ለባም ወይ ፈላጥ ዝብሃል ሰብ፣ ቅድም ቀዳድም ፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዘሎዎ እዩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ዝተፋላለዩ ሓበሬታት እናኣከብ፣ፍልጠቱ ዘማዕብል ሰብ ፈላጥ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን፣ብጭቡጥ መርትዖ ድማ ዝተሰነየ  ዘዋህለሎ ፍልጠት፣ ነቶም ዘይፈልጡ ከፍልጥ ከሎ እዩ።

እምብኣር ቃልሲ/ሰውራ ኤርትራ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ኣይኮነን ተጀሚሩ። ቅድሚ መግዛእቲ ቱርኪ ማለት ቅድሚ 15 ክፍለ ዘመን እዩ ተጀሚሩ። ጅግናን ሓርብኛን ህዝቢ ምድረባሕሪ ወይ ህዝቢ ኣገኣዝያን፣ ካብቲ ብቱርክን ግብጽን ተመዊሉ ካብ ሶማል ተላዒሉ ነቲ ብኦሪታዊ ሃይማኖቱ ዝኾርዐ ህዝቢ ኣገኣዝያንን ኣምሓራን ክወር ዝተበገሰ፣መሓመድ ግራኝ ተኻላኺሉ  ግንከኣ ንኻልኣይ ግዜ ከምዘይምለስ ደሲሱ ሃይማናቱን መንነቱን ዓቂቡ እዩ። ብድሕሪ ግራኝ ድማ እፎይ ኢሉ ናብርኡ ከጣጥሕ ክጽዕር ምስ ጀመረ ድማ፣ ኣብ ክንዲ ሓናትስ ጽግዕ ከምዝብሃል፣ ግዝኣት ቱርኪ ክወሮ ጀመረ ፣ ንሰራዊት ኣትራኽ ድማ ከም ኣመሎም ደቂ ኣጋዝያን መኪቶም ስዓሩዎ። ወራር ዖስማን ሞናርኪ ቱርኪ ተሳዒሩ ሃጽ ምስበለ ከኣ፣ ወራር ግብጺ ስዒቡ። ንወራር ግብጺ ድማ ብፍላይ ደቂ-ምድረ-ባሕሪ ወይ ደቂ-ኣጋኣዝያን እዮም ኣብ ጎዳጉድን፣ ኵuiናት ኮዓቲትን፣ጉራዕን መኪቶም መላስ ኣውያት ዘይብሉ ምስገበሩዎ፣ እቲ ተረፍመረፍ ሃዲሙ ንሃገሩ እዩ ዝተዓዝረ።
ድሕሪ ወራር ግብጺ ምስንባቱ ድማ፣ ብምዕዶን ምኽርን ስለላ መርበብ ዓባይ-ብሪጣንያ ወራር ደርቡሽ፣ገላቦ ዝብሃሉ ኣኽረርi ኣስላማዊ ሽዒት  ብመተማን ጎንደርን ተቐልቀሉ። ንሶም’ውን ብፍላይ ብደቂ ኣገኣዝያን (ትግራዎትን ደቂ ምድረባሕርን) ተላፊኖም መኪቶም ድምጹን ድምጽማጹን ኣጥፍኡዎ።
እወ! ህዝቢ ምድረባሕሪ ሕጂስ ካብ ኣኽረርቲ ኣስላም ተጋላጊለ እየ ኢሉ ናብርኡ ክገብር ምስ ጀመረ ድማ፣ኣያንግልዝ እቲ ነዃል ሰልዱ፣ ካብ ድኻን ሃብታምን ዝበልዕ ኣዋሊዱ፣ንተልሜደን ኮሎንያል ጣልያን ብስለላን ኮለላን ኣሰንዩ ንምድረባሕሪ ንኽወር ር ፈተነ፣ ንግዜኡ ድማ ንግብጺ ተኪኡ ኣብ ምጽዋዕ ኮፍ ኢሉ ንቀጻሊ ወራር ኣጽዋር እናኣጓረተ ይቀራረብ ነበረ። ነስመራ ንምእታዉ ካብ ምጽዋዕ ተበጊሱ ኣብ ዶግዓሊ ምስ በጽሐ ድማ፣ ጀጋኑ ደቂ-ምድረ-ባሕሪ ብፍላይ ደቂ ማይጓይላ፣ ኣብ ኩናት ዶጓሊ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ብጅግንነት ስዓሩዎ። ኣብቲ ዓውዲ ኩናት እቲ ድማ ደቂ ሓማሴን ብብዝሒ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይምስክሮ። ብፍላይ እኳድኣ ደቂ ለጎጭዋን 7 ደቀተሽምን 8ናዮም ሙሳን፣ደቂ ድንበዛንን ላዕላይ ዓንሰባን፣ ካብ 80% ዝበዝሑ እዮም.ንወራር ኮሎንያል ጣልያንን ብ5 ጀነራላት ዝእዘዝ 500 ሚእቲ ሰራዊት ኣብ ዶጓሊ መላስ ኣውያት ዘይብሉ ተሳዕረ። በዅሪ ኮለንያል ወራር ጣልያን እምብኣር ኣብ ደጓሊ ምስ ኣብቅዔ፣ ብውዲት መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ እንደገና ሓይሊ ጣልያን ተዳልዩ ንምድረ ባሕሪ ንኽወራ መደብ ኣውጽኤ። ነዚ ድማ ብድሎ ከይትዕሎ ምስ ደቂ ምድረ ባሕሪ ደቂ ኣጋእዝያን ምውግእ ከምዘየዋጽኣ ስለዝፈለጠ፣ማለት ከምቲ ብ27 ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ደጓሊ ዝተደምሰስዎ ከይድምሰሱ ስለዝሰግኡ፣ብውዲት ጸላእቲ ሃይማኖት ክርስትና ብማህዲ ወይ ገላባት ደርቡሽ ዝብሃሉ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንመተማ ልኣኹ። ኩሎም ደቂ ምድረ ባሕሪ ድማ ምስ ኣሕዋቶም ትግራዎት ከተቱ። ወኻርያ ማህዲ ግና ተደምሰሰ ድኣ። እቲ ተረፍመረፍ ወይ ቁሩብ ቁራቦ ካብ ኩናት መተማ ዝተረፈ ድማ፣እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ንገዳርፍን ካርቱምን ተዓዝረ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ንጉስ የውሃን ብውዲት ስለያ መርበብ ዓባይ-ብሪጣንያን መሳፍቲ ሽዋን ተቐንጸሉ። ወተሃደራት ንጉስ የውሃንስ ድማ ፋሕብትን በሉ። ኤርትዋያን’ውን ድሕሪቲ ውግኣ ነንዓዶም ኣብ ናብርኦም ተመልሱ። ካብኡ ኮሎንያል ጣልያን ብስለላን ኮለላን ዓባይ ብሪጣንያ ሓይሊ ደቂ ኣጋእዝያን ተሃስዩ ከምዘሎ ስለዘጽንዐ፣ በቲ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘውጻኣሉ መደብ ተመሪሑ፣ ሓንቲ ጥይት ከይተኮሰ፣ ብከተማ ከረን ተዃሊሉ ንኣስመራ ተቖጻጸረ።
 ብኸምዚ ውዲት ድማ ኮሎንያል ጣልያን ንአርትራ ተቖጻጸረ።ነቲ ምድረ ሓማሴን ምድረ ባሕሪ ምድረ ባሕሪ ነጋሽ ዝብሃል ዝነበረ መሬት ኣጋእዝያን “ኤርትራ” ኢሉ ከኣ ኣጠመቖ። ንኣስታት 70 ዓመታት ድማ ንኤርትራ ሰጥ ለበጥ እቢሉ ገዝአ። መደቡን ራእዩኡን ግና ንመንእሰይ ደቂ-ምደረ-ባሕሪ ዓሳኽር ዓስኪሩ ንሶማልን ንግብጽን ንኢትዮጵያን ኣብ ቅድመ-ግንባር ህጁም እናጠበሶም መሳለጢ ኮሎንያል ግዝኣቱ ተጠቕመሎም። ብድሕሪኡ ንህዝቢ ከበሳ፣ ንዶብ ሱዳን ከግዕዞ እሞ ኣብኡ ድማ ከም ባርያ ኮይኑ ንኸገልግሎ እዩ ነይሩ።

ኣስተብህል፣ ሎሚ ኣብታ ጥንታዊት መሬት ምድረባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) ታርኽ ይድገም ኣሎ። ኩሎም እቶም ካብ ማህዲ ይኹን ካብቲ ገጂፍ ኮሎንያል ጣልያን መዘና ዘይብሎም ተደጋገምቲ  ወራራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣገኣዝያን ዝተኻየዱ፣ ብሓገዝ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ (ኤምእይ6) ቫቲካንን እዩ ዝነበረ። ስለዚ ከነስተብህለሉ ዘሎና ሓደ ምስጢር ኣሎ። እወ! ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ዕሱብ ሲኣይኤን ሞሳድን ጥራይ ዘይኮነ፣ብዓቢኡ ዕሱብ እቲ ዝሓየለ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ኤምእይ6 ኮዝኑ፣ ብሓፈሻ ነቲ መደብ ዕዮ ኮሎንያል ጣልያን፣ ብፍላይ ድማ መደብን ዓላማን ጽዮናውያን ንኸተግብር  ምስ መላፍንቱ ወያኔ ኮይኑ ንህዝቢ ኣገኣዝያን ይምንቁሶ ኣሎ። ስለዚ ነፋጥ ኢሰያስ ንስልጣኑ ኢሉ ዘይኮነስ፣ ሓላው ሕዛእቲ ጽዮናውያን ኮይኑ እዩ፣ ንህዝቢ ኣገኣዝያን ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ዝገብሮ ዘሎ።

እስተብህል፣ ኮሎንያል ጣልያን  ንኤርትራ ክወርር ክብገስ ከሎ፣ ብመደብ ቫቲካንን ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን እዩ ዝነበረ። እወ ኮሎንያል ጣልያን ንህዝቢ ምድረባሕር ድሓር ኤርትራ  እብ ባርነት ንኽእቱ፣ ነቲ መኣዛ ዘለዎ ኣየራን ፍርያም መሬቱን፣ኮታ ባህርያዊ ጸጋኡንኅ ስትራተጂካዊ ባሕሩን ንኽዘምት፣  ክብገስ ከሎ፣ብስለላ መርበብ ዓባይብሪጣንያ ኤም.ኣይ6 ተሰንዩን፣ ብጳጳስ ቫቲካን ማይድጋመት ተድጊሙልን ቅዳሴ ተገሩሉን፣ ብንጉስ ጣልያን ተመሪቑን  እዩ ተፋንዩ። እቲ ክንርስዖ ዘይብላ ግና ሓደ ታሪኻዊ ሓቂ ኣሎ።ንሱ ድማ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ብፍላይ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊ ኣብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ንህዝቢ ምድረባሕሪ ዘርዮሞ እዮም። ንሶም እንተዝልብሙ ነይሮም ወራር ኮሎንያል ጣልያን ካብ ደጓሊ ኣይምሓለፈን ነይሩ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፣ ፈርዲናንዶ ማርቲኒ ዝብሃል መራሒ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ ንስመራ ዝኣተወ፣ ህዝብን ሰራዊትን ኣኪቡ፣ከምዚ ክብል መደረ ኣስመዐ፣”ንሕና መንግስቲ ጣልያን ነዛ ካብ ንግስነት ኣኽሱም ጀሚራ  ክሳብ ሎሚ ባዓዳውያን ግብሪ ኣኽፊሎማ ዘይፈልጡ  ሃገር ምድረባሕሪ፣ ብሳላ መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ኢና ሎሚ ክቆጻጸራ ክኢልና”።ሩፊሎ ፐርኒ  መረብ ምላሽ ገጽ 196 ተወከሱ።
ሎሚ ልኡኽ-መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ኮሎንያል ጣልያን ዘውጽኦ ፕሮጀክት እዩ ዘተግብር ዘሎ። ስለዚ ኣብ ክንዲ ነዚ ብደም ጀጋኑን ንጹሃት ደቂ ሃገር ዝጠስጠሰ ኢሰያስ፣ ከም ብዓል ዓቢ-ሃይለ-ስልጣን ገርና ምርኣይ ድንቁርና ዘይኮነስ ዕሽነት እዩ።  እዚ ሰብዚ፣መስኪን ህዝቢ ኤርትራ ብገርሁ ከሎ፣ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል፣ብስለላን ኮለላን ዝሰልጠነ ልኡኽ ባዕዳውያን ወይ ንብረት ባዕዳውያን እዩ። እወ ብምሃንድሳት ስለላ መርበባት ተመሪሑ ፕሮጀክትን ወይ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን ዘተግብር ዘሎ ዑስብ ጽዮናውያን ወይ ጽሩይ ንዋት (The Asset of Zionism and NWO) ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን እስርኤልን ከም ዝኾነ ክንዝንግዕ የብልናን። ንሱ ከም ሪሞት ኮንትሮል ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ። ብምኽርን ምዕዶን ስለላ መርበባት እዩ ንወለዶ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዘጽንቶ ዘሎ።

 

ኣብ ዝቕጽል ብዛዕባ ተልእኾ  መራኽቲ ወያነ ክቐርብ  ኡዩ፣

ኣካየዲ መርበብ ሓበሬታ 16 መስከረም 2016 ዓ.ም.ፈ.