በብሓደ ሰብ ኢህግደፍ ውሓደ። ቅድሚ ትማሊ ናይዝጊ ክፍሉ፣ ትማሊ ድማ ልጅ ግርማ ኣስመሮም ሓሊፉ። ተሰሚሙ ድዩ ወይስ ድያብሎስ ሕርዩዎ ገና ኣይተፈልጠን ዘሎ። ሓደ ኣባል ህግደፍ ክመውት ከሎ ጡሩምባ ህግደፍ ክሳብ ትቕደድ እያ ትንፋሕ፣ ማኣለያ ዘይብሎም ንጹሃት ኤርትራውያን፣ ኣብ ሰስዓት ብገበነኛታት ኣባላት ህግደፍ እንዳተሸሙ ግና፣ ብዛዕባ ሞቶምን ሕየቶምን “ድምጺ ሓፋሽ” ድምጺ ሓሶት ከይተረፈት እያ ኣፋ ዝልጎም። ዘመን ግርንቢጥ ማይ ንዓቐብ። እወ፣ ሞት ኣምባሳደር ህግደፍ ልጅ ግርማ ኣስመሮም ብማዕከናት ዜና ክእውየየሉ ቀንዩ። እንዳ ህግደፍ ድማ ከም ቀደሞም ዳርጋ ከምቲ ሞት ናይዝጊ ክፍሉ፣ ንሞት ግርማ ኣስመሮም እንተኾነውን ብዙሕ ኣይተገደስሉን። እወ፣ ኢድ ጸናሒት ሸናሒት ከምይብሃል እቶም ኣሎና ዝብሉ፣ ሞት ተርክቦም ዘይመስሎም ብዓል ክናናን ምናናን ኣባላት ደምበ ማፍያ ህግደፍ ድማ፣ ጽባሕ ብጊሓት ምስ ጸሊም ታሪኾም በብሓደ ደድሕሪ ሊጅ ግርማ ኣስመሮም girma_asmerom_passedክስዕቡዎ እዮም። ክሳብ ይሞቱ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ይምንቁሱዎ ኣለዉ። መንቋሲቶም ድኣ ትምጻእ እምበር።