑ ኢትዮጵያውያንን ዝተበገሰ መፈንቅለ መንግስቲ ኣብ ዓወት ከይበጽሐ ጨውዮም ኣፍሺሎሞ።


ብሊቅነት ዶር. ፊሲክስ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዝተመረቐ፣ ዶር. ሃይለ ፊዳ፣ ካብ ብሐረ ኦሮሞ፣ ካብ ወለጋ ክፍለ ሃገር ዝተወልደ፣ ብውዲት ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን ብቅድመ ግንባር መንግስቱ ሃይለማርያምን ብ1979 ዓ.ም.ፈ.በጃ ሃገሩ ሓሊፉ።

ካብቶ ብዙሓት  ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ጀጋኑን ፈላስፋታትን ብሉጻት ተማሃሮ፣ ብዓል ጅግና ጥላሁንን ዋልልኝን  ማርታን ወዘተ ….በቶም ኣብ ማእከል ዩኒቨርሲቲ ዝነበሩ ኣባላት ስለላ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ስለላ መርበብ እንግሊዝን እስራኤልን መማህራን ብውዲት ተመንቊሶም። እቲ ብህዝቢ ኢትዮጵያን ብፍላይ እኵድኣ ብህዝቢ ኤርትራን፣ ብጥሜት ህዝቢ ክፍለ ሃገር ወሎን ትግራይን ዝተባርዐ ሰውራ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ብውዲት ጽዮናውያን ብደርጊ ከምዝጭወ ኮይኑ። ስለዚ “ክሰርቀኒ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ነይኣምኖ” ከምዝብሃል፣ ነዛ ጀጋኑ ወሊዳ ብሰንኪ ጽዮናውያን ዋርሳይ ዝሰኣነት ኢትዮጵያ ድኣ፣ ከመይ ገሮም እዮም ሎሚ ጽዮናውያን በቲ ባዕሎም መልሚሎም ሓጽዮሞ ዘለው ዶር. ኣቢዪ እሕመድ ዓሊ ገሮም ንኢትዮጵያ ከድሕኑዋ?

ነቶም ን50 ዓመታት ዝተጻወቱሎም ንብረቶም ዝኾኑ፣ ተዛረብቲ ኣቚኹት ጭፍራ ወያኔን ህግደፍን፣ ፍርከሽከሽ ክብሉ ምስ ጀመሩ፣ ሎሚ ሓዲሽ ተስፋ እንዳሃበ ይኣይ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን “ክድምር” እየ እንዳበለ ላዕልን ታሕትን ክብል ንዕዘብ ኣሎና። እታ ብርኲታ እምኒ ኣላታ።  እወ ንኤርትራ ግዳይ ብምግባር ንግዜኡ ተስፋታት ሂቦም፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምዕንጃል፣ ጸኒሖም ግና ከም ኣመሎም  እቲ ወፍሪ ዕርበት ከካዪዱዎ እዮም። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ እንታይ ክሳብ ዝኸውን እዩ፣ ክሳብ ከምዚ ኮይኑ ዘይምሱል ዝመስል፣ ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንረብሓ ጽዮናውያን ኣቐዲሙ፣ ክፉእ ንኽርአ መሪጹ?

እቲ ሎሚ ምስ ዶር. ኣቢዪ ተላፊኑ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ማእሰርትን፣ ግዳይ ስደት፣ ምፍልላይን ተስፋ ቍርጸትን ኮይኑ ከሎ፣ግንከኣ ኣብ ውሽጡ ከይተደማመረ ከሎ፣ብዘይ ምድማር ምስ ህዝቢ ትግራይ፣ ብቀጥታዊ ዝላ  ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክድምሮ ገልዳሕ ዝብል ዘሎ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ 1969 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ኮይኑ ንስትራ- ተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን ን57 ዓመታት ክኽይድም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሕጂ ነቲ ዝተላእኮ ሚሽን ኣብ መደምደምታ ከብጽሖ ገልዳሕ ይብል ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ፣ ተሸጥና! ተሓሪጅና! ተደሚርና ! ዋይ ኣነ ሸ! ድሕሪ 57 ዓመታት ሓርነታዊ ውረድ ደዪብስ ብሓደ ዕቡድ ሰብኣይ ክንሓስ? ሕገመንግስቲ ከይተተግበረ፣ ምርጫ ባይቶ ብህዝቢ ከይተኻየደ፣ ወፍሪ ዋርሳይ እከኣሎ ንሕልፈታት እንዳቐጸለ፣ እቶም ን30 ዓመታት ዝተቓለሱ ተጋደልቲ፣ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ ገና ኣብ ድፋዕ ተዳጒኖም ክበልዩ ከለው፣ ጉዳይ ዶብ ብኢንተርናሽናል መንጎኛታት ተማእኪሉ፣ ብወግዒ ኣብ መዕለቢau ከይዓለበ ከሎስ ከምዚ ክፍደ እንታይ እዩ እቲ ሓጥያትና? ይብል ኣሎ።

ኣብ ክንዲ ፍትሓዊ ኮይኑ ዝፍጸም፣ ማለት ንልዑላውነትን ክብሪን ኤርትራ ዘኽብር ወግዓዊ ውዕል ከይትገብረ፣ ኢሰያስ ጥር ኢሉ ንኣዲስ ኣበባ ብምኻድ፣ ፍቕሪ ! ሰላም! ምድማር! ዝብሉ መዛሙር ምዝማር ዘላቒ ሰላም ኣየምዘይምጽእ ፈሊጥናን በጺሕናዮን ኣሎና። ብወገን ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ መሰልና ተገፊፉ፣ ተሓሪጅና፣.. ቁጠባውን ማሕበራውን ጎበጣ ኣብ ልዕሊ’ታ ብቑጠባን ፍልሰት መንእስያት ደቃን ዝተዳኸመት ኤርትራ፡ እንዳበለ ለይትን ምዓልትን ይቚዝም ኣሎ። ኤርትራውያን ነጋዶን ሃብታማትን፣ ብሰንኪ ሕገ ኣልቦ ግዝያዊ መንግስቲ  ኤርትራ፣ ሃጽ ኢሎም ንኡጋንዳን፣ ንጁባ ደቡስ ሱዳንን፣ ንኣንጎላን፣ ደቡብ ኣፍሪቃን፣ ባስትዋናን ወዘተ……ብሕስረት እንዳነበሩ፣ ሎሚ ንጋዶ ኢትዮጵያ ንባጽዕን ንዓሰብን መጺኦም ትካላት ክገብሩ፣ ነፋሪት ኢትዮጵያ ሽዋን ኣስመራን ኮይኑ መዛወሪ ክትብል፣ እንታይ ማለት እዩ እቲ ትርጉሙ?

ብርኪ  መንገዲ  ኣየር ኢትዮጵያ ዝፍቀድ ዘሎ፣ እቶም ሃብታማት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ዝነብሩ ዘለውከ? ብቐዳምነት እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኤርትራ ትካላዊ ወፍሪ ንኸይገብሩ ዝተነፍጉ ኤርትራውያን፣ ኣብ ሃገሮም ተመሊሶም ምስ ህዝቦም ክድመሩ ኣለዎም። እዞም ኩሎም ሃብታማት ዘጋታትና ኣብ ኣፍሪቃ ፡ ኣብ ጁባ፡ ኣንጎላ፡ ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ቦትስዋና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ.. ማእክላይ ምብራቕ ዘለዉ ሰብ ጸጋ ዘጋታትና፡ ንምንታይ ቀዳምነታት ዘይወሃቦም?….ንኢትዮጵያውያን ወፍሪ ንግዲ ባባና ጋህ እተብል ዘላ ሃገርና፡ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ ንባጽዕን ዓሰብን ማዕጾ ንግዲ ጋህ እተብል ዘላ ኤርትራ፣ ንምንታይ ንዘጋታታና ከምዚ ንኢትይጵይውያን ዝግበር ዘሎ ማዕጾ ዘይትኸፍትን ምስ ህዝቦም ዘይትድምሮም?  እቲ ካብ 20111 ክሳብ 2017 ዓ.ም.ፌ. ሽያጥ ዕደና ወርቂ ክሳብ ክልተ ሚእቲ ቢልዮን ዶላር ኣብ ወጻኢ ባንክታት ተኾሚሩ ዘሎ፣ ካብኡ ተፈንጭሉ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንምዕባሌ ሃገር ዘይውዕል ስለምንታይ? ካብቲ ትማሊ ዶር. ኣቢዪ ኣብ ሃገር ኢሚራት 3 ቢልዮን መሳለጢ ቃልሲ ክምጽወተሉ ከሎ፣ ብቓሉ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብወግዒ ካብ መንግስቲ ኢሚራት ዝተመጽወተልና 3 ቢልዮን ዶላር፣ ኣብ ባንክ ኢዮጵያ ኣእቲናዮ ክብል ከሎ፣ ኢሰያስ ከኣ 2 ቢልዮን ዶላር ካብ መንግስቲ ኢሚራት ተቐቢሉ ከብቅዕ፣ ብዛዕብኡ  ስለምንታይ ሓንቲ ቃል ዘይተዛረበ? እንዳሰምዐ ዝሞተስ እንዳርኣየ ቅበርዎ!

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ከኣ፣ሰላዪ ኢሰያስ ምስ መራሕቲ ወያኔ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምኻኖም ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና ዝበጻሕናዮ እኳ እንተኾነ፣ ንህዝቢ ንምድንጋር ከም ኣንጻሩ ዝኾኑ ገሩ፣ ንኸምስል “ጸወታ ወያኔ ኣብቂዑ እዩ”! “እዞም ካብ ጽርግያ ኣርዮም ዝበልዑ ወያኔ መድረኾም ኣብቂዑ እዩ”! “Weyane Game over: Scavangers”! ክብል  ወንጂሉ፣ ምስቲ  ብሓዲሽ ሜላ ብስለላ መርበብ እንግሊዝን እስራኤልን ሲ.ኣይ.ኤይ.ን ዝተመልመለ ዶር. ኣቢዪ፣ ግንከኣ በኽሪ ውላድ ወያኔ ዝኾነ  ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ፣ ሰዶማዊ ቃልኪዳን ኣሲሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከይተማኸረ፣ ግንከኣ  ከይሓፈረ “ካብ ሎሚ ንድሓር ሓደ ሃገር እምበር ክልተ ሃገራት ኣይኮናን፣ ንስኻ ዶር. ኣቢዪ መራሒና ኢኻ”! ክብል ጀላዕላዕ ኢሉ። ስለዚ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ድራማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኢሰያስ ጸላኢኡ ምኳኑ ዝሕብር ሓደ ዓቢ ብስራት ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክልብምን፣ ኣብ ነንሓድሕዱ ክደማመርን መድረኽ ጠሊቡዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ነጻ ካብ ወያኔን ህግደፍን ኮይኑ ነዚ ዕድልዚ ክጥቀመሉ እንተድኣ ዘይፈቲኑ ግና፣ ንዘልኣለም ዘይሓዊን ግንከኣ እንዳተጎድአ ዝቕጽል ቍስሊ ቆሲሉ ክመውት እዩ።

ክቡራት ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ብስምዒትን ብግርህናን ተቓዊምና ክንዕወት ከምዘይንኽእል ክንርዳእ ኣሎና። እወ፣ ካብቲ ሸፊኑና ዘሎ መጋረጃ ወጺእና፣ ንዝሓለፈ ተመኩሮና ገምጊምና፣ ክንመራመርን ሓቂ ክንድህስስን፣ ብፍላይ እኳድኣ ታሪኻዊ መስርሕ ህግደፍን ኢሃዴግን ምስ ንፈልጥ ጥራይ ኢና፣ ጸላእትና መን ምኻኖም ክንርዳእ እንኽእል። ሽዑ ኢና ከኣ ቃልሲ ክንጅምር እንኽእል፣ ዓወትና ከኣ ግድነት ዝኸውን። ካብኡ ሓሊፉ ተፋላሊኽ ብስምዒትን፣ ብግርህነትን ብፈኲስ እምነትን ጥራይ ኣቃለስ ኣሎኹ፣ እቃወም ኣሎኹ፣ ክትብል ግና ድንቍርና ጥራይ እዩሞ፣ ሕጂስ ይኣክል! ጸላእትና ኣለሊናዮም ኢና፣ ብሓባርን ብውህደትን ንመንነትና ንቃለስ ኢልና! ኢልና ክንብገስ ኣሎና።

ብሓልዮት መርበብ ደቀባት ኤርትራ፣ 28 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.