እቲ ሓንሳብ ብ”ኣቦይ ስብሓት”፣ ሓንሳብ ድማ ብ”ኣያይስብሓት” እንዳተጸውዐ፣ ካብቲ ክሳብ ዝኣርግ ሒዙዎ ዝነበረ፣ እኳድኣ መሰታ ቀዳሞት ዓርኪ ዳሕሮት ኮይኑ፣ ልዑል ሥልጣን ወያኔ ትኽስ እንዳበለ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ሎሚ ብ1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ተሰናቢቱ ተባሂሉ። እዚ ሰብዚ ካብ ዘመነ ሰውራ ጀሚሩ፣ ሓለቓ ሰለላን ኮለላን እዩ ነይሩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣቦይን ኣደይን ዝኾነ ጸሎቶም ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፣ ሓንሳብ ኣብ መቐለ፣ ሓንሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ሓንሳብ ኣብ ኣዋሳ እንዳ ኣከበ፣ ንኸይቃለሱ ዘቃልሶም ዝነበረ ባዕሉ ኣረጊት ስብሓት ነጋ እዩ። ርግጽዩ ድሕሪ ሞት ነፍሰሀር መለስ ዜናዊ፣ ላዓለዎት ሰበ ሥልጣናት ጭፍራ ወያኔ በብሓደ ይሰናበቱ ኣለው። እቲ ቀንዲ ዓንዲ ሕቘ ስለላ መርበብ ወያኔ ግና ገና ኣይተተንከፈን። መኽንያቱ ጭፍራ ወያኔ ብቐንዱ፣ ሓደ ዋህዮ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤልን ኣሜሪካን ስለዝኾነ፣ እዞም መሃንድሳት ጽዮናውያን ከይፈቐዱ መሰረታዊ ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ንኽመጽእ ኣዝዩ ግዜ ዝሕትት ጉዳይ እዩ።

“ዓሳን ከምዝይመውት ማይከኣ ከምዘይነጽፍ” ዝዓይነቱ ስጉምትታት፣ ኣብ ልዕሊ ገዳይም ሰበስልጣናት ወያኔስ ክርአ ይጅምር ኣሎ፣ ኣብቶም ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጽ ዝኾኑ፣ ምሓዙቶም እንዳ ህግደፍከ እንታይ ለውጢ ይርአ ኣሎ?

ሓበሬታ፣ ዘሓበሻ.ኮም

እቲ ሓንሳብ ብ”ኣቦይ ስብሓት”፣ ሓንሳብ ከኣ ብ”ኣያይስብሓት” ዝጽዋዕ ማቱሳላ ህውሓት፣ ካብ 5 ቢሊዮን ዶላር ንላዕሊ ካፒላል እታ “ኤፈርት” Effert” እትብሃል ትካል ወያኔ ዝውንን፣ ንተቓወምቲ ተባሂሉ ብሰንዓ ፎርም ዝተሰለዐ 5 ሚልዮን ዶላር ድማ ንሱ ባዕሉን፣ ሓደ “ሕቡር” ገረኪዳን ዝተባህለ  እዮም ከምድላዮም ገሮም ዝቆጻጸሩዎ። ብተወሳኺ እቶም ካብ 10 ንላዕሊ ዝኾኑ ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ብዙሓት ትካላት ተዋፊሮም ማሕፉዳኦም ዝመልኡ ማፍያታት እዮም። ሓንቲ ሓብቱ ድማ እታ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ሓንሳብ ከንቲባ ከተማ ኣስመራ፣ ሓንሳብ ፣ ሓላፊ ዕደና ወርቂ፣ ሓንሳብ ድማ “ጀነራል” እንዳተባህለ ኩትሻ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስብሓት ኤፍሬም እያ። በቲ ሓደሸነኽ ድማ ሰክሬታሪ ኢሰያስ እያ። እዚ ሰብሓት ኤፍሬም ሰብዚ በብኡ ትግራዋይ፣ በዲኡ ድማ ዓደኮሎም ድምበዛን እያ። ስብሓት ነጋ ድማ ብኣቡኡ ዓድዋ፣ በኣዲኡ ድማ መራጊዝ ሰራየ እዩ። “ኣደኺዶ ሓትኖኺ ይሕሻ፣ እንታይ ክሕሻ ኩለን ሓደ ብሕማም ዓሶ ይለሓሳ”።   ስለዚ ካብ ስልጥእን ምስንባት ስብሓት ነጋ በረኸት እዩ እምበር መርገም ኣይኮነን። ነቲ ሰማዒኡ ግና ስብሓት ነጋ ንፎርማ ካብቲ ዝነበሮ ስልጣን እንተ ተሰናበተ ዝተኣስረ ይመስሎ። እናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን።

ምስንባት ስብሓት ነጋ ካብቲ ክሳብ ዝኣርግ ሒዙዎ ዝነበረ ልዑል ሥልጣን ወያኔ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ለውጢ ከምጽእ እዩ? እዚ ምስንባት ስብሓት ነጋ፣ ንካልኦት መራሕቲ ወያኔኸ ክጸልዎም ድዩ?

ኣስተብህል፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት 2017 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ክሳብ ኣብ እንዳወያኔ ሓዲሽ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ዝመጽእ ጀሚሩ፣ነቲ ፈላሊኻ ግዛእ ዝዓላምኡ መግዛእቲ ህውሓት መኸተኦም ከርእዩ ዝጸንሑ ሃገራውያን፣ ዘይተወደበ ቃልሲ እኳ ይኽን እምበር ንጭፍራ ወያኔ ራዕዲ ኣእትዮምሎም እዮም። “እሞ፣ እዚ ሎሚ ዝርአ ዘሎ ምስንባት ሓዳሓደ ሰበስልጣናት ወያኔ፣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዶኾን ይኸው? ወይስ ከምቲ ቀውዒ ኣዕራብ (Arab Spring) ዝብሃል ኣብ ሃገር ግብጽን ቱኒዝያን ተጀሚሩ ዝቘሃመ ህዝባዊ መኸተ፣ ብረቂቕ ውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን ቅሂሙ ክተርፍ እዩ?”። እንዳበሉ ዝሓቱ ተኻታተልቲ ስትራተጂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሓት ኣለው።

እዚ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታትከ፣ ብሓቂ ኣብቲ ብብልሽውናን ብወሮ-በላን ጋዕዚዩ ዘሎ መንግስቲ ወያኔ: መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ድዩ? ወይስ ብረቂቕ ውዲታዊ ሜላ ባዕዳውያን ተኣሊሙ፣ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ብህዝቢ ኦሮሞን ኣምሓራን ጀሚሩ ዘሎ መኸተ፣ ንምህዳእ ዝግበር ዘሎ ሜላዊ ውዲት ጥራይ እዩ? ዝብሉ ተመራመርቲ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ኣለው። “ክንብርኲት ከይንብርኲትስ እስከ ቅድም ኣብ ማይ ንብጻሕ”፣ ከምዝብሃል፣ እስከ ብፍላይ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ከም  ሃገር ሶማልን ዝኣመሰላ ሃገራትህዝባዊ ለውጢ ክመጽእ ክኢሉስ ክንከታተሎ ኢና። እቲ ኣዝዩ ግዕዙይን ሕገ ኣልቦን ጭፍራ ህግደፍ፣ ብዶብ ኣሳቢቡ፣ ነቲ መዘና ዘይብሉ ባርባራዊ መግዛእቱ ከናውሕ ጸኒሑ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነውን ኣብ ታሪኽ ሕሉፋት ገዛእቲ ኤርትራ፣ ከም ኮሎንያል ጣልያን ይኹን ኮሎንያል ኢትዮጵያን ተራእዩ ዘይፈልጥ ባርባራዊ መግዛእቲ ካብ ዘካይድ ዛጊት ጽባሕ 24 ግንቦት 2018 መበል 27 ዓመቱ ክብዕል እዩ። ከምቲ ኣምሓሩ ክምስሉ ከለው፣ “ኣልሞት ባይ ተጋዳይ” ዝብሉዎ፣ ህግደፍ ግና ሞይቱ ከሎ፣ ብሓጥያት ጭፍራ ወያኔ እንዳ ኣመሳመሰ፣  ብሓገዝ መሃንድሳት ስለላ ጽዮናውያን ገና ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ገልዳሕ ይብሎ ኣሎ። እሞ፤ እዚ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ጉጅለ እኩባት ገበነኛታት፣ ዕምሩ ምዓስ እዩ ክሓጽር? ኣብ ኢትዮጵያስ ጽገናታት ክፍጸሙ ይርኣዩ ኣለው፣ ኣብ ኤርትራኸ ጽገናታት ምዓስ እዮም ክርኣዩ?

እተን ሓያላት ዝብሃላ መንግስታት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ መራሒ ልዑላዊት ሃገር ሊብያን፣ ዒራቕን፣ ዩገዝላቭያን፣ ስጉምቲ ክወስዳ ተራእየን እየን። ንመን ረብሓ እየን ግና ስጉምቲ ወሲደን? ኣብታ ካብ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ስደትን ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ዝነብር ዘሎ፣ ግንከኣ ካብ 7 ንላዕሊ ዓበይቲ ዕደና ወርቃ ብጽዮናውያን ተዘሚቱ ዝግዕዝ ዘሎ፣ ካብታ ብቋንቋ  ህግደፍ “ሓዳስ ኤርትራ” እትብሃል፣ እቲ ጥንታዊ ስማ ግና ምድረባሕሪ እትብሃል ሃገር፣ ስጉምቲ ክወስዱ ድዮም ወይስ ነቲ ስልጣን ልኡኾም መላኺ ኢሰያስ ብብልሽውና ወያኔን፣ ብጉዳይ ዶብን እንዳ ኣመኽነዩ ስልጣኑ ከናውሕሉ እዮም? ብገለገለ ተኸታተልቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውሃብ ርእይቶ ከኣ፣ “ህግደፍን ወያኔን ትካል ጽዮናውያን እዮም፣ ብፍላይ እኳድኣ ብዙሕ ሰብ ዘይበጽሖ ኮይኑእምበር፣ ኣልቃሂዳ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ንኸገልግሉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኸትቡ እዮም። ቀንዲ ወፍሮም ድማ ንስትራተጂካዊ ሕልሚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽዮናውያን ንምትግባር፣ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመልሚሎም ዝሰልጠኑን ዝተዓስቡን፣ ጸረግቲ ጽርግያ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት እዮም”። ክብሉ መጎታዊ ርእይቶኦም ክህቡ ይስምዑ።

 ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 16 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.