እቲ ነቢዪ ሙሴ ኣብ ጎቦ ሲናይ 10 ትእዛዛት፣ ካብ ኣምላኽ ተቐቢሉወን ዝብሃል፣ ክሳብ ክንደይ ሓቅነት ኣለዎ?  ሽዑ ዘመን ወይከኣ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመናት ካልኦት ቅዱሳት ትእዛዛት ነይሮም ድዮም? መጻሕፍቲ ታሪኽ ከምዝትርኽዎ ከኣ፣ ነቢዪ ሙሴ ኣብ ግብጺ ተወሊዱ። ከምኡ ድማ ኣብ እንዳ ንጉስ ፈርዖን ከምዝዓበየ እዩ። እቲ ጥበብ ከኣ ኣብ እንዳ ንጉስ ፈርዖን ኮይኑ እዩ ተማሂሩዎ።  ንጉስ ፈርዖን በትሪ ጥንቆላ ነይራቶ፣ ነቢዪ ሙሴ ድማ ተኣምራት እትገብር በትሪ ነይራቶ፣ ቅድሚ ሙሴ ድማ፣ ማለት ቅድሚ 5000 ዓመተ ዓለም ቅ.ል.ክ.፣ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ብዙሓት ኣማልኽትን፣ ነገስታትን ከምዝነበሩ ተመራመርቲ ታሪኽ ዝትርኽዎ መርትዖ ዘሎዎ ታሪኽ እዩ። ከምኡ ድማ ዝልዓለን ረቂቕን፣ ግንከኣ ንኹሉ ፍጥረት ዘጠቓልል ኣብ ባህርያዊ ሕጊ ዝተመርኮሰ ስርዓተ-ሕጊ ነይሩ እዩ። እኳድኣ ክሳብ እዚ ዘመናዊ ዓለም ዝብሃል ንነብረሉ ዘሎና መዋእል ገና መወዳድርቲ ዘይብሎም 42 ትእዛዛት ኣጥንታዊት ግብጺ ኣለው። እቲ ዓይነታዊ ዝኾነ ምልክት ሕጊ ጥንታዊት ግብጺ ድማ፣ ካብኡ ፍንጭል ኣቢልካ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ “ብዓመጽ ጾታዊ ርክብ ዘይምፍጻምን”፣  “ንእንስሳታት ዘይምጒዳእን” ወዘተ. . . ዝብሉ እዮም። ኮታ ንሰብን ንእንስሳታትን ዘኽብር ሕጊን ስርዓትን ትእዛዛትን ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ነይሩ እዩ። ሎሚኸ ኣብዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ዘሎው ብዙሓት ሃይማኖታት ዝኽተልዎ ቅዱስ ሕግታትን ትእዛዛትን፣ ካብቲ ቅድሚ 5000 ዓመታት ቅ.ል.ክ. ዝነበረ ትእዛዛትዶ ይበልጽዶ ወይስ ይኸፍእ ?

እምነት ተመራሚርካን ፈሊጥካን ዝርከብ ድዩ፣ ወይስ ዝተባህለካ ጥራይ ኣሚንካ ምንባር እዩ? ተመራሚርካ እትኣምኖ እምነትዶ ይበልጽ፣ ወይስ  ብወለድኻ ወይከኣ ብካህን ዝተነግረካ ኣሚንካ ጥራይ እዚ ኣምላኸይ እዩ ኢልካ ንኣምላኽ ምምላኽ ወይ ምእማን?

እስከ ንምርምር ዝኣክል፣ ነዘን ዝስዕባ ትእዛዛት ንብኣድህቦ ንከታተለን።

ሰናይ ንባብ።

እተን ኣብን ጥንታዊት ግብጺ ህዝቢ ግብጺ ይኹን ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝምርሓለን ዝነበራ 42 ትእዛዛት እዘን ዝስዕባ እየን። ትርግጕም ካብ ቋንቋ እንግሊዝኛ.

እዘን 42 ትእዛዛት ኣብ 3 ዓይነት  እየን ዝኽፈላ።

1ይ) ንደቂ ሰባት ምብዳል፣ (Transgressions Against Mankind)

2ይ)  ንኣምላኽ ሓጥያት ምፍጻም (SINS)

2ይ)  ውልቃዊ (ሰብኣዊ) በደላት (Personal Transgressions)

እቲ በደል ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት እንተድኣ ተፈጺሙ፣ እቲ መቕጻዕቲ ምስቲ ገበን ዝሰማማዕ ይኸውን። ኣብ እዋን ፈርዖናውያን ጥንታዊት ግብጺ ካብ ገበን ነጻ እያ ዝነበረት። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፣ እቶም ባርባራውያን ወረርትን ምጻእተኛታት ንግብጺ ምስ ኣተዉ እዩ ገበን ተጀሚሩ። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ንሞት ፍርዲ ኣዝዩ ዝፍረደሉ ግዜ ኣዝዩ ሳሕቲ ክኸውን ከሎን፣ ኣዝዩ ፍሉይ ዝኾነ ነገር ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ዝነበረ። ዳርጋ ን150 ዓመታት ዝኣክል፣ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ንሞት ፍርዲ ዝብሃል ተሰሚዓu ኣይፈልጥን።

እቲ ሓጥያት ንኣምላኽ ዝፈጸመ ሰብ፣ ብሃይማኖታዊን፣ በቶም ነቲ ኣምላኽ ዘምልኹን ማሕበረሰባ ፍርዲ ይፍረድ። እቲ ዝተፈጸመ ሓጥያት ነየኖት ኣማልኽቲ ከምዝተፈጸመ ተፈሊጡ እቲ መቕጻዕቲ ብሃገር ግብጺ ይውሰን።

እቲ መቕጻዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ዝተፈጸመ በደል ኣብትሕቲ ኢድ ኣምላኽ ኮይኑ ንሞት ፍርዲ ብኣምላኽ መዓት ይፍረድ።

ንደቂ ሰባት ምብዳል፣ (Transgressions Against Mankind)

  1. ቅትለት ኣይፈጸምኩን ብሰንከይ ድማ ቅትለት ኣይተፈጸመን።

  2.  ኣይቀተልኩን ኣየቕተልኩን ድማ

  3. ንነብሰይ ኣየሕረቕኩን፣ ብሕርቃን ድማ ነብሰይ ኣይተጎዳእኩን

  4. ግብረ ሽበራ ኣይፈጸምኩን፣ ጠንቂ ግብረ ሽበራ ከኣ ኣይኮንኩን

  5. ዘቖንዙ ነገር ኣይፈጸምኩን፣ ንካልኦት ድማ ኣየጕሃኹን

  6. ንሰብ ኣይጎዳእኩን ኣየሕመምኩን ድማ፣ ከምእውን ስቓይ ኣይፈጸምኩን

  7. ንደቂ ሰባት ይኹን ንእንስሳታት ኣይጎዳእኩን

  8. ንሰባት ኣየብከኹን

  9. ክፉእ ኣይሕሰብኩን፣ እከይ ተግባር ድማ ኣይገበርኩን

  10.  ኣይሰረቕኩን፣ ናተይ ዘይኮነ ንብረት፣ ንብረት ካልኦት ከኣ ኣይወሰድኩን፣

  11. ካብ ጀርዲን ካልኦት ፍሬታት ኣይሰረቕኩን፣ ካብ ኣፍ ሰብ ድማ ጸባ ኣየግደፍኩን።

  12. ኣይኣታለልኩን፣ ሚዛን ድማ ኣየጕደልኩን፣ ክመዝን ከሎኹ ኣይዓመጽኩን (ካብቲ ግቡእ እጕዲለ ኣይመዘንኩን) ።

  13.  ሕሩስ ግራት ኣየባላሸኹን፣ ግራት ካልኦት ድማ ኣይረገጽኩን።

  14. ጥሪት ካልእ ሰብ ካብ ደንቢአን ኣይሰጎኩን፣ ዘይናተይ ዝኾና ግንከኣ ጥሪት ካልኦት ድማ ኣይዘመድኩን።

  15. ንካልእ ሰብ ብሓሶት ኣይከሰስኩን፣ ብንብሓሶት ዝኸሰሰ ሰብ ድማ (ኣይሓገዝኩን) ኣይተሓባበርኩን።

  16. ኣይሓሰኹን፣ ንኻልእ ንምህሳይ ኢለ ድማ ብሓሶት ኣይመስከርኩን።

  17. ሕማቕ ቃላት ኣየውጻእኩን፣ ከባእስ ዝኽእል ጠንቂውን ኣይፈጸምኩን።

  18. ዘባእስ /ዘጻልእ ሰበብ ኣየሳበብኩን፣ ንኻልእ ሰብ ንምህሳይ/ንምጕዳእ ከኣ ጭካኔ ኣይፈጸምኩን።

  19. ብቚጣዔ ንካልእ ሰብ ኣይዘለፍኩን፣ ንሰብ ክጎድእ ኢለ ድማ ከናፍረይ ኣይነኸስኩን።

  20. ኣይሰሌኹን፣ ብሰላሕታ ንሰብ ኣይሰሌኹን፣ ኣይተቓጸኹን

  21. ሓደ ሰብ ፍትሓዊን ሓቅን ክዛረብ ከሎ ኣእዛነይ ኣይዓጾኹን (ኣይሰምዕን እየ ኣይበልኩን)

  22. ብሃወኽ ኣይፈረድኩን፣ ከቢድ ፍርዲ ድማ ኣይፈረድኩን።

  23. ጸረ ፍትሕን ሓቅን ገበን ኣይፈጸምኩን።

  24. እቲ ጎይታኡ ነቲ ግልያኡ ንኽቈጽዖ ጠንቂ ኣይኮንኩን

  25. ብዘይ መኽንያት ኣይቕጣዕን።

  26. ነቲ ውሓዚ ማይ ንድሕሪ ከምዝምለስ ኣይገበርኩን፣ ኣብ ካልእ ገጹ ከምዝውሕዝ እውን ኣይገበርኩን።

  27. ነቲ መስመር ውሓዚ (መስኖ) ማይ ኣየፍረስኩዎን ።

  28. ነቲ ውሓዚ ማይ ኣይበከልኩዎን (እየባላሸኹዎን)፣ ነቲ ግራት ድማ ኣየባላሸኹዎ

Sins ሓጥያት

  1. ንኣምላኽ ኣይተራገምኩዎን፣ ከምኡውን ንኣምላኽ ኣይፈንፈንኩዎ

  2. ንኣምላኽ እየቖጣዕኩዎን፣ ኣየሕረቕኩዎን

  3. ንኣምላኽ ኣይዘመትኩዎን፣ ካብቲ ንኣምላኽ ዝተመጽወተ ህያብ ድማ ካብ ቤተመቕደስ ኣይሰረቕኩ

  4.  ነቲ ምጽዋት ኣይወሰኽኩሉንን ኣየጒደልኩሉን ከኣ

  5.  ሕብስቲ ኣምላኽ ኣይወሰድኩን

  6. ካብቲ ንምዉታት ዝተዋህበ ምጽዋት ወይ ህያብ ኣየልዓልኩን ፣

  7. ነቲ መስዋእቲ ወይ ህያብ ዝግበረሉ ክፍለ-ዓመታ ኣይተሓስኩዎን፣

  8. ነቲ ንመስዋእቲ ዝተቐረበ ከብቲ ካብ ቦታኡ ኣየልገስኩዎን።

  9. ነቲ ምስርዕ ኣምላኽ ኣይዓንቀፍኩዎን።

  10. ነታ ላም ኣምላኽ ብኽፍኣት ኣይሓረድኩዋን፣

Personal Transgressions ውልቃዊ (ሰብኣዊ) በደላት

  1. ብገበን ወይ ብዘሕፍር ነገር ኣይተወዓዓልኩን፣

  2. ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኣይጅሃርን፣ ኣይዕበይንውን እየ

  3.  ንዓቕመይ ካብቲ ግቡእ ንላዕሊ ኣይጅሃረሉን፣

  4. ከምቲ ካባይ ዝድለ ግቡእ ኩሉ መዓልቲ ከም እሰርሕ።

  5. ስመይ ኣብ ቅድሚ ወዲ ንጉስ ኣይመጽእን እዩ።

ብሓልዮ ክፍሊ መጽናዕትን ምርምርን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት 04.ንሓሰ 2017 ዓ.ም.ፈ.