እቲ ብ2012 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ቀዳማይ ሚንስተር ሃገር ኢትዮጵያ ለገሰ ዜናዊ ኣብ ስልጣን ዝመጸ: ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ትማሊ ዕለት 15 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ. ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

እዚ ካብ ዓሌት ወላይታ ዝኾነ ሃይለማርያም ደሳለ፣ትማሊ ሓሙስ ብዕለት 15 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.እዩ ካብታ ብውዲት ዝተሰቕላ ስልጣን ተሰናቢቱ። ሃይለማርያም ደሳለኝ እምነቱ ፕሮተስታንት ኮይኑ፣ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዮም ውሑዳት ዝኾኑ ዓሌት ወላይታ እዩ። ህዝቢ ወላይታ ብኣምሓሩ፣ ተዃሪር! ጠባሳ ፊት! ካውያ ፊት!  ተባሂሎም እንዳተጸርፉ ዝነብሩ  ድሑራትን ውሑዳትን ህዝቢ እዮም። ካብዚኦም ህዝቢ እዚኦም እዩ እምብኣር እዚ ሓንቲ ዓይኑን ሸራፍ ስኑን ግንከኣ ንስልጣን ዝበቅዕ መርኣያ (ካሪዝማቲክ) ዘይኮነ መሳርሒ ባዕዳውያንን ወያኔን ኮይኑ ተመሪጹ።

እወ: እቲ ጉዳይ “ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና” ስለዝኾነ፣ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ዝተሓርየ ቀዳማይ ሚንስተር ዘይኮነስ፣ ብምዕራባውያን ተመልሚሉ ኣብ ስልጣን ዝመጸ እዩ ዝነበረ። ምሁራትን መርኣያን መልክዕን ቁመትን (ካሪዝማ) ዘለዎም ኦሮሞን ኣምሓራን ከምዝተሳእኑ፣ መሳርሒ ይኾነና እዩ ኢሎም ምዕራባውያን፣ ብፍላይ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ብስነ-ኣእምራዊ ውዲት ኣቢሎም፣ ሓንቲ ዓይኑን፣ ሓንቲ ሸራፍ ስኑን ዝኾነ  ባምቡላ መልሚሎም፣ ኣብታ ብወያኔ እትውነን፣ ግንከኣ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝፈንፈና ስልጣን ወያኔ  ኮፍ ኣቢሎሞ።

ኣብ ኢትዮጵዮጵያ እቲ ጥንታዊን፣ ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኣምኖን ሃይማኖት ኦርቶደክስ ክነሱ፣ ምዕራባውያን ግና ኮነ ኢሎም ንህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንኸየቕስኑ፣ ነዚ ሓንቲ ዓይኑ ወላይታ ከኒሻ ዝእምነቱ፣ ከም ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ንክኸውን ሓርዮሞ። ህዝቢ ወላይታ ኣዝዩ ውሒድ ህዝቢ እዩ። ካብ 180 ሽሕ ዝቚጽሩ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሲዳሞ ዝነብር ህዝቢ ኮይኑ፣። ህዝቢ ወላይታ ምስ 36 % ህዝቢ ኦሮሞን፣ ምስ 24 %  ህዝቢ ኣምሓራን ክወዳደሩ ከለው ካብ 0.1 % ዝውሓደ ዓሌት እዩ። ብህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝተናዕቀ ህዝቢ ከኣ እዩ። ኣምሓራ፣ ካውያ ፊት (ብቋንቋ ትግሪኛ ገጽ ጸሊም መስታረሪ ማለትዩ) ጠባሳ (ኣብ ገጹ በሰላ ዘለዎ ማለት እዩ)፣ መኽንያቱ ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ወላይታ፣ ኣብ የማንይን ጸጋማይን ጎኒ ገጾም ጥቓ ዓይኖም፣ከክንዲ 10 ሳንቲም ዝኸውን በሰላ-ምልክት ኣለዎም) እንዳበሉ እዮም ዝጸርፉዎም። እቶም ብኤትኖሎጂ ዝሰልጠኑ ምሁራት ንኣመጻጽኣ ወላይታ ክገልጹዎ ከለው፣”ህዝቢ ወላይታ ካብ ዙሉ ዝብሃል ዓሌት ደበብ ኣፍሪቃ ዝመጹ እዮም”። ንጉስ መነሊክን መንግስቱ ሃይለማርያምን ከኣ ካብ ዓሌት ወላይታ እዮም።

ከምዚ ኢሰያስ ንህዝቢ ከበሳ እንዳጽነተ፣ንራሻይዳን ንሰበኽ ሳግምን ዘሰልጥን ዘሎ፣ምዕራባውያን ከኣ እቶም ቆማታትን  መልከዔኛታት፣ካሪዝማቲክን ዝኾኑ ደቂ ኣምሓራን ኦሮሞን ግንከኣ ብዙሕ ሃዝቢ ዝውክሉ (ማጆሪቲ) ኣሕዲጉ፣ ንማይኖሪቲ ህዝቢ ወላይታ ሽመት ሸይሙ። እዚ ከኣ ነቲ ግርጭት የብልሖ እምበር ኣየጕድሞን እዩ። እዚ ውዲት እዚ ከኣ ስነኣምራዊ ሽበራ ይብሃል።

መለስ ዜናዊ እንተኾነውን፣ ካብቲ 60 % ዝብዝኹ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ዘይኮነ፣ካብቲ 4%ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ እዩ ተመልሚሉ ኣብ ስልጣን መጺኡ። ሓያሎ ዜና ማዕከናት ዓለም ከምዘቃልሕኦ ከኣ ለገሰ ዜናዊ ብባህርያዊ ሕማም ዘይኮነስ፣ ብውዲት ምዕራባውያን ተሰሚሙ ከምዝሞተ እዩ ዝውረ። እዚ ሎሚ ካብ ስልጣነይ ክወርድ እየ ኢሉ ዝወሰነ ሃይለማርያም ደሳለኝ እንተኾነውን፣ማዕከን ዜናታት ዓለም ርእይቶኦም ክህቡ ከለው፣”ብውዲት ባዕዳውያን እምበር ባዕሉ ዝወሰኖ ኣይኮነን” እዮም ዝብሉ። እምብኣር እዚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝብሃል ቀዳማይ ሚንስተር ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ትማሊ ብዕለት 15 የካቲት 2018 በቲ ብሰንኪ ወሮ-በላ ጭፍራ  ወያኔ ዘስዓቦ ፖለቲካዊ ቅልውላው፣ “ነዚ ህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራ ቍጣዐኡ ዘርእየሉ ዘሎ ተኣፋፊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ሓላፍነት ክስከም ኣይደልን እየ” ኢሉ፣ ካብ መዝነት 1ይ ሚንስተር ወሪዱ።

ድሕሪ  ሞት ለገሰ ዜናዊ (መለስ ዜናዊ) ሃይለማርያም ደሳለኝ ተተኪኡ፣ ድሕሪ ካብ ስልጣኑ ምውራድ ሃይለማርያም ደሳለኝከ፣ መንዩ ካብ እንዳወያኔ ኣብ ስልጣን ክመጽእ። ኣብዛ እዋን እዚኣ ግና፣ ጭፍራ ወያኔ፣ ድልየት ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ከተግብር እንተድኣ ዘይፈቲኑ፣ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ከቶ ኣይክእልን እዩ። እንዳ ወያኔን እንዳ ህግደፍን፣ ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ክነሶም፣ ንህዝቢ ንከዳናግሩ፣ ዓሰብቶም ዘውጽኡሎም ፈላሊኻ ግዛእ ፖሊሲ ክጥቀሙ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ። ሎሚኸ ናበይ?

“ዘይ ወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽራ ትጽሕጽሕ” ከምዝብሃል፣ ብዶብዶ ብጓል ዶብዶ ክብሉ፣ ህዝቢ ኣደዳ ስደትን መከራን ክገብሩን፣ሃገር ድማ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከእትዉን ጸኒሖም። ብክልቲኦም ወገን ተቓወምቲ መታን ከይስስኑ፣ፋሕ ብትን ከብሉዎም ተራባሪቦም እዮም። ሕጂ ግን እተን ኩለን ካርታታት ሓሶትን ምድንጋርን ተሳሒበን ተወዲአን እየን። እሞ ሕጂኸ ኣበይ ገጾም እዮም ክኸዱ? ካብ ሃገርነት፣ ገንዘብን ስልጣንን ዝመረጹ፣ሰለቲ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን፣ሎሚ ኣዝያ ከፊኣቶም ከምዘላ መላእ ዓለም ፈሊጡዎም እዩ። “ሓባእ ቁስሉስ፣ ሓባእ ፈውሱ” ከምዝብሃል ግና፣ንኹሉ ግዜ ዝኽወል ቑስሊ፣ ምስረኾሰ ለኪሙካ ከምዝኸይድ ወያኔን ህግደፍን ይፈልጡዎ እዮም። ዓሰብቶም ዝኣዘዝዎም ጥራይ ንክገብሩ ማሕላ ስለ ዝኣተው ግና፣ ክሳብ መድረኾም ከምዛ ሕጂ ጀሚራቶም ዘላ ትኣክል፣ገና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እከይ ግብሪ እንዳገበሩ ተተይ ክብሉ ንቁሩብ ግዜ ክጸንሑ እዮም። ኣብ መወዳእታ ግና ተታሓሒዞም ክዓርቡ እዮም። ከምዚ ናቶም ውድቀትስ ኣየርአየና። “ዓስ በልኩኺ ኪር በልኩኺ እንተኣቤኽስ ኣብ ኣፍ ነብሪ የእቱኺ”፣ ከምዝብሃል፣ እዞም ክናናን ምናናን እዚኦም፣ መላገጺ ጽዮናውያን ኮይኖም እዮም ከም ሃፋ ክበኑ።

ኣስተብህል።  እዛ “ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና” ትብል ብሂል እስከ, ምስዚ ርእይቶዚ ኣወዳዲርኩም ኣስተብህሉላ። ጽዮናውያን፣ንጅግና ንጉስ ቴድሮስ፣ ንጉስ የውሃንስ ኣታሊሎም ብሓገዙ ከምዝመውት ገሮሞ።ንንንጉስ የውሃንስ ድማ ብንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ከምዝመውት ገበሩ። ንንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ከኣ ሰላዪኦም ገሮም ዓሰቡዎ። ድሕሪ ሞት ንጉስ ዳግማዊ ምነሊክ ድማ፣ ንጠንቋላይ ንጉስ ሃይለስላሴ ኣሰልጢኖም ኣብ ስልጣን ኣምጺኦሞ። ንንጉስ ሃይለስላሴ ምስተጠቕሙሉ ድማ፣ ንዕኡ ኣልጊሶም ንወላይታ መንግስቱ ኣብ ስልጣን ኣምጺኦሞ። ንመንግስቱ ድማ ዕርበቱ ምስቀረበ ብፍሊይቲ ነፋሪት ንዚንባቨ ኣግዒዞሞ።ድሕሪ መንግስቱ ድማ ንመለስ ኣብ ስልጣን ኣምጺኦሞ። ንመለስ ድማ ምስ ቻይና ቀንጠብጠብ ክብል ምስጀመረ፣ ሰሚሞም ኣዕሪቦሞ። ድሕሪ መለስ ንወላይታ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብውዲት ኣምጺኦሞ። ሎሚ ድማ ብውዲት ውረድ ኢሎሞ። ጽዮናውያን ምትላልን ተዅላነትን ስርሖም ስለዝኾነ፣ ሕጂውን ነቶም ተሪፎም ዘለው፣ መራሕቲ ወያኔን ህግደፍን ከም ሳእኒ ምስተጠቕሙሎም ክስንዱዉዎም እዮም። እሞ ጽዮናውያንሲ ካብ 200 ዓመታት ጀሚሮም ንመራሕቲ ኢትዮጵያን ክጓሲዩዎም ጸኒሖ። ንኢሰያስ ድማ መልሚሎም ሰልጢኖም ንህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ይላገጹሉ ኣለው። ጽዮናውያን ከማu ካብ ገበሩ ድኣሞ ኤርትራዊ ኢትዮጵያዊን ካብኦም ተማሂሩ ንታይ ክገብር ኣለዎ? 

እቶም ብሕጂ ዝቕልቀሉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ድማ፣ ብስለላ መርበብ መንግስታት ኣሜሪካን፣ እንግሊዝን እስራኤልን ጥራይ እዮም ክምልመሉ እምበር፣ ብገርሀኛ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራንስ ከቶ ኣይክኸውንን እዩ። ኩሉ ግና ኣብ ኢድ ፈጣሪ ስለዝኾነ፣ ነቲ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ኤርትራን፣ ፈጣሪ ይርድኣዮ።

ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኦሮሞ 36% ህዝቢ ኣምሓራ 24% ብጠቕላላ 60% ህዝቢ ኢትዮጵያ ቊጣዐኡ ከርኢ ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራኸ፣ ፍርቁ ኣብ ትሕቲ ባይታ ማእሰርቲ ህግደፍ፣ እቲ ፍርቁከኣ ገንዘቡ ተሃጊሩ፣ ውላዱ ንስደት ኣምሪሑ፣ማይ ጠፊኣ ጽኒሓ መጺኣ፣ ሉቸ ከኣ ተቐልቂላ ነይራ ዓሪባ፣ ክብል ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ፣ መዓስ እዩ ኣንጻር ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂን፣ ኣዛብእ ህግደፍ ኮራኹሩን ክልዓል ? እዚ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ንህዝቢ ኤርትራ ወለድኡ እንዳጽነተን፣ ባህርያዊ ጸጋኡ ከም ዕደና ወርቅን ካልኦት ክቡራት  ማዕድናትን፣ መንእሰይ ወለዶን፣ ንባዕዲ ሃገር እንዳ ሓረጀን፣ ሕጂከኣ ብውድቀት እንዳ ወያነ ከይሓፈረ ክመጻደቕ ይስማዕ ኣሎ። ናተን ከይገብራስ ናይ ሓማተን!

እተን ወይጦታት ማዕከን ሓሶት ብዓል መርበብ ሓሶት መስከረም ኔትን www.meskerem.net መርበብ ሓሶት ወዲ ዶር. ኣርዓዶም ተስፋ ኒውስን www.tesfanews.com ድማ፣ንሕፍረትን ውድቀትን ኢሰያስ ከዊሎም፣ ብዛዕባ ውድቀት ወያኔ ጥራይ ስራሕና ኢሎም ተዋፊሮምሉ ኣለው። ኣብ መወዳእታ ግና እዞም ክናናን ምናናን ወነንቲ መርበብ ሓሶት እዚኦም፣መዋእል ወያኔን ኢሰያስን ብሓደ ከምዝኾነ ክርድኡ እዮም። ሎሚ ግና ዋላ ትንፈር እምበር በጊዕ እያ እንዳበሉ፣ ሰበብ ከሳውሩ  ጥራይ ይውዕሉን ይሓድሩን ኣለው። እቲ ዝገርም ግና ብዙሓት ኤርትራውያን ሓበሬታን ዜናን ብዛዕባ ኤርትራ ብመርበብ ኢንተርነት ኣቢሎም ንኽረኽቡ፣ ጸማም ሓደ ደርፉ ከምዝብሃል፣ ኣብታ መርበብ ሓሶት ዝኾነት ትካል ህግደፍ መርበብ መስከረም ኔት ጥራይ ክጎዩ ክትርኢ ከሎኻ እዩ።

Ethiopia’s only hope for peace is a series of rapid and sincere concessions by the TPLF elite

 መንእሰያይ ተቓወምቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ኢትዮጵያ
ምኣስ እዩ ህዝቢ ኤርትራኸ ከምዞም ኢትዮጵያውያን፣ ብመኸተ ተላዒሉ ኣንጻር ዝባi ህግደፍ ዝቃወም።

እስከ ነዘን ሕቶታት እዚኤን  ክንምልሰን ክንፍትን :-

1. ኣብዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ ዝልዓለ ቊጣዐኡ ዘርእየሉ ዘሎ እዋን፣ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣነይ ተቐበሉኒ ክብል ከሎ፣ብሓቂ ነቲ ሽግር ህዝቢ ኢትዮጵያ ንኽፈትሕ ኢሉ ድዩ፣ ወይስ ከምቲ ኮሌኔል መንግስቱ ሃይለማርያም መኸተ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰሪቑ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝተኸሎ፣ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ድማ ነዚ ተላዓዒሉ ዘሎ መኸተ ህዝቢ ሰሪቖም ወተሃደራዊ ስልጣን ንምጭባጥ እዩ?

ብወገና ንመኸተ ህዝቢ ንምስራቕ እዩ ኢልና ኢና ንግምግም

2. እዚ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣነይ ተቐበሉኒ ክብል ኣፍሊጡዎ ዘሎ ጥርዓንከ፣ ካብ ባዕሉ ዝተበገሰ ድዩ፣ ወይስ ብሰልፊ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ተገዲዱ እዩ?

ብወገና፣ ብድፍኢት መሃንድሳት ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግን ባዕዳውያን ሓይልታትን ኢልና ኢና ንግምግም።

3. ብፍላይ እብዚ ቀረባ እዋን ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ነቲ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ሳሞራይ ጥሮታ ኣውጺኡ፣ 4 ሓደስቲ  ጀነራላት ዝሸመ ስለምንታይ?

ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ክእውጅ ስለዝደለየ እዩ ንብል።

4. ድሕሪ ካብ ስልጣን ምውራድ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ሰልፊ ኢህ.ኣ.ዴ.ግ. ሽግር ህዝቢ ዝፈትሕ መተካእታ ሓዲሽ 1ይ  ሚንስተር ኣዳልዩ ድዩ፣ ወይስ ብወተሃደራዊ ስልጣን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክገዝኦ ደልዩ እዩ?

ከምኡ እንተድኣ ገሩ መኸተ ህዝቢ ኣዝዩ ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ክኸውን እዩ።

5. እዚ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ወሲዱዎ ዘሎ ውሳኔ፣ራእዪን መኸተን ህዝቢ ኣብ ንቡር፣ ጸረ ንቡ = ዘይንቡር (Theses unti Theses=Syntheses) ካብዝብል ውዲት ድዩ ወይስ ብርግጽ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ህዝባዊ መንግስቲ ክምስሪት እዩ?

ተወሳኺ ትንተናና፤

ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ኣብዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፈጸሞ ግፍዒን ብልሽውናን ፈላሊኻ ግዛእን፣ ሎሚ ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብፍቓዱ ካብ ስልጣን ስለወረደ፣ ተደምሲሱስ ኣብ ኢትዮጵያ ፍጹም ዲሞክራስያዊን ፍትሓዊን መንግስቲ ክትከል እዩ ዝብል እምነት የብልናን። መኽንያቱ ንቊስሊ ብፋሻ ሸፊንካ ምሕባእ ኮይኑ ስለዝረኣየና። እኳድኣ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ. ኩሉ ዝሰርሖ ብመሃንድሳት ባዕዳውያን መንግስታት ዝተዳለወሉ መደብ ዕዮ ስለዝኾነ፣ ካብኡ ወጺኡን ሓራ ኮይኑን ሓደ ህዝባዊ ፍታሕ ከምጽእ ኣይፍቀደሉን እዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ እንተኾነውን፣ ከም ፎርማ ድኣ እዩ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስልጣን ጸኒሑ እምበር፣ እቶም ነቲ መንግስታዊ መደብ ዕዮ ዘተግብሩ ግና፣ ብፍላይ ሰበስልጣናት ወያኔ፣ ብሓፈሻ ድማ ብዘወርቲ ሰልፊ ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ.ን መሃንድሳት መንግስቲ ኣሜሪካ ከም ብዓል ሄርማን ኮሀ ጥራይ ስለዝኾነ፣ ምውራድን ምድያብን ሃይለማርያም ደሳለኝ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ለውጢ ከምጽኣሉ ከቶ ኣይኽእልን።

እኳድኣ መራሕቲ ወያኔ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ሓደስቲ ጀነራላት ካብዝሸሙ፣ ሓዲሽ ንህዝቢ ዘተዓሻሹ ውዲታዊ ምስምሳት  ክምህዙ ይኽእሉ እዮም። ንመረዳእታ “ግብጺ ከይትወረና”፣ “ኢሰያስ ከይወረና”፣”ልዕሊ ኩሉ ሃገር እያ” ዝብሉ ምስምሳት ምሂዞም፣ንኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ መንግስቲ ከይገዝኡዋ ዘስግእ እዩ።

መኽንያቱ ድማ፣እቲ ሽግር ብዓቢኡ ኣብ ውሽጢ መራሕቲ ወያኔን ኢ.ህ.ኣ.ዴ.ግ.ን ስለዘሎ፣ ተሓተቲ እቲ ኩሉ ሽግር ድማ ንሶም ስለዝኾኑ፣ ዓይኖም እንዳርኣዩ ንህዝቢ ስልጣኖም ከረክቡ ኣይደልዩን እዮም። ጎይቶቶም ድማ ክሳብ ኣጸቢቖም ዝጥቀሙሎም ውዲታዊ ምኽሪ ከምዝምዕዱዎም ኣየጠራጥርን እዩ።

 

 

 

ብሓልዮት መርበብ ሓቤሬታ ደቀባት ኤርትራ
16 የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ.