ኣብ ጸቢብ ጸበባ ጭንቂ ህሞት
ተጻዊሩ ጽምኢ ጥምየት
ምስ ሕሽከት ሰራዊት
ወናን ኣየር መዳፍዕ ታንክታት
ገጢሙ ውጋኣት
በቶም መርዛም ጋዛት
ዝዘንቡ ቦምባታት
ተወንጫፊ ሮኬት
ብልጭታ ማሕታታት
እሳተ ጎመራ ተፊኦም ጎቦታት
ትኪ ዓብሊኹዎም ተሸፊኖም ጸልማት

ሰማይ ተሓቚና ኣንቀጥቒጣ መሬት
ዘይዓጅቦ ኤርትራዊ ሓየት|
ኣብቲ ጽዕጹዕ ውግእ ቀውጢ ህሞት
ፈጻም ቅያ ገባር መስተንክራት!!

ጅግና በጽሒ ኤርትራዊ ተባዕ
ቆራጽ መዓንጥኡ ዘይብል ሰጋእ
ሓደ ምስ ዓሰርተ ኣትኪሉ ዝዋጋእ
ዓወት ዝጎናጸፍ ታንክታት ዘባርዕ
ሰራዊት ዝማርኽ ኣጽዋራት ዝምንዝዕ
ብጥይት ክቘስል ክስንክል ክስዋእ

ኣንታ ሓሹል ምልኻዕ ሜልኡ
ኣበይ ድኣ ኔርካ ሽዑ?
ጀጋኑ ምዑታት ክዋግኡ
ገለን ክስንክሉ ገለን ክስውኡ
ሕጻ ክድበዩ ፍልሖ ክብልዑ
ኣየ መጣምዒ ዘርኢ መርገም
ኤርትራዊ ባህሪ ዘይብሉ ደም
ገዳይም 30 ዓመት ብጾትካ ትጠልም
ብዘይ መርትዖታት ከም ሕጊ ዓለም
ትኣስር ተሳቒ ዒራዒሮ ሕሉም (Valley ሽንጭሮ)

ኣእምሮ ተዘንብል ኣዒንቲ ተግህም
ተደንስ ተማህምን ትቐትል ተሕምም
ርህራሀ ዘይብልካ ክንደይከ ትሓስም
ኣራዊት ወሊዳ እዛ ብርኽቲ ሃገር
ዓዲ ሥርዓት ዓዲ ምክብባር
ዓዲ ሕጊ ዓዲ ምጽውውዋር
ዓዲ ኣምነት ዓዲ ሥነ-ምግባር
ክርስትያን ኣስላማይ ብዓል ጽቡቕ ተግባር
ንሓጥያት ዝፈርሓ ሕማቕ ንኸይገብር

ኣደ ጅግና ገበር ቅያ ሓየት
ነዊሕ ዝርኣዩ መሃንድሳት ኲናት
ኣደ ምሁር ማእምር ተንታኒ ነገራት
መስዋእቲ ውላዳ ኣይተነግረት
ፋይሉ ተዓጽዩ በቲ እከይ ፍጥረት
ዕለታዊ ደበስ ከይረኸበት
ንብዓታ እናዛረ ብቑዘማ ብኽያት
እንካብ ዓለም ተፋላልያ ብሞት

(ኤርትራዊ ሑመር)

ይቕጽል

https://youtu.be/gnHRMvVuoXU
ለመሆኑ ኢሳያስ አፈወርቅ ማነው?
https://youtu.be/eBOpnefcsG0

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት- ኣግኣዝያን
18.02.2017