“Liberty cannot be preserved without a general knowledge among the people” – John Adams – Second President – 1797 – 1801

ኣብ 2012 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከባቢ ዕዲ መሬት ኤርትራ ዝተዓለሙ፣ ኣባላት ግብረ ሽበራ ሑቲን ሓለፍቲ መንግስቲ የመንን፣ንዑጡቓት ግጅለታት ሃገር የመን፣ ሓገዝ መንግስቲ ህግደፍ ከም ዝተገብረሎም፣ብወግዓዊ መንገዲ መግለጺ እናሃቡ፣ እቲ መራሕ ኩባንያ ጽዮናውያን ዝኾነት ጭፍራ ህግደፍ ግና፣ ነቲ ብየመናውያን ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ ተጠሊዑ ኣይውዓልኩሉን ዝብል ኣሉ ቀጣን ኢሉ ግዒሩ። እወ ጻዕዳ እሉታዊ ምግለጺ ሂቡሉ። እዚ ህዝቢ ገና ዘይፈለጦ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ኮይኑ ብጽዮናውያን ተመልሚሉ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ዕሱብ ባዕዳውያን ዝኾነ ሰብዚ፣ እቲ ቀንዲ መደብ ዕዮኡ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኮይኑ፣ንህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ ንጽዮናውያን ከገልግል ኢሉ እዩ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ ተመልሚሉ ዝሰልጠነ።

እዚ ሰብዚ ኣብቲ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ብመንጽር መርገጺ ቍጽሪ 8 ዝወቓቓጦ ሓሶት ክምዚ ይብል ነበረ፣- “ኣብ ዘመነ ህግደፍ ኤርትራ መሬታ ኮነ ወደባታ ንመሸጣ ዘይትፈቅድን፣ ንግዳዊ ምትእትታው ንባዕዳውያን ከኣ ዘይሃበት ሃገርያ“። ጻዕዳ ሓሶት!!!!

እስከ ነዚ ኣሉ ቀጣን ዓጀውጀው ልኡኺ ባዕዳውያንሲ ሰሚዕና፣ ነቲ ውድዓዊ ሓቂ፣ ማለት ብድሕሪቲ  ስጊንጢር ሓሶቱ ከኣ እስከ ነቶም ብግብሪ ዝተራእዩ ወፍራታትን ዝምታን ባዕዳውያን ኣብ ኤርትራ  ንከታተሎም።

ደረት ዘይብሉ፣ ንግዳዊ ሕጊ ዘይብሉን፣መሬታዊን፤ ንግዳዊን ምትእትታው ባዕዳውያን ኣብ መሬት ኤርትራ፣ ብፍቓድ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተኻይዱን ገና ድማ ይካየድ ኣሎን። እወ፣ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ሃገር ወይ ሕገ-መንግስቲ እንተዝትከል ነይሩ፣ ረብሓ ሃገር ብዘመቲ ባዕዳውያን እምበይ ምተጓሕጉሐን ነይሩ። ማለት ሕገ መንግስሪ ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ውዒሉ እንተዝኸውን ነይሩ፣ እቶም ሎሚ ብፍቓድ ልኡኽ መላኺ ባህርያዊ ሃገር ዝሻመዉ ዘለው ዘመቲ ባዕዳውያን፣ ህዝቢ ኤርትራ “ኣይፋልኩምን ኣብ ሃገርኩም መጺእናዶ ብዘይ ሕጊ ሃብትኽም ክንዘምት፣ እቲ መንግስትኹም ይፈቕደልና እዩ፣ ኣይፋልኩምን ብንግዳዊ ሕጊ ብኢንባስኹም ኣቢልኩም፣ ምስ ኤርትራዊ ንግዲ ሚንስተርን ቻምበር ኦፍ ኮመርስ ተዋዓዒልኩም ድኣ ሕጋዊን ወግዓዊን ዓለምለኺ ሕጊ ዝፈልጦን ግበሩ” ምበሎም ነይሩ።

መሃንድሳት ጽዮናውያን ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ግና፣ ከምኡ ከምዝመጽእ ኣቐዲሞም ስለዝፈለጡ፣ ካብ ቅድሚ 46 ዓመታት ኣምሆ ዘመን (1969 ዓ.ም.ፈ.) ጀሚሮም መራሕ ኩባንያኦም ዝኸውን ጽሩይ ተዛራቢ ኣቕሓ ንኢሰያስ መልሚሎም ሰሪሖሞ እዮም። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ነቶም ፈላስፋታትን ጀጋኑን ደቂ ሃገር መታን ነቲ ምዝመዝኦም ከይ ዕንቅፉዎም ብእዋኑ ከምዝቕንጽሎም ተሓባቢሮሞን መኺሮሞን እዮም። እቲ ኩሉ መደብ ዕዮኦም ድሮ ኣብ ሳሕል ኮሎ ሰራዊት ህዝቢ ኤርትራ፣ ግንከኣ ህዝብን ሰራዊት ብገርሁ ከሎ ጀሚሩ እዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ነይሩ።

ስለዚ ኣብ ኤርትራ ብሓጋጊ ኣካልን፣ ብፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን ዝተሰነየ ሕገ መንግስቲ እንተዝትከል ነይሩ፣ህዝብና ድማ ኣብ ሕጊ ተመርኪሱ ነዞም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓላው ሕዛእቲ ኢሰያስ ኮይኖም ከምድላዮም ንብረት ህዝቢ እናተሻመዉ ዝዘምቱ ዘለው፣ ክዘምቱ ዕድል ኣይምረኸቡን ነይሮም። ማለት እቲ ህዝቢ ኤርትራ ክዝመት ከሎው ዓገብ ምበሎም ነይሩ። ሕጊ ስለዘይብሉ ግና መሰል የብሉን የብሉን ዓገብ ክብሎም። ሓጋጊ ሕግን፣ ፈራዲን፣ ፈጻምን ንሱ ባዕሉ እቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ጥራይ ስለዝኾነ ግና እንሆ ከምድላዩ ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝሽመም ዋርያ ጽዮናውያን ኮይኑ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ንደቂ ሃገር ዝውዕል ብባዕዳውያን ክዝመት ይፍርመሎም ኣሎ። እወ፣ ብሕገ-መንግስቲ ዝተመርጸ ሕጋዊ መንግስቲ ኣብ ኤርትራ ስለዘየሎ፣ ብኣንጻሩ ግና ሕገኣልቦ ዝኾነ ግዝያዊ መንግስቲ ንሃገር ለኪሙዋ ይዓርባ ኣሎ። እወ እዚ ሕገኣልቦ መንግስቲ ማፍያ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ኩድጭ ክብል ዝኽኣለ፣ ብፍልጠቱን ብክእለቱን ዘይኮነስ ብሓገዝ መሃንድሳት ጽዮናውያን ሲኣይኤን ሞሳድን ኤምእይ6ን እዩ።

እዚ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ከም ቃሕ ዝበሎ፣ ንዋይ ህዝቢ ኤርትራ ብፋሉላዊ ግንከኣ ብሕገኣልቦ መንገዲ ጽዮናውያን ንብረት ህዝቢ ከምድላዮም ክዘምቱ ዝፈቅድ ዘሎ፣ ንሱ ብቅድመ ግንባር ኣካያዲ ስራሕ እታ ኩባንያ ጽዮናውያን ህግደፍ ስለዝኾነ ጥራይ እዩ። ከምኡ ከም ምኻኑ ድማ ብግብሪ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና፣ ብእዝንና ድማ ንሰምዖ ኣሎና። እዞም ብኢሰያስ ተኣማሚኖም፣ ንዝምታ ጸጋታት ህዝቢ ኤርትራ ከም ቃሕ ዝበሎም፣ ዝጕሕጉሑዎ ዘለው ባዕዳውያን ኩባንያታት፣ ብሓፈሻ ብዋሕስነት እታ ትካል ጽዮናውያን ዝኾነት ኩባምንያ ህግደፍ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ወኪሎም ልኡኾምን መላኺ ኢሰያስ ተኣማሚኖም; ንብረት ህዝቢ ቀረጽ ከይከፈሉ ዘይርሃጽሉን ደም ዘየፍሰስሉን፣ ብርሃጽን ደምን ጀጋኑ ኤርትራ ዝተረኽበ ሃብቲ እንዳማቶም ከይተኸወሉ ብግህዶ ይጉሕጉሕዎ ኣለው። (ኣየወ፣ ጬጓር  ዳንጋ ተቓላሳይ ውድቀት ንሃጸይነ፣ውድቀት ንጽዮንነት ኢሉ ይግዕር ከምዘይነበረ፣ ሎሚ ዓስቢ ጸርፉ ህዝቢ ኣኤርትራ ኣደራዕ ይረክብ ኣሎ) ንኽትሰምዖ ዘደንዝዝ፣ ኤርትራዊ ምዃንካ ድማ ዘሕንኽ ታሪኽ እዩ። ሎሚ እዩ እምብኣር ህዝቢ ኤርትራ ብረት ከልዕልን፣ ንህግደፍ እግሪ እግሮም ከጓይዮምን ዝግባ ዝነበረ። ኩሉ ግዜ ሓዲሽ ኮይኑ ዝነብር ነገር ስለዘየሎን፣ ንሓደ ህዝቢ ድማ ንዘልኣለም ከተዕንጅሎን፣ ከተታልሎን ባህርያዊ ስለዘይኮነ፣ እዞም ተዛረብቲ ኣቝሓት ጭፍራ ህግደፍን ሓለቕኦም ኢሰያስን፣ እዞም ባህርያዊ ጸጋ ሃዝቢ ኤርትራ ዝጉሕጉሑ ዘለውን ሓንቲ ምዓልቲ መወዳእትኦም ክመጽእ እዩ።

ግዳማዊ ምትኣታው እእብ ባሕርን ወደባትን ዕደና ወርቅን ኤርትራ፣ብጅኦ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ፣ሃገርና ኤርትራ ልዕሊ1.200 ትርብዒት ክሎሜትር  ገማግም ባሕርን፣ ኣስታት 360 ደሴታትን፣እትውንን ሃብታም ስትራተጂካዊት ሃገር እያ። ምዕሩይ ምሕደራ እንተዝህሉ ካልእ ተሪፉ እዚ ተቖጺሩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሑ ሎምስ ሓደ ሚልዮን እዩ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ጥራይ ጸጊቡ ምሓደረ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ካብ ዓለም ዝሃብተመ ህዝቢ ምኾነ ነይሩ። ማእለያ ዘይብሉ ወርቅን ማእቶ ሃብቲ ባሕሪን ዘለዋ ሃገር ግና ሎሚ ህዝባ ዝስተ ማይን ዝበርህ መብራህትን ጨኒቝዎ ከምብሃቑ ይውዕልን ይሓድርና ኣሎ። እዚ ኣብ በትኡ እንከሎ እዩ እምብኣር እቲ ዕቡድ መራሒ ኩባንያ ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ዘረባ ኣደይ ለቱ ኣየውፍር ኣየእቱ ዝዓይነቱ ዕንክሊል ዝብል ዝነበረ። በይኑ ዝጎዪ ዝቕድሞ የብሉን፣ በይኑ ዝዛረብ ድማ ዝረትዖ የብሉን።

እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም፣ ብትእዛዝ ቤት ጽሕድፈት “ፕረሲደንት ህግደፍ ” ሓለቓ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ ኮሌኔን መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊትወራሪ ዓዱ ኣፍደዩ) ዋርድያ ገባርን ሓዳግን መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ ኮይቡ ኮይኑ፣ ንባህርያዊ ጸጋታት ባሕርና ንባዕዳውያን ኣሕሉፉ ይህቦም ኣሎ። እዚ ሰብዚ እቶም ካብ ሓለዋ ሰውራ ጀሚሩ ንጹሃት ደቂ ሃገር ዝቕንጽል ዝነበረ፣ እኳድኣ ብቀጥታዊ ትእዛዝ ኢሰያስ ንከሰላን ካርቱምን ተላኢኹ ብዘይ ንሕስያ ዝቕንጽል ዝነበረ ሰታይ ደም የማናይ ኢዱ ነቲ መራሕ ኩባንያ ህግደፍ ኢሰያስ ዝነበ እዩረ። ነቲ ሓደ ወዲ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ዝተወልደ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ግንከኣ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንመላእ ስለላዊ መርበብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ዝእዝዝ ዝነበረ፣ ሕገመንጋቲ ይተኸል ስለዝበለ፣ ኣብ ዒራዒሮ መሽምሹ ይነብር ኣሎ። እዚ ኣራዊት ዝኾነ ወዲ ፊትወራሪ ግና፣ ሰብ ጸውዓለይ እንተበልካስ ብዓል በለስ፣ ሎሚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ ኣሎ። ካብ ግዜ ሰውራ ጀሚሩ እቲ ቀንዲ ሞያኡ ምቕንጻልን ምሕራድን ጥራይ እዩ ነይሩ።

ኣስተብህል፣

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ተቓሊሱ ዝተሰውኤን ዝሰንከለን፣ ዝተኻላበተን፣ ወደባቱን ደሴታቱን፣ ጸጋታት ቀይሕ ባሕሩን፣ መሬቱን፣ ዕደና ክቡር ማዕድናቱን፣ ንወጻእተኛታት ኩባንያታት ጽዮናውያን ብነጻ ንኽጉሕጉሑዎ ኣይኮነን። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምምን ዘሕዝንን ከኣ፣ እቲ ብቢልዮናት ዶላራት ብባዓዳውያን ዝጉሕጓሕ ዘሎን፣ ክራይ ወደብን መደበር ቱሪዝም ኣዕራብ ደሴት ዳህላክን፣ ብተዛዋዋሪ ውዲት ብመሻይኽ ኢሚራትን፣ ማለት እቶም ሰብ ቀሚሽ ጀለብያ እኳ እንተ ኮነ እቲ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ውዕል፣እቶም ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ነቲ ገንዘብ ዝውንንዎ ዘለው ጉሓላሉ ግና ጽዮናውያን እዮም።

እታ ቀጠር እትብሃል ንእሽቶ እሞ ከም ቁሸት እምበር ከም ሃገር  ገርካ ክትቁጸር ዘይትኽእል፣ 350.000 ጥራይ ዝህዝባ፣ ፍርቂ ምልዮን ግና ምዕራባውያን ነጋዶ ዝኾኑ ተቐማጥጦኣ፣ ይኣይ ሃገር ኮይናስ ብፍቓድ መራሒ ኩባንያ ህግደፍ፣ ነታ ካብ 4 ሚልቶን ዝበዝሕ ህዝባን፣ ብማእለያ ዘይብሉ ባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለትን ቅያ ዝመልኦ ቃልሲ ን30 ዓመት ኣካይዳ፣ ዓወት ዘረጋገጸት ኤርትራ፣ ሎሚ ብሰንኪ ሰላዪ ኢሰያስ መላገጺ ኣዕራብ ክትከውን ዘብኪ ታሪኽ እዩ። ብዓል ቀጠርን ዱበይን aiሚራትን ንብረተን ብጽዮናውያን እንዳተዘምተ፣ ከም ሃገርን መንግስትን ዘይቁጸራ ክንሰን፣ ብሰንኪ ሓደ ዕቡድ ሰላዪ ዋናታት ወደባትናን፣ ደሴታትናን ክኾና፣ ንሓን ድማ ክንስደድን ክንጠምን ክንደክን፣ ክትርኢ ከሎኻስ ኣዝዩ ዘሕፍር ታሪኽ እዩ።

መደምደምታ.

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት 19 የካቲት 2017 ዓ.ም.ፈ.