በዚ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ርቡጽ ወፍሪ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ፣ ዋላኳ ንሓጺር ግዜ ንሕልናን ስሚዒትን ገርሀኛ ህዝቢ ዝሰልብ እንተኾነ፣ግንከኣ ብልቦና  ክትክታተሎ ከሎኻ፣ ንፕሮጀክት ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት (ኒዮሊበራሊዝም ጽዮናውያንን) ንምትግባር ዘብዘብ ዝተወሰኾ ዕንክሊል ይብል ከምዘሎ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ሰብዚ ብፍላይ  ውላድ ወያነ ብሓፈሽ ድማ ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ ብስለላ መርበብ እንግሊዝን፣ ሞሳዓድን ተዓሊሙ፣ ብመደብ ንህዝቢ ስምዒቱን ባህጉን ዝሰልብ “ምድማር! ሰላም!፣ ፍቕሪ! ይቕሬታ”! ዝብሉ ጭርሖታት እንዳ ጨርሐ ይዋናጨፍ ኣሎ። እወ ብመጽናዕትና፣እዚ ሰብዚግዳይ ስለላ መርበብ ስለዝኾነ ኣይንተሃመለሉን ኢና። ይኣይ ወያኔስ ሃውርያት ክትወልድ፣ በቕሊ ትወልድ ኣንተትኸውን ነይራ ብዙሓት እባቕል ኣብ ዓለም ምሃለዋ ነይረን። 

ወያኔን ህግደፍን ብፍላይ ኢሰያስን ፍሉያት ኣባላት ፖሊት ቢሮ፣ ከም ብዓል ስዩም መስፍን፣ ስብሓት ነጋ፣ ኣባይ ጽሃየ፣ድሕሪ ጣዕሳ ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ንኣመሪካ ስለላ ንኽምሃር ዝተላእከ፣ ስየ ኣብርሃን ወዘተ…..ከኣ ገና ምስ ኢሰያስ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምዃኖም ኣይንተሃመለሎም። ክሰርቀኒ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ነይኣምኖ! መራሕቲ ወያኔን ኢሰያስን ኣባላት  ህግደፍ ብፍላይ ከኣ የማነ ገዘሀኝን (ማንኪ) የማነ ገብረ-መስቀል (ቻርሊ)ን ልዑላውነት ኤርትራ ንምፍራስ ዘለዎም መርገጽ ሓደ እዩ።

ፎርስተር ዱለስ ዝተባህለ ሰክረታሪ ወጻኢ ጉዳይ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቅድሚ ባይቶ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ቀሪቡ፣ ብወግዒ ንልዑላውነት ኤርትራ ግሂሱ፣ ንስትራተጂ ረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ ክንብል ኣንዳሓዘና፣ ኤርትራ ምስ ምሓዛና ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ በለ። ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ን66 ዓመታት ዝኣክል (1952 ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ.) መዘና ዘይብሉ መኸተ  ኣንጻር ጽዮንነትን ኮሚንስት ሶቭየት ሕረትን ኣካይዱ ተዓዊቱ። ካብ 2 ሚልዮን ንላዕሊ ዝኾኑ ደቂ ሃገር ድማ ጸኒቶም፣ (መጸናንዒ ቃል “ተሰዊኦም” ይብሃል።)  ሎሚ ግና ብውዲት መሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን ዝተኣልመ፣ ብሃንደበት ሃጠውቀጠው ግንከኣ ጽባሕ ዝፈሽል ጭርሖን፣ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሓብራ ኣለወን ዝብል ወፍሪ  ንዕዘብ ኣሎና።

ስለምንታይ እያ መንግስቲ ኣሜሪካ ሎሚ ንዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ንሰላዪ  ኢሰያስን ኣዋፊራ ድራማ ትሰርሕ ዘላን። መትክላን ፖሊሲኣን፣ እቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብ1952 ዓ.ም.ፈ. ዱለስ ዝተዛረቦን ብቬቶ ድምጹ ዝሃበሉን ስለዘይተቐየረ እይ ብመደብ ታሪኽ 1952 ሎሚ ዝድገም ዘሎ።  ክቡራት ተኸታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ሃገራውይን ኤርትራ እስከ ካብ የዋህነትን ግርህነትን ሓራ ኰንና፣ ነዚ ብዶር. ዓቢዪን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝጋልብ ዘሎ ስምዒታዊን ህንጡይ መስርሕ “ሰላምን ምድማርን ፍቕርን”! ብሓቂ ክትግበር ድዩ ወስ ንገርሀኛታት ኣሃሚሉ ክፈሽል እዩ ኢልን ንከታተሎ።

ኣብዚ ኣዋንዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ልእኻት መንግስቲ ኤርትራ ከም የማነ ገብርኣብን፣ ወጻኢ ሚስተር ኤርትራ ዖስማን ሣልሕ መሓመድን፣ ንስቴት ዲፓርትሜንት መንግስት ኣሜሪካ ምምልላስን፣ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድን ኣብ ዩናይት ኣራብ ኢሚራት ምርኻብን፣ ድሕሪ ምብጻሕ Principal Deputy Assistant Secretary for African Affairs Ambassador Donald Y. Yamamoto ንኤርትራን ኢትዮጵያን አርትራን ብተስፋታት ዝተጎልበበ ብዙሕን ግንከኣ ህንጡይን ተርእዮታት ይርአ ዘሎ። እዚ በዚ ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዝኸይድ ዘሎ ህዉኽ ህንጡይን መዝሙር “ሰላምን ምድማርን ፍቕርን” እንዳጨርሐ ዝውንጨፍ ዘሎ ወፍሪ፣ መንዩ ብድሒት ኮይኑ ዝዝውሮ ዘሎ? ስለምንታይከ ድሕሪ 27 ዓመታት ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ: ልዑላውነት ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ጠልጠልን ሓዲ-መዲግን ወዲቑ ከሎ፣ ሎሚ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሃንደበት ንህዝቢ ኢትዮጵያ፣ “ተደሚርና ኢና! ፣ መራሒና ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ እዩ! ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ሓደ ህዝቢ ሓደ ሃገር ኢና”! ክብል ተገዲዱ?

ዛጊት ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ስለምንታይ ውድብ ወያኔ ንሜዳ ወጺኡ? ተጋደልቲ ህቅሓት ንሜዳ ክወጹ ከለውኸ፣ ምስ ሻዕብያ ጽኑዕ ምሕዝነት ዝገበሩ ስለምንታይ ነበረ? ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይ?

ውዲታዊ ብልሓት ውድብ ወያኔ ብታሪኻዊን፣ መጎታዊን ትንተና።

ስዉርን ግሁድን ዓላማታት ውድብ ወያኔ ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ እንታይ ነይሩ?

  1. ሰልፊ መኤሶን ንምጥፋእ

  2. ንውድብ ድሕሪ ውድቀት ንጉስ ኃይለስላሴ ጸረ ደርጊ ንኽቃለሱ ንበረኻ ዝወፈሩ ብኢዱ ዝፍለጡ ንምጥፋእ። ኣጥፊኡዎም ከኣ።

  3. ንውድብ ኢፒኣርፒ ንምጥፋእ፣ ዝድምሰስ ደምሲሱ፣ ብጉጅለን ውልቀሰባትን፣ ከም ብዓል ታምራት ላይነን፣ በረኸትን ኣብ ወያኔ ጸንቢሩዎም።

  4. ንውድብ ተ.ሓ.ት. ኣጥፊእካ ብሓዲሽ ፍልስፍና ማርክሰ ለኒን ዝምራሕ ውድብ ህ.ው.ሓ.ት. ምምስራት። ከም ብዓል ኣረጋዊን ግደ ዘራጽዮንን፣ ካብ ላዕለዋይ መሪሕነት ተ.ሓ.ት. ኣውሪዶም ንስደት ከምዘምርሑ ገሮም።

  5. ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተላፊኖም ንተ.ሓ.ኤ. ንምድምሳስ። ደምሲሶማ ከኣ።

  6. ንውድብ ኦሮሞ ንምጥፋእ፣ ኣብ ሜዳ ክጻብኡዎም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ንኣዲስ ኣበባ ምእታዎም፣ ካብ ፓርላማ ሰጒጎሞምን ብታንኪ መንቒሶሞምን።

  7. ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ተላፊኖም ንግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ምድምሳስ

                      ስዉርን ግሁድን ወፍርታት ውድብ ወያኔ ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ

  1. ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘመናት ተዋሃሂዶም ክነብሩዝጸንሑ፣ ብፍላይ ሃብታማት ኤርትራውያን፣ ብሓፈሻ ድማ ንረፈረንዱም ኤርትራ ኣድሚጽኩም ኢኹም ዝተባህሉ ኤርትራውያን፣ ንብረቶም ወሪሱ ብባርባራዊ ስጉምቲ ንኤርትራ ጠሪዙዎም። ስለምንታይ? መሪሕነት ወያኔ ብነጻነት ኤርትራ ስለዘይኣምኑ።

  2. ሰንዓ ፎርም ስለምንታይ ተመስሪቱ መስረቱከ መንዮም ስለምንታይከ ተመስሪቱ?

    ፕሮጀክት ሰንዓ ፎርም፣ መታን ኤርትራውያን ጸረ ፋሺስታዊን ግዛይዊን መንግስቲ ህግደፍ መሰረታዊ ቃልሲ ኣካይዶም፣ መሰረታዊ ለውጢ ንከየምጽኡ ተባሂሉ፣ ኮነ ኢልካ ብውዲታዊ መደብ፣መሃንድሳት ማከላይ ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካን (ሲ.ኣይ.ኤ.)፣ ስለላ መርበብ መንግስቲ እንግሊዝን (ኤም.ኣይ.6)ን፣ ስለላ መርበብ እስራአል (ሞሳዓድ)ን፣ ዝቖመ እከይ ፕሮጀክት እዩ ዝነበረ። ሕቡእ ኣጀንድኡ ድማ ተቓወምቲ ውድባት ኣብ ወጻኢ ከይስስና ተባሂሉ ዝተማህዘ ውዲት እዩ ዝነበረ።

    እቲ ፕሮጀክት ሰንዓ ፎርም፣ ብ3 ሃገራት ተማእኪሉ ንኽትግበር ዝተሓንጸጸ እዩ ዝነበረ። ብድፍኢት መሃንድሳት መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራአልን ግና፣ እተን ክልተ ሃገራት ሱዳንን የመንን እቲ መደብ ዕዮ ከይተጀመረ ተሰሪዘን። ብኣንጻሩ ግና  እቲ ዋና መተኣኻኸብን መራኸብን ውድባት ኤርትራ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ጥራይ ክኸውን ተመደበ። ካብኡ መራሕቲ ወያኔ ነቲ ን3 ሃገራት ዝተመደበ ባጀት ተዋሂቡዎም፣ ነተን ክልተ ሃገራት ሱዳንን የመንን ኣወጊኖም ባዕሎም ነቲ ፕሮጀክ ዝርገት ጠቕሊሎም ሓዝዎ። እቲ ኣኼባታት ውድባት ኤርትራ ድማ ኣብ ሱዳንን የመንን ምዃን ተሪፉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ኽኸውን ተገደደ። ካብኡ መራሕቲ ወያኔ ገበርትን ሓደግትን ጉዳይ ተቓውሞ ኤርትራ ኮይኖም፣ ነቶም ውድባት ኤርትራ ካብ ፈቐዶ ወጻኢ ሃገራት ጸዊዖም፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ጎንደርን ሽረን ኣዋሳን ኣኼባታት ንከካይዱ መደብሎም። እዚ ኮይኑ ግና ብረታዊ ውግእ ጸረ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ከየካይዱ ነገሩዎም።

    ኢሰያስ መንዩ?

    https://youtu.be/gnHRMvVuoXU

     ንመረዳእታ፣ ወያኔ ንልዑላውነት ዝኣምኑ እንተዝኾኑ ነይሮም፣ ስለምንታይ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ኤርትራውይን፣ ከም ብዓል ዘካርያስ ንጉሰ፣  ብምትሕብባር ወያኔ ኣብ ከተማ ደሴ፣ ወሎ ክፍለ ሃገር፣ ብጥዪት ተረሺኑ፣፣ ገብረብርሃን ዘርኤ ተጋደልቲ ንኽዕጥቕ መሳርያ ጽዒኑ ንኹመራ ምስከደ፣ ብምትሕብባር ወያኔ ተጨውዩ፣ ክሳብ ሎሚ ድሃዩ የልቦን። ስዩም ሓረስታይ ድማ ኣብ ኣብ ማእከል ኣዲስ ኣበባ ብስዉር ተሰሚሙ ተቐዚፉ።

    ኣስተብህል እዞም ኣብ ኣዲስኣበባ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ብዓል ጥሩነሽ እንዳዕለሉ፣ ንመንግስቲ ህግደፍ ከምዘይ ቅዩሩዎ ብሩህ እዩ።

  3. እቲ ብስም “ሰንዓ ፎርም ተመስሪቱ፣ ብመንግስቲ ሱዳንን መንግስቲ የመንን ኢትዮጵያን ተማእኪሉ: ንውድባት ኤርትር ጠርኒፉ ንዲክታቶር ኢሰያስ ካብ ስልጣኑ ገልቢጡ፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት”፣ ዝብል ዘይፍጸም ተስፋ ዝነበረ፣ ብስነኣእምራዊ ሜላ ተጠቒምካ ጸረ ልዑላውነት ኤርትራ ዝተበገሰ ፕሮጀክት ጥፍኣት እዩ ዝነበረ።  ብኻልእ ኣገላልጻ፣ ንዝርድኦ ሃገራዊ፣ ውድባት ኤርትራ ንኸይቃለሱ ዘቃልስ መደብ ዕዮ እዩ ተመዲቡ።  እቲ ከይጎበዘ ዝኣረገ “ምሕዝነት” ዝብሃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብወያኔ ጠሰኒዑ ዝተመስረተ፣ ግንከኣ ካብ 13  ዝበዝሓ ውድባት፣ ባጀት ብወያኔ ተሰሊዑሉ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ንኣብ ወጻኢ ዘሎና ተስፋ ቃልሲ ዝህብ ውድብ ተመስረተ። እቲ ብፍላይ ብፕሮጀክት መሃንድሳት ባዕዳውያን ሃገራትን፣ ብሓፈሻ ድማ ብወያኔን ዝተመስረተ “ምሕዝነት“ ኣምብር ኣቦ ወንበር ሕሩይ ተድላ መሪጹ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዓሪዱ ይኣይ ብዘይ ብረታዊ ተቓውሞ ንኢሰያስ ክዓሉ ስርሑ ጀመረ። እታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ።

    ቁሩብ ዓመታት ከይጸንሐ ከኣ ፋሕ ብትን በለ። ድሕሪ ክንደይ ዕንክሊል ድማ ብሕዳሪናይ መለስ ዜናዊ ዝተማእከለ ሓዲሽን ውላድ ምሕዝነትን ዝኾነ “ኪዳን“ ዝብሃል ውድብ ቆመ። እዚ ውድብ እዚውን ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝኾኑ፣ ግንከኣ ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ እኽብካብ ኤርትራውያን ሒዙ ዝተበገሰ፣ ሓዲሽ ውድብ ነበረ። እዚ “ኪዳን“ ዝብሃል ውድብ’ውን ከይቀነየ ደኣ ፈረሰ። ማዕረ ማዕረ ምሕዝነት ይኹን ኪዳን ግና፣ ብወያኔ ዝምወላ ንኣሽቱ ውድባት፣ ከም ውድብ ኩናማ፣ “ውድብ ዓፋር“፣ “ሰልፊ ኣልናህዳ“፣ ወይ “ብሔረ ጀበርቲ“ ዝብሃላ ነበራ።

    ኣስተብህል፣ ክሰርቀኒ ከሎ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ከሎ ነይኣምኖ ከምዝብሃል፣ ብወገን ህግደፍ ድማ ካብ ኣስመራ ተላኢኾም ንህግደፍ ዝድግፉ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ከም መስፍን ሓጎስ፣ ኣድሓኖም ገብረማርያም፣ ዓብደላ ኣደም፣ ዶር. ዓንደብርሃን፣ ዶር ኣሰፋው ተኸስተ ገርጊስ፣ መሓመድ ሸንገብ ወዘተ…. ዝኣባላቱ ሓደ ውድብ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ከምዘዋፈረ ሓላፍ መንገዲ ዝፈልጦ ግሁድ ውዲት እዩ። እዚውን ድሕሪ ክንደይ ኮለል ሎሚ ኣብ መድረኽ እትብሃል ጉጂለ ተሓጺሩ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዕንክሊል ይብል ኣሎ።

    ኣስተብህል፣ ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ሓደ ውዲታዊ መስርሕ ኣሎ። መራሕቲ ወያኔ እንብኣር፣ ይኣይ ገበርትን ሓደግትን ጉዳይ ኤርትራ ኮይኖም፣ ነቶም ካብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውይን፣ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ኮይኖም እንተድኣ ተቓሊሶም ክዕወቱ ስለዝኾኑ፣ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ጅሆ ኣኪቦም፣ ንኸይቃለሱ መታን ክቃለሱ፣ ካብቲ ባጀት ሰንዓ ፎርም ብማንካ እንዳ ቀድሐ ክስርፍዎም ዝጸንሐ።

    ብዛዕባ ውዲታዊ ምስረታ ሰንዓ ፎርምን ስዉር ኣጀንዳኡ ዝፈልጡ ምሁራት ኤርትራውያን ከምዝሓበሩና፣ ወያኔ ንጉዳይ ተቓውሞ ውድባት ንምፍራስ፣ ካብ 5 ቢዮን ንላዕሊ ባጀት ተዋሂቡዎ እዩ። ወያኔ እቲ ቀንዲ ተልእኾኡ ካብ 1974 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ዕንክሊል ክብል ዝጸንሐ፣ ሻዕብያ እንተድኣ ደኺሙ መተካእታ ሻዕብያ ኮይኑ፣ ብውዲት ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር እዩ። እዚ ድማ ፕሮጀክት መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እዩ። መራሕቲ ወያኔ ብቐደሙ ብዛዕባ ሃገራውነት ሓሲቦምን ተገዲሶምን ከምዘይፈልጡን፣ ህርፋን ገንዘብን፣ ምስጢር ምዕቃብን ከምዘለዎም ብምሃንድሳት ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ስለዝተጸንዐ፣ ንስትራተጂ ጽዮናውያን ንኸተግብሩ ተባሂሎም ብመደብ ዝተማህዙ ጭፍራ እዮም።

    እንሆ ከኣ ሎሚ ኢህግደፍ ክደክም ምስጀመረ፣ ወያኔ ብስም ሰልፊ ኢህኣደግ ንሓደ ኣየስላማይ ኣይክርስትያን ዝኾነ ሰላዪ መንእሰይ ወዲ 43 ብስለላ መርበብ aንግሊዝ ዝተመልመለ፣ መተካእታ ኢሰያስን ወያኔን ኮይኑ፣ “ሰላምን“! “ፍቕርን“! “ምድማር“ን! ዝብሉ ጭርሖታት እንዳጨርሐ ፕሮጀክት ጽዮናውያን ንምትግባር ንሕልናን ስምዒትን ህዝቢ ኢትዮጵያ መዝሚዙ እንዳ ስሓቐ ክሕንበብ ንርእዮ ኣሎና። እዚ ሰብዚ ቅድሚ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ምምራጹ፣ ንስቴድ ዲፓርትሜንት ኣሜሪካን፣ ንቀጠርን እንዳተመላለሰ ብስዉር ምስ ኢሰያን የማነ ማንክን ክራኸብ ምጽንሑ ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና።እንዳ ተማላለሰ ምስ ኢሰያስ ክራኽብ ድሕሪ ምጽናሕ ከኣ እንሆ ሎሚ ምስ ኢሰያስ ውልቃዊ ቃልኪዳን ክኣስሩ ከለው ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና።

    ኣቐዲምና ድማ ኣንቱም ሰባት ኣይትተሃመሉ፣ እታ ብርኩታ እምኒ ኣላታ! ኢልና ሓቢርና ኢና። ግና እቶም ብውዲታዊ ፕሮፓጋንዳ ዝደንዙ ብስም ተቓውሞ ኤርትራ ንኣዲስ ኣበባ ክመላለሱ ዝጸንሑ ክሰምዑና ኣይደለዩን። እቲ ውዲታው ተግባራቶም እንታይ ከምዝኾነ ድማ እንሆ ሎሚ ክግሃድ ንርእዮ ኣሎና። ኢሰያስ ኣብ ብዓል መዓልቲ ስውኣት፣ ንህዝቢ ንከታልል፣ ወያኔ (“Scavengers “! = ትርጉሙ ካብ መሬት ኣርዩ ዝበልዕ ድኻ ማለት እዩ! “Game over“! ከኣ = መድረኽ ወያኔ ኣብቂዑ እዩ ማለትዩ።) ክብል ግዒሩ። ካብኡ ጸኒሑ ድማ ንኸምስል ንትግራይ ዘሊሉ፣ ምስ ኣምሓራን ኦሮሞን “ዶር. ኣብዪ ኣሕመድ መራሒና እዩ” ኢሉ ቃልኪዳን ኣሲሩ። እቲ ግሁድ ውዲት ግና፣ “ንለባምን ኣምተሉ፣ ንዓሻ ከኣ ደርጉሓሉ”! ከምዝብሃል፣ ወይኔን ኢሰያስን ዋላኳ ተሳዒሮም እንተኾኑ፣ ብውዲት ጎይተቶም ጽዮናውያን፣ ቅድሚ ምሕግሓጎም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ኮይኖም፣ ነቲ ብድፍኢት ጽዮናውያን ተመልሚሉ ዝሰልጠነ መንእሰይ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ማእከሎም ልኢኾም፣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንኽጽንብሩዋ ገልዳሕ ይብሉ ከምዘለው፣ ንዕዘብ ኣሎና።

    ኣበይ ከምዝበጽሑ ድማ ጥዕና ጥራይ ይሃበና እምበር ንኹሉ ውዲታቶም ክንበጽሖ ኢና። ገመል ሰሪቕካ ጉንቡሕ-ጉንቡሕ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንርድኦ ኢና። ርግጽዩ፣ ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ከምዝከኣል፣ ብዙሕ ግዜውን ከተታልሎ ከምዝክኣልን፣ ግንከኣ ንዘልኣለም ከተታልሎ ከምዘይከኣል፣ እንሆ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ወያኔን ህግደፍን ዘሎ ውድቀት በሪሁ ንርእዮ ኣሎና። ኣገልገልትን ዕሱባትን ጽዮናውያን ስለዝኾኑ ግና፣ ከይሓፈሩ ኣብትሕቲ ሓለዋ ጎይተቶም ኮይኖም፣ ብፍላይ ንህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ፈላልዮ ከጽንቱዎ ክፍትኑ እዮም። ኣብዛ በጺሕናያ ዘሎና መድረኽ 2018 ዓ.ም.ፈ. ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ረቂቕ ውዲታዊ ምስርሕ፣ ንመጻኢ ሰላምን ፍቕርን ዘይኮነስ ጥፍኣትን ህልቀትን ከምዘስዕብ ተረዲኡ፣ ተቓውሞኡ ከርኢ መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ምስኩለን ኣውራጃታቱ ብግቡእ ተደሚሩ፣ ህዝቢ ትግራይ ምስኩሉ ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ተጽዕኖ ወያኔ ተደሚሩ፣ ህዝቢ ኣምሓራ ድማ ነቲ ወያኔ ብክልል ገሩ ፈላልዩዎ ዘሎ መኪቱ ህዝቢ ኣምሓራ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ተደሚሩ፣ ህዝቢ ኣሮም ድማ ምስኩሎም ህዝቢ ኦሮም ተደሚሩ፣ ካብኡ ኩሎም ህዝብታት ምስተደመሩ ጥራይ እዩ ብሓቂ ተደሚርና ክብሃል ዝከኣል። ካብኡ ሓሊፉ ዝግበር ምደማር ግና ምጕዳልን ጥፍኣትን ጥራይ እዩ ሳዕቤኑ።

ኣስተብህል፣ ወያኔ መተካእታ ኢህግደፍ ኮይኑ ንጉዳይ ኤርትራ ንምዝራግ ከምዝተመስረተ፣ በዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ነጥብታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓደ ተራ ሰብ ብቐሊሉ ንወያኔ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ክርድኦ ዝኽእል፣ 3ተ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዋ። ንሳተን ድማ እዘን ዝስዕባ እየን፣

1ይ. ምስ ሻዕብያ ተላፊኑ፣ ንተጋድሎ ሓርነት ካብ መሬት ኤርትራ ዝሰጎጐላ ዕለት

2ይ. ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ንዘመናት ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ገንዘቡን ንብረቱን ዘሚቶም ንኤርትራ ዝጠረዙላ ዕለት

3ይ. ብዓቢኡ ድማ ብዶባዊ ኲናት ኣሳቢቦም፣ ብፓርላማ ወሲኖም ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ምውልዖም፣

ኣስተብህል፣ መራሕቲ ወያኔን መራሕቲ ህግደፍን ካብ መጀመርያ ብመሃንድሳት መንግስቲ እንግሊዝን ኣሜሪካን ክምስረቱ ከለው፣ ሕቡእ ኣጀንዳ ተኾልኲሎም ንሜዳ ከምዝወፈሩ፣ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምዃኖምን ዘተሓታት ኣይኮነን።

እወ! ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልተ ግጥሚ ቍጥሚ፣ወያኔን ህግደፍን፣ ክበቚሉ ከለው ጀሚሮም፣ ነቲ ጸረ ሰውራን ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾነ ስትራተጂ ዘተግብር ፕሮጀክት መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን ንኸተግብሩ እዮም ንሜዳ ወፊሮም። ነዚ ውዲታዊ ተግባራቶም ዘግህድ ድማ ብዙሕ ጭብጥታትን መረዳእታትን ኣሎ።

ምዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ከምዝብሃል፣ ምስግዝየ ምንዋሕ እምብኣር ድሕሪ 27 ዓመታት ዕንክሊል ምባሎም፣ እንሆ እዞም ክልተ መሳርሒ ጽዮናውያን ክናናን ምናናን መራሕቲ ህግደፍን ወያኔ፣ ሎሚ መድረኾም ከምዝኣኸለ ንኹላትና በሪሁልና ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብዚ እዋንዚ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ብዙሕ ክጎዪ ንዕዘቦ ኣሎና። እዚ ድማ ሓደ ውዲት ኣለዎ፣ ንሱ ድማ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይነቕሐ ከሎ ብዕበጦ ዕበጦ ኣደንቊሮም ንኽገዝኡዎ ክዋናጨፉ ንዕዘብ ኣሎና። ስለዝ ቅድሚ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ይደመር፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጡ ይደመር፣ ህዝቢ ኣoሮሞ ኣብ ውሽጡ ይደመር፣ ህዝቢ ኣምሓራ ድማ ኣብ ውሽጡ ይደመር፣ ካብኡ ብንቕሓት ኩሉ ህዝብታት ንኽደማመር ጸገም የለን። በዚ ሕጂ ዝኸይድ ዘሎ ዘኽዞኽ ግና ክንደማመር ዘይኮና ክንጠፋፋእ ኢና።

ክ ቕ ጽ ል ዩ…….

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ካብ ወራር ኣዕራብን፣ ወራር መሓመድ ግራኝን፣ ወራር ቱርክን፣ ወራር ግብጽን፣ ወራር ሱዳን ማህድን፣ ወራር ኮሎንያል ጣልያንን፣ ኮሎንያል እንግሊዝን፣ ወራር ኩርኩር ጽዮፕናውይና ንጉስ ሓይለስላሴን፣ ወራር ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግን ዝሓገዞ ኣምላኽ፣ ሎሚ ድማ ካብ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስን ዕሱባት ጽዮናውያን ኣትማን መራሕቲ ወያኔን የድሕኖ!!!1

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
22 ሓምለ 2018