ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምቲ ህዝቢ ዝብህጎ ዘይኮነስ፣ ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና እዩ። መጀር ዳዊት ወልደግዮርጊስ ቅድሚ ፈደረሽን ምፍራሱ ጀሚሩ ክሳብ ስዕረት ደርጊ ብዓል ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ፣ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ዝነበረ እዩ። ንአርትራ ንኣስታት 3 ወርሓት ገዚኡ። ንሱ ከ፣.. “ኤርትራ ክልል አይኮነትን፣ ልኡላዊት ሃገር ስለዝኾነት፣ ግሉጽነት ውዕል ክህሉ ይግባእ እምበር፣ ምጭብባጥ ኢድ ዶር አብይን ኢሳያስን እኹል አይኮነን፣ ዘላቒ ሰላም ከኣ ከምጽእ ኣይክእልንዩ። ውዕል እንተድኣ ሃልዩ እዩ ዘላቒ ሰላም ክሰፍን ዝኽእል ” ክብል ርእይቶኡ ሂቡ።

መጀር ዳዊት ወልደግዮርጊስ ዝብሎ ዘሎ ብገርህነት ምስንዕዘቦ፣ ሓቂ እዩ ዝመስል፣ ግን
ኣብ ልቦናን ንቕሓትን ዝተመርኮሰ መጽናዕትን ምርምርን ኣካይድካ ምስትርእዮ፣ ካብ ድሕሪ ሞት ሃጸይ ቴድሮስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መዳያት ኣብ ትሕቲ ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን፣ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ብሓፈሽ ድማ ውድብ ኤውሮጳ ሕብረትን ማሕበር የሱሳውያን (ቫቲካን)ን እዮም። ንጒዳይ ኤርትራ ንኸይፍታሕ ብመደብ ከረው ኣቢሎም ሒዞሞ ዘለው ድማ ንሳቶም እዞም ዝተጠቕሱ ሓይልታት እዮም። እዚ ድማ ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ኣብቲ ኤውሮጳውያን ርእሰማላውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ ብጽዮናውያን ኢና ዝብሉ ወነንቲ ሃብቲ ዓለም፣ “ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ” ዝብል ኣጀንዳ ኣልዒሎም ኣብ ከተማ በርሊን ዝተወዓዓሉዎ ውዕል ዝተመስረተ እዩ ዝነበረ። እወ ስትራተጂካዊ ረብሕ ቀርኒ  ኣፍሪቃን ቀዪሕ ባሕርን ዝዝምልከት እዩ።

ነዚ ድማ መጀር ዳዊት ስሒቱዎ ክብል ኣይክእልን እየ። ንሱውን ድራር ዕለቱ በየኖት ትካላት ይረክብ ከምዘሎ ባዕሉ ዝምልሶ እዩ። ኣብ ከባቢ 1977/78 ዓ.ም.ፌ: ኣብቲ ብኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከም ምክትል ኣዝማች ሺaለቃ ኪሮስ ኮይኑ ኣብ ዘምቻ ሳዋ ደርጊ ዘገልግለ ሽኣለቃ ዳዊት ነበረ። ኣብ መስርሕ ርክባት መንግስቲ ደርግን ኢሰያስን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ምዕራብ ጀርመንን ይዋሳእ ከምዝነበረ እውን ታሪኽ ዝገልጾ ግሁድ ሓቂዩ። እምብኣር ሺኣለቃ ዳዊት ወልደገርጊሽ፣ ስለላ መርበባት ምዕራባውያን፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ጽልዋታት ነይሩወን፣ ሎሚ ድማ እንታይ ጽልዋታት ኣለወን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ።

ስለዚ እዚ ንሱ ዝገለጾ ብዝዕባ ዘይ ሕጋዊን ዘይ ወግዓዊን ሓሸውየ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን ኣልዒሉ መተካእታ ዝኸውን ርእይቶኡ ኣቕሪቡ። ግን እቲ ጒዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብብዓል መን ተታሒዙ ከምዘሎ ንሻለቃ ዳዊት ሕቡእ ኣይኮነን። እዚ እብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመነ “መደመር” ዝብሃል፣ ግንከኣ ብተዋሳእቲ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃምን፣ ዝኸይድ ዘሎ ግዝያዊ ነታጒi መድፍዕ፣ ማለት ግዝየኡ ሓልዩ ዝባራዕ ቦምባ፣ (ታይም ቦምብ) ዝትሕዝቶኡ ዕንክሊልን ሓሽውየን ጥራይ እዩ።  ጽባሕ ብጊሓት ድማ ክትኮስ ከሎ ክንዕዘቦ ኢና። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን!!

እቶም ዝሓንጸጹዎ እምብኣር እቶም ንሓፋሽ ህዝቢ ተሰዊሮሞ ዘለው፣ ጎይቶት ኢሰያስን ኣቢዪን ዝኾኑ ስዉራት ሓይልታት ጽዮናውያን እዮም። እኳድኣ ሎምስ ንውሑዳት ተመራመርቲ ስዉራት ዝረይኮኑስ፣ ግሁዳት ኮይኖምው ተጋሊጾም እዮም። ብፍላይ ንስትራርተጂካዊ ረብሓ ቀዪሕ ባህሕርን ፈለግ ኒልን፣ ቀላይ ጻናን፣ ብሓፈሻ ከኣ ስትራተጂካዊ ቦታታት ጂቡትን ሶማልን፣ ንምቕቊጽጻር፣ ግንከኣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ከምኡውን ትግራዎትን ደቂ ሶማልን፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ፣ እንግሊዝን እስራኤልን፣ ኣሜሪካን እዮም ተዋፊሮሞ ዘለው።

እዘን ኢሰያስን ዶር.ኣቢዪን ኣሕመድ ዓሊን፣ ኣብዘን ዝሃለፋ ኣስታት 7 ውይ 8  ወርሓት ዕንክሊል ዝበዝሖ ዘብዘብ ክብሉወን ዝወርሑ፣ ንህዝቢ ንምዕ ንጃልን ምድንጋርን እንተዘይኮይኑ፣ ከቶ ዘላቒ ሰላምን ምድማርን ንመስኪን ህዝቢ አርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ኣይከምጽኡን እዮም። እኳድኣ ህዝቢ ነቒሑን ተወዲቡን ክሳብ ጉዶም ዘጋልዞም፣ እዞም ሰለልቲ እዚኦም ብዙሕ ዕንወት ከስዕቡ እዮም።

 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
24። የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ.

እዚ   ዝብሎ ዘሎ ብገርሂነት ምስንዕዘቦ ሓቂዩ ዝመስል፣ ግን ኣብ ልቦና ንቕሓትን ዝተመርኮሰ መጽናዕትን ምርምርን ኣካይድካ ምስትርእዮ ግን፣ ካብ ድሕሪ ሞት ሃጸይ ቴድሮስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ቍጠባዊን ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መዳያት ኣብ ትሕቲ ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን፣ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን ብሓፈሽ ድማ ውድብ ኤውሮጳ ሕብረትን ማሕበር ሱሳውያን ወይ ቫቲካንን እዮም። ነዚ ድማ መጀር ዳዊት ስሒቱዎ ክብል ኣይክእልን እየ። ንሱውን ድራር ዕለቱ በየኖት ትካላት ይረክብ ከምዘሎ ባዕሉ ዝምልሶ እዩ። ኣብ ከባቢ 1977/78 ዓ.ም.ፌ: ኣብቲ ብኮሎኔል መንግስቱ ሃይለማርያም ዝምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሽኣለቃ ዳዊት ኣብ መስርሕ ርክባት መንግስቲ ደርግን ኢሰያስን፣ ብመንጎኝነት መንግስቲ ምዕራብ ጀርመንን ይዋሳእ ከምዝነበረ ግሁድዩ። እሞ ስለላ መርበባት ምዕራባውያን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን እንታይ ጽልዋታት ነይሩወን፣ ሎሚ ድማ እንታይ ጽልዋታት ኣለወን ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ። ስለዚ እዚ ንሱ ዝገለጾ ብዝዕባ ዘይ ሕጋዊን ዘይ ወግዓዊን ሓሸውየ ኢሰያስን ኣቢዪ ኣሕመድ ዕሊን ኣልዒሉ መተካእታ ከኸውን ብርእይቶኡ ኣቕሪቡ፣ ግን እቲ ጒዳይ ኣEርትራን ኢትዮጵያን፣ ብብዓል መን ተታሒዙ ኣሎ ንሻለቃ ዳዊት ሕቡእ ኣይኮነን። እዚ እብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመነ “መደመር” ዝብሃል ብተዋሳእቲ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብርሃምን፣ ዝኸይድ ዘሎ ግዝያዊ ቦምብ፣ ማለት ግዝየኡ ሓልዩ ዝባራዕ ቦምባ፣ (ታይም ቦምብ) ዝትሕዝቶኡ ዕንክሊልን ሓሽውየን፣ ጽባሕ ብጊሓት ክትኮስ ከሎ ክንዕዘቦ ኢና። ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን፣ እቶም ዝሓንጸጹዎ እምብኣር እቶም ንሓፋሽ ህዝቢ ተሰዊሮሞ ዘለው ጎይቶት ኢሰያስን ኣቢዪን ዝኾኑ ዉራትን ሓይልታት ጽዮናውያን እዮም። ኤረ ሎምስ ንውሑዳት ተመራመርቲ ስዉራት ዝረይኮኑስ ግሁዳት ኮይኖምው እዮም። ብፍላይ ንስትራርተጂካዊ ረብሓ ቀዪሕ ባህሕርን ፈለግ ኒልን፣ ቀላይ ጻናን፣ ብሓፈሻ ስትራተጂካዊ ቦታታት ጂቡትን ሶማልን፣ንምቕቊጽጻር፣ ግንከኣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ከምኡውን ትግራዎትን ደቂ ሶማልንሃጸያውያን ዝሰርሑ፣ መሃንድሳት ስለላ መርበብ፣ እንግሊዝን እስራኤልን፣ ኣሜሪካን እዮም። ከምዚ ኢሰያስን ዶር.ኣቢዪን ኣብዘን 6 ወርሓት ክዕንክሊል ዝበዝሖ ዘብዘብ ክብሉወን ዝወርሑ፣ ንህዝቢ ንምዕንጃል እምበር ዘላቒ ሰላምን ምድማርን ንመስኪን ህዝቢ አርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ኣይኮነን።።።።።