“Who controls the Past controls the Present, who controls the Prsent controls the Past”. George Orwell – 1984 (Roman, Deutsch) “እቲ ንዝሓለፈ ግዜ ዝቆጻጸር ንህሉው ግዜ ከኣ ይቆጻጸሮ፣ ንህሉው ግዜ ዝቆጸጸር ድማ ንዝሓለፈ ግዜ ይቆጻጸሮ ይብል” ተነባያይ ጆርጅ ኦርቨል።
  ከምኡ ስለዝኾነ ክኣ እዩ፣ ብፍላይ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ጽዮናውያን፣ በቲ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም ብፍላይ እኳድኣ መራሕቲ ሃይማኖት ተመሲሎም ዝተላእኩ ፈለስቲ፣ ግንከኣ ቀንዲ ሰለልቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንክስልሉ ስለዘዋፈሩ፣ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተኣከበ መጽናዕትን ምርምርን ተጠቒሞም እዮም  እምብኣር፣ ሎሚ ዳርጋ ብገረብ ብሓኽላ ዝብል ሜላ ከም ብዓል ኢሰያስ ኣፈወርቅን፣ ካልኦት ባምቡላታት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ብቅድመ ግንባር እንዳ ልኣኹ፣ንገርሀኛ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክቆጻጸሩዎ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው።  ጽዮናያን ካብ 14 ክፍለ ዘመን ማለት ካብ መዋእለ ባርነት ጀሚሮም እዮም፣ ንህዝብታት ኣፍሪቃ ክሸጡዎን ክጭቁንዎን ቅሳነት ከሊእሞ። እቲ ቀንዲ ዓላማኦም ድማ ኣብ ዝተናውሐ እዋን፣ ንመላእ ባህርያዊ ጸጋ መሬት ኣፍሪቃ ተቛጻጺርካ ንሓላልካ ምውናን እዩ። “ዘይ ወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦዅራ ትጽሕጽሕ”፣ ግዜ ከምዝልወጥን፣ ንሶም ድማ ብባህርያዊ ሞት ከምዝሓልፉንሲ ኣይርድኦምን ድዩ? እወ፣ ኩሉ ባህሎምን እምነቶምን፣ ስርቅን ቅትለትን፣ ውግእን፣ ሰይጣናዊ ኣምልኾን ስለዝኾነ፣ ካልእ ሰናይ ነገር ክሓስቡ ኣይተዓደሎምን። ስለዚ “ዋላ ትንፈር ሓርማዝ እያ” ዝብል ኣምር ተኸቲሎም፣ ንኣስታት ሓደ ቢልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣፍሪቃ መንቊሶም ንኣፍሪቃ ንክግብቱ ገና ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ህዝቢ ኣፍሪቃ እንዳ ነቕሐ እንተድኣ ከይዱ ግና ከምዘይ ዕወቱ መጎታዊን ታሪኻዊን ሓቂ እዩ።

Ähnliches Foto
ኤውሮጳውያን ወይ ጽዮናውያን፣ ኣብ በርሊን ንሃገራት ኣፍሪቃ ክማስሑወን ከለው።

በዅሪ ወፍሪ ስለላ ኣብ አርትራን ኢትዮጵያን፣ ብስለላ መርበብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካብ ብ1769 ዓ.ም.ፈ. ዝጀመረ እዩ። ጄምስ ብሩስ ዝተባህለ ወዲ ስኮትላንድ ብ1769 ዓ.ም.ፈ. ሰላዪ ኮይኑ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሉ ንባጽዕ ዝኣተወ ኣባል ስኮቲሽ ፍሪሜሶንን፣ በዂሪ  ልእኽ ሰላዪ ምዕራባውያን ወይ ጽዮናውያን እዩ ዝነበረ። ኣባል Scottish Rite ዝብሃል ውዲታዊ ማሕበር ከኣ ነበረ። ብሩስ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ጀነራል ኮንስል ኣብ ሃገር ኣልጀርያ እዩ ተላኢኹ።  Traveling first up the Nile in 1769 and then along the Red Sea, he finally reached Massawa, the main port of what became the Eritrean province of Ethiopia. He spent the major portion of his Ethiopian period in and around Gondar, the imperial capital. During the course of his stay in Ethiopia he also observed the flow of the Blue Nile from its source in Lake Tana. Source:

Ähnliches Fotoብ14 የካቲ 1770 ክአ ኣብ ዓድዋ ምስ ሚካኤል ስሑል ተራኺቡ፣ ብሚካኤል ስሑል መንገዲ ተሓቢሩ ንጎንደር ክኣቱ ከኣለ ። እዚ ሰብዚ እቲ ካብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ማለት ካብ ስኮትላንድ በቶም ስዉራት ሓይልታት ተመሚሉ ብፍላይ ንቀይሕ ባሕርን ፈለግ ኒልን፣ ቀላይ ፃናን ንክስሊንመጀመርያ ግዜ ብፍቓድ መንግስቲ እንግሊዝ ዝተላእከ፣ በኽሪ ሰላዪ ኤውሮጳውያን ሰለይቲ ነበረ። ሚካኤል ስሑል ብጅግንነትን መልክዕን ሕብሪን ደቂ ምድረባሕሪ ኣዝዩ ስለ ዝቐንኤ ጸላኢ ደቂ ምድረባሕሪ እዩ ዝነበረ። ኣብተን መጻሕፍቱ እንተ ተኸታቲልና ድማ ኩሉ ኣቕዋሙ ጸረ ደቂ ሓማሴን ጥራይ ከምዝነበረ እዩ። መኽንያቱ ድማ፣ ንደቂ ምድረባሕሪ ብመልክዖምን ብቅርጺ ኣካላቶምን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብጅግንነትን ቆራጽነትን፣ ፍትሓውነትን ስለዘቕንአ እዩ። እዚ ሰላዪ እዚ፣ ንኣስታት 7 ዓመታት ኣብ ጎንደርን ባህርዳርን እንዳተመላለሰ፣ ንፈለግ ኒልን ንቀላይ ጻናን ሰሊዩ ምስ ወድአ፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም መጽሓፍ ሀኖክ ወዘተ ሰሪቑ እዩ ንስኮትላንድ ዝተመልሰ። ኣብቲ ዘመንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ስኮትላንድ ይትርጎም ስለዝነበረ፣ ኣብ ኤውሮጳ ምሉ ምዕራፋት መጽሓፍ ቅዱስ ስለዘይነበረ፣ ጀምስ ብሩስ ካብ ኢትዮጵያ ፈጊሩ ዘምጽኦ ወሲኾም እዮም ተርጒሞንሞሞ። ብሩስ ድሕሪ ኩሉ ስለላን ኮለላን ብዙሕ ሓበሬታ ንመንግስት ዓባይ ብሪጣንያ ኣውሪሱ፣ብ27 ሚያዝያ 1779 ሞይቱ።

Giuseppe Sapeto.jpgብድሕሪ ኣኼባ ምዕራባውያን ኣብ በርሊን፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝስልዩ ብዙሓት ፈለስትን ምሁራትን ክዋፈሩ ጀሚሮም። ሓደ ካብኦም ከኣ እዚን ጁዜፐ ሣፔቶ ዝተባለ ኢጣልያዊ ሰላዪ ፈላሲ ነበረ። እዚ ሰብዚ፣ ኣባል ማሕበር የሱሳውያን ዝብሃሉ ግንከኣ ተግባራት የሱስ ዘይፍጽሙ፣ ስዉራት ሓይልታት እዩ ዝነበረ። እዚ ሰብዚ ብስም የሱስ ፣ ብፍላይ በቶም “ማሕበር የሱስ” (Jesuits) ቫቲካን፣ ብሓፈሻ ድማ ብጽዮናውያንን ብንጉስ ጣልያንን ተመልሚሉ፣ ብፍላይ ንከባቢ ቀይሕ ብሕርን ምድረባሕርን ሎሚ (ኤርትራ) ቀጺሉ ድማ ብሓፈሻ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ኢትዮጵያ ንኽስሊ፣ ቀሚሽ ላዛሪስትስ ተኸዲኑ፣ ብመደብ ብስም ሃይማኖት ካቶሊክ ኣምሲሉ ንኽስሊ ዝተዋፈረ ነብረ። ብ1811 ተወሊዱ ወዲ 26 ምስ ኮነ ድማ ብ1837 ብምጽዋዕን ዓሰብን ኣቢሉ ንዓድዋ ኣተወ።

እስከ ነዛ ማፕ ኣፍሪቃ ብኣቕልቦ ኣስትብህሉላ፣ ንኣብነት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ካልእ ዘይተጠቕሰ ባህርያዊ ጸጋ ገዲፍና፣ በዚ ጽዮናውያን ኣቕሪቦሞ ዘለው ጥራይ፣ ማእለያ ዘይብሉ ወርቂ ከምዘሎ እዩ ዘርኤና። እቲ ዲሞክራስያን ፍትሕን እንዳዘመሩ፣ ረጂም ቼንጅ እንዳበሉ፣ ውግእን ህውከትን ዝገብሩዎ ንባህርያዊ ሃብቲ መሬት ኣፍሪቃን ንምዝማት እምበር እዚኦም ዲሞክራሲ ከምጽኡ ማለት ኣይኮነን። ንመረዳእታ ኣብዚ መበል 21 ክፍለዘመን፣ ኣብ ልዕሊ ዒራቕን፣ ኣፍጋኒስታንን፣ ሊብያን፣ ሶርያን ክፍጽሙዎ ዝጸንሑ ሓሶታት ዓቢ ምስክርነት እዩ። ብፍላይ ኣብ ኤርትራ እንተድኣ ተዓዚብና ድማ፣ ድሕሪ እቲ ንፍርቂ ዘመን ዝተኻየደ ሰውራ ኤርትራ፣ እንሆ ሎሚ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ብምልኡ ኣብ ኢድ ጽዮናውያን ኣትዩ ንዕዘቦ ኣሎና። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሃገሩ ጠንጢኑ ንስደት የምርሕ ኣሎ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንረብሓ ጽዮናውያን ጥራይ እዩ ደሙ ዘፍሰሰን፣ ዓጽሙ ዝኸስከሰን  ማለት እዩ።

ኣምሆ ዘመን ጽዮናውያን፣ ብሰለቲ ዝሃቡዎም መጽናዕቲ እዮም፣ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ ማዕድናት ዝፈልጡዎ ነይሮም፣ ኣብዚ እዋንዚ ግና ብሓዲሽ ቴክኖሎጂ ዝተማህዘ ረቂቕ ካሜራ ከም ሳተላይን ድሮንን ተጠቒሞም፣ ድሮ ማዕድናት ኣብ ኣፍሪቃ ኣበይ ኣበይ ቦታታት ከምዘሎ ኣረጋጊጾም እዮም።

 እቲ ቀንዲ ዓላማን ኣብ በርሊን ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክትን ጽዮናውያን፣ ንባህርያዊ ጸጋ መሬት ኣፍሪቃ ንምዝማት እዩ። ንአርትራን ኢትዮጵያን ንምቊጽጻር ግና ዳርጋ ኣስታት 140 ዓመታት ወሲዱሎም ኣሎ። መሕንያቱ ጽዮናውያን ወኪሎም ኮሎንያል ጣልያን ልኢኾም፣ ኣብ ኲናት ዶጓሊን፣ ዓድዋን ተሳዒሮም ፈሺሎም እዮም። ብድሎ ከይትዕሎ ክስዕሩና ስለዘይክእሉ ግና፣ እንሆ ኣብዝተንውሐ እዋን ንክስዕሩና ይረባረቡ ኣለው። ስሱዕሲ ኣይጸገብኩን እንዳበለ ደጋጊሙ ይበልዕ እሞ፣ ለይቲ ምሉእ ከኣ ክተፍእ ይሓድር ከምዝብሃል፣ እዞም ኣረሜን ጽዮናውያን ክሳብ ዝጠፍኡ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገን ከረባርቡዎ እዮም። ፈሪሕ እግዚኣቢሐር ዘለዎ ህዝቢ ክድፈር ከሎ ግና መወዳእትኦም ከምዝኾነ ጥርጥር የልቦን።

እዚ ሰላዪ ፈላሲዚ፣ ንገርሀኛታት ንኽእምን፣ ቀሚሽ ላዛሪስት ለቢሱ እዩ፣ ፍላይ ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን፣ ከም ካህን ኮይኑ ዝስሊ ዝነበረ። ደፋእ እንዳበለ ድማ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ካብ ሓደ ሱልጣን ወዲ ዓፋር፣ ንእሽቶ መሬት ገዝኤ። ጽኒሑ ግና ንሓንቲ ትካል ባቡር ብሓሪ ራፋኤለ ሩባቲኖ (Raffaele Rubattino) እትብሃል ትካል ሓይሊ ባሕሪ፣ ድህሰሳ ባሕርታትን ገማግም ባሕርን ሸይጡላ። እዛ ትካል እዚኣ ድማ ንመንግስቲ ጣልያን ሼይጣትሉ። ብኸምዚ ውዲትን ስለላዊ ክፍኣትን እዮም እምብኣር ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክኣትዉ ዝበቕዑ።

Bildergebnis für werner munzinger

Werner Munzinger, (born April 21, 1832, Olten, Switzerland፣ ቬርነር ሙንዚንገር፣ኣብ ከተማ በርን ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ-በርን ትምህርቲ ስነፍልጠትን፣ ቋንቋታት ወጻኢ ሃገራትን፣ ዓረብኛ ቋንቋን፣ ድሕሪ ምምሃር፣ካብኡ ኣብ ሙኒክ ዩኒቨርሲቲ ከኣ፣ ብዛዕባ ሌላ ምስ ወጻኢ ሃገራት (Oriental Studies) ዝብል ፍሉይ ትምህርቲ ኣጽንዐ። ሙዚንገር በቶም ማሕበር ጸልማት ጽዮንነት ተመልሚሉ፣ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሉ፣ ብፍላይ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ድማ፣ንከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ሱዳንን ንኽስሊ ብመደብ ዝተዋፈረ ረቂቕ ሰላዪ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኣባል ፍሪሜሶንን እዩ ነይሩ።

ቬርነር ብ1855 ዓ.ም.ፈ. ካብ ኤውሮጳ ተበጊሱ ብሃገራት ኣዕራብ ኣቢሉ እዩ ኣብታ ብድሕሪ ወራር ቱርኪ ግብጻውያን ተወሪራ ዝነበረት፣ምጽዋዕ ዝኣተወ። ካብ ምጽዋዕ ከኣ ንከረን ግዓዘ። ቬርነር ሙዚንገር ገና ኣብ ባጽዕ ከሎ፣ ከም ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ እንዳሰለለ እዩ ሓበሬታ ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ዘመሓላልፍ ዝነበረ። ጸኒሑ ድማ ብምኽሪ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ከምኡውን፣ ብ1971 “ባሻይ” ዝብል ሽመት ብግብጻውያን ተሸሙ ከም ኣመሓዳሪ ምጽዋዕ ኮይኑ ከገልግል ጀመረ። ኣብ ከረን ሓንቲ ብሌነይቲ ጓል ከረን ተመርዒዩ፣ ጉዳይ ስለያኡ የካይድ ነበረ። ጸኒሑ ድማ፣ ቆንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ ሓበሬታታት እንዳ ኣከበ፣ ንስለላ መርበብ ሓገር ዓባይ ብሪጣንያ የመሓላልፍ ነበረ። ካብ 1867–1868 ዓ.ም.ፈ. ነቲ ክሳብ ሽዑ እዋን ዘይተዳህሰሰ ዝነበረ፣ መሬት ዓፋር ሎሚ (Djibouti ዝብሃል ዘሎ)፣ ንኽድህስንን ክስልን ምስ 350 ሰራዊ ግብጺ ተዋፈረ። ብ1868 ቨርነር ሙዚንገር፣ ቆንስል መንግስቲ ፈረንሳ መዝነት ተዋህቦ። በቲ ሙዚንገር ዝሃቦም ሓበሬታ ድማ ኮሎንያል ፈረንሳ፣ ነታ ካብ ጥንቲ ኣካል ኢትዮጵያ ዝነበረት፣ ጂቡቲ ክወርዋ ከኣሉ። ቬርነር ብፍላይ ንኤርትራን፣ ኢትዮጵያን፣ሱዳንን፣ ጂቡትን፣ ብሓፈሽ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀንዲ ሰላዪ እዙ ዝነበረ።

ኣስተብህል፤ብ1872 ድማ “ፓሻ“ ዝብል ሽመት ተዋሂቡዎ ገዛኢ ምብራቓዊ ሱዳን ከባቢ ከሰላ ኮነ። ኣብ ግዜ ንጉስ የውሃንስ 4ይ እቲ ካብ ከሰላ ተበጊሱ ክሳብ ጉንደት ዝበጽሐ ሰራዊት ግብጺ ብምኽርን ሓበሬጣን ሰላዪ ሙዚንገር እዩ ዝነበረ። ቨርነር ሙዚንገር እቲ ኲናት ጉንደት ብወገን ግብጻውያን ምስ ፈሸለ፣ብ1875 ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 350 ዝኾኑ ሰራዊ ግብጺ ኮይኑ፣ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዓሪዱ፣ ምስ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ርክብ ክገብር ጀመረ።

ኣስተብህል፣ እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ዳግማዊ ንጉስ መነሊክ፣ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣንጻር ወራር ግብጺ እንዳ መከተ ከሎ፣ ንሱ ግና ዝምድና ምስ ወራሪ ግብጺ ነበሮ። (መሳፍንቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ብዘይካ ስልጣኖም ሃገራዊ ዓላማ ተዓዲሉዎም ኣይፈልጥን። ቬርነር ሙዚንገር ንዳግማዊ ንጉስ ሚነሊክ ሰልዩን ኣታሊሉን፣ ንኢትዮጵያ ንክወርር እዩ ዝነበረ መደቡ። ይኹን እምበር ብዕለት 27 ኦክቶበር 1875 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣሳል ዝብሃል ኣብ ከባቢ ጂቡቲ ዝርከብ ቀላይ ምስ በጽሐ፣ በቲ ሰላዪ ንጉስ መነሊክ ዘይኮነስ፣ ብጀጋኑ ደቂ ዓፋር ተጸፊዑ፣ ምስታር ብሌነይቲ ሰበይቱን፣ ምስ ኩሎም ግብጻውያን ወተሃደራቱን ተመንቆሱ። ካብኡ መድረኽ ሰላዪ ሙዚንገር ኣብቅዐ።

ሰላዪ ቬርትነር ሙዚንገር፣ ካብቲ ብዙሕ ዝፈጸሞ ስለያዊ ፍጻሜታት ብውሑድ ንምጥቃስ፤

1ይ. ብ1868 ኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያን፣ ኣብ ግዜ ንጉስ ቴድሮስ፣ ንኢትዮጵያ ክወሩ ዝኽኣሉ በዚ ሰላዪ ፈላሲዚ ዘውጽኣሎም ሓበሬታን መደብን እዩ ዝነበረ። ብርግጽ ድማ ብሓገዝ ከዳዕ ንጉስ የውሃንስ 4ይ፣ እዩ ጀነራል ናምፒር ካብ ሃገር ህንዲ ተበጊሱ፣ ደፊሩ ንመቕደላ ክበጽሕ ዝኽኣለ። ንጉስ የውሃንስ 4ይ ከም ሃገራዊ ንኮሎያል እንግሊዝ እንተዝምክቶ ነይሩ፣ እንግሊዝ ንመቕደላ ክበጽሑ ኣይምኸኣሉን፣መሳፍንቲ ትግራይ ይኹኑ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ግና፣ ብስልጣኖም እንተዘይኮይኖም፣ ብሃገር ሓሲቦም ኣይፈልጡን። ከምኡ ስለዝኾኑ ድማ፣ ንጉስ ቴድሮስ ብሰንኪ ንጉስ የውሃንስ ሞይቱ፣ ንጉስ የውሃንስ ድማ ብሰንኪ ሰላዪ ንጉስ ዳግማዊ መነሊክ ኣብ መተማ ክሳዱ ተሰዪፉ ሞይቱ። ኣስተብህል፣ እቲ ኩሉ ውዲታት ግና ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ እዮም ዘካይዱዎ ነይሮም።
2ይ. ብ1887 ዓ.ም.ፈ. ኮሎንያል ጣልያን ንኤርትራ ክወርር ዝኽኣለ ብሓገዝ ሰላዪ ጁዜፐ ሳፔቶ ጥራይ ዘይኮነ፣ ወኪል ኮንስል ዓባይ ብሪጣንያ ኮይኑ እንዳኸደመ ከሎ፣ ብዙሕ ሓበሬታ እዩ ንመንግስቲ እንግሊዝ ዘመሓላልፍ ነይሩ። ስለዚ ምዕራባውያን ንኣፍሪቃ ደፊሮም ክኣትው ዝኽኣሉ፣ ብሓገዝ ቫቲካን ዝልኣኸቶም ሰለልቲ ፈለስቲ እዩ ነይሩ፣ እምበር ባዕሎምሲ ብግስ ክብሉ ኣይምኸኣሉን። ኣብ መወዳእታ ግና ክበልዕ ዝደለየስ ገደል ኣፉ ከምዝብሃል፣ ንኢትዮጵያ ንኽወርር ብወገን ዓፋር ዳንካልያ ምስ ወፈረ፣ ብጀጋኑ ደቂ ዓፋር ተቐንጺሉ ተሸሚሙ። ሕነ ሰላዪ ኩርኩሮም ቬርነር ሙዚንገር ንኽፈድዩ ድማ፣ ጽዮናውያን ነቲ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ሰላምን ቅሳነትን ከሊኦሞ ንዕዘብ ኣሎና።

ጂዮቫኒ ስቴላ 1852 ዓ.ም.ፈ.
(Fr. Giovanni Stella)

ፓድረ ስቴላ ዝተባህለ ፈላሲ ኣብ ገለብ ዝብሃል ምድሪ መንሳዕ ካህን ተመሲሉ ዝስሊ ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊ ነበረ። ምስ ቬርነር ሙዚንገርን፣ ምስ ጁዜፐ ሳፔቶን ተላፊኑ፣ ምስ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ቫቲካንን እንዳተራኸበ፣ ኣብ ከባቢ ሰኒሒት ተሓቢኡ ዝስሊ ዝነበረ ሰላዪ ፈረንሳዊ ፈላሲ ነበረ። እዞም ክልተ ሰለልቲ ፈለስቲ፣ ጁዜፐ ሳፔቶን ፓድረ ስቴላን ቀንዲ ሰለልቲ፣ ኮሎንያል እንግሊዝን ጣልያንን ፈረንሳ እዮም ዝነበሩ።

ንመረዳእታ፣ ጁዜፐ ሳፔቶ 1886 ክሳብ 1887 ዓ.ምፈ. ኮሎንያል ጣልያን ንከባቢ ዓሰብን እዚ ፓድረ ስቴላ ዝብሃል ሰላዪ ፈላሲዚ፣ ብ1884 ዓ.ም.ፈ. ንህዝቢ ብሌን ካብ ባርነት ወራሪ ግብጺ ዘድሓኖም ኮይኑ፣ ግንከኣ ካብ ተዋህዶ ሃይማኖት እምነቶም፣ ኣብ ካቶሊክ ንኽቕዪሩ ውዕል ኣእተዎም። ኣብ ከረን ድማ ንመጀመርያ ግዜ ምስ ቫቲካን ተሰማሚዑ፣ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ንኽስራሕ ዝተሓባበረ ንሱ ነበረ።  First time Fr. Stella and his companions did not settle permanently in Keren. Then in 1854 Fr. Stella came back to Keren, where he found the people were abducted and taken to Kassala by the Egyptians in the Sudan. He followed the abductors to Kassala and through the help of British diplomatic office succeeded to rescue the people and brought them back to Keren and he settled with them there. At that Time the abducted People were All Orthodox Christians. But after they returned from Kessala they must converted to the Catholic Religion.

ኮሎንያል ጣልያን፣ ድሕሪ ኣብ ዶጓሊ ስዕረቱ፣ ስትራተጂ ክቕይር ከምዘለዎ መደብን ፕላንን ዘውጽኣሉ፣ እዚ ሰላዪ ፈላሲ ፓድረ ስቴላ ምስ ሙዚንገር ተላፊኑ እዩ። ንኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ ምጽዋዕ ነስመራ ንክኣትዉ ሓበሬታን ምሉእ ጆግራፊካዊ ሕንጻጽ ወይ ካርታ ዘዳለወሎም ንሱ እዚ ሰላዪ ፈላስፋ እዚ እዩ ዝነበረ። ስለዚ ኮሎንያል ጣልያ ካብ ምጽዋዕ ነስመራ ክኣትዉ ከለው፣ ብከረን ኣቢሎም ከምዝኣትዉ ሓበሬታ ዝሃቦም እዚ ሰላዪ ፈላሲ እዩ ዝነበረ።

Read more: ስለላን ኮለላን ኣብ ኤርትራ ካብ 1770 እዩ ተጀሚሩ፣ ብኣዝዩ ዝረቐቐ መልክዕ ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ።