ቃልሲ አርትራ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን፣ ቃልሲ ትግራይ ህ.ው.ሓ.ት፤ን፣ ብፍላይ ትካል መንግስቲ እንግሊዝ፣ ብሓፈሻ ከኣ ትካል ምዕራባውያን እዩ።

ታሪኽዕዊ እከይ ግብሪ ትግራዎት ትፈልጡዎዶ? ዋርሳይ እከኣሎ ንጉስ የውሃንስ፣ ጭፍራ  ወያኔን ህግደፍ እዮም! ንጉስ ትግራይ የውሃንስ ሰላዪ ኮሎንያል መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ነይሩ። ታሪኻዊ መረጋገጺ ከኣ፣ እቲ ብጀነራል ናምፒር ተመሪሑ ንንጉስ ቴድሮስ ካብ ስልጣኑ ዘውረደ ሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብሰላዪ ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ተሓጊዙ እዩ። እወ፣ ኣብቲ በታ ብዕለት 24 ግንቦት 1819 ዝተወልደት፣ ንግስቲ ቪክቶርያ እትብሃል ንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነጊሳትሉ ዝነበረት ዘመን፣ ማለት ብ1868 ዓ.ም.ፈ. ምስ ምሉእ ዕጥቁን ስንቁን ካብ ሃገር ህንዲ ተበጊሱ ብትግራይ ኣቢሉ ንንጉስ ቴድሮስ ሰዓረ ጀነራል ናምፒር እዩ ዝነበረ።

ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ካብ ፍሪሜሶን ጀምስ ብሩስ እዩ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ።

JamesBruce.jpg
ብ14 ታሕሳ 1730 ዓ.ም.ፈ. ንእትዮጵያ ብ14 የካቲት 1770 ዓ.ም.ፈ. ኣተወ ኣብ ከባቢ ቀላይ ጻናን ፈለግኣባይን ን7 ዓመታት ዝኣክል ምርምር 27 ሚያዝያ1794 ኣብ 63 ዕድሜኡ ሞይቱ

 Robert Cornelis Napier, 1st Baron Napier of Magdala portrait photograph by John Watkins.jpg

ጀነራል ሮበርት ናምፒር እዩ ዝነበረ። ካብ 23 June 1876 – 3 January 1883 ኣብ ሥልጣን ዝነበረ። ኣባል ፍሪሜሶንስ Freemasonry


Tewodros II of Ethiopia in the 1860s.jpg
ጅግና ንጉስ ቴድሮስ ሓደ ነዲኡ ብከዳዕን ሰላይን ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ሕትወቱ ብዅርዕት
ንሃገሩ ዝበጀወ።

Emperor Yohannes IV.jpg
ጉሥ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ካብ 11 ሓምለ
1871 ክሳብ 10 መጋቢት 1889 ዓ.ም.ፈ.
ኣብ ከባቢ ትግራይ ይገዝእ ነበረ። ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ስለላ ብንጉስ የውሃንስ እዮም ጀሚሮሞ። ንየውሃንስ ሰላዪ ብምኽታብ ንንጉሥ ቴድሮስ ክስዕሩዎ ከኣሉ።ንጉስ ቴድሮስ ብጀነራል ናምፒር ምስ ተሳዕረ ንጽባሒቱ ንዓዲ ኳላ ኣተወ። ካብኡ ንሃዘጋን ጸዓዘጋን ተቛጻጸረ። ንሸቃ ኣሉላ ወኪሉ ከኣ ንትግራይ ተመልሰ። ሸቃ ኣሉላ ድማ ን10 ዓመታት ንኤርትራ ብመስፍናዊ ኣገዛዝእ ገዝኣ።

 

መሃንድሳት ትግራይ ትግሪኝ ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዝ እዩ ተማሂዙ። ንከተግብሩዎ ዝተመልመሉ ሰባት ድማ ሓደ ወልደኣብ ወልደማርያም። ዋርሳይ ወልደኣብ ወልደማርያም ኮይኖም ነቲ ፕሮጀክት ንምትግባር ዝቐጸሉዎ ድማ ጭፍራ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂን መራሕቲ ህውሓት ወይ ወያኔ እዮም።

ኣባላት ትግራይ ትግሪኝ እዞም ዝስዕቡ እዮም!!!

ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ብስልጣን እምበር ብሃገርነት ዘይኣምን  ጠላምን ከዳዕን ትግራዋይ እዩ ዝነበረ። ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ ኣብ መወዳእታ፣ ዋላኳ በቲ ሓሶት ዝኾነ ታሪኽ ማህዲ ክሳዱ ሰዪፎሞ ተባሂሉ እንተተዘንተወ፣ እቲ ሓቂ ግን ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊዛውያን እዩ ተቐንጺሉ። መኽንያቱ ኣብቲ እዋንቲ፣ ኮሎንያል ጣልያን ድሕሪ ኣብ ኲናት ደጓሊ ፈጺሙ ብጀጋኑ ኤርትራውያን ምስዓሩ፣ ብሓገዝ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ነስመራ ክኣቱ ብዙሕ ሜላታት ይፍትን ነበረ።

ንጉስ ትግራይ ምስ ኤርትራውያን ተላፊኑ ንማህዲ እኳ እንተሰዓሮ፣ ተዓዊቱ ንትግራይ እንተድኣ ተመሊሱ ግና ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክወርር ከምዘይክእል ስለላ መርበብ እንግሊዝ ኣረጋጊጾም። ስለዚ ኮሎንያል ጣልያን ብዘይ መኸተ ትግራዎትን ኤርትራውያንን ነስመራ ክኣቱ እንተድኣ ኮይኑ፣ ንንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ እንግሊዛውያን ክቕንጽሉዎ ግድነት ነበረ። ቀንጺሎሞ ከኣ። ካብኡ ንጉስ ብ10 ወርሒ መጋቢት 1889 ዓ.ም.ፈ. (10 March 1889) ቀቅድሚ ሰራዊት ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ምእታው ማለትዩ ክሳዱ ተሰዪፉ ሓሊፉ። ካብኡ ህዝቢ ትግራይ ንጉሶም ምስ ሞተ ኣብ ንርነንሓድሕዶም ሓዊ ኣትዩዎም። ብድሕሪ ሞት ንጉስ ትግራይ የውሃንስ 4ይ እምብኣር፣ መሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ነንሓድሕዶም ተፋለሱ። ሸቃ ኣሉላ ሞይቱ። ራእሲ ሓጎስ ሓዉ ንንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ ኣባሕጉኡ ንኢሰያስ aኣፈወርቂ ማለትዩ ግና ንኤርትራ ተሰዲዱ ሰላዪ ኮሎንያል ጣልያን ነበረ።  መስኪን ህዝቢ ትግራይ ድማ እቲ ዝበዝሐ ብድኽነት ኣብ ትግራይ ክነብር ከሎ፣ ብዙሓት ትግራዎት ግና ንኢትዮጵያን ንኤርትራን ተሰዱ።

እቶም ንኢትዮጵያ ዝተሰዱ ግዳይ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ክኾኑ ከለው እቶም ነስመራ ዝተሰዱ ግና ሰለይቲ ጣልያን ኮይኖም ክነብሩ ከለው እቲ ሓፋሽ ግና በለሱ ኣርዩን ሸቂሉን ድራር ዕለቱ ይምእርር ነበረ።  ኮለንያል ጣልያን ካብ ኤርትራ ብኮሎንያል እንግሊዝ ተደፊኡ ምስወጸ፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ እንግሊ፣ ካብቲ ካብ ንጉስ የውሃንስ ሰላዪኦም ተመኲሮም፣  ንትግራዎት እሙናት ሰለልቲ  ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተወሳኺ መጽናዕቲ ብምክያድ ኣረጋገጹ። ካብኡ ጀሚሮም ድማ ትግራይ ትግሪኛ ዝብሃል ውድብ ንኽምስርቱ ንብዓል ወልደኣብ ወልደማርያም መልሚሎዎም ኣዋፈሩዎም። ኣስተብህሉ፣ መሃንድሳት እንግሊዝ ትግራይ ትግሪኝ ዝብሃል ውድብ ክምስርቱ ከለው ንረብሓ ትግሪኛ ተዛረብቲ ህዝቢ ሓበሽ ሓልዮም ኣይኮኑን። እንታይ ድኣ ከምቲ ብ1920 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሃገር ግብጺ ሙስለም ብራዘርስ ዝብሃል ውድብ ኣኽራሪ ኣስላማዊ ሓይሊ ዝመስረቱ፣ መሳሪሒ ንኺገብሩዎም ኢሎም ከኣ ትግራይ ትግሪኝ ዝብሃል ውድብ ብ1940 ዓ.ም.ፈ. ከም ብዓል ትግራዋይ ግንከኣ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበ ከኒሻ ወልደኣብ ወልደማርያም ኣዋፊሮም ክምስሪቱ ጀመሩ።  ብድሕሪ ወልድኣብ ወልደማርያም ድማ ንኢሰያስን ንመራሕቲ ወያኔን መልሚሎም ቅድም ውድብ ሻዕብያ ጸኒሖም ድማ ሻዕብያ እንተ ደኺማ ንምትካእ መራሕቲ ወያኔ መልሚሎም ንሜዳ ልኣኹዎም።  ካብኡ ዝተበገሰ እዩ እምብኣር፣ እዚ ሎሚ ብወያኔን ኢሰያስን ክፍጸም ንዕዘቦ ዘሎና ውዲታዊ ፍጻሜታት ክፍጸም ከኣለ። እቲ ከነስተብህለሉ ዘሎና ቀንዲ መሰረት ትግራይ ትግሪኝ ግና ብእንግሊዛውያን፣ እሞ ከኣ ንስትራተጂካዊ ረብሓኦም  እምበር ንረብሓ ህዝቢ ሓበሽ ወይ ኣግኣዝያን፣ ትግራይን ኤርትራን ከቶ ኣይነበረን። እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ብሓብትና ዋዕሮ ትርሓስ ተዘርጊሓ ዘላ “ምግላጽ ትግራይ ትግሪኛ እከይ ተግባራቶምን፣ ብወልድኣብ ወልደ ማርያምን ሃጸይ የውሃንስን፣ ጥፍኣት ንእስልምና ደቀባት ክርስትና ንዘውዲ ምትካእ” ዝኣርእስታ  ቪድዮ ንከታተላ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
15.02.2019 ዓ.ም.ፈ.