For Those Who Value Deqebat.com: We Need Your Help!

ሃገር ተወሪራ ምስ ተባህለ
እንኳን በጽሒ ጐርዝዞ ዕድሜኡ ዝኣኸለ
ጌና ትሕቲ ዕድመ ዘሎ ቆልዓ ይኹን ዓቢ ሽማገለ
ክካላኸል ብጉስ ኔሩ ሃገረይ እናለ፣

ብጕልባብ ወራር እከይ ጕርሒ!
ንስልጣን ኢሰያስ መናውሒ
ንፕሮጀክትን ዓላማን ጽዮናውያን መፍትሒ
ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣይፈልጦን ከምዝኾነ ሽርሒ፣

ህዝቢ ክልተ ሃገራት በቲ ወራር ክራባረብ
ትርፎ ጥሜት ዕንወት ህልቀት ወዲሰብ
ዋላ ሓንቲ ኣይረኸበን መኽሰብ
ቅኑዕ ዋላ ገበነኛ፣ ውዒሉ ሓዲሩ ኣይተርፎን ምቕራቡ ኣብ ዳኛ

እቲ ሰብ ዘህለቐ ውግእ ክልተ ዓዲ
ውዒሉ ሓዲሩ ሓሊፉዎ ፍርዲ

ኢትዮጵያ ጸገማት ከለዋ ዝያዳ
ብዓለምለኻዊ ሕጊ ተቈይዳ
ምርጫ ፓርላማ ኣካይዳ

እቲ “ኣይ ኲናት ኣይሰላም ኣሎና” እናለ ዘናውሕ ዘመኑ
መታን ንኽነብር ጨቢጡ ስልጣኑ
ንህዝቢ ኤርትራ ክድህኾ ጨቅቊኑ
ፕሮጀክት ጽዮናውያን ከትግብር ሃገር የዕኑ
ዝተነድፈ ቅዋም ብባይቶ ዝጸደቐ ኣብ ኢዱ ዓፊኑ
ምርጫ ከይገብር እምቢሉ ሸዲኑ
ዘድልዮ’ገብር ኣብዛ ሃገር በይኑ
ልኡኽ ጽዮናውያን ንበይኑ ኮይኑ

እዚ ጸረ ሕጊ ምርጫ ዘይገብር
ቅዋም ዘየኽብር ዒም ዘለ ዝኣስር
ቃሕ ዘሎ ዝገብር
ንበይኑ ዝሻድን ኣብዛ ሃገር
ኢሰያስ እንኮ መላኺዩ ዲክታቶር

ኣታ “ሃገራውያን ኢና” ኢልኩም ትጅሃሩ
ሃገር ዓንያ ህዝባከኣ በዚ ኣረሚን ተሸጊሩ
ዝበልዖ ስኢኑ ጸሙውን ሓዲሩ
ሃገር ዝመርሑ ምሁራን ክሕየሩ
ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ ጸልማት ክነብሩ
ገሊኦም ክሞቱ ክገሊኦም ክዐሩ
ሕሰቡ በጃኹም ኣእምሮ ግበሩ
ነዚ መላኺ ረሲዕኩም ሓልዮት ህዝብኹም ግበሩ
ንኢሰያስ መን መልሚሉ ከምዝክልኾ ድማ ተመራመሩ

ኣንቈራ ፈልዩ ኢሰያስ ንበይኑ
ንእምነትን ሕልና ህዝብና መዝሚዙ  ኣስዲዑ ኣእሚኑ
ካብ ንህዚቢ ንስዉር ውዲት ጎይቶቱ ኣሚኑ
ብስም ነጻነት ሸፋፊኑ
ዋና’ታ ዝጠፍጠፋ ኩባንያ ህግደፍ መራሒ ኮይኑ።

ገጣሚ ህዝባዊ ኣግእዞ
ብሓልዮት ደቀባት ኤርትራ፣ 23.03.2017 ዓ.ም.ፈ.