እቶም ጥንታውያን ነገስታትን፣ ሰራሕቲ ታሪኽን፣ ምሃዝቲ ፊደላትን፣ ቑጽርን፣ ጂኦሜትሪን፣ ጸሊም ሕብሪ ዝቖርበቶም ኣፍርቃውያን ድዮም ወይስ ሕብሪ ቆርበት ሓሳማ ወይ ስቡሕ ስጋ ዝመስል ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ኤውሮጳውያን እዮም? ሕብሪ ጻዕዳ በረድ ዘለዎ ሰብከ ኣብ ዓለም ኣሎድዩ?

ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ኤርትራ፣ ዓለም ይኹን ቀሺ ወይ ፈላሲ፣ ወይ ጋሳ ከብትን ጠለበጊዕን በትሪ ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ ስለምንታይ ከምዝኾነ ትፈልጡዎዶ? ሙሴ እውን በትሪ ነይራቶ።

 Ptah standing.svg እዚ እቲ ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ኣማልኽቲ ኣፍሪቃ፣ ጥንታዊን ዓብን ኣምላኽ ኣፍሪቃውያን  ፍታሕ ዝብሃል ኣምላኽ እዩ።

ኣብ መዋእል ንግስነት ግሪኻውያንን ሮማውያንን፣ እቶም ቀዳሞት ነገስታትን፣ ክኢላታትን ሓያላት ወተሃደራትን፣ ጻድቃናትን ካህናትን፣ እቡናትን፣ ጳጳሳትን፣ እቶም  ኤውሮጳውያን ወይከእ እቶም ንነብሶም ከም ብሉጻት ደቂ ኣምላኽ ገሮም ዝወስዱዋ፣ ግንከኣ እቲ ሕብሪ ቆርበቶም ዝሓለቐ ስጋ ወይ ሕብሪ ሓሰማ ዝመስል እምበር ከምቲ ጻዕዳ ሕብሪ ዘለዎ ድዮም ነይሮም፣ ወይስ በረድ ዘይምስል ዝሕብሮም፣ ሕብሪ ቆርበት ዘይብሎም  ብጻዕዳ ሕብሪ ቆርበት ዝገልጽዋ ንነብሶም) ድዮም ነይሮም ወይስ እቶም ብጸለምቲ፣ ብኔግሮ፣ ሕብሪ ቆርበት ዝግለጹ ኣፍሪቃውያን እዮም ነይሮ?

ክቡራትን፣ ክቡራንን ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ተገዲስኩም ተኻታትሉዋሞ። ምስቶም ብጸለመን ሓሶትን ኤውሮጳውያ ጽሓፍቲ ታሪኽ፣ ዘዳለውዎም መጻሕፍተ ታሪኽ፣  ምስ ኣዋዳደርኩሞ፣ ሽዑ እቲ ትሕዝቶ ኤውሮጳውያን ጽውጽዋይን ሓሶትን ከምዝኾነ ክትርድኡዎ ኢኹም። እወ እቶም ዘይሓኩ መሃንድሳት ዓሌታውያን ኤውሮጳውያን ግና፣ ምስ  ማሕበር ቫቲካን ብምልፋን፣ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣፍሪቃውያን ደምሲሶም፣ ፈላጣትን፣ ደቂ ኣምላኽን፣ ሰራሕቲ ቅያን፣ ጽሓፍትን ምሃዝትን ንሶም ጥራይ ገሮም ንነብሶም ብምቕራብ፣ ካብ 300 ዓመተ ዓለም ... መዋእለ ብእዋን ንግስነት ግሪኽ ማለትዩ፣ ጀሚሮም  ክሳብ 30 ... ንግስነት ሮማውያን፣ ድሓር ቱርካውያንን፣ እንግሊዛውያንን፣ ክሳብ ሎሚ ዝንቡዕን ጸረ ዓሌት ህዝቢ ኣፍሪቃን ዝኾነ ረቂቕ ፕሮፓጋንዳን፣ ሓጻብ ኣእምሮን ዝኾነ ወፍርን ዘመተን ብምክያድ፣ እንሆ ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ንኣእምሮ ወዲሰብ ብፍላይ እኳድኣ ንኣእምሮ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዳርጋ  ተቖጻጺሮም፣ ብቐስብ ኣብ ሓሶት ክኣምን ወይ ከእምኑዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ከይተሓለሉ ድማ በቲ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝፈጠሮ መራኸቢ ብዙሓንን ካልኦት ማዕከን ዜናታትን እንዳገበሩ ሓሶትን ፈጠራን ዝኾነ ታሪኽ ንህዝቢ ዓለም ይዝርግሑ ኣለው።እቲ ሓቂ ግና ከምዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ እዩሞ፣ ሰናይ ምክትታል ይግበረልኩም።