6ይ ምዕራፍ

ውዲታዊ ወፍሪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምዓስ ከምተጀመረን፣ ብዓል መን ከም ዝጀመሩዎን፣ ኣብ ከባቢና ድማ ቋንቋና ዝዝረቡ ኣየኖት ዓሌት መሳርሒ ባዕዳውያን ኮይኖም፣ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ከምዝዘረዩዎን፣ እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተተንቲኑ ዘሎ ሓጺር ትንተና ተኻታቲልና ነለልዮም።

ኣስተብህል፣ Who controls the Past controls the Present, who controls the Prsent controls the Past. ቀዳሞት ጀመርቲ ስለላ መርበብ፣ ፍሪሜሶን ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ስኮትላንድን፣ ቫቲካን ሮምን እዮም ዝነበሩ። ሚስዮናውያን ተመሲሎም ንኤርትራ ዝተላእኩ ፈለስቲ ኩሎም ብቫቲካንን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን እዮም ዝልኣኹ ነይሮም። ንመረዳእታ፣ ፓድረ ስቴላ ዝተባህለ ፍረንሳዊ ፈላሲ ምቕማጡ ኣብት መኣዛዝ ዝመልኦ aየር ዝሰፈኖ ቦታ  ገለብን ምሕላብን ዝብሃል፣ ኣብ  ምድሪ መንሳዕ እንዳተቐመጠ፣ ጉዳይ ስለላ እንዳ ኣካየደ  ጸብጻባት ንቫቲካንን ንመንግስቲ ዓባይ ብሪታንያን የመሓላልፍ ነበረ። ፓድረ ጁዜፐ ሳፔቶ ዝብሃል ፈላሲ ካቶሊክ ከኣ፣ ኣብ ከባቢ ዓሰብን ባጽዕን እናኾብለለ ጸብጻብ ስለላኡ ንመንግስቲ ጣልያንን እንግሊዝን፣ ንቫቲካንን የቕርብ ነበረ። ቬርነር ሙዚንገር ወዲ ስዊዘርላንድ (ክሳብ 24 ቋምንቋታት ዝዛረብ ዝነበረ ቲዅላ ሰላዪ ችጽዮናያን ፕሮፈሶር ነበረ።) ኣብ ከረንን ምጽዋዕን፣ ከሰላን፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ክሳብ ብጀጋኑ ደቂ ዓፋር ደንከል ዝቕንጸል፣ ክሳብ ጁቢቲ እንዳኮብለለ ቀንዲ ስላዪ ጽዮናውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነበረ እዩ። ኣብ 60ታት ፍድማ ቃልሲ ኤርትራ ክጅመር ከሎን፣ ጸኒሑ ኣብ 70ታት ቃልሲ ትግራይ ክጅምር ከሎን ከኣ፣ ብፍላይ ብድኽነትን ብስእነት ገንዘብን ዝተሸገሩ ተዛረብቲ ትግሪኛ ቋንቋ ዝኾኑ ዓሌት፣ ኣናዲዮም ዋርሳይ ጀምስ ብሩስን፣ ፓድረ ስቴላ፣ ፈላሲ ሳፔቶን፣ ፕሮፌሶር ሙዝዚንገርን ኮይኖም ዘገልግሉ ሰለይቲ ከቲቦም። እቶም ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍርቃ ቀንዲ ኣገልገልቲ ስለላ መርበብ መበል 21 ክፍለዘመን ኮይኖም ዝኽድሙ ዘለዉ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ እዞም መንነቶም ዝኸሓዱ ግንከኣ ብፍቕሪ ገንዘብ ዝተሸጡ፣ ተረፍ መረፍ ደቂ መሳፍንቲ ትግራይ ዝኾኑ ከም ብዓል ኢሰያስ ኣፈ ወቅን፣ ስብሓት ኤፍረምን፣ ስብሓት ነጋን፣ ስዩም መስፍንን ኣብርሃ ካሳን፣ የማነ የማነ ኣሰገሀኝ ገሰሰ (ብሓሶት ብየማነ ገብርኣብ ክፍለጥ ዝጸንሐ ኣምሓራይ ማንኪ) ሓጎስ ኪሻ  ወዘተ…. እዮም።

ወፍሪ ስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካብ ብ1770 ዓ.ም.ፈ. ዝጀመረ እዩ። ጄምስ ብሩስ ዝተባህለ እንግሊዛዊ፣ ኣባል ምስጢራዊ ማሕበር ፍሪሜሶን ስኮትላንድ፣ ካብ ሃገር እንግሊዝ ተበጊሱ፣ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሉ፣ ኣብታ ሽዑ እዋን ብወራሪ ቱርኪ ትግዛእ ዝነበረት ወደብ ባጽዕ ኣተወ። ብ14 የካቲት (February) 1770 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ኣብታ ጥንታዊት ከተማ ጎንደር ዝረገጸ በዅሪ ሰላዩ ነበረ።


ጄምስ ብሩስ ብስዉራት (ፍሪሜሶን) ኣምሆዘመን ሓይልታት ብመደብ ተመልሚሉ፣ ንምድረባሕርን ንፈለግ ኒልን፣ ቀላይ ጻናን ብስለላን ኮለላን መጽናዕቲ ኣካይዱ ጸብጻቡ ንጎይተቱ ንክህብ፣ ዝተላእከ ቦኽሪ ሰላዪ ነበረ። ሽዑ ዘመን ዝተተለመ ስለላን ኮለላን እዩ እምብኣር፣ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዕዘቦ ዘሎና። እዚ ብጽዮናውያን ቅድሚ 158 ዓመታት ጀሚሩ ክኸይድ ዝጸንሐ ፕሮጀክት እከይ፣ ብኣዝዩ ንክትርድኦ ኣጸጋሚ ዝኾነ፣ ግንከኣ ብስነኣእምራዊ ሜላ ዝተሰነየ ፕሮጀክት እዩ። ብርግጽ ህዝቢ ምድረ ብሕርን ኢትዮጵያን ብገርሁ ከሎ። ስለላዊ ስልጠና ዝትሰልጠኑ፣ ብገረብ ብሓኽላ፣ ብፍላይ ጎረሓትን ህርፋን ገንዘብ ዘለዎምን ትግሪኛ ተዛረብቲ ዓሌትን ኣዋፊሮምሉ። እንሆ ድማ እቲ ፕሮጀክት ማሕበር ሰይጣን ደፋእ እንዳበለ እንዳተተግበረ ክኸይድ ንዕዘቦ ኣሎና። ዓሻ ዝተኸሎ ለባም ነይነቕሎ።

እዚ ሰብዚ ምስት ብብላታ ሚካኤል ስሑል ዝጽዋዕ ዝነበረ ሽፍታ መስፍን ትግራይ ኣብ ዓድዋ ተራኺቡ፣ ብሚካኤል ስሑል መንገዲ ተሓቢሩ ድማ ንከተማ ጎንደር ክኣቱ ከኣለ። እዚ ሰብዚ እቲ ካብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ማለት ካብ ስኮትላንድ በቶም ስዉራት ሓይልታት ፍሪሜሶን ንስለላ ተመሚሉን ሰልጢኑን፣ ብፍላይ ንቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኒልን፣ ቀላይ ፃናን ንክስሊ ንመጀመርያ ግዜ ብፍቓድ መንግስቲ እንግሊዝ ዝተላእከ፣ በኽሪ ሰላዪ ኤውሮጳውያን ሰለይቲ ነበረ። ጄምስ ብሩስ ብጅግንነትን መልክዕን ሕብሪ ቆርበትን ደቂ ምድረባሕሪ ኣዝዩ ቀናእ ጸላኢ ደቂ ምድረባሕሪ እዩ ዝነበረ።

ኣብተን መጻሕፍቱ እንተ ተኸታቲልና ድማ ኩሉ እምነቱን መርገጹን ጸረ ደቂ ምድረብ ባሕሪ፣ ፍላይ እኳድኣ ንደቂ ሓማሴ ጥራይ ከምዝነበረ እዩ። መኽንያቱ ድማ፣ ንደቂ ምድረባሕሪ ብመልክዖምን ብቅርጺ ኣካላቶምን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብጅግንነትን ቆራጽነትን፣ ፍትሓውነትን ስለዝቐንአ እዩ። እታ ጀምስ ብሩስ ብዛባ ህዝቢ ሓማሴን ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዋ ዘሎ ግንከኣ ሓቀኛ ምስክርነ፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ ወይ ሓማሴን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ቅድሚ ጀምስ ብሩስ ንምድረባሕሪ ምእታዉ ማለትዩ፣ ብባዕሉ ዝሓንጸጾን ዘጽደቖን ሕግን ሥርዓትን ይምሓደር ከምዝነበረ ትብል እያ።

ቬርነር ሙዚንገር
(Werner Munzinger) ኣብ ኦልተን ዝተባህለት ንእሽቶ ከተማ ስዊዘርላን ካብ ሓደ ኣባል ባይቶ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ዝኾነ ብዓል ስልጣን ኣቡኡ ተወሊዱ፣ ኣብ ከተማ በርን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ-በርን ከኣ ተማሂሩ ወዲኡ። ሃገራት (Oriental Studies) ዝብል ፍሉይ ትምህርቲ ኣጽንዐ። ካብኡ ኣብ ሙኒክ ዩኒቨርሲቲ ብዛዕባ ሌላ ምስ ወጻኢ ኣጽንዐ። ሙዚንገር በቶም ማሕበር ጸልማት ጽዮንነትን ፍሉይ ስለላዊ ወፍሪ ተመልሚሉ እዩ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሉ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተላእከ።

ንኽስሊ ብመደብ ዝተዋፈረ። እዚ ቶዅላ ሰላዪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣባል እቶም ውዲታውያን ፍሪሜሶንን፣ ንባዕሉውን ብቐንዱ ፍርሜሶን እዩ ነይሩ። ቬርነር ሙዚንገር ገና ኣብ ባጽዕ ከሎ፣ ከም ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ እንዳሰለለ እዩ ሓበሬታ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘመሓላልፍ ዝነበረ። ጸኒሑ ድማ ምኽሪ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ፣ ንግብጺ ወኪሉ ባሻ ዝብል ሽመት ተሸሙ፣ ኣብ ከረን ሓንቲ ጓል ከረን ተመርዒዩ፣ እንዳሰለየ ይነብር ነበረ። ካብቲ ብዙሕ ዝፈጸሞ ስለያዊ ፍጻሜታት ብውሑድ ንምጥቃስ፤ 1ይ. ብ1868 ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያን፣ ኣብ ግዜ ንጉስ ቴድሮስ፣ ንኢትዮጵያ ክወሩ ዝኽኣሉ በዚ ሰላዪ ፈላሲዚ ዘውጽኣሎም ሓበሬታን መደብን እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ድማ ብሓገዝ ከዳዕ ንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ እዩ ጀነራል ናምፒር ካብ ሃገር ህንዲ ተበጊሱ፣ ደፊሩ ንመቕደላ ክበጽሕ ዝኽኣለ። ንጉስ የውሃንስ 4ይ ከም ሃገራዊ ንኮሎያል እንግሊዝ እንተዝምክቶ ነይሩ፣ እንግሊዝ ንመቕደላ ክበጽሑ ኣይምኸኣሉን፣ መሳፍንቲ ትግራይ ይኹኑ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ብስልጣኖም እንተዘይኮይኖም፣ ብሃገር ሓሲቦም ኣይፈልጡን። መብዛኽትኦም ደብተራታትን፣ ጸሓፍቲ ታርኽ ኢትይፕጵያ ግና፣ እቲ ቅኑዕ ጅግንነት ብኢትዮፕያውያንን ትግራዎትን ጥራይ ከምዝነበረ ክጽሕፉ ከለው ኣዝዩ ይደንጽወካ። እቶም ሓለውቲ ወሰን ኢትዮጵያን ትግራይን ዝነበሩ ጀጋኑ ግና ኤርትራውያን እይሞ ዝነበሩ። እዚ ድማ ወይ ሓሶት ምዃኑ ንምፍላጥ፣ መጻሓፍቲ ታሪኽ ጥራይ ምግንጻል እዩ።

ቀዳሞት ነገስታትን መሳፍንትን ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ካብ 8 ክፍለዘመን ጀሚሮም  ብሳላ ጀጋኑ ኤርትራውያን ማለት ክሳብ ንጉስ ሃይለስላሴ ስልጣኖም ኣደልዲሎም ክገዝኡ ጸኒሖም። ኩሎም መሳፍንትን ነገስታትን ኢትዮጵያን ትግራዎትን፣ብዘይካ ንጉስ ቴድሮስ ጸላእቲ ጀጋኑ ኤርትራውያን እዮም ዝነበሩ። መስጣ ደቂ ኤርትራ ረኺቡዎም ግና መላገጺ ስለላ መርበብ ዓባይብሪጣንያ ኮይኖም ዓሪቦም። ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ  ድማ ንመሳፍንቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፣ ደናቚርን ንስልጣኖም እምበር ብሃገርነት ዘይግደሱ  ምዃኖም ስለዘልለዩዎም፣ ብገንዘብን ብስልጣንን ብኣጽዋርን ኣዓሽዮም ፈላልዮም ተላጊጹሎም። ንመረዳእታ ብስለላዊ ወፍሪ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንንጉስ ቴድሮስ ብሓግርዝ ንጉስ የውሃንስ ከምዝሞቱ ገሮም።  ንንጉስ የውሃንስ ከኣ ብሰንኪ ሰላዪ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ድሕሪ ዓወት ኲናት መተማ፣  ብውዲት ብዝባኑ  ብጥዪት ተወጊኡ ከምዝሓክልፍ ድሕሪ ምግባር፣ ክሳዱ በቶም ዝተሳዕሩ ሰራዊት ደርቡሽ ተሰዪፉ ንእንዱርማን ከም ዝኸይድ ኮይኑ። ንጉስ መነሊክ ግና ቀንዲ ሰላዪ እንግሊዝን ጣልያንን ስለዝነበረ፣ ክሳብ ብባህርያዊ ሞት ዝመውት ኣጽኒሖሞ።  ነቲ ሃገራዊን ክመርሕ ብቍቕዓት ዝነበሮን፣ ካሪዝማቲክ ዝኾነ ልጅ ኢያስሱ ግና ቀንጺሎሞ። መተካእታኡ  ድማ ንንጉስ ሃይለስላሴ ኣሰልጢኖም ኣብ ስልጣን ኣምጺኦሞ። መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ድማ እንሆ ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ዝዓርብ እጥፊእካ ምጥፋእ ዝብል ወፍሪ ሒዙ ከም ዕቡድ ፈረስ የጋልቡዎ ኣለዉ።

ኣስተብህል፣ እቲ ኩሉ ውዲታት ግና ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ እዮም ዘካይዱዎ ነይሮም። 2ይ. ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክወርር ዝኽኣለ ብሓገዝ ሰላዪ ጁዜፐ ሳፔቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ወኪል ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ እንዳኸደመ ከሎ፣ ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ንመንግስቲ እንግሊዝ ዘመሓላልፍ ነይሩ። ስለዚ ምዕራባውያን ንኣፍሪቃ ደፊሮም ክኣትው ዝኽኣሉ፣ ብሓገዝ ቫቲካን ዝልኣኸቶም ሰለልቲ ፈለስቲ እዩ ነይሩ፣ እምበር ባዕሎምሲ ብግስ ክብሉ ኣይምኸኣሉን። ኣስተብህል፣ ቫቲካን ብዛዕብ እምነት ክርስቶስን ኣምላኽን ኣሚኖም ኣይፈልጡን፣ ኣውራ ወፍሮም ኣብ ገንዘብን ሰይጣንዊ እምነትን ጥራይ እዩ። ንኹሎም ወረርቲ ኮሎንያል ኤውሮጳ መሪቖምን ባሪኾምን ንኣፍሪቃ ዘፋንዉዎም ዝነበሩ ቫቲካን እዮም ። ኣሚኖም ኣይፈልጡን፣ ኣውራ ወፍሮም ኣብ ገንዘብን ሰይጣንዊ እምነትን ጥራይ እዩ። ንኹሎም ወረርቲ ኮሎንያል ኤውሮጳ መሪቖምን ባሪኾምን ንኣፍሪቃ ዘፋንዉዎም ዝነበሩ ቫቲካን እዮም ።

Werner Munzinger,

Werner Munzinger, (born April 21, 1832, Olten, Switzerland—ኣብ ከባቢ ቀላይ ኣሳል ኣውሳ ሎሚ ጂቡቲ ዝብሃል ዘሎ ቦታ፣ ብዕለት 27 ጥቅምቲ 1875 ብደቂ ኣፋር ተቐንጺሉ። ቬርነር ሙንዚንገር፣ ትምህርቲ ስነፍልጠትን፣ ቋንቋታት ወጻኢ ሃገራትን፣ ዓረብኛ ቋንቋን፣ ድሕሪ ምምሃር፣ ንስለያ ተዳልዩ ንንምጽዋዕ ኣትዩ። ብ1855 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ንከረን ኣተወ። ብ1865 ምጽዋዕ ብግብጻውያን ምስተወረት፣ ብ1971 ባሻ ዝብል ሽመት
ብግብጻውያን ተሸሙ ከም ኣመሓዳሪ ኮይኑ ከገልግል ጀመረ። ብ1865 ግብጻውያን ንምጽዋዕ ዝወረርሉ እዋን፣ ቆንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ ሓበሬታታት እንዳ ኣከበ፣ ንስለላ መርበብ ሓገር ዓባይ ብሪጣንያ የመሓላልፍ ነበረ።

ካብ 1867–1868 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ክሳብ ሽዑ እዋን ዘይተዳህሰሰ ዝነበረ፣ መሬት ዓፋር ሎሚ (Djibouti ዝብሃል ዘሎ)፣ ንኽድህስንን ክስልን ተዋፈረ። ብ1868 ቨርነር ሙዚንገር፣ ቆንስል መንግስቲ ፈረንሳ መዝነት ተዋህቦ። በቲ ሙዚንገር ዝሃቦም ሓበሬታ ድማ ኮሎንያል ፈረንሳ፣ ነታ ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት፣ ጂቡቲ ክወርዋ ከኣሉ። ብ1871 ብግብጻውያን “በይ“ ዝብል ሽመት ተሸሙ ኣመሓዳሪ ከተማ ምጽዋዕ ኮነ።

ብ1872 ድማ “ፓሻ“ ዝብል ሽመት ተዋሂቡዎ ገዛኢ ምብራቓዊ ሱዳን ከባቢ ከሰላ ኮነ። ኣብ ግዜ ንጉስ የውሃንስ 4ይ እቲ ካብ ከሰላ ተበጊሱ ክሳብ ጉንደት ዝበጽሐ ሰራዊት ግብጺ ብምኽርን ሓበሬጣን ሰላዪ ሙዚንገር እዩ ዝነበረ። ቨርነር ሙዚንገር እቲ ኲናት ጉንደት ብወገን ግብጻውያን ምስ ፈሸለ፣ብ1875 ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 350 ዝኾኑ ሰራዊ ግብጺ ኮይኑ፣ ኣብ ሰመናዊ ኢትዮጵያ ዓሪዱ፣ ምስ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ርክብ ክገብር ጀመረ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ዳግማዊ ንጉስ መነሊክ፣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣንጻር ወራር ግብጺ እንዳ መከተ ከሎ፣ ንሱ ግና ዝምድና ምስ ወራሪ ግብጺ ነበሮ። (መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ብዘይካ ስልጣኖም ሃገራዊ ዓላማ ኣይትዓደሎምን)።

ቬርነር ሙዚንገር ዓላምኡ ንዳግማዊ ንጉስ ሚነሊክ ሰልዩን ኣታሊሉን፣ ንኢትዮጵያ ንክወርር እዩ ዝነበረ መደቡ። ይኹን እምበር ብዕለት 27 ኦክቶበር 1875 ዓም.ፈ.ኣብ ኣሳል ዝብሃል ኣብ ከባቢ ጂቡቲ ዝርከብ ቀላይ ምስ በጽሐ፣ በቲ ዙሉ ንጉስ መነሊክ ዘይኮነስ፣ bጀጋኑ ደቂ ዓፋር ተጸፊዑ፣ ምስታር ብሌነይቲ ሰበይቱን፣ ምስ ኩሎም ግብጻውያን ወተሃደራቱን ተመንቆሱ። ካብኡ መድረኽ ሰላዪ ሙዚንገር ኣብቅዐ።

ፓድረ ስቴላ


ብስለላላዊ ሜላ እዩ ፓድረ ስቴላ  ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብ ህዝቢ ቦጎስ ከምዝእቱ ዝገበረ

ፓድረ ስቴላ ዝተባህለ ፈላሲ ኣብ ገለብ ዝብሃል ምድሪ መንሳዕ ካህን ተመሲሉ ዝስሊ ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊ ነበረ። ምስ ቬርነር ሙዚንገርን፣ ምስ ጁዜፐ ሳፔቶን ተላፊኑ፣ ምስ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ቫቲካንን እንዳተራኸበ፣ ኣብ ከባቢ ሰኒሒት ተሓቢኡ ዝስሊ ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊ ፈላሲ ነበረ። እዞም ክልተ ሰለልቲ ፈለስቲ፣ ጁዜፐ ሳፔቶን ፓድረ ስቴላን ቀንዲ ሰለልቲ፣ ኮሎንያል እንግሊዝን ጣልያንን ፈረንሳ እዮም ዝነበሩ።

ንመረዳእታ፣ ጁዜፐ ሳፔቶ 1886 ክሳብ 1887 ዓ.ምፈ. ኮሎንያል ጣልያን ንከባቢ ዓሰብን እዚ ፓድረ ስቴላ ዝብሃል ሰላዪ ፈላሲዚ፣ ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ንህዝቢ ብሌን ካብ ባርነት ወራሪ ግብጺ ዘድሓኖም ኮይኑ፣ ግንከኣ ካብ ተዋህዶ ሃይማኖት እምነቶም፣ ኣብ ካቶሊክ ንኽቕዪሩ ውዕል ኣእተዎም። ኣብ ከረን ድማ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ቫቲካን ተሰማሚዑ፣ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ንኽስራሕ ዝተሓባበረ ንሱ ነበረ። ኮሎንያል ጣልያን፣ ድሕሪ ኣብ ዶጓሊ ስዕረቱ፣ ስትራተጂ ክቕይር ከምዘለዎ መደብን ፕላንን ዘውጽኣሉ፣ እዚ ሰላዪ ፈላሲ ፓድረ ስቴላ ምስ ሙዚንገር ተላፊኑ እዩ። ንኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ ምጽዋዕ ነስመራ ንክኣትዉ ሓበሬታን ምሉእ ጆግራፊካዊ ሕንጻጽ ወይ ካርታ ዘዳለወሎም ንሱ እዚ ሰላዪ ፈላስፋ እዚ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ኮሎንያል ጣልያ ካብ ምጽዋዕ ነስመራ ክኣትዉ ከለው፣ ብከረን ኣቢሎም ከምዝኣትዉ ሓበሬታ ዝሃቦም እዚ ሰላዪ ፈላሲ እዩ ዝነበረ።

ጁዜፐ ሣፔቶ ፣ ኣባል ማሕበር የሱሳውያን ዝብሃሉ ግንከኣ ተግባራት የሱስ ዘይፍጽሙ፣ ስዉራት ሓይልታት እዩ ዝነበረ። እዚ ሰብዚ ብስም የሱስ ፣ ብፍላይ በቶም “ማሕበር የሱስ” (Jesuits) ቫቲካን፣ ብሓፈሻ ድማ ብጽዮናውያንን ብንጉስ ጣልያንን ተመልሚሉ፣ ብፍላይ ንከባቢ ቀይሕ ብሕርን ምድረባሕርን ሎሚ (ኤርትራ) ቀጺሉ ድማ ብሓፈሻ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያ ንኽስሊ፣ ቀሚሽ ላዛሪስትስ ተኸዲኑ፣ ብመደብ ብስም ሃይማኖት ካቶሊክ ኣምሲሉ ንኽስሊ ዝተዋፈረ ነብረ። ብ1811 ተወሊዱ ወዲ 26 ምስ ኮነ ድማ ብ1837 ብምጽዋዕን ዓሰብን ኣቢሉ ንዓድዋ ኣተወ። እዚ ሰላዪ ፈላሲዚ፣ ንገርሀኛታት ንኽእምን፣ ቀሚሽ ላዛሪስት ለቢሱ እዩ፣ ፍላይ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን፣ ከም ካህን ኮይኑ ዝስሊ ዝነበረ። ደፋእ እንዳበለ ድማ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ካብ ሓደ ሱልጣን ወዲ ዓፋር፣ ንእሽቶ መሬት ገዝኤ። ጽኒሑ ግና ንሓንቲ ትካል ባቡር ብሓሪ ራፋኤለ ሩባቲኖ (Raffaele Rubattino) እትብሃል ትካል ሓይሊ ባሕሪ፣ ድህሰሳ ባሕርታትን ገማግም ባሕርን ሸይጡላ። እዛ ትካል እዚኣ ድማ ንመንግስቲ ጣልያን ሼይጣትሉ። ብኸምዚ ውዲትን ስለላዊ ክፍኣትን እዮም እምብኣር ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክኣትዉ ዝበቕዑ። ጎኒ ጎኒ ወፍሪ ጽዮናውያን ንህዝቢ ምድረባሕሪ (ኤርትራ) ሓራ ኮይኑ ንኸይነብር ዕንቅፋት ዝኾኑዎ ዝነበሩ፣ ብሰንኮም ድማ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ግዳይ ወራር ኮሎንያል ጣልያን ክኸውን ዝተገደደ፣ ብፍላይ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግሪኛ መሳፍንቲ ትግራይ ምዃኖም ትፈልጡዎምዶ?

ክቕጽል እዩ።።።

ብሓልዮት መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ

ዓ.ም.ፈ.14.02.2018