ውጹዕ ግንከኣ ተባዕ ኤርትራዊ
ነጻነተይ ኢሉ ክጠርዕ ከእዊ
ዓለም ኣይሰምዓቶን ግድነት ኮይንዎ ክጻወት ብሓዊ

ንሃገር ነጻነት ንባዕሉ ሓርነት
ኢሉ ንኽቃለስ ን30 ዓመት
ገና ኣይፈለጠን ካብ ፈለማ እዋን

ብመሃንድሳት ባዕዲ ዝሰልጠነ ናይ ሳሕል ተመን
መርዛም ተንኮለኛ ብሰብ ዘይእመን
ኣየወ ክሓስሙ ማሕበር ጸልማት ጽዮናውያን
ልኢኾምልና ብቓጻ ዘቕትል ነቲ ጅግና ኤርትራዊ ሽደን

ድሕሪ ነጻነት ህዝባዊ ስልጣን ንኽምንጥል
ማርቲን ኮሀን ኣብ ለንደን ምስመኸሮ ኮነ ድኣ ቀራን ገበል
ሰባት ከይውሓጠ ዘይሓድር ዘይውዕል
ኣምሆ ዘመን ኣሃሚሎምና’ዞም ጽዮናውያን ግብሮም ተካል
መልሚሎም ክፍኣት መኺሮም ልኢኾምልና ነዚ ሰላዪ ንሳሕል

ካብታ ኤርትራና ሃረር ንብላ ሃገር
ሃጽ ኢልና ክንነፍጽ ኣብ ስደት ክነብር
ገሌና ኣብ ስሃራ ገሌና ኣብ ባሕሪ ክንቅበር
መንዩ ገዲዱና? እቲ ጭካኔ ዘምሃሩዎ ኣራዊት ዲክታቶር
ሰላዪ ኢሰያስ እምበር!
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓንቢስካ ዘይስገር
ኣባጽሕ ጎራዙ ኤርትራ ብዝሖም ዘይቝጸር
ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ንመንዩ ዝንገር
ረሳኦም ተሸሚሙ ብዘይ ኣሰር
ማእለያ ዘይብሎም መናእሰይ ሃገር
ካብ በረኻ ሲናይ ምድረ-በዳ ሃሩር
ኩሊቶም ንመሸጣ ብኣሽሓት ዶላር
ከብዶም ተጠቢሑ ብዓመጽ ዘይንቡር
ስነ-ሥርዓት ቀብሪ ስኢኖም ከም ፍጡር
ርእሶም ተሰንድዩ ኣብ ጋህሲ ብሓባር!!
ኣንቱም ኤርትራውያን ሰብ ታርኽ ሰብ ማህደር
ፋሕ-ብትን ክንብል ከም ኣራዊት መሮር
መንዩ ቀሲቡና? እስከ ንመራመር!
ካልእ ሰብዶ ኣሎዩ ብዘይካ ሰላዪ ኢሰያስ እምበር
ሕሱም ጨካን ኣረሜናዊ ልኡኽ ዲክታቶር!
መሃንድሳት ጽዮናውያን 1969 መልሚሎም ዝልኣኹዎ ንሳሕል ንመሮር!

(ብኤርትራዊ ሆመር)

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን