እስከ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ፣ ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ኣልዒልና  ብዓቕምና ንምርምርን መጽናዕትን ዝሕግዝ ዕምዲ ከነቕርብ ክንፍትን ኢና። ሓገዝኩም ድማ ኣይፈለየና።

1.) ህዝቢ ኤርትራ መንዩ? እንታይ እዩኸ መንነቱ?
2.) ስለምንታይከ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ባዕዳውያን ወረርቲ ክወሩዎ ጸኒሖም?
3.) ስለምንታይከ ንኹሎም ወረርቱ በብሓደ መኪቱ ይስዕሮም ነይሩ? ን
መረዳእታ፣ ንወራር ቱርኪ  ካብ 16 ክፍለዘመን ጀሚሩ ክሳብ 18 ዘመን ንምድረባሕሪ ብሓይሊ ክቅፕoጻጸራ ኣይከኣለን። ኣብ ድባርዋ ስለዝተሳዕረ ኣብ ሕርጊጎን ገማግብም ቀይሕ ባሕርን ጥራይ ሓኪሉ ድሕሪ ምጽናዕህ ግዝኣት ዖስማን ምስ ኣብቀዐ ድማ ጠቕሊሉ ካብ ምጽዋዕ ተዓዚሩ። ንወራር ግብጺ ኣብ ጎዳጕዲ፣ ኣብ ኵዓቲት፣ ኣብ  ጉራዕ ንበይኖ ደቂ ምድረባሕሪ ጥራይ መኪቶሞ። ኣብ ኲናት  ጉንደት ግና ምስ ትግራዎት ተላፊኖም ስዒሮሞ። ንወራር ግራኝ ኣብ ቤገምድር ባሕረነጋሲ ይስሃቅ ምስፕርቱጋላውያን ተላፊኑ ስዒሩዎ። ኣምሓራ ድሮ ብሓይሊ ግራኝ ርዒዶም መስሊሞም ነይሮም።
ንወራር ማህዲ ኣብ መተማ ምስ እቶም ኣሕዋተይ ዝብሎም ፣ ንሶም ግና እንዳወረሩ ቅሳነት ዝኸልኡዎ ዝነበሩ መሳፍንቲ ትግራይ ተላፊኑ ስዒሩዎ። ንወራር ኮሎንያል ጣልያን ድማ ራእሲ ወልደሚካኤል ብንጉስ የውሃንስ ር4ይ እንተዘይሕየር ነይሩ ባaሎም ደቂ ምድረባሕሪ ንኮሎንያል ጥልያን ኣብ ባጽዕ ምስዓሩዎ። ነስመራ ድማ ፈጺሙ ኣይምተቆጻጸራን ነይሩ። ድሕሪ ማሕዩር ንራሢ ወልደሚካኤል ግና ኣሉላ ንምድረባሕሪ ክቆጻጸራ ምስጀመረ፣ ምስትግራዎት ተላፊኖም ንኮሎንያል ጣልያን ብ27 ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኲናት ደጓሊ ስዒሮም።

4.) ኮሎንያል እንግሊዝ ህዝቢ ምድረባሕሪ ከም ካልኦት ኣፍሪቃውያን ብቐሊሉ ከምዘይጽዓድ ምስኣረጋገጸ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ዘሚቱ፣ ግንከኣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብረቅቕ ውዲትን፣ (ብስለላን ኮለላን፣ ብፈላሊኻ ምግዛእን) ኣላሽ ከምዘብሎ ፈኪሩ ተመሊሱ። ብሰንኪ ስለላ መርበብ እንግሊዝ ዘውጽኦ ውዲታዊ መደብ ዕዮ ድማ፣ እንሆ እቲ ቀቢሩዎ ዝኸደ  ፈንጂ (ገረብ ብሓኽላ = ህግደፍ ከዳሚ  ባዕዳውያን)  ሎሚ ክፍጸም ንርእዮ ዘሎና ዓቢ ምስክር እዩ።

5.) ብሰንኪ እንግሊዝን ኣሜሪካን መስፍናዊ ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ንኢትዮጵያ ነርብዓ ዓመታት ፈቲኑ ክገዝኣ፣ ብሰንኪ መኸተ ደቂ ኤርትራ፣ ጸኒሑ ድማ ኣብዮታዊ ናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተወሲኹዎ  ንግስነቱ ብሕፍረት ዓሪቡ።

6.) ድሕሪ ምስንባት ንጉስ ሃይለስላሴ፣ ፈዛዝ (Zoombi) ግዝያዊን ፋሺስታዊን ወተሃደራዊ ጭፍራ ደርግ ድማ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንት ተበጊሱ። ድሕሪ 17 ዓመታት ምልህላህን ምግዕርን ድማ ነበረ ኮይኑ ተሪፉ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብጅግንነቱ ተዓዊቱ።

ሎሚ ድኣሞ ስለምንታይ እዩ፣ ህዝቢ ኤርትራ እሞከኣ ዘይኣመሉ፣ ኣላሽ ኢሉ ደንዚዙ፣ መላገጺ ጭፍራ ህግደፍ ኮይኑ ዝርአ ዘሎ። እወ፣ ሥማግለታት ከይተረፉ ካላሽን ተዓዲሉዎም ከሎ፣ ነዚ ባርባራዊን  ፈዛዝ (Zoombi) ኢሰያስ ዘይምክቱዎ?
እስከእምብኣር ኣብ ክንዲ ተስፋ ምቝራጽን፣ “ህዝቢ ኤርትራ ጀጃዊ እዩ”!  “ፈራሕ እዩ”!  “ካብዚ ዝኸፍእ እንታይ ክመጾ እዩ”! እንዳበልና ግዳይ ተስፋ ምቝራጽን ምቝዛምን  (ፍራስትረሽን) ኣብ ክንዲ ንኸውን ረጋእ ኢልና ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ ኢልና ክንመራመር ንፈትን። እቲ ካብ ኩሉ ዝገደደን ዝኸፍአን ድማ፣ ኣብ ነንሓድሕድና ምትእምማን ስኢና ከነስተማስልን ጽልኢ ከነብዝሕን ከሎና፣ ንጸላእትና ጥራይ ኢና ንሕግዝ ዘሎና እምበር ንዕናን ንህዝብናን ኣይኮናን።  ኣብክንዲ ከምኡ ምዃና ግና፣ ንህዝቢ ኤርትራን ነቶም ጸላእቱን፣ ማለት ካብ ቅድሚ 200 ዓመታት ዝጀመረ እከይ ግብሪ ባዕዳውያንን፣ ብግቡእን  ብንቕሓትን ንመራመረሉ። ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ደረጃ እዚ በጺሑ ኢልና ድማ፣ መርትዖታት ንኣክብ። ሽዑ ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ምፍዛዝን ኣላሽ ምባልን በጺሑ መልሲ ክንረኽቦ ኢና።

ስለዚ፣ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ብሕጽር ዝበለ ኣቕሪብናዮ  ዘሎና ሓተታ ተመርኲስና እምብኣር፣ ኣብ ዝመጽእ ሓጺር ግዜ፣ መጻሕፍቲ ታሪኽ ገናጺልና፣ ሕልሚ ባዕዳውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እንታይ ምዃኑን፣ ብሕጂሕኸ እንታይ እዩ ሕልሞም ብሰፊሑ ክግለጽ እዩ። ብዝዕባዚ ኣገዳሲ ኣርእስቲዚ ሓሳባት ከተቕርቡ እትደልዩ ደቂ ሃገር ድማ፣ ኣብቲ ዓምዲ ርእይቶ (Recent Comment) ዝብል ገጽ ክትልእኩልና ትኽእሉ ኢኹም።