1ይ ክፋል

ካብ ብሕልሚ ምምባር፣ ታሪኽ ፈሊጥካ ክትዛተ ከሎኻ፣ ኲሉ ግዜ ረታዓይ እምበር ተረታዓይ ኣይትኸውንን ኢኻ !

 መእተዊ፥

ኤርትራ ብ1890 ዓ.ም.ፈ. እያ ብመንግስቲ ጣልያን ከም ሃገር ዝቖመት።
ቅድሚ መንግስቲ ጣልያን ግና እቲ ህዝቢ በበውራጃኡ ኣስላሙ ክርስትያኑ ብስኒትን ብሓውሲ ፈደራላዊ ምሕደራ እዩ ክመሓደር ጸኒሑ። ንመረዳእታ ምዕራባዊ ቆላ፣ ብመሻይኽን ብደግለላትን፥ ከንቲባታትን ክመሓደር ከሎ፥ እቲ ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መሬት ደንካልያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ድማ፣ብሱልጣናት ይመሓደር ነበረ። እዘን ኩለን ዞባታት ድማ ብሓውሲ ፈደራላዊ ምሕደራ ነብሰን ክኢለን ባዕለን ንባዕለን የመሓድራ ነበራ ። ይኹን እምበር ሓሓሊፉ ወራራት ባዕዳውያን ከጋጥሞም ከሎ ብሓባር ተላፊኖም እዮም ዝምክቱዎ ነይሮም። እቲ ከበሳዊ ሸነኽ ከኣ፣ ካብ ቅድመ-ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ክሳብ 600 ዓ.ም.ፈ. ብነገስታት፣ ካብ 600 ክሳብ 17 ክፍለ-ዘመን ብባሕረ ነገስታት ክመሓደር ጸኒሑ። ድሕሪ ስዕረት ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ብራእስታት ጸዓዘጋን ሃየጋን ክመሓደር ከሎ ኣብ ከባቢ ኣከለጉያይ ይኹን ሰራየ ግና በብሕጊ እንዳብኦም ተማእኪሎም ብወከልቶም ይመሓደሩ ነይሮም። ኩሉ ግዜ ጸላእቲ ብቀዪሕ ባሕርን ብሱዳንን ስለዝቕልቀሉ ዝነበሩ፣ ወራር ቱርኪ ካብ 1557 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ካብ ሕርጊጎ ከይወጸ፣ ንኣስታት 350 ዓመታት፣ ኣብ ገማግም ቀዪሕ ባሕርን፣ ባጽዕን፣ ከባቢኣን ክገዝእ ድሕሪ ጸንሐ። ብ1560 ዓ.ም.ፈ. ግን Özdemir Pasha ዝተባህለ ቱርካዊ መራሒ ብደቂ ናይብ ተመሪሑ ንድባርዋ ክወርር ፈተነ፣ ንድባርዋ ምስ በጽሐ ግና ብጅግና ባሕረ-ነጋሲ ኢሳቕ ዝምራሕ ኤርትራዊ ሓይሊ ተደምሲሱ ዓረበ።

ኣስተብህል፣ ወራር ቱርኪ ካብ መጀመርያ ክሳብ ትሳዒሩ ዝወጽእ ባዕሎም ደቂ ምድረ ባሕሪ እምበር ትግራዎት ወይ ኣምሓራ ተላፊኖም ሓጊዮም ኣይፈልጡን።

ድሕሪ ውድቀትን ስዕረትን ወራር ቱርኪ ከኣ፣ ወራር ግብጺ ተተክአ። ግብጺ ድማ ምስቶም ቱርኪ ተማእዚዮም ክገዝኡ ዝጸንሑ ደቂ ናይብ፣  ከም ወኪል ቱርኪ ኮይኖም ምስ ወራር ግብጺ ተማእዚዞም ከም ወኪላት ኮይኖም ኣብ ሕርጊጎ ይገዝኡ ዝነበሩ ከኣ እቶም ብ”እንዳ ናይብ”፣ ዝፍለጡ ደቂ ሕርጊጎ እዮም። (ናይብ ማለት ብዓረብኛ ቋንቋ ወኪል ወይ ምስሌነ ማለት እዩ።) ድሕሪ ግዝኣት ቱርኪ ግብጻውያን ንመሬት ሳሕልን ባርካን ክሳብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ይገዝኡዎ ነይሮም። ንብዙሓት ክርስትያን ዝነበሩ ደቂ ሰኒሒትን ሳሕልን ብቐስብ ዘመስለሞም ድማ ወራሪ ግብጺ እዩ።

ኣስተብህል፣ ኣብቲ ዘመንቲ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ይኹኑ ብፍላይኳድኣ መሳፍንቲ ትግራይ ብዘይካ ክወሩን ክዘምቱን እንተዘይኮይኖም ንህዝቢ ምድረባሕሪ ኣብ ጸገሙ ክሕግዝዎ መጺኦም ኣይፈልጡን። ንመረዳእታ፣ ንጉስ የውሃንስ ዝልኣኾ ሸቃ ኣሉላ ይብሃል ተንቤናን ቅድሚ ኮለንያል ጣልያን ንኤርትራ ምውራሩ ን10 ዓመታት ብሽፍትነት ንህይቢ ከበሳ ገዚኡዎ እዩ።

ንመረዳእታ፣

ኣብ ዘመነ ንግስነት ጎንደር፣ ካብ 1729 ክሳብ 1753 ዓ.ም.ፈ. ሳላ ራእስታት ጸዓየጋ ዝልዓለ ጫፍ ዕብየት ስልጣኑ ኣረጋጊጹ ይነበረሉ እዩ። ራእሲ ዓንዳ-ሃይማኖት ብዓል ጸዓዘጋ ክሳብ ዓድዋ ግዝኣቱ እዩ ዝነበረ። ኣብ ዓድዋ ድማ ንሓደ ሚካኤል ስሑል ዝብሃል ተንቤናይ ኢሎም “ብላታ” ዝብል ስልጣን (“በል-ኣታ”! ማለትዩ) መጽወትሉ።  ንራእሲ ዓንደሃማኖት ወኪሉ ድማ ንዓድዋ ከማሓድር መዘዝዎ። ብድሕሪኡ ግና ኣዘንጊዑ ንራእሲ ዓንዳሃይማኖት ዘናሹ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዓድዋ የካዪድ ከምዘሎ ወረ ምስተሰምዐ፣ ሓደ  ዋጣ ከምዚ ኢሉ ራእሲ ዓንደሃይማኖት ማሰየሎም፣-

ደርመን ከመዓልካ ደርመን!
ከዳዕ እያ ጠላም እያ ዘመን!
ሓወይ ኢልካ ትግራዋይ ኣይትእመን!

ራእሲ ዓንድሃይማኖት ግና፣ ዋጣ ዝበሎም ከይሰምዑ፣ ንዓድዋ ክምለሱ ወሰኑሞ፣ ገና ኣብ ጒዕዝኦም ከለው፣ጠላም ሚካኤል ግን ኣብ መንገዲ ኣዘንጊዑ ተሓቢኡ ጸኒሑ ብቓጻ ቀንጸሎም።

ራእሲ ሚካአል ስሑል፣ ካብ 1735 ክሳብ 1780 ዓ.ም.ፈ. ን40 ዓመታት ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ቅሳነት ከልኦ።  ብፍላይኳድኣ ኣብ መንጎ ሃዘጋን ጸዓዘጋን ደማዊ ዂናት ሓድሕድ ወሊዑ ኣባኣሶም። ድሕሪ ክንደይ ግፍዕን ጭቆናን ግና ጅግና ባሕረነጋሲ በኺሩ ኣብ ምስያም ይብሃል ምድረ ጽላም ሎሚ ሰራየ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ዝወርር ግና ኣብ ለጎጭዋ ሓማሴን ዝነበረ ቦታ፣ ኣርኪቦም ስዓሩዎ። ሚካኤል ስሑል ድማ ሞተ።ድሕሪ ሞት ራእሲ ሚካአል ስሑል፣ ትግራይ ኣብ ኢድ ብዙሓት መሳፍንቲ ወደቐት። ሩፊሎ ፐርኒ ከምዝብሎ፣ ሚካኤል ስሑል፣ ኣባታዊ ሕጊን፣ ባህልን ልምድን፣ ህዝቢ ሰራየ ከምዘርከሰ ይሕብር። ትግራዎት ክሳብ 3ይ ወለዶ ዘይቆጽሩን፣ ሕጊ መሳፍንቲ እምበር ሕጊንዳባ ዘይነበሮምን ህዝቢ እዮም።

*ኮልመዲን ዛንታ ጸዓየጋን ሃየጋን ኣብ ገጽ 91 ክሳብ 94 ተወከሱ።*እስከ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ቅሳነት ዝኸልኡዎ ዝነበሩ ካልኦት መሳፍንቲ ትግራይ ከኣ ክንጠቕሶም፣-
1) ራእሲ ወልደስላሴ ጨሎቖት ብዓል እንደርታ፣ ካብ 1780 ክሳብ 1816 ዓ.ም.ፈ. ንወዲ ሚካኤል ስሑል ስዒሩ ከኣ ላዕለዋይ ስልጣን ሓዘ። 36 ዓመታት ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ቅሳነት ከልኦ። እዚ ወረበላ  መስፍን ጨለቖትዚ ድማ፣ ተንኮልን ቀጻሊ ደም ምፍሳስን፣ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰራየ ኣስዒቡ እዩ ሓሊፉ።2) ደግያት ሱባጋድስ 1818-1830 ዓ.ም.ፈ. ካብ ዓጋመ ኮይኑ መበቆል ዓሌቱ ኢሮብ እዩ። እዚ መስፍንዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ብዙሕ ማህሰይቲ ፈጺሙዩ። ንህዝቢ ኣከለጒዛይ ግን ከንበርክኾ ኣይከኣለን። ተሳዒሩ ድኣ ንህዝቢ ዓጋመ ረገሞም።3) ደግያት ውቤ 1830-1855 ዓ.ም.ፈ. እዚ ኣረሜን መስፍንዚ ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ኣዝዩ ጎዲኡዎ እዩ። ሕሱምን ባርባራዊን ስለዝነበረ፣ “ብዘመን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ሞተ” ይብሃል ነይሩ። እዚ መስፍንዚ ኣንጻር ደግያት ሱባጋድስ ምስ ደቁን፣ ምስ ደግያት ሓጎስ ሜዳ ደበብን፣ ደግያት ካሕሳይን፣   ኣፈወርቅን፣ ዂናት ገጢሙ ስዓሮም፣ ደግያት ሱባጋድስ ግና ተማረኸ። ጸኢሑ ግና ደግያት ውቤ ብንጉስ ቴድሮስ ተቐንጺሉ ሞተ። ኤርትራ ከኣ ኡፎይ በለ።4) ንጉስ ቴድሮስ 1855 ክሳብ 1868 ዓ.ም.ፈ. ምስ ህዝቢ ኤርትራ ምንም ጸገም ኣይነበሮን። ንጉስ ቴድሮስ ንህይቢ ምድረባሕሪ ጎዲኡዎ ዝብል ታሪኽ ኣብዝኾነ ይኹን መጽሓፍቲ ታሪኽ ዘልቦን። ኣብቲ እዋንቲ ብድሕሪ ሞት ደግያት ውቤ ኣብ ትግራይ፣ ቅድም ብ”ካሕሳይ”፣ ጸኒሑ ከኣ ብ”ካሳ”፣ ካብኡ ቀጺሉ ብፓትርያርክ ኣኽሱም ጸዊዑ ንጉስ ሽሙኒ ኢሉ ንጉስ የውሃንስ 4ይ ተባሂሉ ነገሰ። ይኹን እምበር ካብ ንጉስ ቴድሮስ ኣዝዩ ስግኣት ነበሮ። ቀልጢፉ ከኣ ሰላዪ  እንግሊዛውያን ክኸውን መረጸ። ንንጉስ ቴድሮስ ድማ ምስ ኮሎንያል እንግሊዝ፣ ሽዑ ዘመን ዓባይ ብሪጣንያ ብንግስቲ ቪክቶርያ እያ ትግዛእ ዝነበረት። እንግሊዛውያን ንንጉስ የውሃንስ እምብኣር ከምሰላዪ ገሮም ከተቡዎ፣ ገንዘብን ገለ ቁሩብ መሳርያን ምስተኾቡሉ ድማ፣ ብኣዋጅ ንህዝቢ ትግራይ፣ ንሰራዊ እንግሊዝ ንጎንደርን መቕደላን መታን ክድዪቡ፣ መንገዲ ክኸፍቱሎምን እኽለማይ ክቕርቡሎምን ኣወጀ። በዚ መኽንያትዚ ድማ ንወዲ ሃገር ብባዕዳውያን ከምዝድፈር ገበረ። ድሕሪ ሞት ንጉስ ቴድሮስ ድማ ጠላም ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ንኤርትራ ወረረ።  ንሸቃ ኣሉላ ውኪሉ ከኣ፣ ኣሉላ ብሽፍትነት ንምድረ ባሕሪ ን10 ዓመታት ገዝኣ። ብሰንኩ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ወረራ። ብዙሓት ጀጋኑ ኤርትራውያን ንመስፍናዊ መግዛእቲ ኣሉላ ተቓዊሞም ንበረኻ ይወጹ ስለዝነበሩ።

ንመረዳእታ፣
ጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ብዓል ሃዘጋ ብጥልመት ኣሉላ ስለዝማረኾ፣ ብሰንኪ ግፍዐኛ ንጉስ የውሃንስ ባርዪኡ ሸቃ ኣሉላ ንኮሎንያል ጣልያን ንምድረ-ባሕሪ ክወርር ከኣለ። ብወገን ኣከለጊኡዛ ድማ ጅግና ደግያት ሓጎስ ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ ንበረኻ ወፈረ። ድግያት ሓድገምበስ ብዓል ዓዲ ተከሌያን ድማ ብሰንኪ ኣሉላ ንሓባብ ወፈረ። ደግያት ጎፋር ጎይታ ሓበላ ዴዳን ቆሕይን፣ ሰብኣይ ጓሎም ንራእሲ ወልደሚካኤል ስለዝነበረ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ኣብ ኣኢድ ጠላም ንጉስ የውሃንስ ምስ ወደቐ፣ ንሓባብ ኣንጻር ሸቃ ኣሉላ ክምክት ወፈረ። በዚ መኽንያት እዚ፣ ኤርትራውያን ጀጋኑ ሃገሮም ገዲፎም ንበረኻ ሓባብ ምስ ወፈሩ፣ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክኣቱ ዝደፈ።

ንጉስ ቴድሮስ ብጠላም የውሃንስ ኣብ ኢድ ኮሎንያል እንግሊዝ ኣንተዘይወድቕ ነይሩ፣ ንጉስ ውሃንስ 4ይ ንኤርትራ ደፊሩ ኣይምወረራን ነይሩ። የውሃንስ ንኤርትራ እንተዘይወራ ነይሩ ድማ፣ ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ንክወራ ካብ ዶጓሊ ኣይምሓለፈን። መኽንያቱ ሽዑ ዘመን መዘና ዘይብሎም ጀጋኑ ነይሮም እዮም። ምናልባት ኣብ መወዳእታ ግና ስሚን ጋዝን ነስኒሱ ክወራ ምኸኣለ ነይሩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ነገር እንታሎ፣ እዞም ኩሎም ንህዝቢ ኤርትራ እንዳተባራረዩ ዝፋታተኑንዎ ዝነበሩ ባዕዳውያን ወረርቲ ብዘይካ ኮሎንያል ጣልያን፣ ንሙሉእ መሬት ኤርትራ ተቛጻጺሮም ገዚኦሞ ኣይፈልጡን። ነዘን ኩለን ዝተፈላለያ ግን ከኣ ነናተን ምሕደራ ዝነበረን ዞባታት (ክፍልታት) ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ከም ሓንቲ ሃገር ክገዝአን ዝጀመረ መንግስቲ ጣልያን ጥራይ ኢዩ።

ነታ ካብ ጥንቲ ምድረ ባሕሪ ትጽዋዕ ዝነበረት “ኤርትራ” ዝብል ሓባራዊ  ስም ኢሉ ዝጸውዓ ኮሎንያል ጣልያን ጥራይ እዩ ዝነበረ። ዋላኳ እቲ ሕቡን ወዲ ምድረ ባሕሪ መንነት ካብ ጥንቲ እንተነበረ፣ ብሰንኪ እንዳተባራረዩ ዝወሩዎ ዝነበሩ ባዕዳውያን ግና ሓደ ሓባራዊ ባህልን፣ ሓባራዊ ሃይማኖትን፣ ሃገራዊ ምዕብልናን፣ ስነ ኣእሙራዊ ኣተሓሳስባን ከማዕብል ኣይከኣለን። ከበሳን መታሕትን ገማግም ቀዪሕ ባሕርን ክርስትያን ይነበረ ሃይማኖቱ፣ ቅድም ከሊፋውያን ወሪሮም፣ ንህዝቢ መታትሕት ኣመስሊሞሞ፣ ብወገን ገማግም ቀዪሕ ባሕሪ ዝነብር ዝነበረ ክርስትያን ድማ ብቐስብ ኣመስሊሞሞ።

ኣብ እዋን ኮሎንያል ጣልያንውን ብዙሕ ጸረ ባህልን ጸረ መንነትን ስለዝነበረ፣ ከማኡ ውን ትምህርቲ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ጥራይ ምምሃር ስለዝነበረ፣ ደፋእ እንዳበለ ክምዕብል ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ ግዜ ኮሎንያል እንግሊዝ ግና፣ ካብ መባእታዊ ትምህርቲ ክሳብ 12 ክፍሊ ስለዝተፈቕደ፣ ኤርትራዊ መንነት፥ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኤርትራ ክሰርጽ ጀመረ። እቲ ቅሎትኒ ከይብል ኣግሂዱ፣ ካብ ድኻን ካብ ሃብታምን ዝበልዕ ዝነበረ ኮሎንያል ኣንግሊዝውን፣ ነቲ ቋንቋ ዓረብኛ ቋንቋኹም እዩ ኢሉ ነቶም ካብ ጥንቲ ብትግረ፣ብዓሳውርታን፣ ብሳሆን፣ ብሌንን ልሳኖም ዝዛረቡ ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ትዛረብቲ ኣሕዋቶም ንኽፈላልዮም፣ ኣንዳጸንሐ ዝትኮስ ፈንጂ ተኸሉሎም ከይዱ እዩ። ይኹን እምበር ህዝቢ ኤርትራ ኣስላሙን ክርስትያኑን ብቶኽላ እንግልዝ ዘተኣታተዎ ውዲታዊ እከይ፣ ኣብ ነናሓድሕዲ ግርጭትን ውግእን ፈጺሙ ገሩ ኣይፈልጥን። ስለዚ እዚ ኤርትራዊ መንነት ካብ ጊዜ መግዛእቲ ጣልያን ጀሚሩ፣ ብፍላይ ድማ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ጀሚሩ፣ እናዓበየን እናማዕበለን ዝመጽኤን፥ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ከኣ ኣብቲ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ፡ እንሆ ሎሚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሃገራውነት ኣሚኑ፣ ብኤርትራዊ መንነቱ፡ ኮሪዑ ክነብር ምስ ጀመረ፣ ዘራጊት ላም ዘላታ ዔላ (ማይስ) ጸርያ ነይትጸሪ  ኮይኑ ይነብር ኣሎ። እዚ ሰብዚውን ካብ ማይቤት ጠላማት እንዳ ንጉስ የውሃንስ ተንቤናይ ስለዝኾነ ጥራይ እዩ ብሃጸያውያን ተዓሲቡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝላገጸሉ ዘሎ። ህይቡ ኤርትራ እንተድኣ ሓቢሩ ክምክቶ ጀሚሩ ግን ሕሱር ታሪኽ ኣባሓጎታቱ ተማሊኡ ከምዝሽመም ኣየጠራጥርን እዩ። ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር የለን፣ መድረኽ  ሰላዪ ኢሰያስ ቴምቤናይ ድማ ሓደ መዓልቲ ክቕህም እዩ።

እወ፣ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ገለ ምሁራት ኢና በሃልቲ ደቂ ትግራይ፡ ከብ ብዓል ሃለቃ ሙሉ-ወርቅን፣ ገረኪዳን ደስታን፣ ከምኡ’ውን ፖለቲካውያን ኢና ብሃልቲ ገለገለ ሰባት፣ እንዳ ፈለጡ ንኤርትራዊ መንነት ጎስዮም፣ ሓድሽ መንነት ከልብስዎ ገልዳሕ ክብሉ ክትርእን ክትሰምዕን ከሎኻ፣ ኣዝዩ ዘስደምም እዩ። ነዚ መሰረት ዘይብሉ ኣበሃህላ ተጋሩ ፥ ቬሮኒካ መላኩ ዝተባህለት ኢትዮጵያዊት ምህርቲ ጽቡቕ ጊራ ብመጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ጽሑፍ ነጺጋቶ ኣላ ። ቬሮኒካ ዘቕረበቶ ጽሑፍ ብኣምሓርኛ ኰይኑ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ ጠቒሳ ከም መርትዖ ኣቕሪባቶም ኣላ። እስከ ቬሮኒካ ነቲ ብቋንቋ እንግሊዝ ዘቕረበቶ፣  ጽሑፍ፣ ብቋንቋ ትግርኛ ተርጒመ እንታይ ከምዝብል ንከታተል።

እቲ ብቬሮኒካ ካብ ቋንቋ እንግሊዝ ዝተተርጎመ፡ ብዛዕባ ቅልውላው መንነትን ሕልሚ “ትግራይ ትግርኝን”ትግራዎት ብቪሮኒካ መላኩ ዝቐረበ መጽናዕቲ እብዚ ዝስዕብ ንከታተል፣-

ትግራዎትን ትግርኛ ተዛረብቲ ኤርትራውያንን ክልተ ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም። ምብራቕ ኣፍሪቃ ፣ ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምስ እንዕዘብ፥ ኣብ ውሽጢ ቀረባ እዋን ኣብ ዘሰክፍ ሕንፍሽፍሽ ዝኣቱ ዘሎ ይመስል። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተፈላለዩ ሓይልታት (ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ኢራን፡ ስዑዲ፡ ቀጠር፡ እስራኤል፡ ካልኦት ሓያላን መንግስታት ውክልና ኲናት ( proxy war ) ዝገብርሉ ቦታ ክኸውን ይኽእል ኢዩዝብል ግምት ኣሎ ።

“ትግራይ ትግርኝ”

ብኣምሓርኛ ኣጸዋውዓ ትግሬ ዝብል ቃል ምስቶም ኣብ ሱዳንን ኣብ ኤርትራን ዝርከቡ ብሄረ-ትግረ ንኸይመሳሰል ምግንዛብ ከድልየና እዩ ። ንሕና ኢትዮጵያውያን “ትግሬ“ እናበልና እንጽውዖም መብዛሕትኡ ሕጂ ትግራይ እናተባህለ ዝጽዋዕ ክልል፥ ብዓድዋ ፡ ሽረ ፡ መቐለ ፡ ዝነብሩ ትግርኛ ተዛረብቲ ክኸውን እንከሎ፥ ንባዕሎም በቲ ክልሎም ሽም ትግራዎት ወይ’ውን ተጋሩ እናተባህሉ ክጽውዑ ይምረጽ ። ብዙሓት ወገናት ተጋሩን፣ ተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራውያንን፣ ከም ሓደ ዓይነት ብሄር ኩይኑ ይስምዖም። እንተዀነ ግን ክልቲኦም ፍጹም ዝተፈላለዩ ብሄራት እዮም። ተጋሩ ምስ ኤርትራ ሓደ ዓይነት ብሄር ኢና ኢሎም ይሓስቡ ። ብዙሓት ተጋሩ ኤርትራዊ  ምዃን ድሌት ኣለዎም። ቅድሚ ኲናት ባድመ ምውልዑ ብዙሓት ተጋሩ ንባዕሎም ኤርትራዊ እየ ብማለት ይጽውዑ ነይሮም። ድሕሪ ኲናት ባድመ ግን ዑምቈት ኣብ ዘለዎ መንነታዊ ቅልውላው ኣተዉ ። ብኣንጻሩ ብሄረ -ትግርኛ (ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግርኛ) ብዛዕባ ተጋሩ ዘለዎም ስምዒት እንታይ ምዃኑ ምስ ዝሕተቱ ተጋሩ ወይ ከኣ ዓጋመ እናበሉ ይጽውዕዎም። (Hassan Adem M.T. Tekle B. 2010) እዞም ተጋሩ ዘይእመኑ ፥ ልቦም ዘይርከብ ፥ ጌሮም ብኣሉታዊ መንገዲ ይርእይዎም“።

Eritreans some times contemptuously refers them cannot be trusted and never could “ Smith et al 2003 Africa volume 73 page 377) ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ብሄረ – ትግሪኛ ዝተገብረ ኣንትሮፖሎጂካል ማሕበራዊ መጽናዕቲ ፥ ሓደ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነበር ፥ ንፕሮፈሶር ሪድ “ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን እዞምተጋሩ ሓደገኛታት እዮም ኣጸቢቕና ንፈልጦም ኢና ኢሎም ኣጠንቂቖሙና “ ብምባል ኤርትራውያን ብ 1991 ነጻነቶምምስ ኣወጁ ናይ ምስክርነት ቃሉ ዝሃቦ እዩ ነይሩ ። ካልእ ስሚዝ ዝተባህለ ጸሓፊ’ውን ከምዚ በለ “ Be careful those people are dangerous , we know them well “
(Smith et al 2003 Africa volum 73 p. 377 )

ክ ቕ ጽ ል  ዩ . . .

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቅባት ኤርትራ 28.09.19