(ዕሉል ጀነራል… ስቓይን ሞትን)

2ይ ክፋል

ከም ኩሉ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር፡ ካብ ተራ ክሳብ ላዕለዋይ ጽፍሒታት፡ ተዋጊኡ ኣዋጊኡን፡ መሪሑን ተመሪሑን፡ ን“ናጽነት” ዝኣተወ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ፡፡ ኣብ ወትሃደራዊ ቅዲ ኩናትን ኣቀማምጣ መሬትን፡ ዘለዎ ክእለት ካብቶም ብልጫታት ዘለዎም ሓለፍቲ ሓደ እዩ፡፡ ድሕሪ ስርሒት ናደው፡ ኣብ ወፍሪ ኣሶሳ (ኢትዮጵያ) ክልተ በርጌዳት (ብርጌድ 71ን ብርጌድ 20ን) ሒዙ ኣብ ውሽጢ 3 ሰሙን ተልእኾኡ ፈጺሙ ተመሊሱ’ዩ፡፡ ኣብ ሜዳ ስሙ ገኒኑ ክርቋሕ ዝጀመረሉ ግን፡ ንክ/ሰ 70 መሪሑ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ብዝገበሮ ኣበርክቶ እዩ፡፡ ብባህሪኡ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ‘ክመልኽ ምበር ክምለኽ ዘይደሊ’፡ ‘ክመርሕ’ምበር ክምራሕ ዘይደሊ’፡ ንነብሱ ልዕሊ ሰብ ጌሩ ዝጥምት፡ ብኮታት መዝሚዙ ንጹሃት ተጋደልቲ ዘጥቅዕ፡ ብጉርሒን ሽርሒን ተዋዳዳሪ ዘይርከቦ፡ ጸቕጢን ብደዐን ዝመለለዬኡ፡ ኣዚዩ ጎራሕ ብምኻኑ “ነቕዘ” ዝብል ሳጓ ዝለገቦ ተጋዳላይ ኔሩ…ተጋዳላይ ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ፡፡

ኣብቲ ጽንኩር እዋን፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ልግብጋብ ለቢሶም፡ ብጥሙይ ከብዶም፡ ምስ ጸላኢ ክረባረቡ እንከለው፡ ኣብ ድፋዓት ከይተረፈ፡ ኣሕፊሱ ክበልዕ፡ ልዕሊ ሰብ ጥዑም ተደሪሩ፡ ጽብቕቲ ጓል ሓቒፉ ክድቅስ ዝመርጽ ፈታው ነብሱ ኔሩ፡፡ ኣብ ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ፡ ኣብ ኣንከር ጸሊም ኣብ ዝተኻደ ኣኼባ፡ ካብ’ቶም ብ“ሰለስተ ሓለፋታት” ዝተነቐፉ መራሕቲ እቲ እንኮ ንሱ ኔሩ፡፡ ካብ ወፍሪ ባሕሪ ነጋሽ ዝተማረኸ ዘይተኣደነ ጥረ ገንዘብን ንዋትን ተረኪቡ ከብቅዕ፡ ኣብ ከባቢታት ዜሮ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ተራእዩ ዘይፈልጥ፡ በቸሜንቶ ዝተነደቐ፡ ብኪሻስትሮስ ዝተሃደመ ገዛ ሃኒጹ፡ ድላዩ ዝገበር ዝነበረ መራሒ እዩ…ተጋዳላይ ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡፡

ኣጀንዳ “ሰለስተ ሓለፋታት”፡ ከም ቀንዲ ዛዕባ ኣኼታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብሰለስቲኡ ሓለፋታት ማለት፡- ብመስተ፡ ፍንው ጾታዊ ርክብን ወልፊ ሺጋራን ምስ ተነቕፈ፡ ኢሳይያስ ኣብ ኣኼባ፡ ናብኡ እንዳወጣወጠ “ራኣይዎም ዞም ሓለፍትኹም፡ ንስኹም ጾምኩም እንዳሓደርኩም፡ ዝሃጀምኩምዎ ንዋት ኣብ ውልቀ ረብሓ፡ መስተን ዕጥራንን የውዕሉዎ ኣለው” ብምባል ኣብ ቅድሚ’ቲ ተጋዳላይ ንኣሽካዕላል ዝኾነኖ ኣዛዚ ኔሩ፡፡ ካብ ተዘክሮታት “ሰለስተ ሓለፋታት”፡ ንብዙሓት ተጋደልቲ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት እንዳ 70 እቲ ዘይሃሰስ ፍጻመ፡ ኣጠፋፍኣ ተጋዳላይ ዘርኣይ ሃይለ እዩ፡፡ ዘርኣይ ሃይለ ካብቶም ንፍሊጶስ ብትሪ ዝነቐፍዎ ሓደ ኮይኑ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ብምኻን ኣብ ብዙሕ ስርሒታት ዝተሳተፈ ሙኩር ተጋዳላይ ኔሩ፡፡ እቲ ዘሕዝን ግን፡ ብኮታት ኣናዲዩ ንጹሃት ዘሕቅቕ ቂመኛ ፍሊጶስ፡ ድሕሪ’ቲ ነቐፌታ፡ ንሓይሊ ዘርኣይ፡ ምስ ዘይምጥና ታንክታትን ድሩዓት መካይንን ክትራጸም፡ ናብ ሩባ ዓንሰባ ሊኢኹ ብምሉኣ ክትድምሰስ ጌርዋ እዩ፡፡ ሚስኪናይ ተጋዳላይ ዘርኣይ ውን ኣብ ሩባታት ዓንሰባ ሽዑ ተሰዊኡ፡፡

ጉርሕን ሽርሕን ፍሊጶስ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ኩናት ከትደፍእን ክትድፋእን ንቡር እዩ፡፡ ኣብ መስርሕ’ውን “ሃዳምነትን ኩብለላን” ልሙድ እዩ፡፡ ንኹሉ ዝሃደመን ዝኾብለለን ግን፡ ብጥዩት ክትሰሃሎ ብኣባትር ክትቅጥቅጦ ዘይንቡርን ዘይሰብኣዊን ተግባር እዩ፡፡ ኣብ እንዳ 70፡ ኣብ 1988 ብዘይምኽኑይ ኣገባብ ድሕሪ ኩናት ገንፈሎም ዝተረሸኑ ተጋደልቲ ክሳብ ሕጂ ካብ ተዘክሮታትና ኣይሃሰሱን፡፡ ንምድላው ስርሒት ናደውን ንታህዲድን ተባሂሉ፡ ካብ እንዳ 70፡ ካብ ነፍሰወከፍ ቦጦሎኒታት ብምኽንያት “ሃዳምነት” ዝተረሸኑ ተጋደልቲ ኣዲኦም ትቑጸሮም፡፡

ንክ/ሰራዊት 70 መሪሑ ንናጽነት ዝኣተወ ፍሊጶስ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ካብ ክ/ሰራዊት ክሳብ ኮራት፡ ስርሒታትን እዚታትን ኣዛዚ ኮይኑ ጽፍሒታት እንዳቀያየረ፡ ኣብ 1996 ከኣ ናይ ሜጀር ጀነራልነት ማዓርግ ተዓዲሉ፡፡ በቢእዋኑ ብኢሳይያስ ሚዛንን ሓላፍነትን እንዳተወሰኸሉ፡ ዝጸንሐ ፍሊጶስ፡ ካብ ሜዳ ክሳብ ድሮ ናጽነት፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ክሳብ ሎሚ ዕለት፡ ጎብለል ልዳት ምልኪ ኮይኑ፡ ዜጋታት ከሳቒይ ንጹሃት ከህልቕ ጸኒሑን ኣሎን፡፡

ምስ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ብደም ሚሒሎም፡ ምስጢራቶም እንዳተኸዋወሉ፡ ኣብ እዋን መጻብቦ ድማ፡ በትሪ ኢሳይያስ ብምኻን፡ ንሓለፍቲ ከናሹ፡ ክኣስርን ክስውርን ጸኒሑ’ዩ፡፡ ኢሳይያስ ነቶም ዲሞክራሲያዊ ሕቶታት ዘንቀሉ፡ ኣባላት “ጉጅለ-15”፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምውዓል፡ ኣብቶም ወትሃደራዊ ጎባልል ክዕቆብ፡ ኣብ ዝሓሰበሉ እዋን፡ እቶም ቀንዲ ጸግዒ ዝኾኑዎ ሓለፍቲ ፍሊጶስን ውጩን ኔሮም፡፡ ምእሳር ኣባላት “ጉጅለ -15”፡ ንኢሳይያስን ፍሊጶስን ልዕሊ ዝኾነ እዋን ክተኣማመኑን ከይገዳድዑን፡ ቃል ዝኣተውሉ ፍጻመ እዩ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ምቕያድ ኣባላት “ጉጅለ-15”፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርና፡ ብግስ ዝበሉ ናይ ተቓዉሞ ተርእዮታት፡ ብጎነጻዊ ኣገባብ ብኣግኡ ዝቖጸየን ዘፍሸለን ሓላፊ እንተሎ ፍሊጶስ’ዩ፡፡ ኣብ ምእሳርን ምክትታልን ጉዳይ በዓል ፍቕረን ሳምሶምን፡ ኣብ ምፍሻል ስርሒት ፎርቶ፡ ኣብ ምድስካል፡ ምቕያድን ምስዋርን ጸለውቲ ሰባት፡ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ክንዲ ፍሊጶስ ተኣሚኑ ዝተዋስአ ሓላፊ የልቦን፡፡ ማዕረ ማዕረኡ፡ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ፍሊጶስ ዝነበሮ እምነት ስለዝዛየደ፡ ፍሊጶስ ውን ናብ ፍጹም ምልካዊ ባህሪ ክሕምበብ ጸኒሑ’ዩ፡፡

እንሆ! ሙሉእ ዘይጉድል እምነት ኢሳይያስ ዝረኸበ ፍሊጶስ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ፡ ንወዲ 90 ዓመት ሽማግለ ክጻፋዕ፡ “ብመኪና ሓሊፍካኒ” ኢሉ ሰብ ክኣስር፡ ኣብ ዓዲሰግዶ ሰራዊት ኣዚዙ፡ ስድራ ሙሉእ ዘጽለለ ገዛውትን ርሻናትን ብዶዞራት ዘፍርስ፡ መዓንጣ ዘይቋጸራ ትሕቲ ዕድመ ኣሓትናን ብግስ ዝበላ ስነ-ጥበባውያን፡ ንመርወዬ ሸውሃቱ ዝሃድን፡ በጠላዕን ብደም ንጹሃን ዝጨቀየ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓ/ምክልኻል ኤርትራ ተባሂሉ፡ በትሪ ኢሳይያስ ብምኻን ዜጋታት ክቐዝፍ፡ ብሙሉእ ጀነራልነት ካብ ዝስየም ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡

ክሳብ ነዊሕ ወለዶታቱ፡ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ መሬት ኤርትራ ዝምዘዝ፡ ወለዶ ዘለዎ፡ ሓላፊ እንተሎ ሓደ ፍሊጶስ እዩ፡፡ ኣብ በለዛ ቤ/ጽ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ኣብ ትሕቲ ጨንፈር መኮነናት ዝርከቡ ሰነዳት ከምዘረጋገጽዎ፡ ፍሊጶስ ብዕለት 6 ግንቦት፡ 1952 ኣብ ጾሎት እዩ ተወሊዱ፡፡ ኣብ ወርሒ 8/1972 ከኣ ወዲ 20 ዓመት እንከሎ ናብ ሜዳ ወሪዱ፡፡ ዝተዓደሎ ወትሃደራዊ ቁጽሪ ድማ 72-0890 ዝብል እዩ፡፡ (ኣብ ኦርኒክ ዝተረኸበ ወትሃደራዊ ቁጽሪ ብስእሊ ኣቕሪበልኩም ኣለኹ)፡፡ ኣቦኡ ንፍሊጶስ ኣቶ ወልደዮውሃንስ እሴት ብጠቕላላ 7 ዝወለዱ ኮይኖም ገብረመስቀል፡ ኣማን፡ ተኽለዝጊ፡ ገነት፡ ለተሚካኤልን ኣዝመራን ዝተብሃሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለውዎ፡፡ እሰከ መነባብሮ እዞም ስድራ ንተዓዘብ

  1. ገብረመስቀል ወልደየውሃንስ፡ ነባሪ ጾሎት ኮይኑ 7 ወሊዱ፡፡ ካብኣቶም ቢንያም ዝተብሃለ ኣብ “3ይ ወራር” ተሰዊኡ፡፡ ኤርሚያስ ገብረመስቀል ዝተብሃለ ኣባል 19 ዙርያ ወዱ ድማ ብናይ ፍሊጶስ ሓገዝ ተጣይሱ፡ ኣብ ኣስመራ ነጋዳይ ጤለ በጊዕ ኮይኑ ይነብር ኣሎ፡፡ ምስ በዓል ወዲ ከበደን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት/ ውሽጣዊ ጸጥታን እንዳተራኸበ ብገንዘብ እሱራት ካብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርታት የፍትሕ፡፡ ንኣብነት መሪጌታ መርሃዊ ዝተብሃለ ናይ ቅዱስ ገብሪኤል ቤተክርስቲያን ቀሺ፡ ፍሊጶስ “መገዲ ዓጊትካኒ” ኢሉ ኣብ ጎደና ብዝተፈጠረ ቖይቂ፡ ስለ ዝተመላለሶ፡ ኣባላቱ ጸዊዑ ኣብ ቀሓውታ ኣሲርዎ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብመገዲ ኤርሚያስ 160,000 ናቕፋ ጉቦ (ንሚኪኤለ ኢሳቕ) ሂቡ ተፈቲሑ፡፡ ሄኖክ ገብረመስቀል ዝትብሃለ ካልእ ወዱ ድማ ንኣሽካዕላል “ዊዓ ተዓሊሙ” ምስተመልሰ፡ ፍሊጶስ ክጣየስ ጌርዎ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን እንዳስታላ ጌሩ፡ እቶቡስ ውን ወኒኑ፡ ካብ ኣስመራ ዓሰብ ከም ድላዩ ይመላለስ ኣሎ፡፡ ክብሪ ገብረመስቀል ዝተብሃለ ወዱ ውን፡ ኣብ ሓደ ባር ሰብ ቀቲሉ፡ ብናይ ፍሊጶስ ሓገዝ ምስ መዛንኡ ካሕሳ ክሒሱ ተፈቲሑ’ዩ፡፡

  2. ኣማን ወልደዮውሃንስ፡ ዝተብሃለ ሓው ኣብ 1995 ኣብ ሊብያ ሞይቱ፡፡

  3. ተኽለዝጊ ወልደዮውሃንስ፡ ዝተብሃለ ሓው ምስ ፍሊጶስ ብሓባር ይነብር ኣሎ፡፡

  4. ገነት ወልደየውሃንስ ዝተብሃለት ሓፍቱ ኣብ ጎዳይፍ ወናኒት ፋስት ፉድ ሰለሙን (ብስም ሰብኣያ) ከፊታ ትነብር ኣላ፡፡

  5. ለተሚካኤል ወልደየውሃንስ ዝተብሃለት ሓፍቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ትነብር ኣላ፡፡ ሙሴ ዝተብሃለ ወዳውን ካብ ዓዲ ጥሊያን ናብ ኣስመራ ንዓመታት ከም ድላዩ ይመላለስ ኣሎ፡፡

  6. ኣዝመራ ወልደየውሃስ ዝተብሃለት ሓፍቱ ውን ካብ 1994 ጀሚሩ ኣብ ዓዲ ጥልያን ትነብር ኣላ፡፡

ፍሊጶስ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ማእለያ ዘይብሉ ርእሰ ማል ዝወነነ ሓላፊ’ዩ፡፡ ዝርዝሩ ኣብ ካልእ ክፋል ዝግለጽ ኮይኑ፡ ንስድርኡን ንደቁን ዝገብሮ ሓልዮት ዝተፈለየ እዩ፡፡ ንኣብነት “መንግስቲ” ኣብ ጾሎት ብዶዞራት ኣባይቲ ከፍርስ እንከሎ፡ ናቱ ጤሳን ናይ ሓዉ ገዛን ዝተንከፎ ሰብ የለን፡፡ ንሓደ ኩሉ ሻዕ ንግፍዕታት ፍሊጶስ ዝቃወም ያኢቆብ ካሕሳይ ወልደየውሃንስ ዝተብሃለ ወዲ ሓውቡኡ ግን ፍርቂ ገዝኡ ኣፍርስሉ እዩ፡፡ ኣብ ጸሎት ብሰራዊት ዝሕሎ G+1 ገዛ ሃኒጹ እዩ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ወለዲ ንዝፈጽምዎ ገበናትን ግፍዕታትን፡ ደቆም ወይ ከኣ ስድራ ቤቶም ተሓተቲ፡ ክኾኑ ኣለዎም፡ ዝብል ኣጠማምታ የብለይን፡፡ እንተኾነ፡ መንእሰያትና በዞም ጨካናት ሓለፍቲ ተማሪሮም፡ ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ፡ ፈቐዶ ድፋዕት ክኸርትቱ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ድራር ዓሳ ክኾኑ፡ ኣብ በረኻታት ሲናይ ቆርበቶም ከምደርሆ ክምለጥን፡ ካልኦት ዘስካሕክሑ ስቅያት ዜጋታትና ንዝተዓዘበ ሰብ፡ ብኣንጻሩ ደቂ እቶም ጨካናት ሓለፍቲ ግን፡ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘለው ምርድኡ ኣገዳሲ ከምዝኾነ እኣምን፡፡ ስለዝኾነ ናይ በዓል ፍሊጶስ ኩነታት ሓዳርን መነባብሮን ምፍላጥ ውን ዘገድስ ኮይኑ ይስማዓኒ፡፡

ፍሊጶስ ካብ ኣኽበረትን ሩትን ዝተብሃላ ክልተ ኣንስቱ፡ ብጠቕላላ 4 ቆልዑት እዩ ወሊዱ፡፡ ክልቲአን ኣንስቱ ብዝገብረለን ሓገዝ ኣዚዩ ጽቡቕ መነባብሮ ይመርሓ ኣለዋ፡፡ ኩነታት ደቁ ምስ እንዕዘብ፡-

ስምኦን ፍሊጶስ፡ ንዝተብሃለ ወዱ ኣብ ዊዓ 22 ዙርያ ወሪዱ ብ”ስንክልናን ሕማምን” ኣመሳሚሱ ክጣየስ ጌርዎ እዩ፡፡ ስምኦን ካብ ሓንቲ ሰሚራ ሳምሶን፡ ትበሃል ጓል ጊንዳዕ፡ ክልተ ቆልዑ ወሊዱ ፍሊጶስ ኣብ ዝሃቦ ገዛ ሓዳር ጌሩ ይነብር ኣሎ፡፡ ክልተ መካይን ውን ዓዲጉ ሂብዎ እዩ፡፡ ኣብዚ እዋን ሽጉጥ ተዓጢቑ ከምድላዩ ኣብ ኣስመራ ሸናዕ ክብል ዝውዕል፡ እንዳዲስኮታት ዓዕ ክብል ዝሓድር፡ ንዝተኣሰረ ብህያብ፡ ጉቦን ዘፍትሕ፡ ኣብ ሓዋላን ስግረ ዶብ ውን ዝነጥፍ ሰብ እዩ፡፡ ኣብ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ክልተ ሻዕ ልዕሊ 30 ሺሕ ዶላር ምስተረኸቦ ፍሊጶስ ተረኪቡ ንኣሽካዕላል ኣሲሩ ፈኒይዎ እዩ፡፡

ራሄል ፍሊጶስ ዝተብሃለ ጓሉ፡ ኣብ ካምፓላ ዩጓንዳ International University of EAST Africa ኣምሂርዋ፡ ተመሪቓ ኣብ ዱባይ ኢንማራስት ኣብ ዝተብሃለ ናይ ሞባይልን ሳትላይትን ኣህጉራዊ ትካል ትሰርሕ ኣላ፡፡ ከምኡ’ውን ሰለሙን (ጃቡ)ን ሚካልን ዝትብሃሉ ደቁ፡ ኣብ ኣስመራ ምስኡ ይነብሩ ኣለው፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ኣብ ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት፡ (ብፍላይ ድሕሪ ምቕያድ ኣባላት “ጉጅለ-15”)፡ ኣብ ቁጠባዊ ስርሓት ሃገርና ሓጎስ ኪሻ፡ ኣብ ስርሓት ፖለቲካ የማነ ማንኪ፡ እቶም ቀንዲ መጋበርያ ኢሳይያስ እዮም እንተደኣ ኢልና፡ ኣብ ወትሃደራዊ ጽፍሒታት ድማ፡ ልዕሊ ፍሊጶስ በትሪ ኢሳይያስ ብምኻን ዘገልገለ፡ ታሪኽ ሃገርን ሃገራዊነትን ዝደወነ፡ ኣዛዚ የለን፡፡

ኣብ ስርሓት ጸጥታ እውን፡ ብኢሳይያስ ተኣሚኑ፡ ገደብ ኣልቦ ስልጣን ዝተዓደሎ ሓላፊ እንተሎ፡ ጀነራል ፍሊጶስ እዩ፡፡ ቅዋምና ኣብ ትሕቲ ሰድያታት ምስ ተደርበየ፡ ኣብ ክንዲ ሉኡላዊነት ሕጊ፡ ናብ ምውሓስ ሉኡላዊነት ጎባልል ወትሃደራዊ መኮነናት ምስተለወጠ፡ ካብ 2001 ንደሓር፡ ካብ ዝተኣታተው ዝንቡዓት መምርሒታት ኢሳይያስ ሓደ፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት፡ ካብ ክፍላተ ሰራዊት ክሳብ ግንባራት ዝተዘርገሐ፡ ኣብ ትሕቲ ስታፍ ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት፡ ብስም “ክፍሊ ተሃድሶ” ዝጽዋዓ፡ ማእለያ ዘይብለን ወትሃደራዊ ቤት ማእሰርታት ክቖማ ምግባሩ እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ዝርከባ 5 ስርሒታት፡ 39 ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት፡ 5 ሜካናይዝድ ክፍላተ ሰራዊትን 3 ሞቶራይዝ ብርጌዳትን ነናይ ገዛእ ርእሰን ክፍሊ “ተሃድሶ” ኣቑመን ብምስምስ ኩብለላ፡ ሃዳምነትን ፈተነ ስግረዶብን፡ ዜጋታት ክቕይዳን ከጽንሓን ጀሚረን፡፡ ሽዑ ኣብ ሓሙሽቲኡ ግንባራት፡ ከም በዓል ዓዲ ኣቤቶ፡ ዓዲንፋስ፡ ፕሪማ ካንትሪ፡ መትከል ኣብዮት፡ ኣደርሰርን ዝኣመሰላ ቤት ማእሰርታት ክርቋሓ ጀሚረን፡፡ ብጀካ ምቋም ብሎኮታት፡ ከካብ ኣሃዱኡ፡ ብገለ ምኽንያት ዝኾብለለ ኣባል ዝለቕሙ “መሳርዕ ምልቃም” ውን ኣብ ኣስመራ ቆይመን፡፡

ካብተን ኣብ ትሕቲ ስርሒታት (እዚታት) ዝቖማ ቤት ማእሰርታት ሓንቲ፡ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤት ማእሰርቶ ዓዲኣቤቶ ’ያ፡፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ዘይተኣሰረ ወይ ከኣ ብኣኣ ኣቢሉ ዘይተሰጋገረ ኣባል ሓ/ምክልኻል ዳርጋ የለን፡፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሓለፍቲ እንዳተመደቡ ክመርሕዋ ዝጸንሑ ቤት ማእሰርቲ ዓዲኣቤቶ፡ ድሕሪ 2001፡ ኣብ ትሕቲ ሜጀር ጀነራል ውጩን ጀነራል ፍሊጶስን እያ ጸኒሓ፡፡ ፈለማ “ምቁጽጻር ስነ ስርዓት ስርሒት ዞባ 05”፡ ቀጺላ ምቁጽጻር “ስነ ስርዓት ተወርዋሪ እዚ” ፡ ኣብ ቀረባ ከኣ “ምክትታልን ምጽራያት ጉዳያት ዓዲኣቤቶ” ተባሂላ ተሰሚያ እያ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ንቤት ማእሰርቲ ዓላ ሓዊሱ፡ ቤት ማእሰርታት ማይስርዋ (ሸላ)፡ ማይስርዋ (ዚንጎ)፡ ቀሓውታን ማይ ሑጻን ከም ናይ ዓዲኣቤቶ ጨንፈራት ብምኻን ኣብ ትሕቲ፡ ውጩን ፍሊጶስን ጸኒሐን እየን፡፡ ፍሊጶስ ኣብ 2014፡ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ኮይኑ ምስተመዘ፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚ እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበራ ኩለን ቤት ማእሰርታት’ውን፡ ኣብ ትሕቲ ቤ/ጽ ባለነኪ ጠርኒፍወን እዩ፡፡ ምኽንያቱ፡ እዘን ቤት ማሕዩራት ማእለያ ዘይብሉ ሚስጢራት ስለዝሰተራን፡ ምንጪ ዘይተኣደነ ኣታዊታቱ ብምኻነን እዩ፡፡ እምበኣር ከስ፡ ኣብዘን ቤት ማእሰርታት ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ብኽውል ዝፍጸሙ ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት፡ ብፍሊጶስ ተኣዚዞም ንህዝቢ ዘበሳብሱ ቀንዲ ሓለፍቲን መርመርትን ምስ ተግባራቶም ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ክገልጸልኩም እየ፡፡

ወደሓንኩም!

————ይቕጽል!!