መርሕነት ህግደፍ ትማሊ ባህጊ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ዝተነጸረ ፖለቲካዊ መትከል ኣይነበሮን። ኣብ’ቲ ካብ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ፍጮ ዝወጽአ ናቱ ጸቢብ ጉጅላዊ ሕሳባት ከረጋግጸሉ ዝሓዞ ኣንፈት’ውን ቀጥ ኢሉ ዝኸይድ ዘይኮነ፡ ከከም ኩነታቱ ዝጋላበጥ’ዩ ነይሩ። ኣብ ሕቶ ምሕዝነትን ሓድነትን፣ ምስ ጸላኢ ኣብ ዝገብሮ ዝነበረ ምስጢራዊ ዘተን ዘርእዮ ዝነበረ ኣዝዩ ሓደገኛ ነግ ፈረግን፣ ኣብ ውሽጢ ውድቡ ኣንጊስዎ ዝነበረ ምልኪ፣ ናብ ህዝቢ ዘመሓላልፎ ዝነበረ፡ ኣብ ጽልኢ ዝተመስረተ፡ ኣብ ወረቐት ብዝተሰርሐ ኩምራ ኣሃዛት ዝተወሰኾ ኣስካሪ ዜና ዓወት፡ ብጭካኔኡ ዘይድፍር ኮይኑ መታን ክውሰድ ብሓሳብን ብተግባርን ኣስሪጽዎ ዝነበረ ራዕድን ደሚርካ ክረአ እንከሎ፡ ተጋላባጢ፡ ኣሰካፊ፡ ደኣምበር እምነት ተንብረሉ ጽኑዕ ኣብ መትከሉ ምንባሩ ኣየርእን።

ሃገራዊ ፖለቲካዊ ስልጣን ምስተቖጻጸረ’ውን እቲ ዝለመዶ ገልበጥበጥ፣ ጥልመት፣ ጭካነ፣ ሓሶት፣ ሕርያ ጎይቶትን እሙን ተለኣኣኺ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዋጋ ህይወትን መጻኢ ዕድልን ህዝብታት ኤርትራ ክጣላዕ ‘ምበር፡ ህዝባውን ሃገራውን ረብሓን ክብርን ዝሰረቱ ንጹር መትከል ወኒኑ፡ ኣብዝን ብኸምዝን ክሰማምዕ ይኽእል’የ፡ ኣብዝን በትን ግን ኣይሰማምዕን ዝበለሉ፡ ካብ ተራ ፕሮፖጋንዳ ዝዘለለ ኣይተራእየን ኣይተሰምዐን። ናይ ሓደ መንግስቲ ፖለቲካዊ መትከል’ኮ ህዝቢ ዘይፈልጦ እቲ መሪሕነት ጥራሕ ዝፈልጦ ስውር ክኸውን ኣይክእልን። ናይ ሓደ መንግስቲ ራእይ፣ ስትራተጂ፣ ፖሊሲ ንዜጋታት ጥራሕ ዘይኮነ ክፈልጥ ንዝደሊ ፈታውን ጸላእን ብዘየደናግር ብግልጺ እኮዩ ተሰኒዱ ክቕርብ ዘለዎ። ፖለቲካዊ ራእይ ወይ መትከል’ኮ ናይ እግረ መንገዲ ስራሕ ኣይኮነን። ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ተሳትፎ ዜጋታት ኣብ ዝተረጋገጸሉ ወግዓዊ መድረኽ፡ ከም ኣርእስቲ ተላዒሉ፡ ነጥቢ ብነጥቢ ክትዕ ተኻይድሉን ብምሉእ ወይ ብኣብዝሓ ድምጺ ኣብ ስምምዕ በጺሑ ምስተሰነደን እኮዩ ብውሕዱ መትከልና ብሕጋዊ ሰነድና ተባሂሉ ክዝረበሉ ዝኽእል።

ብሳንቡኡ ዘስተንፍስ ሰብን ፖለቲካ ህግደፍ ግን፡ ኣይኮነን ከም ከውሒ ብእሳተ ጎመራ መኺኹ ዝተረረ መትከል ክህልዎ፡ ፖለቲካዊ መትከል ዝቕረጸሉ ሕጋዊ መድረኽ’ውን የብሉን። ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ውድብ ልዕሊ 24 ዓመት ሕጋዊ ጉባኤ ዘይምክያዱ፣ ሃገር ከም ሃገር ብዘይ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ክትነብር ምግባሩ፡ ( ነቲ በይኑ ነዲፍዎ ዝነበረ ብቅዋም 1997 ዝፍለጥ ሰነድ ሞይቱ’ዩ ምባሉ) ዘይመትከላዊ ንምዃኑ ካብ’ዚ ዝዓቢ መርተዖ የለን። ስሩዕን ሕጋውን ውድባዊ ጉባኤ፡ ዝሞቱ፣ ዝሃደሙ፣ ዝተኣስሩ፡ ዝደስከሉ መሪሕነቱ ዝመልኣሉ ኣኼባን ዘየካይድ፡ ርእሲ ኹሉ ሃገራዊ ሕግታት ዝኾነ ዝመርሓሉ ዝምረሓሉ ሃገራዊ ቅዋም ዘይብሉ ኣብ ምሉእ ምሕረት ሓደ ሰብ ዝወደቐ ህግደፍ ተሪር ሃገራዊ መትከል ኣለኒ ክብል ፖለቲካዊ ስድነቱ ካብ ምርግጋጽ ሓሊፉ ዝእመን መካትዒ ሓይሊ የብሉን።

ዘነይት ህዝባዊ ሃገራዊ መትከል ዘለዎ መንግስቲ’ኮ፡ ቅድም ቀዳድም ሃገራዊ ሰላም’ዩ ዘስፍን። በተሓሳስባን ብተግባርን ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ትካላትን ህይወት ረኺቡ ብነጻነት ክዋሳእን ክዕንብብን’ዩ ዝገብር። ኣምር ሕግን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ክሰርጽን ብተግባር ክትርጎምን’ዩ ዝሰርሕ። ድሕረትን ድኽነትን ካብ እንግድዓ ህዝቢ ንምውጋድ ዝዓለመ ዝተጸንዐን ፖሊሲ ልምዓትን ምዕባለን’ዩ ዝኽተል። ኣብ ሓባራዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተሰረተ ግሉጽ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሒዙዩ ዝምድና ዝምስረት። እዚ ናይ ግድን ክህሉ ዘለዎ መሰረታዊ ረቋሒታት’ዚ ህግደፍ ኣብ ዘመሓድራ ዘሎ ናይ ሎሚ ኤርትራ ይትረፍ ብተግባር ከም ሓሳብ ኣሎ ድዩ? መልስና የለን’ዩ። ኣብዘይ ህላወ’ዚ መሰረታዊ ነጥብታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ትማልን ሎምን ጽኑዕ ኣመትከሉ ዝብል ደኣ ከባይ ይብገስ? መልስና ሕጂ’ውን ካብ ፖለቲካዊ ስድነት።

ምኽንያቱ እቲ ኢና ዝበሃል ዘሎ ካብ ፖለቲካዊ ስድነት ዝምንጩ ምዃኑ፡ ጭቡጥ ህልዊ ኩነታት ህዝብታት ኤርትራ ምስክር’ዩ። ካብ ሰላም ተስፋ ሰላም የለን። ካብ ደሞክራሲ ጨና ደሞክራሲ የለን። ካብ ሕጊ ኣሰር

                                                    1

ሕግን ፍትሕን የለን። ካብ ልምዓት ኣንፈት ልምዓት የለን። ኩሉ የለን’ዩ። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ከኣ ህዝቢ ይብተን ኣሎ። ልኡላውነት መሬት ይድፈር ኣሎ። ካብ ህላወ ናብዘይህላወ የምርሕ ኣሎ። እዚ ኩሉ ህግደፍ ዘምጸኦ’ዩ።

ካብ’ዚ ጥረ ሓታት’ዚ ንምህዳም፡ ኣብ 1998 ብባርኾት ምምሕዳር ዋሽንግቶን ወራር ተፈጺሙና ብጽንዓት መኪትና ስዒርና፡ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ተማጒትና ባድመ ኣምሊስና፡ ብዝቐደሙን ዝደሓሩን ምምሕዳር ዋሽንግቶን ተዘሪና ፍትሒ ስእኒና፡ ዝመጽአ ይምጻእ ግን መንግስቲ ኤርትራ ወትሩ ኣብ ነቕ ዘይብል ሓራ ፖለቲካዊ መትከሉ ክደጋግም ይስማዕ። ፖለቲካዊ መትከልን ቋንቋ ሕግን ምስ ምልቃቕን ዘይምልቃቕን ቁሸት ባድመ ጥራሕ ከም ዝሰርሕ ገይሩ’ውን ይሰብኽ። ከም ጽንዓት ኣብ መትከል ገይሩ ይምህረሉ። ልዕሊ ባድመ፡ ዝጠፍአ ዘሎ ህዝቢ፡ ዝበርስ ዘሎ መንነት፡ ዝጉሕጓሕ ዘሎ ማዓድናዊ ጸጋታት ሃገር፣ ዝካረ ዘሎ ልኡላዊ ግዝኣት፣ ዝድወን ዘሎ ፖለቲካዊ ምስሊ ከም ዝቅድምን ከም ዝዓብን ኣይስቆሮን ወይ ኣየገድሶን።

ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ መትከል ከምዘይብሉ፡ ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ፖለቲካዊ ወሻሽም ክቐያይር ዝመሰዮ መንግስታዊ ጉጅለ ምዃኑ ህዝቢ ከም ዝፈልጥ ኣይፈልጥን። ናይ ገዛእ ርእሱ ድምጺ መሊሱ እንተሰምዐ ንህዝቢ ዘደናገረ ዘእመነ መሲሉ ስለዝስመዖ ግን ህዝባዊ ክመስል ይፍትን። ወትሩ ኣብ መትከለይ ይብል። “ወይ ጎቦ ኹን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ኢሉ ብወግዒ ናይ ኣሜሪካ መጋበርያ ምዃኑ ኣብ መጀመርያ 90ታት ገሊጹ። ድሒሩ ምስ ባድመ ኣተኣሳሲሩ ምምሕዳር ዋሽንግቶን ካብ ግዜ ፈደሬሽን ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ረብሓን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ እናበለ ቀጻሊ ጎስጓሳት ከካይድ ከምዘይጸንሐ፡ ሕጂ ድማ እነሆ ናይ ተለኣኣኽነት ልቸንሳኡ የሐድስ ከም ዘሎ ከይተሰከፈ ምስ መንግስቲ ኣመሪካ ንዛተ ኣለና ኢሉ። እዚ’ዩ መለለይ መትከል ህግደፍን ህግደፋውያንን። ካብ ዝሓለፈ ኣብ ክንዲ ምምሃር ከም ሕብሪ ነፋሒቶ ገልበጥበጥ ምባል፡ መሬት ክሳብ ዝመሲ ፖለቲካዊ ወሻሽም እናቐያየርካ ምንባር።

ብሓልዮት ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝፍኖ፡ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 20-04-2018