ብሼኽ መሓመድ ዝተወፈየ ዘመናዊ ዓለምለኻዊ ህንጻ ሜዳ ኵዕሶ (ስታድዩም) ኣብ ኣውራጃ ወልድያ ወሎ ብዶክቶር ኢንጅነር ኣረጋ በላይ ተሰሪሑ።

ኣብታ ሓዳስ ኤርትራ እትብሃል ብመራሕ ኩባንያ እትግዛእ ሃገር፣ ስታድዩም ይኹን ዩኒቨርስቲ ክሃንጹ ዝኽእሉ መንእሰያት ከለዋ ብመራሕ ኩባንያ ዓስከር ጽዮናውያን ኢሰያስ ትኣጊዶም። ነታ ሃገር፣ ብኣንጻሩ ግና ንኣስታት 20 ዓመታት ” ሃገራዊ ኣገልግሎት ” ብዝብል መታለሊ ወፍሪ ኣዊጁላ። ንሓደ ሚልዮን ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ዶብ ሱዳን ዳጒኑ ኣይእሱራት ኣይሕዩራት ሓዲግ መዲግ ገሩ ስለዝሓዞም፣ ሃሃዲሞም ንሳራን ማaከላይ ባሕርን ይጠፍኡ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዓለምለኻዊን ዘመናዊን ሜዳ ኵዕሶ ይትረፍስ ፈኛትይቱራ ከተማታት ኣስመራ ተዓቢሱሉ ዘሎ እዋን እዩ።

እታ ሓንቲ ዝነበረት ሳንታፋሚሊያ ዩኒቨርሲቲ እትብሃል ከምትዕጾ ተገሩ። ህዝቢ ከተማታት ኤርትራ ድማ ማይ ዝስተን መብራህቲ ዝበርህን ስኢኑ ክቝዝም ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።  ኣብ ኢትዮጵያ ግና እዚ ንዕዘቦ ዘሎና ምዕባሌታት ይርአ ኣሎ።

እቲ  ተባዕታይ ወኻርያ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ግና፣ መላእ ዓመት ንጎይቶቱ ጸብጻብ ከቐብል ንቀጠር እንዳተመላለስ ከሕልፎ ድሕሪ ምጽናሕ፣ “ኣሎኹ ማለት”፣ ንህዝቢ ንምትላል፣ በቲ ንሶም ዝሃቡዎ እከይ ምኽሪ ተመሪሑ፣ ኣብ ተለቪዕዥን ቅልቅል ኢሉ፣ ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት ፈኒዩ ጭርኡ ደጒሉ ከኣ ንዓዲ ሃሎ ወይ ኣብቲ ጎይተቱ ስለላ መርበብ ሞስዓድ ዘለውዎ ይዅብልል።ካብኡ ድማ ንዓዲ ሃሎ ተመሊሱ ምስ ጠንቆልትን ኣጋንንትን ይሓድር።

እዚ ንትውልዲ ዝመሓላለፍ ስታድዩ እዚ ኣብ ከተማ ወሎ ብሸኵ መሓመ ሑሴን ወዲ ወሎ ዝተወፈየ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ካባንያ ጽዮናውያን ህግደፍ ከሎ ምዕባሌ የለን።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ብዙሓት ሃብታማት ኤርትራውያን ንኤርትራ ኣትዮም ትካላት ክገብሩ፣ ንንግዲ ሚንስተር እንዳ ህግደፍ ክሓቱ ከለው  ግና ወይ ይእሰሩ፣ ወይ ገንዘቦም ብህግደፍ ተዘሚቶም ኣብቲ ዝመጹዎ ሃገራት ተጠሪዞም ይኸዱ።