ብክኢላታት ደቀባት ኤርትራ ተጸኒዑ፣ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ዘይተመስረተ ፕሮጀክት ኣይዕወትን እዩ።

ዝኾነ ይኹን ስራሕ፣ ህንጻ ገዛ፣ ወፍሪ ትካል፣ ወይከኣ ወፍሪ ሰውራ ሰሊጡ ክካየድን ክትግበርን እንተ ድኣ ኮይኑ፣ ቅድሚ ምጅማሩ፣ ሓደ ፕሮጀክት ሃልዩዎ፣ ኣብ ሓደ ጽፉፍን መሰረታዊን ፍልስፍና ዝተመርኮሰ ከኣ ክኸውን ኣለዎ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ መደብ ወይከኣ ፕሮጀክት ኣውጺኡ ነቲ መስርሕ ደረጃ ብደረጃ በብሓደ እንዳኣተግበረ ምስዘካይዶ ጥራይ እዩ ክዕወት ዝኽእል። ካብዚ ወጻኢ ዝካየድ ሰውራዊ ወፍሪ ግና፣ ኣብ መወዳእታ  ሸቶኡ ኣይወቅዕን እዩ። ወይከኣ እቲ ፕሮጀክት ብመሃንድሳት ባዕዳውያን እንተድኣ ተሓንጺጹ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ረብሓ ንባዕዳውያን ኮይኑ ጥራይ እዩ ዝተርፍ።

ክሳብ ሎሚ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፣ “ጎጉዱስ ንቀሺ” ከምዝብሃል፣ ኣቲ ኩሉ ሓጥያት ንውድብ ሻዕብያ ጥራይ እዮም ከሰክሙዎ ትሰምዕ። ነቲ ጉዳይ ብግቡእ እንተ-ተመራሚርናሉ ግና፣መሪሕነት ውድብ ጀብሃ እንተኾነውን እንተዘይገዲዱ ኣይሓይሽን እዩ። እቶም ኣብ ክልተኡ ዝነበሩ ሰራዊት ግና ንጹሃት እዮም። ብሰንኪ ግዕዙይን ዕሱብን መሪሕነት ክልቲኡ ውድባት ግና እቶም ንጹሃት በጃ ሓሊፎምን ካብ ሜዳ ኤርትራ ድማ ንስደት ኣምሪሖም። መሰረታውያን ዲሞራስያዊ ምንቅስቋስ ሻዕብያ፣ መሪሕነት ሻዕብያ ብ”መንካዕ” ወንጂሉቐንጺሉዎም። ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ጀብሃ ዝነበሩ ድማ መሪሕነት ጀብሃ ብ”ፋሉል” ወንጂሉ ቀንጺሉዎም። ንክልቲኡ ውድባት ከዳዕ መሪሕነት ኢሎም ዝገምገምዎ፣ ማሕበር ተማሃሮ ሰሜን ኣሜሪካ ድማ  ብሓገዝ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ፣ ብመሪሕነት ሻዕብያ ተቐንጺሎም።

ንመረዳእታ፣

ሓደ ሰብ ንሓንቲ ገዛ ክሃንጻ እንተድኣ ኮይኑ፣መጀመርያ ከምቲ ንዕኡ ቃሕ ዝብሎ፣ መደብን ፕላንን ወይ ፕሮጀክትን የውጽእ። ሽዑ እቲ ምህናጽ ገዛ ብጽፉፍ ምድላው ተሃኒጹ ምስ ተወድአ፣ እቲ ዝሰርሖ ወይ ዘስርሖ ሰብ ከኣ ኣብቲ ገዛኡ ቀሲኑ ይሰፍር። እቶም ነታ ገዛ ዝሃነጹዋ ግና ዋናታት እታ ትህነጽ ዘላ ገዛ እንተዘይኮይኖም፣ እታ ገዛ ነቶም ብባዕሎም ዘውጽኡዎ መደብ ዝሰርሑዋ ሰባት ጥራይ እዮም ክሰፍሩዋ ዝኽእሉ። ዘይናትካ ኣይናትካን ስለዝኾነ። ሰውራ ኤርትራ ድማ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ፣ብኻልኦት ስዉራትን ግሁዳትን ሓይልታት ይዝወር ስለዝነበረ፣ መሰረታዊ ለውጢ (ሓርነትን ነጻነት)ከምጽእ ኣይበቕዐን።

ግድነት ሓደ ዕዉት ክኸውን ዝግብኦ ሰውራ ከተካይድ እንተድኣ ኮንካ፣ ቅድም ቀዳድም ዓላማን ሸቶን መምርሕን ክህልወካ ግድነት እዩ። እዚ ማለት ድማ ስለምንታይ ሰውራ ከተካይድ ትደሊ ኣሎኻ? ሰውራ ከተካይድ ከሎኻኸ እቲ ቀንዲ መምሪሒኻ እንታይ እዩ?ዝብሉ ሕቶታት፣ ብግቡእ ክትምልስ ኣሎካ። ዕላማኻን መምርሒኻን ብግቡእ ምስ ፈለጥካ ድማ፣ ነቲ ዓላማኻን መምርሒኻን ክትስንዶ ኣሎካ። ካብኡ ቀጺልካ ድማ፣ ንህዝብን ንሰራዊትን ዝምስጥን፣ዘዕግብን ፍልስፍናን ወተሃደራዊን ስትራተጂካዊን ኣዳሊኻ ክትቅርብ ኣሎካ። ብደርፍን ብዳንኬራን፣ ፕሮፓጋንዳን እንዳገበርካ፣ ንህዝብን ንሰራዊትን ስለዘደንቆርካ ግና ዕዉት ነጻነትን ሓርነትን ኣምጺእካ ማለት ኣይኮነን። የግዳስ ብኣንጻሩ ባርነት ኣምጺእካምበር!

እስከምብኣር ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኣቲና ብዓቕምና መባእታዊ ዝኾነ ምርምር ከነካዪድ ንፈትን።

እቶም መሃንድሳት ሰውራ ኤርትራ ዝብሃሉ ዝነበሩ፣ መራሕቲ ጀብሃን ሻዕብያን ሰውራ ኤርትራ ክጅምሩዎ ከለው፣ እኹል ምድላዋት ኣዳልዮም ድዮም ጀሚሮሞ ወይስ ብስምዒት ጥራይ እዩ ነይሩ? እቲ ፍልስፍናን ስትራተጂካዊ ሸቶን ብሓቂ ኣብ ታሪኽን፣ መንነትን፣ ባህልን፣ ዋንነት መሬትን፣ ሕጊ እንዳባን፣ ቅዱስ እምነትን፣ እሞከኣ ኣብ ዘየማትእ ወይ ዘየጠራጥር (ትራንስፓረንት) ኣብ ዝእመንን፣(ፕላውዚብልን) ፍልስፍናን መጎትን ዝተሰረተ ፖለቲካዊ ትምህርቲድዩ ተዳልዩ፣ ወይስ ስምዒት ህዝቢ መዝሚዝካ፣ ነቲ ግዝያዊ ስምዒት ህዝቢ ዘነቓቕሕ፣ ግንከኣ ካብ ባዕዳውያን ዝተቀድሐ ፍልስናን ወይ ፖለቲካዊ ትምህርትን ሒዙ እዩ ተበጊሱ?

እስከ እምብኣር፣ቅድሚ ምጅማር ሰውራ ይኹን፣ ሰውራ ምስተጀመረን፣ኣብተን ክልተ ውድባት ኤርትራ ዝነበራ፣ እኳድኣ ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ከነውጽኦ ኢና ኢለን ክብገሳ ከለዋ፣እንታይ ትሕተባይታዊ ቅርጻ (ኢንፍርስትራክቸር) ከምዝነበረን ብዕሙቕ ዝበለ ኣገባብ ንመራመር።

ኣብ ተ.ሓ.ኤ. (ጀብሃ) ዝነበረ ምድላው ሰውራ እስከ ንመልከት፤

ካብ መግዛቲ ኮሎንያል ጣልያን ኣትሒዞም ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና ብሃገራዊ ወንን ብጅግንነትን ተበጊሶም ንኮሎንያል ጣልያን ይምክትዎ ነይሮም እዮም። ቃልሲ ኤርትራ እምብኣር ካብ ኮሎንያል ጣልያን ጀሚሩ ኣፋላላይ ዘይብሉ ኣገባብ ቃልሲ ከምዝነበረ ታሪኽ ዝገልጾ ሓቂ እዩ። ድሕሪ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንኮሎንያል ጣልያን ተኪኣ ብመጒዚትነት ንኤርትራ ምቊጽጻራ ግና፣ ቅድሚኡ ዘይነበረ፣ ብመሃንድሳት ኮሎናይል ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣልመ፣ ሓዲሽን ግንከኣ ፈላላዪን ውዲታዊን ፖለቲካዊ መርዝን ኣብ ኤርትራ ክተኣታቶ ጀመረ። ንሱ ድማ ኣብ መንጎቲ ካብ ሓደ ዘርእን መበቆልን ተሰሪቱ ንመዋእል ብሕብረት ተሳንዩ ክነብር ዝጸንሐ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ኤርትራ፣ ብሰንኪ እንግሊዝ ፈላላዪ ምስልምናን ክርስትናን ብሪጣንያ ግና ክፋላለ ጀሚሩ።

ብልሓተኛ ኮሎንያል እንግሊዝ፣ ኮነ ኢሉ ንህዝበ ክርስትያንን ኣስላምን መታን ክፈላሊ፣ ነቶም ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ቋንቋ ትግረ ዝቋንቍኦም እምነቶም ግና ምስልምና ዝኾነ ኤርትራውያን፣ “እዚ ዓረብኛ ቋንቋ ኣብ ቍርኣን ስለዘሎ፣ ቋንቋኹም እዩ” ኢሉ ኣታለሎም። ካብዚ ጀሚሮም ድማ ኣስላም ኤርትራ ቋንቋ ዓረብ ከም ቋንቍኦም ገሮም ብግርህነት ተቘበሉዎ።

ብድሕሪዚ ኮሎንያል እንግሊዝውን ካብ ኤርትራ ምስ ለቐቐ፣ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ኮነሞ፣ ኤርትራ ከምሃገር ኮይና፣ ከምተን ብዓል ሶማልን ሊብያን ነጻነታ ከይትረክብ፣ ብውሳኔ ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ንክትጽንበር ተገደደት።

ብድሕሪዚ እምብኣር ሰውራ ኤርትራ ብስምዒትን ሃገራዊ ፍቕርን ክሳወር ተጀመረ። ኣብ ከተማታት ኤርትራ ሓራካ ዝብሃሉ ቀዳሞት ሓርበኛታት ተቓለስቲ ሃገራውያን ተላዕሉ። ጸኒሑ ድማ ብዘይተወደበ ኣገባብ ሓደ ፍኑው ቃልሲ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን፣ ብኢድሪስ ዓዋተ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጂለ ተጀመረ። እቲ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. (ቅያዳ ኣልዓማ) ዝብሃል ከኣ ብብዓል ኢድሪስ መሓመድ ኣደምን፣ እድሪስ ገላውዴዎስን ካልኦት ብጾቶምን፣ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ካይሮ ኮይኖም ክመርሑዎ ጀመሩ። ኣብዚ ግና እቲ ሰራዊት ድኣ ገለ ውሑዳት ክርስትያን ነይሮሞ እምበር፣ እቲ ኣብ ካይሮ ዝነበረ መሪሕነት ግና ብምልኦም ኣስላም እዮም ነይሮም።

ኣስተብህል፣ ሽዑ እዋን እቲ ብቅያዳ ኣልዓማ፣ዝምራሕ ዝነበረ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ስምዒት ዝተመርኮሰ እንተዘይኮይኑ ሓደ ንጹር ፍልስፍና ወይ ብግቡእ ዝተሓንጸጸ ስትራተጂካዊ መምርሒ ኣይነበሮን። ኣብ ሃይማኖት ምስልምናን፣ ዓረብነትን ዝብል ዝንባሌ ግና ነይሩዎ እዩ። እዚ ውድብ ተ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ እምብኣር፣ ነቶም ሰራዊቱ፣ ፖለቲካዊ ትምህትን ታዕሊምን ብቋንቋ ዓረብ ተጠቒሙ ከሰልጥኖም ጀመረ። ታዕሊም ኣድቢኽ ምውግእ ወይ ውግእ-ጎሪላ ግና፣ ካብ ፓሌስቲና ቀዲሖም ክጥቀሙ ጀመሩ። ከምዚ ኢሉ ከሎ እቲ ውድብ ከኣ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ቀቢላታት ተኸፋፈለ፣ ብዕመር እዛዝ እትምራሕ መብዛሕትኦም ኣባላታ ደቂ ሰንሒትን መንሳዕን፣ ብወልዳይ ካሕሳይ እትምራሕ መብዛሕትኦም፣ ደቂ ከበሳ ዝኣባላታ፣ ብደቂ ባርካ ብበዓል ዓብደላ እትምራሕ ድማ ሓንቲ ጊጅለ ነበራ።

ስለዚ እቲ ኣብቲ እዋን ቀቢላታት (ፈሲላታት) ዝነበረ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ማእከልነት ዘይነበሮ፣ ባዶ እዩ ነይሩ እንተተባህለ ቃል ኣጋንኖ ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብ ስምዒት ዝተላዕለ ጥራይ ነቲ ሰውራ ይድግፎ ነበረ። ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ጭቆና ስርዓት ሃይለስላሴ እንዳገደደ ይኸይድ ነበረ። ብኸምዚ ዝጀመረ ቃልሲ እምብኣር ክዕወት ከቶ ኣይክእልን እዩ።

ድብ ተ.ሓ.ኤ. እምብኣር ካብ 1961ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ 1ይ ውድባዊ ጉባኤ ካብ 90%ንላዕሊ መራሕቲ ኣስላም ጥራይ እዮም ዝነበሩ። እቲ ሰራዊት ድማ ቋንቋ ዓረም ክምሃር ይግደድ ነበረ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ እቶም ብዓረብኛ ቋንቋ ዝዛረቡ ተጋደልቲ ከም ምዕቡላት ኮይኖም ይርኣዩ ነበሩ። ይኣይ ቋንቋ ዓረብ ካብ ትግሪኛ ቋንቋ ንላዕሊ ኤርትራዊ ቋንቋ ተባሂሉለይ እንድዩ። እቲ ትሕተ ቅርጻ ተ.ሓ.ኤ. ከምኡ ኢሉ እንዳከደ ከሎ ከኣ፣ ከም ኣማራጺ ፍልስፍና ቦልሸቪክስ ብዕዮ ማሕበር እትፍለጥ ሰልፊ ክትምስረት ጀመረት። ብኻልእ ወገን ከኣ ካብ ሃገር ዒራቕ ዝተቐድሕ ብዓስ ፓርቲ ዝብል ዝንባሌታት ብብዓል ዓብደላ እድሪስ ተስፋሕፈሐ።

ካብኡ ድማ ሓዲሽ ኣንቆራ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝብሃል ውድብ ብባዕዳውያን ብፍላይ ብመንግስቲ ኣሜሪካን፣ እስራኤልን፣ እንግሊዝን ተሰኒዑ ተማህዘ። እዚ ውድብ እዚ ድማ፣መሰረታዊ  ለውጢ ንምምጻእ ዘይኮነስ፣ ብውዲታዊ ሜላ ተሰኒዑ፣ ነቲ ድኽመታት ጀብሃ መዝሚዙ ክዓቢ ጀመረ። ቀንዲ መትከሉ ድማ “ንሕናን ዓላማናን“ ዝብል መደብ ዕዮ ክዝርግሕ ጀመረ። እቲ ትሕዝቶኡ ግና፣ ፈላላዪ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ዘስርጽ ነበረ። እታ “ንሕና” ትብል ቃል ግና ብሓቂ እንተትትግበር ነይራ፣ ንሕና ደቂ ምድረባሕሪ ዘኽሩዑ መንነታዊ ረቛሒታት ስለዘሎና፣ ብእኦም ተመሪሕና እንተንቃለስ ኔርና ብዝሓጸረ እዋን ምተዓወትና ኔርና። እምባኣር እታ “ንሕና ዓላማናን” እትብል ጭርሖ መርዛም ጭርሆ ኮይና ኣንጻር ንሕና ኤርትራውያን እያ። ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተሰንዐት ማኒፑሌት ስለዝኾነት ድማ እንሆ ሎሚ ብግብሪ ንርእያ ኣሎና፣ ንሕና ዘይኮናስ ካልኦት  ከምዝኾኑ እቶም ዋናታት።

ኣስተብህል፤ ኣብዚ ከንድህበሉ ዘሎና ግና ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ፣ኣብ ሰውራ ኤርትራ ካብ መጀመርያ ፍልስፍና ፖለቲካዊ ትምህርቲ ክሕንጽጹን ክነድፉን ከለው፣ ካብ እንዳብኦም ከይብገሱ፣ ካብ ባዕዳውያን ቀዲሖም እዮም ነቲ ኩሉ መደብ ዕዮኦም ሓንጺጾሞ። ንሱ ድማ ብክኢላታትን ፈሊጣውያንን ኤርትራውያን ዘይኮነ፣ ብመሃንድሳት ወጻኢ ሃገራት ዝተኣልመን ዝተሓንጸጸን ፍልስፍና እዩ ዝነበረ። እወ፣“ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፋቕ፣ ወይከኣ ናታ ገዲፋስ ናይሓማታ” ከምዝብሃል፣ እቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ፣መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ኢና ኢሎም ባዕሎም ንባዕሎም ንነብሶም ከም መራሕቲ ሰውራ ዝሸሙዋ፣ እቲ ፍልስፍና ባዕዳውያን ኣርቂቖም ዝሃቡዎም እምበር፣ ባዕሎም ዝምሃዙዎ ፍልስፍና ኣይነበረ።

ንመረዳእታ፣ ማርክሰን ለሊንን ዝብሃሉ ፈላስፋታት ይሁዳውያን እዮም ዝነበሩ፣ መሰረቶምን መበቆሎምን ከኣ ኤውሮጳ እዩ። ነዚ እዚኦም ይሁዳውያን ወቂጦም ወቓቒጦም ዝሰንዑዎ ፍልስፍና “ማሕበርነትዶ፣ዴስነትዶ” ዝብሃል፣ ቀዲሖም ኣምጺኦም ነቲ፣ ብመንነቱን፣ቅዱስ እምነቱን፣ ባህሉን፣ደሳዊ ዋንነት መሬቱን፣ ፍትሓዊ ጥንታዊ ሥርዓተ እንዳባን ከለዎ፣ ባንቡላታት ካድረታት መልሚሎም ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ፣ ፍልስፍና ባዕዲ ምሂሮም ነቲ ሰራዊት መንነቱን እምነቱን ረሲዑ ከምዝድንቁር ገሮሞ። ወዮ ድኣ ንከይርድኡ ዝተረድኡ እዮም እምበር፣ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 5 ሽሕ ክፍለዘመን ጀሚሩ መዘና ዘይብሉ፣ መንነትን፣ ባህልን፣ እምነትን፣ ዋንነት መሬትን፣ ንግስነት ብሕረ-ነገስታትን፣ ዝነበሮ ህዝቢ ምዃኑ ክፈልጡ ነይሩዎም። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብ 13 ክሳብ 9ይ ክፍለ-ዘመን ብወራር ግሪኻውያን ተሃስዩ እዩ፣ ድሕሪ ግሪኽእውያን ድማ ሮማውያን ንዋየ ቅዱሳቱን፣ መጽሓፍቲ ምርምርን ሓውልታቱን፣ ካልእ ክቡርን ቅዱስን ንብረቱን ተዘሚቱ እዩ። ድሕሪ ሮማውያን ድማ ኣዕራብ፣ ካብ ዓዲ ዓረብ ንምድረ ባሕሪ ሰጊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተኣደነ ባርባራዊ ዕንወት ኣስዒቦም እዮም።

ከም ኣብነት ንምጥቃስ፣ እቶም መዘና ዘይነበሮም ገዳማት ምድረ ባሕሪ፣ ኣብ ሳሕል ከም ሃገራናግራን ዝብሃሉ፣ ከም ኣብ እምበረምን ሕርጊጎን ዝነበሩ ዓበይቲ ገዳማትን ኣብያተ መቕደሳትን ተደምሲሶም፣ብመሳጊድ ተተኪኦም። ጸኒሖምውን ፖርቱጋላውያን መጺኦም። ፖርቱጋላውያን ዘፈጸሙዎ ነውሪ’ውን ንባዕሉ ሓደ ምዕራፍ እዩ። ቀጺሉ ድማ ወራር ቱርካውያን ስዒቡ። ኣትርዅ ድማ ንኹሉ ክርስትያን ዝነበረ ህዝቢ ባርካን ሳሕልን ሰምሃርን ደንከልን፣ መንሳዕ ብግዲ ኣመስሊሙዎም እዩ። ጸኒሑ ወራር ግብጺ ተቐልቂሉ ካብ ባጽዕን ካብ ከረንን ከይሓለፈ ግና ተሓምሺሹ ቅሂሙ። ቀጺሉ ድማ ወራር ኮሎንያል ጣልያን መጺኡ፣ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣታኣታትዩ፣ ብኣሽሓት ዝቕጸሩ ጀጋኑ ኣቦሓጎታትና ድማ ቀንጺሉን፣ ንናኵራ ዳጊኑዎም እዩ።

 እሞ እቶም መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ዝብሃሉ ደናቝር፣ ካብዚ ኩሉ ታሪኽ ዓደቦና ተበጊሶም፣ ንቡር ፍልስፍና ዓደብኦም ኣሓዲሶም ሰውራ ከየካይዱ፣ ብባዕዳውያን ተዓሲቦም፣ ብህዝቢ ኤርትራ ተላጊጾም እዮም።

 ወዮ ድኣ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ በሃማት ኮይኖምዮም እምበር፣ እቲ ዴሲነት ዝብሃል ፍልስፍና፣ ኣብ ሃገር ሩስያ ወይ ኤውሮጳ ዘይኮነስ፣ ካብ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ እዩ። ንሕና፣ክቡር ባህልና፣ባህርያዊ ጸጋ ሃገርናን፣ ባሕርናን፣ መንነትናን፣ ቅዱስ ሃይማኖትናን፣ ስርዓተ ሕጊ እንዳቦናን፣ ደሳዊ ዋንነት መሬትናን ካብ ካልኦት ሃገራት ብሉጽ ስለዝኾነ፣ ነዚ ከሕድጉና ዝመጹ ወረርቲ ክንምክቶም ከምዘሎና ኢላካ እትሕንጽጾ መደብን ዓላማን፣ ኣብ ሓርነት ንከብጽሓና እኹል ነይሩ።

ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ መለለዪናን መንነትና ንምክልኻል ኢልና ጥራይ፣ ካብ ባዕዳውያን ጽልዋ ሓራ ዝኾነ ባዕላዊ ፖለቲካዊ ትምህርትን መምርሒን ሓንጺጽና ሰውራ እንተንጅምር ኔርና፣ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ማዕረ ኤውሮጳውያን ኮኑ ምሰልጠነ ነይሩ። ብሰንኪ ክናናን ምናናን መራሕቲ ጀብሃን ሻዕብያን ግና፣ ከም ህዝቢ ኣንትኾነውን ደው ከምዘይንብል ኮንና ኣሎና።

ርግጽዩ፣ ህዝቢ ሓበሣ ብቦኽሪ ፊደላቱን፣ ብውርዙይ ባህሉን፣ ብቅዱስ እምነቱን፣ ብክቡርን ኩሩዕን መንነቱን፣ ዴሳዊ ዋንነት መሬቱን ተመርኲሱ ጥራይ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ንህዝቢ እንተዝምህር ነይሩ፣ ዝኽነ ይኹን ጸላኢ ክስዕረና ኣይምኸኣለን። እወ፣ ስላምንታይ ሰውራ ኤርትራ ፈሺሉ? ንዝብል ሕቶ እምብኣር መልሱ፣ መራሒ ስለዝሰኣነን፣ እቶም ዝርካቦም መራሕቲ ኢና እሎም ክመርሑ ዝጀመሩ ባሃማት ድማ፣ “ነብሳ ረሲዓስ ንሓማታ ትዝክር” ኮይኖም ለኪሞሞ ጠጠፊኦም። ስለዚ ንህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላእቱ፣ ቅድም ጀብሃ! ሎሚ ከኣ እቲ ተረፍመረፍ ሻዕብያ ዝኾነ ጭፍራ ህግደፍ: ብባዕዳውያን ትዓሲቦም ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተዋፈሩ እዮም።

ብኻልእ ኣገላልጻ፣ መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ንህዝቢ ከጽንቱን ዕንክሊል ኣቢሎም ከኣ ኣላሽ ንኸብልዎ ኣንተዘይኮይኖም፣ ንነጻነትን ሓርነትን ከምጽእ ዝኽእል ዓቕምን ኣፍልጦንን ክሪዝማን ከምዘይነበሮም ካብ መጀመርያ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ነዚ ዘለለዩ ለባማት ኤርትራውያን ግና ብጸልማትን ብስዉርን እንዳተሃድኑ ሃሊቖም እዮም። ነዚ ኩሉ ውዲት ምሃዝቱ ግና ጽዮናውያን እዮም። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ምኩር ተቓላሳይ ምኻኑ ኣጸቢቖም ስለዘለለዩዎ፣ ንመረድእታ፣ ኣንጻር ወራር መሓመድ ግራኝ፣ ኣንጻር ቱርካውያን፣ ኣንጻር ማህዳውያን፣ኣንጻር ግብጻውያን፣ ኣንጻር ኮሎንያል ጣልያን፣ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ኲናት ብኽርዓት ከምዝሰዓረ ስለዝተረድኡዎ፣ “ነዚ ህዝቢዚ ብድሎ ከይትዕሎ ገርና ክንስዕሮ ኣይንኽእልን ኢና፣ንሓዋሩ ክንስዕሮ እንተድኣ ኮንና ግና፣ገረብ ብሓኽላ ተጠቒምና ጥራይ ኢና“ካብ ዝብል ረቂ ውዲት እንሆ ኣምሆ ዘመን ንጀብሃ፣ ሎሚ ብወያኔን ብልኡኽ መላኺ ኢሰያንስ የረባርቡና ኣለው።

ብሉጽ ባህልን እምነትን መንነትን ባህርያዊ ጸጋን ዘለዎ ህዝቢ ጸላእቱ’ኳ ብዙሕ እንተኾኑ፣ ኣብ መወዳእታ ግና ክዕወት እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 21 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.