ንጉዳይ ወጻኢ ሸርፊን ኣታዊታት ማዕድናትን፣ ልክዕ ከም ሓሺሽ ጌሩ ዝቖጽር ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ከምዝብልዎ ለባማት፡ “እንኮ ወናኒ ጸጋታት ሃገርና” ንሓጎስ ኪሻ ሂቡዎ። ይኣይ ኪኢላ ተረኺቡለይ ድማ ኣውራ ሓላፊ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኮይኑ ንኸገልግል ነቲ ጴጥሮስ ሓጎስ ዝተብሃለ ወዲ ሓጎስ ኪሻ መዝነት ሂቡዎ። ኣብርሃም  ኢሳይያስ ድማ ሓለቓ ሓይሊ ኣየር ክፍሊ ኦፕረሽን ኮይኑ ንኸገልግል በቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ እቦኡ ተመዚዙ ኣሎ፡፡ መጀር ጀነራል ሃብተጽዮን ሓድጉ እንተዝሰምዕስ እንታይ ኮን ምበለ፣ ጀጋኑ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይበለዩን፣ ብስዉር ይቕንጸሉን፣ ወኻሩ ደቂ ተንቤን ድማ ምስ ደቆም ንገርሀኛ ህዝቢ ሰጥ ለበጥ ኣቢሎ ይገዝኡዎ ኣለው! ዝኣረገ ኣንበሳስ ወኻሩ ይጻወታሉ! አረ ጸኒሕናስ ካልእውን ክንርኢ ኢና!!

17. መስከረም 2016 ዓ.ም.ፈ. ሳክቲዝም


”እንኮ ወናኒ ጸጋታት ሃገርና” ንሓጎስ ኪሻ

ካልኣይ ክፋል

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ዝምታ ጸጋታት ሃገር ዝምልክት ብዝተፈላለዩ መረዳእታት ዝተሰነየ ሰፊሕ ትንታነ ኣቕሪበልኩም ኔረ፡፡ ነቲ ጽሑፍ ኣንቢብኩም ካብ መላእ ዓለም ሃናጺ ርእይቶታትኩም ዝሃብኩምኒ ዜጋታት እንዳመስገንኩ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ጽሑፋተይ ብተኸታታሊ ብራዲዮ ክበጽሖ ትገብር ዘላ ራዲዮ ኣሰና ዘለኒ ምስገናን ኣኽብሮትን ከይገለጽኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ብዝኾነ ንሎሚ’ውን “ንቅሉዕ ዝምታ ባህሪያዊ ጸጋታት” ኣመልኪተ ዘዳለኹዎ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ እንሆ፡፡ ብኪኢላታት ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ከምኡ’ውን ብወጻእተኛታት ኪኢላታት ማዕድን፡ ኣብ ጥቅምቲ 2012 ኣብ ትሕቲ “ዘላቒ ስራሓት ዕደና ንዘላቒ ዕቤት” (Sustainable mining for sustainable Development) ዝብል ቴማ ብኣዋሃድነት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ በሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን ተዳሊዩ ናብ ህዝቢ ዘይተዘርገሐ፡ ሃገራዊ ጆርናል ስርሓት ዕደና ከምዝገልጾ ካብ ቢሻ ብምቕጻል ብደረጃ መንግስቲ ልዑል ኣቓልቦ ዝተውሃቦን ብሉጽ ጸጋታት ዝተዓደለ ከባቢታት ዛራ’ዩ፡፡ ኣብ ከባቢታት ዛራ ዝተፈላለዩ ስራሓት ዕደና ከካይዱ ምስ “መንግስቲ” ውዕል ኣሲሮም ካብ ዝኣተው ናይ ግዳም ኩባንያታት ሓደ ብኣውስትራላውያን ዝውነን ቻሊስ ጎልድ ማይንስ ዝተብሃለ ትካል ኢዩ፡፡ ኣብዚ ከባቢ ብፍላይ ወርቂ ብብዝሒ ዝርከብ ኮይኑ፡ ብሉጽ ወርቂ ዝርከበሉ ቦታ ድማ ቆቋ ዝተብሃለ ከባቢ’ዩ፡፡ ኣብ ቆቋ ብጅኦሎጂካዊ መዕቀኒ 5.3 g/t, 840,000 Contained Ounces ዝብል ደረጃ ዝተዓደሎ ኣስታት 5 ሚሊዮን ቶን ዝግመት ውህሉል ማዕድናት ይርከብ፡፡

ጉዳይ ወጻኢ ሸርፊን ኣታዊታት ማዕድናትን ዳርጋ ሓሽሽ ጌሩ ዝቆጽር ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ ንተፈጥራዊ ህያባት ከባቢታት ዛራ ‘ውን ከም ናይ ቢሻ ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ወሲኑ እዩ፡፡ ብመሰረት’ዚ ከኣ ወርቂ ቢሻ ተጓሕጊሑ፡ ናብ ነሓስ ምስተሰጋገረ፡ ብቐጥታ ኣብ መስርሕ ዝነበረ ዕደና ዛራ ክቀላጠፍ ብምእዛዝ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ኣዋርሕ ናብ ፍርያት ክሰጋገር ገበረ፡፡ ንኣተኣላሊኡ ድማ ከምቲ ልሙድ፡ ንመሸጣን ወጻኢ ርክባትን ዝምልከት ባዕሉ ሓጎስ ኪሻ ክመርሖ፡ ንሚስጢራዊነቱን ሓለውኡን ድማ ንሃገራዊ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ሓላፍነት ኣሰኪምዎ፡፡

ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን ጉዳይ ዕደና ወርቂ ዛራ ሓላፍነት ምስተዓደሎ፡ ብህጹጽ ኣስታት 80 ዝኾኑ እሙናት ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ወዲቡ ብሕቡእ ኣዳለወ፡፡ ነቶም ወጻእተኛታት ንምእማን ዝተፈላለዩ ወረቓቕቲ ብምስናዕ ኣዳሊዩ ኣረኪብዎም፡፡ ካብቶም ኣብ ስጉምትን ዓፈናን ዝለዓለ ኢድ ካብ ዝነበሮም ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓደ ዝኾነ፡ ኮሎኔል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ሓላፊ ስውር ሓለዋን ምክትታልን ዕደና ዛራ ኮይኑ ተመዘዙ፡፡ ወዲ ማርጋኖ ኣብ ምቕያድ ኣባላት ጉጅለ 15፡ ኣብ ምስዋር ኣመንቲ ዝተፈላለዩ እምነታትን ነጋዶን፡ ኣብ ዓፈና “ኣገደስቲ” ውልቀ ሰባት ክነጥፍ ዝጸንሐ ኣብ ከባቢ ፊት ባርዚሊ ዘላ እንዳ ነዳዲ ነጻላ መንድቕ ዝነብር ሰብ እዩ፡፡ ትውልዱ ኣብ ላጉየን (ጥቓ ዓዲ ሓሙሽተ) ኮይኑ ሳባን ኣልማዝን ምስ ዝተብሃላ ክልተ ኣንስቲ ሓዳር ጌሩ 4 ቆልዑት ወሊዱ’ዩ፡፡ ብባህሪ ዝኾነ ጉዳይ ዘይዓጦ ቀባጽ ዝኾነ ወዲ ማርጋኖ ኣብ ሜዳ ኣባል ፈዳያን ብምኻን ኣብ ከተማታት ዝተፋለለዩ ስውር ስርሒታት ዝተዋስአ እዩ፡፡ ንዓመታት ዝወዓለሉ እከይ ግብርታት ተጸብጺብሉ፡ ኣብ መወዳእታ ብሲቪላዊ ጉልባብ “ትካል ምቑጻር ሲቪል ሰራሕተኛታት ሓለዋ” ዝብል ልቸንሳ ካብ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዳስቱሪን ክዕደሎ ተገይሩ ምስቶም ወጻእተናታት ውዕል ኣሲሩ፡፡ እቶም ወጻእተኛታት ነዚ ስውር መስርሕን ስልኳ ውሽጣዊ ጸጥታን ዝምልከት ዘልዓልዎ ሕቶ ኮነ ሓበሬታ ዛጊት የለን፡፡

ብኣዚዩ ደቂቕ መጽናዕታት ኣካላት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ዝሓለፉ ኣስታት 80 ዝኾኑ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ወዲማርጋኖ ብሲቪላዊ ጉልባብ ናብ ዛራ ምስተወዝዑ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ድማ ንወርቂ ዛራ ዝኣልዩን ዝከታተሉን ሓላፍቲ ብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንል፡ ኮ/ል ሃይለ ተስፋዝጊን ኮ/ል ወልደዝጊ ባህታን ክኾኑ ብኢሳይያስ ተመዚዞም፡፡ ካብ ቢሻ ትጽቢቱ ማህሚኑ ተስፋ ዝቖረጸ ህዝቢ ምዕዝምዛም ምስጀመረ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ኣብ 2014 “ብዛዕባ ቢሻ ዝሓትት እንተሃሊዩ ለዋህ ጥራይ እዩ፡፡” ብምባል ክልተ መልሓስ ተዛሪቡ’ዩ፡፡ ሪጊኡ ሓሊዩ ክጉህጓሕ ዝተቓረበ ዛራ ዝምልከት ህዝቢ ከዕዝምዝም ምስ ጀመረ ድማ በዓል ሓጎስ ኪሻ ንኣተኣላሊያ ጸጋታት ሃገር ዝምልከት “ውሃ ዘበለ እሩም ኣተሓሕዛ” እንዳበሉ መሳኹቲ ኤረቲቪ ከሞቑ ተራእዮም’ዮም፡፡ ፍርያት ካብ ዝጀመረሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ዛራ ሰሙናዊ ብ Mi 17 ሄሊኮፕተር ንኣስታት ክልተ ዓመት ብኩንታላት ክጉሕጓሕ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብጀካ ኢሳይያስን ኪሻን እቶም 3 ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ወርቂ ነናይ ባዕሎም ረብሓን ምትእስሳርን ዘለዎ ዓንኬላት ምዝርግሖም ተፈሊጡ፡፡ ካብ ቢሻ ዝጀመረ እዚ ናይ ረብሓ ምትእስሳር ክሳብ እቶም ወጻእተኛታት ዝተዘርገሐ ኮይኑ ማዓልቦ ዘይተገብረሉ ጸብጻባቶም ሕጂ እውን ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይርከብ፡፡ ከም ኣብነት ኮ/ል ሃይለ ተስፋዝጊ (ክብሩነቱ) ምስ በዓል መንግስን ስልጣን (ኣምቸ) ዝተኣሳሰረ ናይ ረብሓ መሓውር ከምዘለዎ ሓደ ጸብጸብ ይሕብር፡፡ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተልኣኸ ካልእ ጸብጻብ ድማ ካብ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለዋ ኣገደስቲ ትካላት ዝተስሓበ ሌ/ኮሎኔል ወዲ ኣርባዕተ ዝተብሃለ ኣባል ምስ ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂ ምትእስሳር ከምዝነበሮን ኣብ መወዳእታ ኣብ ባር ርእሲ ዓዲ ንወርቂ ቢሻ ዝምልከት ሓበሬታ “ብሓይሊ መስተ ተሰኒፉ ሚስጢር ስለዘምለቐ” ኣብ 5ይ መደብር ኣጽኒሖም ናብ ጸጸራት ንዓመታት ፈሪዶምዎ ‘ዮም፡፡

ክቡራትን ክቡራንን!

ሃገር ብምልእታ ናብ ጸልማት ደልሃመት ዝደቕደቐ ኣባጓይላ ጥፍኣት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቤ/ጽ ጣባ ድማ ንወርቅን ወጻእ ሸርፍን ዝምልከት ዝሰርዖ ስውር ውዳቤ ኣሎ፡፡ እዛ ውዳቤ ሓጎስ ኪሻ፡ የማነ ማንከይ፡ ኮሎኔል ተስፋልደትን ባዕሉ ኢሳይያስን ዝርከብዋ እያ፡፡ ኣርባዕቲኦም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ካብ መሸጣ ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን ዝተረኸበ ክዙን ወጻኢ ሸርፊታት ኣለዎም፡፡ ብፍላይ ኣብ ባንክታት ስዊዝ፡ ቀጠር፡ ዒማራት ዓረብን ቻይናን ዘሎ ቅሙጥ ገንዘብ ኣብ መጻኢት ርህውቲ ኤርትራ ንዋንኡ ውጽዕ ህዝብና ክምለስ ተስፋ እገብር፡፡ ብተወሳኺ ብስም ሓጎስ ኪሻ (ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ)፡ ኮርፐረሽን ቀይሕ ባሕሪ፡ ትካል ሸርፊ ሂምቦል፡ ቆንስላዊ መሳለጢያታትን ልምዓት ደገፍን (2%) ከምኡ ውን ካብ መሸጣታት ማዕድናት ዝተወሃለለ ኣብ ባንካታት DZ Bank & Commreze (ጀርመን)፡ GASPROM Bank (ሩስያ)፡ BANCA NAZIONALE DE LAVORO (ኢጣሊያ)፡ Export- Import Bank of China (ቻይና) ማእለያ ዘይብሉ ብወጻእ ሸርፊ ዝተቐመጠ ገንዘብ ኣሎ፡፡ ብዝኾነ በዛ ብደምን ረሃጽን ውጽዕ ህዝብና ዝሰወደት ጉጅለ ምልኪ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝካየድ ስውር ርክባት ዝምልከት ንሎሚ ገለ ሓበሬታ ክውስኸልኩም፡፡

ትካላዊ ኣተሃናንጻ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብሓፈሻ ንኹለን ሚኒስትሪታት ቤ/ጽሕፈታት፡ በዓል መዚታትን ኮሚሽናትን ተኪኦም ብዝዓዩን ብዝጸናጸኑን ናእሽቱ ቆጣቑጢ ዝቖመ እዩ፡፡ ካብቶም ቀንዲ መሓውራት ብኣባጓይላ ኢሳይያስ ባዕሉ ዝምራሕ ክፍሊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓደ ኮይኑ፡ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ)፡ የማነ ገብረኣብ (ማንኪይ)፡ ኮሎኔል ተስፋልደት ሃብተስላሰን ብ/ጀነራል እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ -ኣብ ቀረባ ዝተሓወሶም) ዝርከብዎ እዩ፡፡ ካብዞም ኣባላት የማነ ቻርሊ ዳሪክተር ቤ/ጽ ፕረሲዳንትን ወሃብ ቃል ፕረሲዳንትን ኮይኑ ንዓመታት ከገልግል ድሕሪ ምጽንሑ ድሕሪ ህድማ ዓሊ ዓብዱ ድማ ሚኒስተር ሚ/ሪ ዜና ኮይኑ ከገልግል ተወሳኺ ስልጣን ተመንጢይሉ ኣሎ፡፡ እዛ ጉጅለ ኣብዚ እዋን እታ ዝዓበየት መርሓ ፖለቲካዊ ስልጣንን ዓቃቢት መንበር ምልኪን’ያ፡፡

ሓፈሻዊ ኣወዳድባ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ምስ ደቂቕ ዝርዝራቱ ካልእ ግዜ ከምዝቐርበልኩም ቃል እንዳኣተኹ፡ ንሎሚ ምስ ወጻኢ ሸርፊ፡ ኣታዊታት ማዕድናትን ሚስጢራዊ ውህሉል ገንዘብ ኣብ ባንክታት ወጻኢን ዝምልከት ምግላጽ ክቕጽል፡፡ ነዚ ዕዮ ክፍጽሙ ቐጥታ ብኢሳይያስ መደብ ዝተዓደሎም፡ እቶም ኣርባዕተ ላዕለዎት ሓለፍትን ሓላፊ ባንኪ ህግደፍ ኣባይትን ንግድን ኣቶ ብርሃነ ገብረሂወትን እዮም፡፡ እዞም ኣባላት ዝሳተፈላ ሓንቲ ስውርቲ መዋህለሊት ወጻኢ ሸርፊ “ባንኪ” ኣብ ቀጽሪ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ኣላ፡፡ እዛ “ባንኪ” ብወገን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብፍቓድ ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኮሎኔል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊተኣውራሪ) ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዓሳ፡ ሕርካ፡ ሕድራን ጽፍሪ ባሕሪን ብዶላር ከምድላዮም ክገፉ ካብ ዝተፈቕደሎም ምስራውያንን የመናውያንን ገፈፍቲ ዝርከብ ገንዘብ ዝእከበላ፡ ካብ መሸጣ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር፡ ሓሽሽን ርክባት ምስ ግብረሽበራውያንን ተኣሳሲሩ ዝርከብ እቶት እተዋህልል ሕብእቲ ክፍሊ እያ፡፡ ብተወሳኺ እዛ ውዳቤ ሕጽረት ወጻኢ ሸርፊ ከጋጥም እንከሎ ምስ ውሽጣዊ ጸጥታን ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ብምትሕብባር ዝተፈላለዩ ዘይሕጋውያን ኣሽረፍቲ ኣብ ከተማታት እተዋፍር፡ ካብ ባንክን ኣባይቲ ንግድን ውህሉል ወጻኢ ሸርፊ እትእክብ፡ ተሓታትነት ሓላፍነትን ብዝገደሎ ኣገባብ ብትእዛዝ ኢሳይያስን ሓጎስን ዘይወግዓዊ ፊናንሳዊ ስራሓት እትፍጽም ስውርቲ ትካል እያ፡፡ ኣብ ባንክ ኣባይትን ንግድን ክፍሊ International Banking Division ካብ ዝርከባ ክፍልታት፡ ክፍሊ ወጻኢ ሸርፊ ብቐጥታ ምስዛ ስውርቲ ትካል ርክብ ኣለዋ፡፡ ኣብ ክፍሊ ወጻኢ ሸርፊ ካብ ዝርከባ 3 ንኡሳን ክፍልታት (Transfer Section, Foreign currency Deposit section & Cash Section) ኣብዚ እዋን ብዶላር ኣካውንት ዘለዎም ትካላትን ውልቀሰባትን ዝስዕቡ ‘ዮም፡፡

  1. ቢሻ ሼር ካምፓኒ

  2. ዛራ ሼር ካምፓኒ

  3. ቻይና ኢንጅነሪንግን ኮንስትራክሽንን ካምፓኒ

  4. ኮርፕረሽን ቀይሕ ባሕሪ (09)

  5. ኩባንያ ህንጻ ሰገን

  6. መገዲ ኣየር ቀጠር (ብስም ኣስቴር ዝተብሃለት ውልቀ ሰብ)

  7. መገዲ ኣየር ዱባይ (ብስም ጅኒ ዝተብሃለ ወልቀ ሰብ)

  8. ሆቴል ኣስመራ ፓላስ

  9. ሆቴል ቦሎኛ (ብስም ኣለፈች ዝተብሃለት ውልቀሰብ)

  10. ጽጌረዳ ትራቭል ኤጀንሲ (ብስም ሄርሞን ትባህል ውልቀሰብ)

  11. ኣምና ትራቭል ኤጀንሲ

  12. ኢግል ትራቭል ኤጀንሲ (ብስም በረኸት ዝተብሃለ ወልቀ ሰብ)

  13. ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰን

  14. ስነ ጥበባዊ በረኸት መንግስትኣብ …እዮም፡፡

እዞም ትካላትን ውልቀ ሰባትን ኣብ ባንኪ ኣባይትን ንግድን ብናይ ወጻኢ ባጤራ ገንዘብ ከዋህልሉ ዝፈቕደሎም እንኮ ሓላፊ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ጥራይ ኢዩ፡፡ ካብዘን ትካላትን ውልቀ ሰባትን ምስታ ስውርቲ ፊናንሳዊ ትካል ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ቐጥታ ርክብ ዘለወን ኣካውንታት ኩባንያታት ቢሻን ዛራን እየን፡፡ ኣብ ወጻእ ካብ መሸጣ ማዕድናት ወርቅን ነሓስን ዝተረኸበ ገንዘብ፡ ክብ ኢለ ኣብ ዝጠቐስኩወን ባንካታት ምስተቐመጠ ንመሳለጥያ ዝውዕል ውሱን ወጻኢ ሸርፊ ድማ ናብ ባንኪ ኣባይትን ንግድን ብናይ ዛራን ቢሻን ኣካውንት ይስደድ፡፡ ድሕሪ መዓልታት ድማ እቲ ገንዘብ ብካሽ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይለኣኽ፡፡

በቢእዋኑ ካብዚ ውህሉል መሳለጥያ ካብ 600 ሺሕ ክሳብ 1.5 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ብናይ ሓጎስ ኪሻ ክታም ተጠሊቡ “ተስፋኣለም” ብዝብል ዝተሰነዐ ስም ክታም ዝተገብረሉ ወረቐት ዝሓዙ 3 እሙናት ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብሳምሶናይታት ይለኣኽ፡፡ እዞም ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተላኢኾም ዶላር ድሕሪ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወይ ከኣ ብጸላም ዝወስዱ እሙናት ኣባላት ዝስዕቡ እዮም፡፡

  • ሌ/ኮ ኣማኒኤል ተስፋጋብር (ካብ ሜዳ ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ቀንዲ መራሕ መኪና ኢሳይያስን ኣባል ክፍሊ ሓላዋን ርክብ ራዲዮን ፕረሲዳንት)

  • ሌ/ኮ በረኸት ወልደሚካኤል (ካብቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ሓለዋ ፕረሲዳንት ሓደ)

  • ካፒተን ንጉሰ ሃብተ (መራሕ መኪና ኢሳይንስን ኣዛዚ ሓለዋ ካልኣይ ሽፍቲን) እዮም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝፍጸም በደላትን ስውር መስርሓትን መብዛሕትኦም ብኸምዚኦም ዝኣመሰሉ እሙናት ዝትግበሩ እዮም፡፡ ኣብ ምጉሕጓሕ ጸጋታት ትሕቲ መሬትን ኣተሓሕዛ ወጻእ ሸርፍን ድማ ንህዝቢ ኬነጸረ ዝጸንሐ ሚስጢር ብሓጺሩ ነዚ ይመስል፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ኣብ ኣፋፍኖት ዕርበት ዝርከቡ መራሕቲ ሃገራት ኣዕራብ፡ ኣብ ኣጋ ጥፍኣቶም ካብ ዝትግርዎ መስተንክራዊ ውሳነታት ሓደ፡ ንዘመናት ዝሰረቕዎ ማል ዝሕልዉሎምን፡ ሂወቶም ዝከናኸኑን፡ እሙናት ኣባላት፡ ኣዝማዶምን ውላዶምን ኣብ ተአኣፈፍቲ ውዳቤታት ምስኳዕ እዩ፡፡ ትማል ኣባጓይላ ኢሳይያስ ከምቶም ዓረባውያን መራሕቲ እታ መሸንቆቕ ናብ ክሳዱ ምስኣቕነዐት፡ ንውላዱ ኣብርሃም ኢሳይያስ ናብ ሓይሊ ኣየር ክፍሊ ኦፕረሽን ክውዝዖ ተዓዚብና ኢና፡፡ ኣብ ስውር መስርሕ ወጻእ ሸርፍን ምልውዋጥ ባንካዊ ኣገልግሎታትን ድማ፡ ብሓጎስ ኪሻ ዝተተግበረ ጉዳይ ተመሳሳሊ እዩ፡፡ “ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ” ከምዝብልዎ ለባማት፡ “እንኮ ወናኒ ጸጋታት ሃገርና” ሓጎስ ኪሻ፡ ኣብ ዝምታ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር፡ ሚስጢሩ ክዕቅብን ክጸናጸንን ኣብ ባንኪ ኣባይትን ንግድን ከም ኪኢላ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ጌሩ ዝመደቦ ጴጥሮስ ሓጎስ ዝተብሃለ ወዱ ምኻኑ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዝካየድ ዘሎ ኣሽካዕላል ክንደየኡናይ ደረጃ ምብጽሑ መርኣያ እዩ፡፡ ንሎሚ ኩሉ ብዛዕባ ሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ነዚ ጽሑፍ ሼር ክገብሮ እንዳሓተትኩ ክሳብ ዝቕጽል

ጽሑፍ ወ ደሓንኩም!!!

1ይ ክፋል

 ካብ ሓደ ሚልዮን ዝበዝሕ ህይወት ደቀባት ዝሃለቐላን፣ ካብ ፍርቂ ሚልዮን ንላዕሊ ጀጋኑ ደቀባት ኣብ ኣብያተ ማእሰርታት ዝበልዩላ ዘለውን ሃገር ኤርትራ፣ ሎሚ ግና ድሕሪ 40 ዓመታት ቃልሲ፣ንኮንቱ ጻሞኻ ኤሳው ኮይኑ። በቶም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ፣ ግንከኣ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብራሾ-ማይ ዘየቐበሉ ክንሶም፣ቀንዲ ወኪል ስለላ መርበ  እስራኤል ሞሳድ  (ምውሳድ ምፍጋር)  ኮይኖም፣ ብሪሞት ኮንትሮል ንጽዮናውያን ዘገልግሉዎም ዘለው ገበርትን ሓደግትን፤ ከም ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ የማን ገብርኣብ (ማንክን= ህበይ ምዓልዲ)፣ ሓጎስ ገበረሂየት (ክሻቴንቤናይ)፣ ስምኦን ገብረድንግልን (ንስሙ “ብኣከለ-ጉዘታይ” ማዕረባ ዝፍለጥ፣ግንከኣ ዓሌቱ ዘይፍለጥ ሰላዪ)፣ ኣብርሃ ካሳ (ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት=ትግራዋይ ወዲ ቀሺ ካሳ፣ ዓባዩ ግና ካብ ኣከለጉዛይ ሰሳሕ ዝብሃል ዓዲ እያ ትውለድ) ሓላፊ ህዝባዊ ድሕነትን፣ ታኒካ ባሕሪ ስብሓት አፍሬምን፣ በብኡ ካብ ኣንዳ ደግያት ስብሓት ቴንቤናይ፣ ኮይኑ ከም ወደ40 ኣብ ኣባርዳእ ዝነብር ዝነበረ ትግራዋይ እዩ። ኣዲኡ ግና ዓደ-ኮሎም ድንበዛን ትውለድ። እወ፣ እዞም ዋርድያታት ጽዮናውያን ኮይኖም፣ ባህርያዊ ሃብቲ ደቀባት ኤርትራ ኣሕሊፎም ጽዮናውያን ከምዝዘምትዎ ዝገብሩ ዘለው ፣ነብሶም ዝሽጡ ሜርስነሪ እዮም። ንዕኦም ድማ ከም ዋሕስነት ህይወቶም (ኢንሹራንስ) ተባሂሉ፣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ባንክታት ትኳቦ ይቕመጠሎም ኣሎ። ግና ጽባሕ ብጊሓት ዘይበልዑዎ ገንዘብ እዩ። ሞቡቱ ሴሴትኮ 2 ትሪልዮን ዶላር ጽዮናውያን ወሪሶሞ። እዞም ወኻሩ ንዓደቦና ዝጻወቱላ ዘለዉ ድማ ደሞም ደመከልቢ፣ ገንዘቦም ድማ ጽዮናውያን ክወርሱዎ እዮም።
(ብሓልዮት ደቀባት ዝተወሰኸ ርእይቶ)

                                

ቀዳማይ ክፋል

ሃገር ብባህሪያዊ ጸጋታት ጥራይ ኣይትነብርን።ሃገር ብሰብኣዊ ዓቕሚ ሰብ ጥራይ እውን ኣይትነብርን፡፡ እወ!! ሃገር ንባህሪያዊ ጸጋታትን ሰብኣዊ ዓቕምን ኣማእዚኑ፡ ንራህዋ ህዝቢ ከይተሓለለ ርሃጹ ብዘፍስስ ብሉጽ ፖለቲካዊ መሪሕነት ምስ እትምራሕ ዓለም ዝሰመያ፡ ኩሉ ዝትምነያ፡ መሬታዊት ገነት ትኸውን።ሃገርና ኤርትራ፡ ብጅኦሎጂካዊ ኣጸዋውዓ ትሕተ ምድራዊ መዓድናት ኣሉቪያልን ሪፍትቫሊን እትውንን፡ ሃብታም ሃገር እያ።ኣብዚ ቅድሚ ሚሊዮናት ዓመታት ዝተመስርሐ ጅኦግራፊያዊ ክሊ፡ ካብቶም ዘለው ባህሪያዊ ጸጋታት እቶም ዘየለው ምርቋሕ ይቐልል፡፡ ካብ ገማግም ባሕርና ድራር ዕለቱ ከናዲ፡ ካብ ጸጋታት ልዕሊ መሬት ሕርሻዊ እቶቱ ከድንንፍዕ፡ ጥሪቱ ኣሰሲኑ ብጸባ ክዕንገል ዝግበኦ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ጥፍኣት ስነ-ሓሳብ ኢሳይያስ ታሪኹ ካብ ዝጽልምት ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ካልእ ይትረፍ ካብ ከበሳታት ሃገርና ግቡእ ፖሊሲታትን ስርዓተ ምሕደራ ሕርሻ እንተዝተኣታቶ ዓሳን ማዕድንን ሓዲግና ብሕርሻ ጥራሕ መተዓንገልና፡፡

ንኹሉ ዝሓንገደ ጠላም መራሒና ግን ንጸጋታት ልዕሊ መሬት ናብ ረብሓ ዝልውጥ ዜጋ ኣጽኒቱ ሃገር ኣብ ደልሃመት ኣጥሒሉ፡ እተን ዝተርፈኦ ጸጋታት ትሕቲ መሬት ብሃታ ሃታ ክምእርር መፍቶ ባዕዳውያን ጌሩና ኣሎ፡፡ ካብ ሎሚ ጀሚረ ነቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ዘለው ባህሪያዊ ጸጋታት ንምጉሕጓሕ ዝካየድ ሃረምረምን፡ ዘይቅርዑይ ኣተኣላልየኦምን ዝምልከት ብዝተፈላለየ ሰነዳት ዝተወሃሃደ ጽሑፍ የቕርበልኩም፡፡

ኣይተዓደለን’ምበር ንባህሪያዊ ጸጋታት ሃገር ከማእክል ብስም ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ዝፍለጥ ስማዊ ትካል ኣብ ሃርና ካብ ዝጣየስ ዳርጋ ርብዒ ዘመን ኣቑጺሩ፡፡ ምድስካል መንግስታዊ ትካላት ኣብ ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን ጥራይ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ ከኣ ንኹሉ ግሁድ’ዩ፡፡ እቲ ምንታይሲ! ኣባጓይላ ጥፍኣትና ኩሉ ባዕለይ ዝመትከሉ፡ ናይ “ፕላኔት ፕሉቶ” ናይ ጥፍኣት ፍልስፍና ስለዝኸተል፡፡ ንሎሚ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተብሓቱ ገለ መረዳእታ ዝኾኑ ጭብጥታት ኣበጋጊሰ ናብቲ ቀንዲ ሓሳበይ ክኣቱ፡፡

ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ሓደስቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ምዕባለ ትሕቲ ቅርጺ ፈለማ ኣብ ህንጻን ሕርሻን የትኩር፡፡ ሚ/ሪ ህንጻን ሕርሻን ድማ ከምቲ ኩሉ ዜጋ ዝዕዘቦ ብኣባጓይላ ተባሒቱ ኣብ ታሪኽ ዓለም ኣብ ዕቋር ማይን ኣብ ዝተበጋጋሰ ትሕቲ ቀርጽን ልኡኻት ሃገራት ከተኣናግድን ኣሳእል ክሰኣልን ንዕዝብ ኣለና፡፡ ሚኒስተር ሚ/ሪ ህንጻን ሕርሻን ባዕሉ ኢሳይያስ ኮይኑ፡ እቶም ስማውያን ሚኒስተራት ኣስፍሃ ኣብርሃን ኣረፋይነ በርሀን ብፍቕዲ ዝቑጸሩ “ኪኢላታት” ሓቒፎም ሰዲያ ከሞቑ ኣብ ቤ/ጽሕፈቶም ይውዕሉ ኣለው፡፡ ፊናንሳዊ ፖሊሲታት ኣማእዚኑ ሃገር ክመርሕ ዝተመዘ ብስም “ሚኒስትሪ ፋይናንስ” ዝጽዋዕ ትካል’ውን ብቑጣባዊ ጉዳያት ህግደፍ ተባሒቱ ብሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) እንዳተማእዘነ ቀረብን ጠለብን ሃገርና ሚስጢር ካብዝኾን ዓመታት ሓሊፉ፡፡ ሃገር ብምድሪ፡ ብባሕሪን ብሰማይን ክሕሉ ዝተወደበ “ሚ/ሪ ምክልኻል” ሃገርና ‘ውን ካብዚ ኢሳይያሳዊ ሽርሒ ኣየምለጠን፡፡ ብስም “ምክትታል ሚ/ሪ ምክልኻል” ዝጽዋዕ ብብርጋዴር ጀነራል እዮብ ፍስሃየ (ሓሊባይ) ዝምራሕ ዴስክ ንሚ/ሪ ምክልኻል ተኪኡ ዝነጥፍ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተጣይሱ ንላዕለዎት ሓለፍትን ንሚ/ሪ ምክልኻልን ክጸናጸን መደባት ተዓዲልዎ ኢዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ምናልባት ንሓንቲ መንግስታዊ ዕማም ክልተ ሚኒስትሪታት ዝተመደቡዋ (ዝዓላ) ሃገር እታ ኢሳይያስ ከምድላዩ ዝላገጸላ ኤርትራና ከይኮነት ኣይትርፍን፡፡

ከምቶም ካልኦት ሚኒስትሪታት ሚ/ሪ ጸዓትን ጸዓትን ማዕድንን‘ውን ተልእኾታቱ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ዝጭወ ዓመታት ኣቁጺሩ’ዩ፡፡ ንዓመታት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ እንዳተለዋወጥላ ዝጸንሐት እዛ ሚኒስትሪ ኣብ መወዳእታ እቲ ድሕሪ ሪፈረንዱም ኣብ ኒውዎርክ ቤ/ጽ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ባንዴራ ኤርትራ ንፈለማ ዝሰቐለ ሚ/ር ሓጂ ዓሊ ካብ ሚ/ሪ ሃብቲ ዓሳ ተቐየሩ ምስመጸ ዚያዳ ከንቀሳቕሶ ምስ ጀመረ ሃንደበት ጉዳይ ስርሒት ፎርቶ ኣጋጠመ፡፡ ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን ድማ ድሕሪ ስርሒት ፈርቶ ነቲ ባዕሉ ኢሳይያስ “ምስሉይ” ዝጽውዖ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ተመጢዬሉ ኢዩ፡፡ ክሳብ 2013 ወርሒ ጥሪ ብሚኒስተር ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ ክምራሕ ዝጸንሐ ሚ/ር ጸዓትን ማዕድንን ከም ግቡእ ኣብ ኩሎም ዓይነት ባህላዊን ዘመናዊን ስራሓት ዕደና ክነጥፍ፡ ኣብ ሃገርና ዘለዋ ናይ ዕደና ካምፓኒታት ከመሓድር፡ ኣብ ጸዓት ምዕሩይ ዝርገሐ ክተኣታቶ፡ ጠለብ ሃለኽቲ ነዳድን ካልኦትን ንህዝቢ ከማልእ ይግባእ ኔሩ፡፡ ብኣንጻሩ ዕማሙን ተልእኾኡን ተጨውዩ ይትረፍ ዶ ምዕሩይ ዝርገሐ ስርሓት ጸዓትን ማዕድንን ከተኣታቱ፡ ንባዕሉ ከም ቤ/ጽ ሰንከልከል ክብል ድሕሪ ምጽንሑ፡ ሚኒስተር ሓጂ ዓሊ ድማ “ሃይማኖታዊ ጥሩፍን ግብረሽበራዊ” ተሰሚዩ ናብ ጸላም ጎዳጉዲ ምስ ብጾቱ ካብ ዝድረበ እንሆ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡

ጸብጻባት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ከምዘረጋግጽዎ ንጸዓትን ማዕድንን ዝምልከት ኣዋጃት ብቁጽሪ 68/1995 ዝወጸ “ሕጋጋት ንምስራዕ ስርሓት ዕደና” ዝብል’ዩ፡፡ ኣዋጅ ጸዓትን ማዕድንን ተሓኺኹ ጸጋታት ትሕቲ ምድሪ ንውሑዳት መገልገልቲ ኢሳይያስ ዘርብሕ ጥራይ ምስኮነ፡ ሃገርና መፍቶ ብኢዳዙር ዝኣተው ባዕዳውያን መዝመዝቲ ኮነት፡፡ ኣብ ውሽጢ ርብዒ ዘመን ካብ ዝተኻየዱ መጽናዕታት ኣብ ሃገርና ኣስታት 41 ክቡራት ማዕድናት ምህላዎም ተረጋጊጹ’ዩ፡፡ ነዚ ተፈጥራዊ ትዕድልቲ ክምዝምዙ ብስም ሃገር ምስ ኢሳይያስ ክታም ኣምቢሮም ዝኣተው ናይ ወጻኢ ዕድና ካምፓኒታት ድማ ካብ 50 ዘይውሕዱ ‘ዮም፡፡ እቶም ብኣህጉራዊ ሕግታት ዝኣምኑ ባህሪያት ግብትና ውልቀ መላኺ እንዳስተብሃሉ፡ ቀስብቐስ ክወጹ እንከለው እቶም ዝበልዎም ዝፍጽሙ ሒደት ኣገልገልቲ ከኣ ተሪፎም፡፡ ኣብ መስርሕ ዕድና ሃገርና ከውፍሩ ካብ ዝኣተው ካምፓኒታት እቶም ዝበዝሑ ናይ ካናዳ፡ ኣውስትራሊያ፡ ቻይና፡ ዓባይ ብሪጣኒያ፡ ዓረብ ዒመራትን ባርባዶስን ’ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ድማ ካብቶም ዝተረፉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣውፈርቲ ካምፓኒታት ብሰንኪ ብልሽው ኣተኣላሊያ ናብ ክልተ ጸሪሮም ኣለው፡፡

እቶም ዝተረፉ ድማ ናይ ኣውስትራሊያ፡ ካናዳን ቻይናን ኣውፈርቲ ‘ዮም፡፡ ብሽርክነት ኢሳይያስን ኔቭሰን ሪሶርስስ ዝተብሃለ ናይ ካናዳውያን ትካል ዝቖመ Bisha mining Share company እቲ ዝገዘፈ ኮይኑ ኣብ 2010 ብስም ሽርክነት ምስ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ማዕድን ተፈራሪሙ ዝኣተወ’ዩ፡፡ ኣብ ጋሽባርካ፡ ዓንሰባ፡ ዞባ ማእከልን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ኣብ ዝርከቡ ከባቢታት ዳህሳስ ከካይድ ፍቓድ ዝተዓደሎ ካናዳዊ ትካል ኒቭሰን፡ ፈለማ ኣብ የካቲት 2011 ኣብ ቢሻ ወርቂ ከፍሪ ጀሚሩ፡፡ ካብ ቢሻ ጥራይ ኣብ ውሽጢ 5 ዓመታት (ካብ 2011 ክፍላ 2014) ኣስታት ናይ 1.1 ቢሊዮን ዶላር ዝኾውን ክፍሊት ወርቂ ብስም ውልቀ ሓለፍቲ ኣብ ወጻእ ባንክታት ተቐሚጡ ‘ዩ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ቢሻ ዝርከቡ ካልኦት ከባቢታት ኣስታት 26.5 ሚሊዮን ቶን ዝግመት ናይ ወርቂን ካልኦት ማዕድናት ውሁድ (Ore) ኣብ ቀጻሊ ዓመታት ክጉሕጓሕ መደብ ተታሒዙ ኣሎ፡፡

ጎኒ ጎኒ ምስ ኣውስትሪያላዊ Chalice Gold mines ብዝተግብረ ሽርክነት ኣብ ከባቢ ቆቋ ዝርከብ ኣስታት 5 ሚሊዮን ቶን ዝተገመተ ናይ ወርቂን ካልኦት ማዕድናትን Ore ክጉሕጓሕ መደባት ተሓንጺጹ ኣሎ፡፡ ብውዕውዕ ናይ ህዝባዊ ርክባት ስራሕት “ሳላ ዛ ወርቂ ቢሻ ልበይ ተሓጊሻ” ክብል ዝተገደደ ህዝብና ድሕሪ 5 ዓመታት ከኣ “ኣነ ዝተጸበኹዎ ወርቂ ቢሻ ንሶም ዝሃኒ ክላሽን ራሻ” ኢሉ ዘንጸርጸረሉ ሕቡእ ሚስጢራት ድማ ቀጺለ ከቃልዕ፡፡

ኩሎም ትካላት ወጻኢ ኣብ ስርሓት ዕደና ንኸውፍሩ ክፈራረሙ እንከለው ኣብ ሚዲያታት ንህዝቢ ዝረኣዩ እቶም ኣብ “ኣብ መዓላ እቲ ፍርያት ዘየእትዎም” ሚ/ር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊን ገለ ዳሬክተራትን’ዮም፡፡ ክታም ከይነቐጸ ብቅልጡፍ ኩሉ መጽናዕታት ሰነዳትን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ምስተወሰደ ድማ ጉዳይ ማዕድን ከም ሓደ ሃገራዊ ክቱር ሚስጢር ተሓሲቡ፡ ንኢሳይያስ፡ ሓጎስ ኪሻን የማነ ማንኪን ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ይኸውን፡፡ እዞም ሰለስተ ውልቀ ሰባት ተወሳኺ መጽናዕታት ኣካይዶም ኣብ ኣተሓላልዋ፡ ካብን ናብን ኣብ ምጉዕዓዝ፡ ኣብ መሸጣ ብደቂቕ ዝተኣለሙ መደባት የውርዱ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ኢሳይያስ ካብቶም ከም ሓሽሽ ክሕለው ዝደልዮም ዋኒናት እቶም ቀንዲ ወጻኢ ሸርፊን ማዕድናትን ‘ዮም፡፡ ንመረዳእታ ክኾነና በዚ ኣጋጣሚ ሓደ ጉዳይ ከልዕለልኩም፡፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ቀጠር ንዝተፈላለዩ ዞባዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ዝዝትይሉን ዝዝናግዕሉን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ናይ ምስሪ ሻርማል ሼክ ዓይነት ክውል ቦታ፡ ናይ ምህናጽ መደብ ስለዝሓንጸጸ፡ ኣብ 2010 ኢሳይያስ ምስ ዓሚር ቀጠር ጣሚም ቢን ሓሚድ ዓልጣኒን ተሰማሚዖም ንደሴት ዳህላክ ንዓመታት ዘገልግል በቢክፍላ ዝስላዕ ናይ 250 ሚሊዮን ዶላር ሊዝ ክታም ኣምቢሮም፡፡ ቀጠራውያን መራሕቲ QDVC (Qatari diar real Estate Investment COMPANI & Vvinci construction Grand projects) ዝበሃል ናይ ዘመናዊ ርሻናትን ህንጻን ትካል ምስ ኣስታት 400 ዝኾኑ ኪኢላታት ሰዲዶም ኣብ ዳህላክ ስራሕ ጀሚሩ፡፡ በቲ እዋን ኢሳይያስ ንዝፈጸሞ ካብ ህዝብና ዝተኸወለ “ፊናንሳዊ ልፍንቲ” ካብ ህዝብን ሚዲያን ብምኽዋል ሰለስቲኦም (ኢሳይያስ፡ ሓጎስ ኪሻን የማነ ማንኪን) ድሕሪ ምዝታዮም፡ ንሓለውኡን ሚስጢራውነቱን ዝምለከት ስርሓት ንወኪል ሃገራዊ ድሕነት ክውሃብ ወሲኖም፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ ብብ/ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝተሓረዩ 21 ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ሰራሕተኛታት ኩባንያ ህንጻታት ገደም፡ ሳዋን ሰገንን ዝብል ጉልባብ ተዓዲሎም ናብ ዳህላክ ተዋፊሮም፡፡

እዞም ኣባላት ወ/ሃ/ድሕነት ብቐጥታ ብቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክፍጽምዎ ዝተዓደሎም ዕማማት ዝስዕቡ ኔሮም፡፡

  1. ዝኾነ ይኹን ብዛዕባ ዝህነጽ ዝነበረ ህንጻታትን ርሻናትን ዕላል፡ ወረ፡ ሓበሬታ፡ ኣሳእል ዘለዎ ሰብ ፈሊዮም መጽናዕታት ከካይዱን ክቆጻጸሩን

  2. ምስቶም ኣስታት 400 ዝኾኑ ወጻእተኛ ኪኢላታት ፍሉይ ርክብ ዝነበሮም ኣባላት ኩባንያ ህንጻ ገደም፡ ሳዋን ሰገንን ኣጽኒዖም ንዝምልከቶ ኣካል ከቕርቡ

  3. ኣብ ዳህላክ ኣብ ልዕሊ ዝፈሰሰ ማእለያ ዘይብሉ ንዋትን ማልን ክፍጸም ዝኽእል ስርቂ፡ ምጥፍፋእ ምክትታል ዝብል (ብውሽጣዊ ጸጥታ ዝተወሰኸ) ኔሩ፡፡

ማእለያ ዘይብሉ ናጻ ጉልበት ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ዝፈሰሶ ዘመናዊ መዘናግዒ ማእከል ዳህላክ ድማ ኣብ 2015 ተጻፊፉ ተመሪቑ፡፡ እዚ ሕቡእ ትሕተ ቅርጽታትን ርሻናትን ክሳብ ሎሚ ብወግዒ መግለጺ ዘይተግበረሉ ኮይኑ ከም ሳክቲዝም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2016 ኣብ ዝፈነኹዎ ጽሑፍ ብዝርዝር ዝገለጽኩዎ ኮይኑ ብተወሳኺ ኣብ  www.sacttism.com and page sacttism “….ዘይትግበር ህግደፋዊ ጭርሖ ብግብሪ….” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም፡፡ ብዝኾነ ክሳብ ሕጂ እዚ ዝበሃል ስራሕ ኬተሰርሓሉ ዝጸንሐ ርሻናት ዳህላክ ክጸናጸኑ ዝተልኣኹ 21 ኣባላት ወኪል ሃ/ድሕነትን ብቦጦሎኒታት ዝተስርዑ ኣባላት ሃ/ኣገልግሎት ኣባላት ኩባንያታት ህንጻን በቲ እዋን ብመንግስቲ ቀጠር ዝተሰለዓሎም ወርሓዊ ደሞዝ 9,000 ናቕፋ ኔሩ፡፡ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ግን ነቶም ሰራሕተኛታት ብወርሓዊ ናይ ምዱብ ክፍሊት ክዕደሎምን ዝተረፈ ድማ ኣታዊ ክግበር ወሲኑ፡፡ እዞም ተጸናጸንቲ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ካብ ዝተውሃቦም መደባት ሓደ ስርዓተ ክፍሊት ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ ነቶም ወጻእተኛታት ዝህቡ ሰራሕተኛታት ምጽንጻን እዩ፡፡ እቲ ዝገርም!! እቶም ተጸናጸንቲ ወርሓዊ 1,700 ናቕፋ ክኽፈሎም እንከሎ፡ እቶም ንኣስታት 5 ዓመታት ማይ ጨው እንዳሰተዩ፡ ኣብ ኣጽምእ ከርተት ዝበሉ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ግን እታ ዝተሰለዓትሎም ወርሓዊ ካብ 450 ክሳብ 600 ናቕፋ እንዳተኸፈሎም እዮም ሰሪሖም፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዳህላክ በቢ 7 ኣብ 3 ሽፍቲ ብጉልባብ ሓለዋ ካብ ዝተመደቡ ኣባላት ንኣብነት ኢብራሂም መሓመድ፡ መሓሪ ተስፋይ፡ ዮናስ በኹረጽዮንን ሳምሶምን ዝተብሃሉ ይርከብዎም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!

ተዘክሮታት ዳህላክ ዘልዓልኩ ምኽንያት ኢሳይያስ ንወጻእ ሸርፍታትን መሸጣ ባህሪያዊ ጸጋታትን ኣመልኪቱ ዝኽተሎ ስውር መስርሕ ንምርዳእ ‘ዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ንኣተሓሕዛን መሸጣን ወርቂ ቢሻን ዛራን ድማ ከም ናይ ዳህላክ ዓይነት ስውር መስርሕ ከምዝስዕብ ክገልጸልኩም፡፡

ከምቲ ምስ መንግስቲ ቀጠር ዝተገብረ ስውር ልፍንቲ ንወርቅን ካልኦት ባህሪያዊ ጸጋታትን ዝምልከት ምስቶም ኩባንያታት ወጻኢ ክታማት ምስ ተጻፈፈ ድማ፡ ኣብ ምትካል ትሕቲ ቅርጽታት፡ መፍረ ወርቂን ምጉዕዓዝን ድማ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ሓይሊ ኣየርን ክዋሳኡ መደብ ተሓንጸጸ፡፡

ሓላፍነት ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ባህሪያዊ ጸጋታት፡

ኣዛዚ ሃገራዊ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን ብ/ጀ ስምኦን ገብረድንግል፡ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳር ኮ/ል ሃይለ ክቡርነቱን ሓላፊ ወፍርታት ውሽጣዊ ጸጥታ ኮ/ል የማነ ኣፍወርቂን እቶም ቀንዲ ምስ መሸጣን ሓለዋን ባህሪያዊ ጸጋታት ምትእስሳር ዘለዎም ሓለፍቲ ‘ዮም፡፡ ክልቲኦም ንስውር ምጉዕዓዝ፡ ሓለዋን ማዕድናት ኣድላይ ዝኾነ ዝተሰነዐ ናይ ጉልባብ ሰነዳት ኣብ ምድላውን ዓቕሚ ሰብ ኣብ ምምዳብን ብቐጥታ ይነጥፉ፡፡ ንኣብነት ኣብ ቢሻ ንሓለዋ ዝተመደቡ ኣባላት ወኪል ሃ/ድሕነት መብዛሕትኦም ብዝተሰነዐ ናይ ሓሶት ታሴራ፡ ዲግሪ፡ ዲፕሎማን ሰርቲፊኬትን ከምዘለዎም ተጌሩ ዝተመደቡ እዮም፡፡ ንወርቂ ቢሻ ኣምልኪቱ ኣብ ዝትግበሩ ስውር ሓለዋታትን መጽናዕታትን ክትዋሳእ ከም ሓላፊት ዝተመደበት ድማ ገዲም ተጋዳሊት ኣለም (ጓል ካስትሮ) ዝተብሃለት’ያ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ከም ኣለም ዝኣመሰላ ካብ ሜዳ ጀሚረን ኣብ ዝተፈላለየ ሚስጢራዊ ስራሓት ዝዋፈራ ደ/ኣንስትዮ ሕጂ ‘ውን ኣለዋ፡፡

ኣለም ትመርሖም ብሰቪል ጉልባብ ዝተመደቡ ኣስታት 40 ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታን ፖሊስን ብኣዚዩ ስቱር መገዲ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ቢሻ ክሰርሑ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብ መፋርቕ 2015 ወርቂ ተወዲኡ ናብ ዕደና ነሓስ ምስተሰጋገረ፡ ድማ ማዕድን ነሓስ ብባህሪኡ ክሕባእ ዘይክእልን ብወደብ ንሰደድ ዝወጽእ ስለ ዝኾነ ካልኦት ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ተመዲቦም ክዓዩ ተገብረ፡፡ (እታ ዝፈነኹልኩም ቪዲዮ ንመስርሕ ሰደድ ማዕድን ነሓስ (Copper Ore) ናብ ቻይና እተርኢ ኢያ)፡፡ በቲ እዋን እቶም ብዙሕ ህዝቢ ዝፈልጦም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ከም ተወሳኺ ኣብ ቢሻ ዝተመደቡ ኣባላት፡ መብዛሕትኦም “ውፍያት” ዝተብሃሉን ብሰንኪ ብዝሒ ቆልዑ ናይ መነባብሮ ጸገም ዝገበሩ፡ ወርሓዊ 4,000 ናቕፋ ንኽወስዱ ዝተወሰነሎም ኔሮም፡፡ ንኣስታት 5 ዓመታት ስለያዊ ጸብጻባት ወርቂ ቢሻ ንውሽጣዊ ጸጥታ ክተመሓላልፍ ዝጸንሐት ኣለም፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመታት እውን ኣብ ሆቴል ኣስመራ ፓላስ፡ ከም ተቆጻጻሪት ተመዲባ ብጉልባብ ንዝተፈላለዩ ወጻእተኛታትን ንምዝንጋዕ ዝመጹ ሓለፍትን ክትጸናጸን ጸኒሓ ኢያ፡፡ ኣብ 2015 ተጋዳሊት ኣለም ድማ ካብ ቢሻ ተሳሒባ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ናይ ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስ ኮ/ል ሃይለ ተስፋዝጊ (ክቡርነቱ) ፕርሰኔል ኮይና ተመዲባ ኣላ፡፡ ብዓይኒ ሓቂ ካብ ህዝቢ ዘይተኸወለ ጽፉፍ ምሕደራን ኣተኣላሊያን ዝትግበረሉ ናይ ዕደና ትካል ኣብ ዝኸነ ሃገር ክሳብ ክንዲዚ ሚስጢራዊ ኣተሓሕዛ ኣይግበረሉን፡፡

ጸብጻባት ተጋዳሊት ኣለም ከምዘረጋግጽዎ ኣብ ቢሻ ዝለዓለ ስርቅን ምጥፍፋእ ከምዝነበረ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሓደ ብጎኒ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝተልኣኸ ጸብጻብ ከምዘረጋግጾ ሓደ ብጉልባብ ከም ኣውቲስታ ተመሲሉ ዝተመደብ የማነ ሃብተጽዮን ዝተብሃለ ኣባል ኣብ ቢሻ ዝተርኣየ “ስርቂ፡ ምጥፍፋእን ጠብሎቕሎቕን” ዝምልከት ብዝርዝር ሓበሬታ ናብ ሃገራዊ ድሕነት ብምልኣኹ፡ ከይጸንሐ በዓል የማነ ኣፍወርቂን ሃይለ ክብርነቱን ኮነ ኢሎም ካብ ቢሻ ኣሊዮም ኣብ ጨንፈር ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ማእከል ኣውቲስታ ኮይኑ ክምደብ ከምዝገበርዎ እዩ፡፡ ኣብ ቢሻ ዝካየድ ስርቅን ምጥፍፋእን ዝምለከት ኣድላይ እንተኾኑ ካልእ ግዜ ክምለሶ እየ፡፡ ብዝኾነ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ወርቂ ቢሻ ኣብ ምሕላው ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ምጉዕዓዝ ‘ውን ዝነጥፍ እቲ እንኮ ኣካል መንግስቲ ‘ዩ፡፡

ብዝለዓለ ሚስጢርን ሓለዋን ካብ ዕደና ቢሻ ናብ ኣስመራ ሰሙናዊ ኣስታት ክልተ ግዜ ክሳብ 9 ኩንታል ዝጸጋጋዕ ወርቂ ብ Y-12 ዝተብሃላ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ንዝሓፉ 5 ዓመታት ክጓዓዝ ጸኒሑ እዩ፡፡ ካብ ቢሻ ናብ ኣስመራ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብጉልባብ Warsa enterprise security ናይ ውልቂ ትካል ኣምሲሎም ሰማያዊ ዝሕብሩ ኮምብላሶዮን ለቢሶም ዘጓዓዕዙ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኣደም፡ ስልጣንን ኣማኒኤልን ዝተብሃሉ እዮም፡፡ እዞም ምዱባት ስለዝተኣዘዙ እምበር እዚ ዝበሃል ረብሓ ዘለዎም ኣይኮኑን፡፡ ስለዚ ብዛዕብኦም ብዙሕ ሓበሬታ ዋላ እንተዘይገለጽኩ በዚ ኣጋጣሚ ኣደም ዝተብሃለ ኣባል ቤ/ት ሰውራ ግን ሓዋ ንስነ ጥበባዊት ዛህራ ዓሊ ምኻኑ እገልጽ፡፡

ኣብ ልዕሊ ባህሪያዊ ጸጋታት ወርቂ ዝከየድ ዝምታ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳሰፍሐ ኣብዝኸደሉ ዘሎ ኣብዚ ሕሱም እዋን፡ ካብ 2015 ንነጀው ድማ ብተመሳሳሊ መልክዕ ካብ ሓድሽ ዕደና ወርቂ ዛራ ብMi 17 ሄሊኮፕተር ሰሙናዊ ክሳብ 4 ኩንታል ወርቂ ይግዕዝ ኣሎ፡

ኣብ ካልኣይ ክፋል ገለ ሰነዳት ሚ/ሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ መጽናዕታት ጸጋታት ሃገር፡ ምትእትታው ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣብዕደና ዛራን ካልኦትን ዝምልከት ሓበሬታ ክቕጽለልኩም