(3ይ ምዕራፍ)

ታሪኻዊ ትንተና ውዲትን ተልእኾን ወያኔ ትግራይ

ውድብ ወያኔ ትግራይ ብስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ዝተሰረተ እዩ። ብመደብ ከኣ ኩሎም ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህውሓት እስማቶም ፎርጅድ እዩ። እዚ ድማ ስለላዊን ስነኣምራዊን ሜላ ኣለዎ። ቀንዲ ሕቡእ ዓላማኡን ተልእኾኡን ድማ፣ ነቲ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ መንግስቲ ኣምሓራ ተሓለለሉ፣ ብሓዲሽን ስዉርን ፕሮጀክት ሃጸያውያን፣ ውድብ ወያነ ምስ ኢሰያስ ተላፊኖም ንልዑላውነት ኤርትራ ኣበርዒኖም፣ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንምጽንባር እዩ።

ነዚ ኣበሃህላ እዚ ድማ ብሂል ወይ ዝተባህለ ዘይኮነስ፣ ጭቡጥን ፍቱንን መጎታዊን መረጋግጺ ዘለዎ እዩ። እስከ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ክንግንዘበን ንፈትን፣-

1ይ) ወያኔ ንተጋድሎ ሓርነት ምስ ኢሰያስ ተላፊኖም ካብ ገጽ ኤርትራ ከምዝወጹ ጠንቂ ኮይኖም እዮም። እዚ ድማ ብ1981-1982 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ ዝምስክሮ ታሪኽ እዩ።

2ይ) ወያኔ ምስ ሻዕብያ ተላፊኖም ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ስዓሩ፣ ኣብ ክንዲ ምስ ኤርትራ ተላፊኖም ሓባራዊ መንግስቲ ትግራይን ኤርትራን ዝምስርቱ፣ ብፍላይ እኳድኣ ንህዝቢ ትግራይ ረሲዕም ምስ ኢትዮጵያ ብምውጋን፣ ባህርያዊ ጸጋ  ኣምሓራን ኦሮሞን ንኽየምቱ ንኣራት ኪሎ (ንኢትዮጵያ) ቀጺሎም።

3ይ) በቲ ሃጸያውያን ዘዳለውሎም ፕሮጀክት፣ ማለት ብኢስራኤላዊ ወይ ኣባል ስለላ መርበብ ሞሳዓድ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ ዝተዳለወ ፕሮጀክት ተመሪሖም፣ ክትግብሩዎ ጀሚሮም። ንሱ ድማ ብስም ዶባዊ ኲናት ዝብል ውዲት ብመንግስት ደረጃ ብምውሳን፣ ውግእ ኣንጻር ህይቢ ኤርትራ ወሊዓም።

3ይ) ብመንግስቲ ንጉስ መነሊን፣ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዘይተገብረ ግፍዒ፣ ካብ 80 ሺሕ ንላዕሊ ንዘመናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዝነበሩ ንነጻነት ኤርትራ “ስለ ዝመረጽኩም፣ ሕብሪ ዓይንኹም ከኣ ቃሕ ስለዘበለና ንኤርትራ ኪዱልና” ኢሎም ንኤርትራ ጠሪዞም ጒሒፎሞም።

4ይ) ድሕሪ ምድምዳም ዶባዊ ኲናት፣ ኣብ ኣልጀርስ ዝተገብረ ብመንጎኝነት ወጻኢ ሚንስተር ኣሜሪካ፣ ጀነራል ሰክሬታሪ ጀነራል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ ኮፊ ኣናንን፣ ፕረሲደንት ሃገር ኣልጀርስን ዝተረኸቡሉ ስምምዕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራ፣ ወያኔ ተሓሲሞሞ።

5ይ) ንመግዛእትን ባርባራዊን ጭቆና ብኢሰያስ ዝምራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ተቓዊሞም ምስ ወያኔ ወጊኖም ንኽምክትዎ ንትግራይን ኢትዮጵያን ዝኸዱ ተቓውሞ ውድባት ኤርትራ፣ ጭፍራ ወያኔ ብመደብ ውዲታዊ ወፍሪ ብምክያድ፣ ነቲ ብሰንዓ ፎርም ይተዳለወ ቢሊኦናት ዶላር ግሒጦም፣ ንኹሎም ተቓወምቲ ንኸይቃለሱ ከምይቃለሱ ብምግባር የሪጎም ሓዲግ-መዲግ ገሮሞም። ስልጣን ሓዎም ተንቤናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ድማ ኣናዊሖም።

6ይ) ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ዝነብሩ መንእሰያት ኤርትራ፣ ብስመር ተጠርኒፍና ንህግደፍ ክንምክት ኢና ኢሎም ምስተበገሱ፣ ወያኔ ብመደብ ፋሕ ብትን ኣቢሎሞም።

7ይ) ነቲ 60 ሺሕ ትግራዋይ ደም ዝኸፈልሉ ገድሊ ህውሓት ጠንጢኖም፣ ማለት ንህዝቢ ትግራይ ረሲዖም፣ ቤተ መንግስቲ ኣምሓራ ክሕሉው ደይኮነስ፣  ጸጋ ኣምሓራን ኦሮሞን ንኽመጽዩ፣ ንኢትዮጵያ ከይዶም። ሎሚ ግን በቶም ካብ 3 ሺሕ ዘይበዝሑ ዝተሰውኡ ምንቅስቓስ ቄሮን ፋኖን፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮብሊሎም ንመቐለ ሓኪሎም። እዚ ድማ ዕድል ህዝቢ ኤርትራ እዩ። መኽንያቱ ብታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገፍዑን ዝወረሩን ወረርቲ ኩሎም ተሳዒሮም እዮም። ወያኔውን ከምቶም ዝሓለፉ ወረርቲ እዩ ክሕላፍ።

 ንመረዳእታ፣
1ይ) ብ700 ክፍለዘመን ንኣዕራብ ከሊፋውያን ስዒሩ፣ መንነቱን ቋንቋኡን ፊደላቱን፣ ሃይማኖቱን ዓቂቡ። ብ1541 ዓ.ም.ፈ. ድማ ወራር ኢማም ኣሕመድ ግራኝ ንመላእ ኢትዮጵያ ከመስልም ምስ ወረረ፣ እቲ ሽዑ ይነበረ ንጉስ ልብነድንግል ድማ ብኢማም ኣሕመድ ግራኝ ምስተሳዕረ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ምስልምና በጺሓ። ብጅግና ባሕረ-ነጋሽ ዝምራሕ ሰራዊት ምድረባሕሪ ድማ ካብ ቤተ መንግስቲ ድባርዋ ተበጊሱ፣ ንግራኝ ስዒሩ ንኢትዮጵያ ክርስትና ሃይማኖታ ዓቂባ ከምትነብር ገሩ።

2ይ)ብ1561 ንወራር ቱርኪ ሓግሒጉ ጒሒፉ።

3ይ)ብ1875 ዓ.ም.ፈ. ወራር ግብጺ ኣብ ጎዳጒድን፣ ኣብ ጒራዕን፣ ኣብ ጉንደትን ስዒሮም ጒሒፎሞ።

4ይ) ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣ ኣብ ኲናት ደጒዓሊ ከባቢ ምጽዋዕ መላስ ኣውያት ዘይብሎም ስዒሩዎም።

5ይ) ብ1889 ዓ.ም.ፈ. ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወደበ ወራር ማህዲ ሱዳን፣ ክሳብ መተማ በጺሑ ኣብያተ ቤተ ክርስትያናት ምስ ኣቃጸለ፣ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ ርድኡኒ ኤርትራውያን ኢሉ ምስ ኣወጀ፣ ኩሎም ጀጋኑ ኤርትራውያን ንመተማ ከቲቶም፣ ወራር ኣኽራሪ ኣስላማኢሓይሊ ማህዲ ተደምሲሱ። እንግሊዛውያብን ግን ንጉስ የውሃንስ ተዓዊቱ ንትግራይ እንተድኣ ተመሊሱ፣ እቲ ኣብ ድጒዓሊ ዝተደምሰሰ ጣልያን ኣንደገና፣ ንኤርትራ ክወራ ስለዘይካል፣ የውሃንስ ክሳዱ ክስየፍ ኣለዎ ኣኢሎም ንየውሃንስ ክሳዱ ሰዪፎም፣ ርእሱ ሒዮም ንካርቱም ሃዲሞም። ክሳብ ሎሚ ከኣ ርእሲ የውሃንስ ኣብ ሙዝዮም ካርቱም ኣላ።

እቶም ኣብ ዂናት መተማ ቅያ ይሰርሑ ኤርትራውያን ግና፣ ትግራዎት ንጉሶም ምስ ሞተ፣ ክዳኖምን ብረቶምን ኣሕዲጎም ንኤርትራ ሰዲዶሞም።

5ይ)ብ1889 ዓ.ም.ፈ.  እዚ ወያኔን ኢትዮጵያን ዝምክሑሉ ዂናት ዓድዋ መብዛሕትኦም ጀጋኑ ኣብ ውግእ ዝውዓሉ፣ ጀጋኑ ኤርትራውያን፣ ከም ዓል ኣበራ ወደኢ ራእሲ ሃይሉ ብዓል ጸዓዘጋ፣ ራእሲ ወልደሚካኤል ብንጉስ ትግራይ የውሃንስ ብጥልመት ሸቃ ኣሉሉላ ግዳይ የውሃንስ ይኾነ፣ ድሕሪ ሞት የውሃንስ ኣብ ኲናት ዓድዋ ውዒሉ፣ ኣውዓሎም ጅግና ንኮሎንያል ጣልያን ክሒዱ ቅያ ዝሰርሐ ጅግና ኤርትራዊ እዩ ነይሩ።

6ይ)ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ድማ ደቂ ደቆም ነቶ ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና፣ ህዝባዊ ግናብር ነቲ ክሳብ ዓንቀሩ ብኣጽዋር ሶቭየት ሕብረት ዝተዓጥቀ፣ ስዒሮም ነዛ ሎሚ ተጋሩ ዝላገጹላ ዘለው ኤርትር ኣምጺኦም።

7ይ) ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መቐለ መምህር ገብረኪዳን ደስታን፣ መምህር ሙሉወርቅን ብዙሕን ሒደትን፣ ብዛዕባ “ምስ ኤርትራውያን ኣሕዋት ኢና፣ ትግራይ ትግሪኝ” ዝብሉ ጽውጽዋያት ምሂም ክልፍልፉ ይስምዑ ኣለው።

ስለምንታይ እዮም ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕብ ቋንቋ ትግሪኛን፣ ብዛዕባ ትግራይ ትግሪኝ ኣልዒሎም ዝምድሩ ዘለው? ነቲ ዝሓለፈ ሰንሰለታዊ ታሪኽ  መሳፍንቲ ትግራይ ረሲዖሞ ማለት ድዩ። እስከ ነዚ ሎሚ እዞም “ተመራመርቲ ምሁራን” ዘልዕሉዎ ዘለው ዛዕባ ካበየናይ  ምንጪ መጻሕፍቲ ታሪኽ ከምዝኣኻኸቡዎ ንከታተል እስከ ንከታተል።

ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ Ethiopia and Eritrea, Ras Alula, 1875–1897  ዓ.ም.ፈ. ዝሓናጠጦ ብዙሕ ሃጠውቀጠውን ዝምቡዕ ታሪኽ ጽሒፉ። ኣብቲ ጽሑፉ ራእሲ ኣሉላ ከም ሓደ ጅግናጀጋኑ ገሩ እዩ ዝገልጾ።

ካብቶም ዝጽሓፎ መጻሓፍቲ እዞም ዝስዕቡ እዮም

1.      Ethiopia and Eritrea, Ras Alula, 1875–1897
2.      The Struggle Over Eritrea, 1962–1978
3.      Ethiopia and The Challenge of Independence
4.      Students and University in Twentieth Century Egyptian Politics
5.      Introduction to Modern History of the Middle East ወዘተ. . .

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ መጻሕፍቲ ጽሒፉ፣ ብጽዮናውያን ዝተዋህቦ ትእዛዝ ብዛዕባ ታሪኽን መበቆልን፣ ባህልን፣ መንነትን  ህይቢ ኤርትራ ፕሮጀክት ኣጽኒዑ ንኸቕርብ፣ ጻማ ጻዕሩ ድማ ገንዘብ ክሳብ 2 ሚልዮን ዝኣክል ዶላር ኣመሪካ ተዋሂቡዎ። ትሕዝቶኡ ድማ ከመይ ገርካ ንልዑላውነት ኤርትራ ቀንጢጥካ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብቲ ተቓሊሱ ዝረኸቦ ጻማ ቃልሱ ኣግዲፍካ ተንበርኽኾ ዝብል ረቂቕ ትሕዝቶ ዘለዎ እከይ መጽሓፍ ነበረ። እቲ መጽሓፍት እቲ ብ1992 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሃገር እንግሊዝ ተሓቲሙ ንመሃንድሳት ጽዮናውያን ኣረኪቡዎም እዩ። እቲ መጽሓፍ ኣብ ዕዳጋ ይርከብን Out of Print እዩ። ካብተን መጻሕፍቲ 70 መጻሕፍቲ ንመራሕቲ ወያኔ ብምስጢር ዓቂቦም ንኸተግብሩዎ ትዓዲሉዎም እዩ። ንመሪሕነት ሻዕብያውን ከምኡ60 መጻሕፍቲ ተዓዲሉዎም እዩ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ድማ ንዂለን ምዕራባውያን መንግስታት ተዓዲሉወን እዩ። ብስዉር ኣብ ግብሪ ንኸተግብርኦ ድማ ተነጊሩወን እዩ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1998 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ ሎምን ንቐጻልን ኣደዳ ስደትን ባርባራዊ ጭቆናን ዘሕልፎ ዘሎ፣ ኣብዛ መጽሓ ብፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ ዝሰፈረ ሮድ ማፕ እዩ። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኲለን ሃገራት ዓለም እኳ ዘይተኸወለ እንተኾነ፣ በቲ ካብ ሃጸያውያን  ዝተዋህበን ሮድ ማፕ ተመሪሐን ንጒዳይ ኤርትራ ሓሲበናሉን ዘኪረንኦን ኣይፈልጠን። እቲ ውድብ ሕቡራት ዓለም ዝብሃል እንተኾነውን ንጒዳይ ኤርትራ መፍትሒ ክርከበሉ ኢሉ ብፍጹም ሓሲቡ ኣይፈልጥን።

ኣብተን ኲለን ዝጸሓፈን መጻሕፍቲ፣ ነቲ ጅግንነትን ታሪኽን ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ጎስዩ፣ ንጅግንነት ትግራዎት እዩ ዝትንትን። እዚ ፕሮፈሶር ሃጋይ ዝብሃል ሰብ ትሕቲ ባይትኡ ኣንተድኣ ተኻታቲልናዮ፣ ኣባል ስለላ መርበብ ሞሳድ ኮይኑ፣ ንረብሓ ስትራተጂ ጽዮንነት እዩ መጽናዕቱን ምርምሩን።  እምብኣር እቶም ኣብዚ እዋንዚ ብዛዓብ ትግራይ ትግሪኝ ኣልዒሎም ዝምድሩ ዘለው፣ “ተመራመርቲ ሊቃውንትን ወያኔ”፣ መምህር ገብረኪዳን ደስታን፣ መምህር ሙሉወርቅን፣ ኣብ መጻሕፍቲ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ ተመርኲሶም እዮም። ቅድሚ ፕሮፈሶር ሃጋይ ኤርሊሽ ግን ብዛዕባ ጅግንነት ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ማእለያ ዘይብሎም መጻሕፍቲ፣ ኣብ ስዊደን ዝርከብ ኡብሳላ ዝብሃል ዩኒቨርሲቲ፣ ኣብ ብሪቲሽ ሙዝየምን፣ ኤደንቡርግ ይብሃል ሙዝየምን፣ ኣብ ውሽጢ ቫቲካንን ሮምን፣ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝርከብ ላይብሲክ ዝብሃል መደበር መጻሕፍትን፣ ኣብ ሃገር ግሪኽን፣ ኣብ ኦስትርያን ምክትታል ይከኣል ኣሎ። ብዝተረፈ ዝምቡዕ መጻሕፍቲ ታሪኽ ጎጊኡልካ እንዳ እምጻእካ፣ ብዛዕባ ዘይኮነን ዝተሰንዐን ታሪኽ ኣልዒልካ ዕንክሊልል ምባል ገበን እዩ።

ወያኔን ህግደፍን ንልዑላውነት ህዝቢ ኤርትራ ንምብርዓን ኢድን ጓንትን ኮይነን እየን ዝሰርሓ። ኣንጻር ከምዝኾነ ንኸምስላ ግና፣ ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ግና ብዝንባሌኡ ኣትየን  ፈላልየን ይላገጻሉ ኣለዋ። ኣብ መወዳእታ ድማ እቲ ውጽኢት ስትራተጂካዊ ረብሓ ሃጸያውያን ዝዓለመ እዩ። ሕጂ ከይተረፈ፣ ዕደና ወሪ ቢሻን ዛራን፣ ካላኦት ዕደና ማዕድናትን፣ ህይቢ ኤርትራ ቅንጣብ ከይተጠቕመሉ ርእሰማላውያን ሃጸያውያን ብነጻ ጓሕጒሖም ንወጻኢ ሃገር የግዕዙዎ ኣለው። ብሕጂውን ገና ብዙሕ ማዕድናት ክወጽእ ኣብ መስርሕ ኣሎ። እቲ ካብ ኲሉ ዘስደምም ከኣ፣ ሓንቲ ማዕድን እተውጽእ መንግስቲ ብዓለምለኻዊ ሕጊ፣ ምስ ሓንቲ ቅዋም ዘለዋ ሃገር እያ ብንግዳዊ ሕግን፣ ብይተፋላለየ ድፕሎማስያዊ ሕጊን ተፋራሪማ እያ ፍቓድ ዕደና ወርቂ ትረክብ። ኤርትራ ግና ቅዋም ዘይብላ ብሕገ ኣልቦ ጭፍራ ህግደፍን፣ ብህይቢ ዘይተ ሓርየ ውልቀ መላኺን ሰላዪን ኣኢሰያስ ትግዛእ ስለዘላን ኲሉ ንግዳዊ ውዕላት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እያ እተካይዶ።

እዚ ማለት ድማ፣ ዝኾነት ትዂን ሓንቲ ሃገር፣ ቻይና ትኹን ከናዳ፣ ዕደና ወርቅንን ካልእ ማዕድናትን ካብ መሬት ኤርትራ መታን ከውጽኣ፣ ኣብ ሕጋዊን ዲፕሎማስያዊን ዝተመርኮሰ ፍቓድን ውዕልን፣ መንግስቲ እንግሊዝ ከይፈቐደትለን ፈጺመን ፍቓድ ኣይውሃባን እየን። ስለዚ ኤርትራ ብተዘዋዋርን ግንከኣ ብስዉር  ውዲት፣ብMI6 ዝብሃል ስለላ መርበብ እንግሊዝን እያ ትትግዛእ ዘላ። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝኾነ ይኹን መደሪኡን፣ ንህዝቢ ንኸዓንጅልን ንኸታልል፣ ብዛዕባ መንግስቲ ኣሜሪካ ጥራይ እዩ ዓጀውጀው ዝብል እምበር፣ ኣብ ኲሉ ዝገብሮ ቃለ ምሕታት ግን ብዛዕባ መንግስቲ እንግሊዝን እስራኤልን ዋላ መሊቑዎኳ ሓንቲ ቃል ኣውጺኡ  ኣይፈልጥንዩ። እቲ ሓቂ ግና ዋላኳ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ንኢሰያስ ካብ ስሳታት ጀሚሮም ክሳብ ተስዓታት መልሚሎምን ኣሰልጢኖምን ብስለላን ኮለላን መሪቖም ኣንፈነውልና፣ ካብ 1992 ዓ.ም.ፈ. ካብታ ኢሰያስ ጸገም ሕማም ዓሶ ኣእምሮ ተለኺፉ ተባሂሉ ንእስራኤል ካብ ዝኸይድ ግዜ ኣትሒዙ፣ ኩሉ ስለላ መርበብ ህግደፍ፣ ባዶ ሰለስተ ይኹን፣ ኩሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ማእሰርትርን፣ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፣ ህዝባዊ  ድሕነትን፣ ኣብ ሃገር እስራኤል ብስለላ መርበብ ብሞሳድ ዝሰልጠኑ እዮም። ነዚ ዝኸውን መርትዖ ድማ እኹል ሰነዳትን፣ ኣብ እስራኤል ደልጢኖም ዝተመልሱ፣ ግንከኣ መግዛእቲ ኢሰያስ መሪሩዎም ንስደት ዘምርሑ ገና ድማ ብሕይወቶም ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ዝምስክሩዎ ጭቡጥ ሓቅታት ኣሎ።

 

ይቕጽል. . .