ማዕከናት ዜና ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ድሕሪ 14 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምፍጻም ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምርኻቡ ብምጥቃስ፡“እቶም ‘ከነጥፍኣኩም ኢና፡ ኣይንፈትወኩምን ኢና’ ዝብሉና ዝነበሩ ጸላእትና፡ ጽንዓትናን ሓቅነትናን ስለዝሰዓረ፡ ‘በጃኹም ተዓራረኹና ፍተዉና’ ይብሉና ኣለው” ብምባል ዋጥየንን ኣቃጪጨንን። እንተኾነ“ንዓይ ነንጭዋ’ዶ ኣብ ለቆታ” ከም ዝበሃል፡ መርገጽን ሜላን መንግስቲ ኣመሪካ፡ ምስ ሃገራት ዝምስርቶ ዲፕሎማስያዊ፡ ቁጠባውን ወተሃደራውን መዳያት፡ ትማሊ ዝነበረ ሎሚ ዘሎ ጽባሕ’ውን ዘይቅየር ፖሊሲ ኮይኑ፡ ምስ ሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ዝተኣሳሰር ምዃኑ’ዩ። መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ሓጺር ወይ ኣብ ርሑቕ ረብሓ ዘይረኽበሉ ቀያሕ ሳንቲም ከምዘይህብን ንኸንቱ ከምዘይደክምን ምስጢር ኣይኮነን።

መንግስቲ ኣመሪካ ብኹሉ መምዘኒታት ንሃገር ዘርብሕ እንተኾይኑ፡ ንውልቀ መለኽትን ገሃስቲ ሰብኣዊ መሰልን ዝኾኑ መራሕቲ፡ ይሕብሕብ፡ ይውድስ፡ ይከላኸል ወይ ድማ ንኣውያት ውጹዓት ሰሚዑ ከዘይሰምዐ ርእዩ ከዘይርኣየ ስቅታ ይመርጽ። ንኣብነት ርሑቕ ከይከድና ኣብ 50ታት፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ንመሰል ህዝብና ረጊጹ ኤርትራ ብሓይሊ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር እንከላ፡ ቀዳመይቲ ጠጃኢት ናይቲ ተንኮልን ተዋሳኢት ናይቲ ጎበጣን ኣመሪካ’ያ ነይራ። ክሳብ ለይቲ ሎሚ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምትሕልላኽ ትፈጥርን ፍትሓዊ መርገጺ ዘይትወስድን ሃገር’ያ።

ኣመሪካ ኣንጻር መሰል ህዝቢ ኤርትራ ጠጠው ስለዝበለት ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ንገበናቱ መሕብእን ካብ ሓቂ ክሕክልን ኣይግባእን’ዩ። ሎሚ ልዕሊ ስቅታ ኣመሪካ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበን ስለዝዓዝዝ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ እምበር፡ ኣንጻር ኣመሪካ ወይ ማሕበረሰብ ዓለም ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ምስ ኣመሪካ ብረብሓ ምስ ዝወዳደራ ሩስያ፡ ቻይናን ካልኦት ሃገራትን፡“መንግስቲ ኤርትራ ረጋጺ ሰብኣዊ መሰል’ዩ” ኢለን ስለዘይኮነናን ወይ ድምጸን ስለዝዓቀባን፡ ህግደፍ ገበን ከምዘይብሉ ክጅሃረሉ ይፍትን። ሎሚ ወይ ጽባሕ ኣመሪካ ምስ ስርዓት ህግደፍ ሕግብግብ እንተበለት፡ ነቲ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዘለዎ ረብሓታት ንምኽሳብን ቀዳምነታታ ስለዝዓጣን እምበር ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ከምዘይተቐየር ትስሕቶ ኣይኮነትን። ወይ’ውን ምስ ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ኣብ ኤርትራ ፈጢርዎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰምን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ከምዘይፍውሶ ኣይጠፍኣን።

ምስ ውጥም ቅልቅል ኣመሪካን ካልኦት ሰብ ዋኒንን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዞባናን ክንጸር ዘለዎ ኣገዳሲ ጉዳይ፡ ንድሌት ህዝቢ ኤርትራ ዘቋስል፡ ንዕምሪ ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ዘናውሕ፡ ንጸጋታትና ዝጉሕጉሕ፡ ንባህርያዊ ሃብትና ዝብክልን ንመንነትናን ክብርናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን’ዩ። ንስርዓት ህግደፍ፡ ገበነኛ ወይ ፍትሓዊ ስርዓት ምዃኑ እንኮ ዝፈርዶን ዝፈልጦን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ቁጠባዊ ድኽነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ሕሰም ዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቻይናን ማሕበረሰብ ዓለምን ኣይኮኑን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ጸገማቱ ብዓውታ ጥርዓኑ ክገልጽ እንከሎ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣዎንታውን ፍትሓውን ግብረ መልሲ ክህብ ሞራላዊ ሓላፍነት’ኳ እንተለዎ፡ ብዓል ጉዳይ እንከሎ መተካእታ ድሌትን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ግን ኣይግብኦን’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ ርብዒ ዘመን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክጭፍጨፍን ክርገጽን እንከሎ’ውን፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ብሰብኣዊ መሰል ይሕለቅ’የ ትብል ኣመሪካን፡ ተባዕ ስጉምቲ ኣይተወሰደን። ስርዓት ህግደፍ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተፈንፈነ ጨካን ስርዓት ምዃኑ ኣንዳዕዲዑ ስለዝፈልጥ፡ ወትሩ ካብቲ መሰረታዊ ጉዳያት ብምህዳም፡ ኣብ ጓል መንገዲ ዕንክሊል ክብልን ማሕበረሰብ ዓለም ከደናግርን’ዩ ከይደቀሰ ዝሓድር። ህግደፍ እተን ፈጺመን ክልዓላ ዘይደልየን ሕቶታት፡ ማለት ኣብ ኤርትራ፡ ህላወ ቅዋማዊ መንግስቲ፡ ጉዳይ ምርጫ፡ መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽ፡ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ምምቅራሕ ስልጣንን፡ ብግቡእን ብድፍረትን ምስዝምለስ ጥራሕ’ዩ ንጽህናኡን ውርዙይነቱን ዝልካዕ።

ስርዓት ህግደፍ ዋላ’ኳ ብህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉ ኣረሜናዊ ስርዓት እንተኾነ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ግን ዝብኢ ኣብ ዘይዓዱ ከይዱ ኣጎዛ ኣንጹፉለይ በለ ከም ዝበሃል ከምኡ ክብል ዓይኑ ኣይሓስን’ዩ። ማሕበረ ሰብ ዓለም ብሓፈሻ ምዕራባውያን ሃገራት ከኣ ብፍላፍ፡ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ሕሰም ብዝጥዕመንን ምስ ረብሓታተን ኣተኣሳሲረን ክገልጽኦ ይኽእላን ምስቲ ስርዓት ኮሸምሸም ክብላን ይኽእላ’የን። እቲ ወናኒ ጉዳዩ ብዛዕባ ቃንዛን ራህዋን ዘስተማቅር ግን ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ ኣካል የለን። ንኣብነት መንግስቲ ካናዳ፡ ስርዓት ህግደፍ ግሉጽነት ዘይብሉን መጻዪ ሕብረተሰብ ኤርትራ ምዃኑን እናፈለጠ፡ ትካላት ዕደና ኣብ ኤርትራ ኣዋፊሩ ሃብቲ ይግሕጥን ብስም ቁጠባዊ ሽርክነት ይመሓዞን ኣሎ። መንግስቲ ካናዳ ረብሓታቱ ስለዘገድሶ’ምበር ሕቶ ዲሞክራስን ልምዓትን ናይ ህላወ’ምበር ናይ ምርጫ ሕቶ ከምዘይኮነ ይግንዘብ’ዩ።

ስለዚ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብምኻድ ምስ ውልቀ መለኽቲ ስርዓት ህግደፍ ሰላምታ ክጨባበጥን ገጽ ንገጽ ተራኺቡ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጉዳያት ክዘራረብን እንከሎ፡ መላኺ ኢሳያስ ንጡፍ ማሓዮ ንክኾኖ፡ ኣብ ስልጣን ንኽጸንሕ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት፡ ኣብ ስደት ክከላበትን ዕድል ምሃብ እምበር፡ ፍታሕ ዘምጽእን ትርጉም ዘለዎን ኣይኮነን። ምናልባት ስርዓት ህግደፍ፡ ብጸቕጢ ኣመሪካ፡ መዋጽኦ ምስ ስኣነን ንኸምስልን ጥምዓዊ ወይ ጽገናዊ ለውጥታት ክገብር ይኽእል ይኸውን። እንተኾነ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ቅዋም ከምዘየድሊ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ውድብ ወይ ማሕበር ንኤርትራ ዝውክል ከምዘየለ፡ ኩሉ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ሰብ ሃገራዊ ከምዘይቁጸርን ህዝቢ ኤርትራ ፈትዩ ጸሊኡ ህግደፍ ዝበሎ ሰጥለበጥ ኢሉ ክግዛእ ከምዘለዎን ብተደጋጋሚ ገሊጹ’ዩ።

እቲ ክጎስሞን ክውሕጦን ከም ዕረ ዝጉምድዶ ሓቂ፡ ዓቢ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ክስደድ ምኽንያት እናኾነ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዜጋታት ብዘይፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናኣሳቐየ፡ ንብረት ሃገር እናዘመተን እናዘረወን፡ ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰውኣሉን ዝደኸመሉን ናጽነት ጨውዩ ህዝቢ ዝረግጽ ዘሎ መንሽሮ ስርዓት ህግደፍ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ጠንቂ ስደት፡ ምቕጻል ግዱድን መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ምንዳፍ ቅዋምን፡ ምስ ምሕንጻጽ ዶብን እገዳን’ዩ ዘተኣሳስሮ። እቲ ክውንነት ግን፡ ስርዓት ህግደፍ ዘይዓግብ ናይ ስልጣን ሸውሃት ንምርዋይ ዝፈጥሮ ምስምስ’ዩ።

2