ተልእኾ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ እንታይ እዩ? ልኣኽቱኸ ብዓል መን እዮም?
ኣብዚ እዋንዚ ብፍላይ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቆጻጸሩ ዘለው ዓበይቲ ስለላ መርበባት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ብቀዳምይ ደረጃ ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተዋፊሮም ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ እዮም።
ብካልኣይ ደረጃ ምስ ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ ተላፊኖም ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ስለላ መርበብ ኤምኣይ6 ዝብሃሉ፣ ብመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተላእኩ እዮም።
ብሳልሳይ ደረጃ ምስ ማእከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ምስ ስለላ መርበብ ኤምኣይ6 ተላፊኖም ኣብ ኩሉ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስዉርን ብግሁድን ለይትን ምዓልትን ተዋፊሮም ዘለው ኣባላት ስለላ መርበብ ሞሳዓድ ዝብሃሉ፣ ብመንግስቲ እስራኤል ዝተላእኩ እዮም።
እዚ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝብሃል፣ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ ስልጣን መጺኡ ዘሎ፣ ሎሚ ንገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኸታልል ዝልህልህ ዘሎ መንእሰይ፣ ውላድ ወያኔ እምበር ፣ብሃንደበት ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዝወረደ መሲሕ ኣይኮነን። እንታይ ድኣ ብኣንጻሩም በቲ ንንቡር ብጸረ ንቡር ገርካ ዘይንቡር ስርዓት ምፍጣር (Thesis Antithesis Synthesis) ዝብል ውዲታዊ ኣሰራርሕ መሃንድሳት ጽዮናውያን ተሰኒዑ ዝተማህዘ ተዛራቢ ኣቕሓ እዩ።
እቲ ቀንዲ መኽንያት ነዚ ሰብዚ ኣብ ስልጣን ንምምጻ ዝተገብረ ድማ፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ድሕሪ 50 ዓመታት ሃልኪ ሎሚ ኣብ እርጋን ገጾም ይኸዱ ስለዘለው፣ ህዝቢ ድማ ክፍንፍኖም ስለዝጀመረ፣ ቶዃሉ ጽዮናውያን ሓዲሽ ምህዞ ክምህዙ ግድነት ኮይኑዎም። እወ! ንስትራተጂካዊ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽቆጻጸሩ እንተኾይኖም ግድነት እዮም፣ ሓዲሽ ሓይሊ ክምልምሉ።ስለዚ እንሆ ነዚ መንእሰይ ኣገልጋሊ ብጽዮናውያን መልሚሎም ኣሰልጢኖም ኣምጺኦሞ። እወ! እዚ ሰብዚ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ሞሳድን ብመጽናዕትን ምርምርን ተመልሚሉ ዝሰልጠነ እኳድኣ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ዝያዳ ቋንቋታት ክዛረብ ዝኽእልን፣ፍርቁ ነብሱ ኣስላማይ፣ ፍርቁ ነብሱ ድማ ክርስትያ ዝኾነ መሳርሒ ኮይኑ ተጠፍጢፉ ዝተሰንዔ መንእሰይ ሰላዪ ጽዮናውያን እዩ።
እዚ ሰብዚ ብረቂቕ መጽናዕትን ምርምርን ምሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሉን ሰልጢኑን፣ ንገርሀኛታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንምዕንጃል ዘይተኣደነ ግንከኣ ዘይፍጽሙ ጭርሖታት “ሰላምን ፍቕርን ምድማርን”! እንዳጨርሐ ጉያ ዝተወሰኾ ወፍሪ ወፊሩ ንዕዘቦ ኣሎና።ብፍላይ እኳድኣ ዝተፋላለዩ ቋንቋታት ኦሮምኛ፣ኣምሓሪኛ፣ ትግሪኛ፣ እንግሊዝኛ እንዳተዛረበ ግንከኣ ፣ ዘይተኣደነን ዘይፍጸምን ተስፋታት እንዳጨርሐ፣ ንሕልናን ስምዒትን፣እምነቲ ኣምላኽን ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰሊቡን መዝሚዙን ንረብሓ ጽዮናውያን ንኽቃለስ ዝተዋፈረ ሰላዪ እዩ።
እወ፣ ጽዮናውያን እቲ ቀንዲ ውዲቶም፣ ነቲ ብወገን ህዝቢ ኦሮሞ፣ ቄሮን፣ ህዝቢ ኣምሓራን ተበጊሱ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይተወደበ ህዝባዊ ቁጣዔ ኣበርዒኖም፣ ነቲ ህዝቢ ጽባሕ ብጊሓት ከም ቀደሙ ከጽንቱዎ ጥራይ እዩ። እወ፣ እዚ ሎሚ ዶር. ኣቢዪ ዘብዘብ ዝብሎ ዘሎ፣ ዛጊት ህዝቢ ብገርሁ ከሎ፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ኣቐዲሞም ተዳልዮምሉ ዝጸንሑ መደብ ዕዮ እዩ።
ዝሓለፉ ቀዳሞት መራሕቲ ኢትዮጵያ
Recent Comments