(ዳስ ኤርትራ 28 ሕዳር 2017 – ገጽ 4 መበል 26 ዓመት ቁ.74)

Image resultኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ከተማ ከረን ዝጸንሐ ሽግር ማይ ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ ክብሃል ብዝኽእል ደረጃ ናብ ዝበዝሐ ከባቢቡንባታት ጃሕጃሕ ክብላ ይርኣያ ኣለዋ። ህዝቢ ከተማ ከረን ኣቐዲሙ ራህዋ መብራህቲ፡ ሕጂ ድማ ማይ ረኺቡ ዓመተ 2018 ድሮ ብጽቡቕ ተስፋታት ክጸበያ ጀሚሩ ኣሎ። በዚ እውን ነዚ ክውን ዝገበሩ ኩሎም ኣካላት መንግስቲ ብፍላይ ከኣ ክፍሊ ማይ ከተማከረን ምስጋና ዝግብኦም እዩ። ኣብዚ ግን ገለ ክእረም ዘለዎ ንኣሽቱ ግን ከኣ ሃሳዪ ተርእዮታት ክረኣ ጀሚሩ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ፈቖድኡ ቱቦታት ተሰይሩ ማይ ክዛሪ ልሙድ ትርኢት ኮይኑ፡ ገለ ቀልጢፉ ጽገና ክግበረሉ ከሎ፡ ገለ ግን ግዜ ይወስድ እሞብኸንቱ ዝፈስስ ማይ የግሁየካ ። ስለዚ ክፍሊ ማይ ቀጻሊ ምክትታል ክገብሩ፡ ኩላትና ተቐማጦ ከረን ድማ ዝተባላሸወ ትቦታትማይ ኣብ እንርእየሉ ቀልጢፍና ንዝምልከቶ ክንሕብር ለበዋይ የመሓለልፍ።

ወ/ሮ ዓፍየት ልጃም
ካብ ከተማ ከረን

እየወ እንዳ ህግደፍስ ክኽእልሉ፣ ጸረ ንቡር ዝኾነ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ኣብ መላእ ኤርትራ ነቲ ንቡር ኣፍሪሱ ዘይንቡር ስርዓተ ኣልቦ ኣታኣታትዩ ይርከብ። ሎሚ ከኣ ከይሓነኸ ክውሕልል ከሎስ ኣዝዩ ዝገርም እዩ። ከተማ ከረን ድኣ ኣብ ግዜ ኮሎንያል ጣልያን ኣይጸምአ፣ ኣብ መግዛእቲ እንግሊዝ ኣይጸልመቶ፣ ከምኡውን ኣብ መግዛእቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ይኹን ኣብ መግዛእቲ ደርጊ፣ መብራህቲ  ኣይጸልመቶ፣ ማይ ዝስተ ድማ ኣይስኣነ ኣይጸምኦን ከኣ። ሎሚ ግና ጸረ ንቡር ህግደፍ ንኤርትራ ምስተቆጻጸራ እዩ ህዝቢ ከተማ ከረን፣ “ማይ ጠፊኣ መብራህቲ ተቐልቂላ” ክብል ትንፋሱ ወጺኡ ዘሎ። ብህግደፍ ጸበባን ሽግርን እንተዘይኮይኑ ራህዋ ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። 

ንመን ከተዓሻሹ ድኣዩሞ ሎሚ፣ በታ ዓፍየት ልጃም እትብሃል ተዛራቢት ኣቕሓ፣”ማይ ምሉእ ብምሉእ ተፈቲሑ  ናብ ዝበዝሐ ከባቢ ቡንባታት ጃሕጃሕ ክብላ ይርኣያ ኣለዋ ዝብሃል ዘሎ? እንዳ ህግደፍ፣ ንዝነበረ ራህዋ ኣጥፊኦም፣ ጸበባ የእትዉሞ፣ ነቲ ባዕሎም ዝፈጠሩዎ ጸበባ ድማ ተመሊሶም፣ ይፈትሑዎሞ፣ ንህዝቢ ንኸዳናግሩ ድማ፣ ፍታሕ ተረኺቡ ክብሉ ኣይሓፍሩን ስለዝኾኑ፣ ሕጂ ከኣ ኣብ ከረን ከም ኣመሎም እንሆ ንሶም ከምዝፈጠሩዎ፣ ማይ ጃሕጃሕ ይብል ኣሎ ክብሉ ይግዕሩ ኣለው። ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

ህዝቢ ከረን፣ ደቁ ካብ ባርነት ሳዋ ተፋንዮም ኣብ ዓዶም እንተዝምለሱ፣ ከተማ ከረን ብመንእሰያት ደቂ ከረን ጥራይ ምዓንበበት ነይራ። ብሰንኪ ህግደፍ ንባርነት ሳዋ ዝለዝተዳጎኑ ግና፣ ካብ ሳዋ ሃጽ ኢሎም ግዳይ ስደት ይኾኑ ኣለው። መንእሰያት ደቂ ከረን ብሰንኪ ባርባራዊ ገዛኢ ኢሰያስ፣ ካብ ዓዶም እንተዘይ ስጎጉ፣ሎሚ ከተማ ከረን ኣብ ጽምእን ኣብ ጸልማትን ወዲቓ ኣይምተረኽበትን።

ርእይቶ ካብ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ