ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣኡ ኮይኑ፣ ዛጊት ን71 ዓመታት ዝወሰደ ገረብ ብሓኽላ ፕሮጀክት ኣሜሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፣ ገና ይወርድ ኣሎ። እቲ ውዲታዊ መስርሕ ግና ንህዝቢ ኤርትራ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ተኸዊሉዎ ክጉዓዝ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና፣ ህዝቢ ኤርትራ ንውሑድን ንብዙሕን ዓመታት ድኣ ክታለል ይኽእል እምበር፣ ንዘልኣለም ክታለል ከምዘይክእል፣ ዛጊት ግዳይ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጥኡን፣ ባህርያዊ ጸግኡን ኮይኑ፣ በቶም ልኡኻት ጽዮናውያን ዝኾኑ፣ ጭፍራ ህግደፍን ወያኔን ይሳቐ ከምዘሎ ዝተረድኦ ይመስል ኣሎ። ዝሓለፈ ፍርቂ ዘመን ምትላል ይኣክል፣ ንዘልኣለም ስቓይን ምጽናት ወለዶን ግና ኣየፍቅድን እየ ክብል ግና ጀሚሩ’ሎ

ጉዳይ ኤርትራስ “ኣቦኹም ኣብ ዘደቀሱና” ምዃኑ ሎምስ ንብዙሕ ወዲ ሃገር ዳርጋ  ዝተሰቆሮ ይመስል። ብመደብ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተኣልመ ማእለማ፣ ንመረዳእታ እቲ ካብ1947 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. ዛጊት ንኣስታት 71 ዓመታት ዝወሰደ ተዋስኦ፣ ደፋእ እንዳበለ፣ ክሳብ ወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃልቕ ገና ይጉዓዝ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራን ህበይን ግና ይውሕድ እምበር ክጸንት ኣይክእልን እዩ። ነዚ ዝተለሙን ዝኣለሙንከ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ኣሜሪካን፣ እቶም ተኻሉ ኣዘዝቶምን እዮም። እቲ ሽዑ ኣብ 1947 ዓ.ም.ፈ.ዝነበረ ወኪል መንግስቲ ሕቡራት ኣሜሪካ ኣብ ማእከል ኣደራሽ ባይቶ ሕቡራት ኣሜሪካ፣ “ኤርትራ ንረብሓ ህዝቢ ኣሜሪካ ክንብል፣ ዋላኳ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፣ እንዳሓዘና ግና ንረብሓና ምስ ምሓዛና ሃገር ኢትዮጵያ ክጽንበር ኣለዋ” ኢሉ ዝወሰነ፣ ሰብ ጆን ፎስተር ዱለስ እዚ ስእሉ ኣብ ታሕቲ ትርእዩዎ ዘሎኹም ነበረ። ጆን ፎስተር ዱለስ ሰብኣይ ጓሉ ንሮክፌለር ወናኒ ስታንዳርድ ኦይል በልዚን  እዩ።

Secretary of State John Foster Dulles

ጆን ፎስተር ዱለስ ብ3 ጥሪ 1955 ዓ.ም.ፈ. ንረብሓ ኣሜሪካ ዘዛይድ ውዲታዊ መደብ ዕዮታት ስለ ዝፈጸመ፣ ብኣዳለውቲ መጽሔት “TIME” ብልጫ “Man of the Year” ተባሂሉ።
ኣብቲ እዋንቲ ኣማኻሪ ፕረሲደንት (ሰክረታሪ ኦፍ ስቴት) ፕረሲደንት ኣይዘንሃወር ዝነበረ፣ኣብቲ ብ1947 ዓ.ም.ፈ. ዝተጋብአ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፣ አርትራ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ክትጽንበር ኣለዋ ኢሉ፣ ብቬቶ ዝወሰነ ልኡኽ ጽዮናውያን ሰብ ነበረ።

እዚ ሰብዚ ካብ 1953 ክሳብ 1959 ዓ.ም.ፈ. ኣዝዩ ፍሉጥ ልኡኽ ሃጸያውያን ዝነበረ፣ በቲ ጭካኔኡ ድማ “ከም ደላይ ሰላም”፣ ወይ “ሰላም ዘምጽኤ ክኢላ”፣ ዓለምለኻዊ መዳልያ ሰላም፣ ፒስ ኖበል ፕራይስ) በቶም ጎይቶቱ ዝተሸለመ ብዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ነበረ።ጆን ፎስተር ዱለስ ኣባል ሰልፊ ረፓብሊክ ኣሜሪካ፣ ኣብ ግዜ ፕረሲደንት

ካብ 1961 ክሳብ 1962 ዓ.ም.ፈ. ኣብ እዋን መሪሕነት  ፕረሲደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝነበረሉ፣ ብስም ፒስኮርፕ፣ ወይ “ጒጅለ ሰላም” ዝብሃሉ ግንከኣ ንስለላን ኮለላን ዝተዋፈሩ፣ ኣባላት ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ፣ንገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንኽስልዩ፣ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን ገጠራትን ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲታት ተዋፊሮም ይስልዩ ዝነበሩሉ ዘመን ነበረ። ኣብቲ እዋንቲ ከኣ እዮም ብዙሓት መንእሰያት ንቃኘው እንዳተመላለሱ ኣባላት ማእከላይ ስለለ መርበብ ኣሜሪካ ንክኾኑ ዝተመልመሉ።ኢሰያስ ኣፈወርቂ እውን ሓደ ካብቶም ብፒስኮርፕስን ብካልኦት ኣባላት ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝተመልመለ ሰላዪ እዩ።


ካብ 1961 ክሳብ 1962 ዓ.ም.ፈ. መበል 35 ፕረሲደንት  ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዝነበረ ጆን ኤፍ ኬነዲ። ጸኒሑ ግና በቶም ስዉራት ሓይልታት ገና ንኣሜሪካ ዝገዝኡዋ ዘለው፣ዲፕ ስቴት ተቐንጺሉ። ክሳብ ሎሚ ድማ እቶም ዝቐንጸሉዎ ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ይነብሩ ኣለው።

መጀመርያ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግዳይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝኾነ፣ ኣብ ዓላ ከባቢ ኣከለጉዛይ ብኣባል ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሪቻርድ ኮፐላንድ እዩ ዝነበረ።

ሰበብ ዘለዎ ውዕል ኢሰያስን መሃንድስ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ፣ ሚልስ ሪቻርድ ኮፐላንድ።

ብ1970 ዓ.ም.ፈ. ኢሰያስ ኣፈወርቂ መሃንድስ ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሪችሃርድ ኮፐላንድ ክዕሰብ ከሎ። ኢሰያስ ኣምሆ ዘመን፣ ሰራዊትን ህዝቢ ኤርትራን ብገርሁ ከሎ፣ ምስ ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ውዲታዊ ውዕል ዝኣተወሉ ዕድመ ዳርጋ ኣብ ከባቢ 20 ዓመታት እዩ ዝነበረ። ሎሚ እዚ ሰብዚ፣ 76 እዩ ዕድሜኡ፣ ንኣስታት 56 ዓመታት ዝኣክል ከኣ ኣገልጋሊ ስለላ መርበብ ባዕዳውያን ኮይኑ ንመበቆል ህዝቢ ኤርትራ ንምጽናት ይረባረብ ኣሎ።

ብ1980 ዓ.ም.ፈ. ፕርሲደንት ኣሜሪካ ጆርግጅ ቡሽ ንሱዳን ዑደት ብምግባር፣ ምስ መራሕቲ ክልተ ውድባት ሻዕብያን ውያኔን ተራኺቡ፣ ብሓባር ተላፊኖም ንውድብ ጀብሃ ከጥፍኡዋ ከምዘለዎም ተወዓዓለ።

ንተ.ሓ.ኤ. ካብ መሬት ኤርትራ ጸራሪግካ ንሱዳን ምጕሓፍ፣ መደብ ስለላ መርበብ ኣሜሪካን ስለላ መርበብ ሞሳድን ስለ ዝነበረ፣ ፕረሲደንት ቡሽ ክሳብ ንሱዳን ከሰላ ዑደት ብምግባር፣ ምስ መራሕቲ ፖሊትቢሮ ወያኔን፣ገባራይን ሓዳጋይ ኢሰያስን፣ ሓደ ውዲታዊ  መደብ ዕዮ፣ማለት ምስጓጕ ተ.ሓ.ኤ. ካብ መሬት ኤርትራ ዝብል ብ1980  ውዕል ኣእተዎም። ጆርጅ ቡሽ ክሳብ ምክትል ፕረሲደንት ሬጋን፣ጸኒሑ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዝልዓለ ስልጣን ዝሕዝ፣ እቲ ቀንዲ መራሕን ኣዛዝን ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ዝነበረ ብዓል ዓቢ ስልጣን እዩ ዝነበረ።

ፕረሲደንት ጂሚ ካርተር፤መንግስቱ ኃይለማርያም፣ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ምስ ብሶቭየት ሕብረት ስለዝገበረ፣ መሃንድሳት ሶቭየት ሕብረት ዘውጽኡሉ ወፍሪ ኲናት ተኸቲሉ፣ ንሣዕብያን ወያኔን ንዅዅስትሮም መደብ ከምዘውጽኤ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ከኣ ዛጊት ነቲ ጒዳይ ብኣቕልቦ ተመልከት።ካብኡ መንግስቱ ኃይለማርያም በቲ መሃንድሳት ወተሃደር ሶቭየት ሕብረት ዘውጽኡሉ መድብ ተሓጊዙ ንሻዕብያን ወያኔን ከጥፍኦም መደብ ምስ ኣውጽኤ፣
JimmyCarterPortrait2.jpgማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ፣ ከምቲ ንሶቭየት ሕብረት ካብ ኣፍጋኒስታን ንምክልኻል፣ ሓይሊ ኣልቃሂዳ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘዳለወት፣ ከምኡ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣፍሪቃውያን ኣልቃሂዳ ኣዳሊያ ነቲ ብሶቭየት ሕብረት ተታሒዙ ዝነበረ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንክትቆጻጸር መደበት። ነዚ ንምትግባር ድማ ፕረሲደንት ጂሚ ካርተር ከም ኣራኻባይን ብስለላ መርበብ ኣሜሪካን መንግስቲ ኣሜሪካን ዝተዋህቦ መደብ ዕዮ ንምትግባር፣ ንኢሰያስን፣ ንመለስን ኣብ ካርቱም ኣራኺቡ ውዕል ከምዝኣቶ ብግህዶ ዝተወረ ሓቂ እዩ ነይሩ። ብግብሪ ከኣ ተራእዩ።

እቲ ብ1985 ዓ.ም.ፈ. ብፕረሲደንት ካርተር ዝተገብረ ውዕል ብ1991 ዓ.ም.ፈ.ምስተዓወተ፣ ውዕል ለንደን ድማ ዛጊት ሰራዊት ኤርትራ ገና ነስመራ ከይኣተወ ስዓበ። ነዚ ክጥሕና ድኺን ትርህጻ ኮይኑ ድማ፣ድሕሪቲ 30 ዓመት ቃልሲ ኤርትራን፣ 17 ዓመታት ቃልሲ ትግራዎትን፣ ብስም “ነጻነትን ሓርነትን ድኣ ተሸቂጡሉ እምበር፣ኣብ መወዳእታስ እቲ ውጽኢት ስርሒት ሰውራ፣ ማለት እቲ ጻማን ዓስብን መስዋቲ ጀጋኑ ንጽዮናውያን ጥራይ እዩ ኮይኑ ተሪፉ። ብርግጽ ከኣ እቲ ስዉር ኣጀንዳ ዝነበሮ ውዕል ለንዶን፣ ሎሚ ኣጀንዳኡ እንዳተጋህደ ይኸይድ ኣሎ።

ኢሰያስ ኣፈወርቅን ለገሰ ዜናዊ ካብ ሰብዓታት ጀሚሮም  ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ኮይኖም፣ ክሳብ ሕዳሪናይ ተሰሚሙ መለስ ዝዓርፍ፣ ኢድን ጓንትን ኮይኖም  ክሰርሑ ዝጸንሑ ልኡኻት ሳጥናኤል እዮም።

 ለገሰ ዜናውን ኢሰያስ ኣፈወርቅን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ኮይኖም ንኽኽድሙ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ተመል- ሚሎም ዝተላእኩ ሰለልቲ እዮም።


እዞም ከድዓት 
ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ እዚኦም፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሮም፣ በቲ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲታዊ ሜላ፣ ግንከኣ ህዝብን ሰራዊትን ብገርሁ ከሎ፣ ብመጽናዕትን ምርምርን መሃንድሳት ጽዮናውያን ተመል-ሚሎም ዝሰልጠኑ ከድዓት ደቂ ሃገር እዮም። ንኢሰያስ ማከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ክምልምዎ ከሎው፣ ንመለስ ዜናዊ ድማ እቲ ዝተጠመቐሉ ስሙ ለገሰ ክነሱ፣ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ብሳጓ ስም ሰይሞም፣ብስም መለስ መልሚሎሞ ምስ ኢሰያስ ተላፊኑ ንክኽድመሎም ኣዋፊሮሞ። 

እዞም ዕሱባት እዚኣቶም፣ብፈላሊኽ ግዛእ ሜላ፣ንሓደ ዓላማ ግንከኣ ንህዝቢ ብሓሶትን ዘይፍጸም ተስፋን እንዳ ኣተስፈው ንምድንጋር ዝተዋፈሩ ልኡኻት ባዕዳውያን እዮም። እዞም ክናናን ምናናን  እዚኦም፣ብርግጽ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምዘይ ፈልጦም ገሮም፣ ብጽኑዕ ውዲታዊ ሜላ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ፣ ዳርጋ መለስ ዜናዊ ተሰሚሙ ክሳብ ዝሓልፍ ተጋሂዱ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስድeምም ግና ህዝቢ ትግራይ ንመለስ ሓደ ጅግናን መንቅብ ዘይብሉ መራሒን ገሩ እዩ ዝኣምነሉ። ብዝሓት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ንኢሰያስ ከምጅግናን ወዲ ሓራስ ነብሪን ገረን የምልኽኦ ኣለዋ።

ንመረዳእታ፣ እቲ ምስጓጒ ኤርትራውያን፣ ካብ ኢትዮጵያ ንእንዳ ህግደፍ ዝተገብረ፣ ዓቢ ስካንዳል እዩ ዝነበረ። ብምኽርን ምዕዶን ስለላ መርበባት ባዕዳውያን፣ኢሰያስን መለስን ዝተሰማምዑሉ ውዲት ድኣ እዩ ነይሩ እምበር፣ ብስምምዕ ባይቶ እንዳ ወያኔ ኣይነበረን። ኲናት ባዱመ ድማ ክልቲኦም እዞም መሳርሒ ጽዮናውያን ዝተሰማምዑሉ ውዲታዊ ወፍሪ እዩ ነይሩ። ንህዝቢ ንምድንጋር ግና በተን ድምጺ ሓሳት ዝኾና ማዕከናት ዜናታት ህግደፍን ወያነን እንዳተጠቕሙ፣ ነንሓድሕዶም ይወናጀሉ ነይሮም። ወያኔ ክምስረት ከሎ ንኢሰያስ ከሰንዩን ከብርዩን እዮም ብውዲት ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ተጠፍጢፎም ተመስሪቶም። ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ህዝቢ ትግራይ ግና ነዚ ምስጢራዊ ተዋስኦዚ እይበጽሖን ነይሩ። እዚኦም ኤርትራውያን ቋንቋ ትግሪኛ ተዛረብቲ ትግራዎት ኢና። ሓቢርና ንኽነብር ኢና ተፈጠርና እምበር ብሰንኪዞም ድያብሎሳት ነንሓድሕድና ክንተሃናኾት ኣይኮነን። ንመን ረብሓኸ? ንጽዮናውያን እምበር ንሕናስ ከቶኳ ረብሓ የብልናን። እቲ ቀንዲ መደብ ጽዮናውያን ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲት ተጠቒሞም፣ቃልሲ ህዝቢ አርትራን ትግራይን፣ ኣበርዒኖም ኣብ ጂኦስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮናውያን ንምውዓል ጥራይ እዩ። እሞከኣ ብደም ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን፣ ብሰንኪዞም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ፣ መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን።

ብድፍኢት ኣሜሪካ፣ንይምሰል ድማ  ብመንጎኝነት ፕረሲደንት ኣልጀርያ፣ ኣብ ከተማ ኣልጀሪስ ዝተኻየደ፣ “መወዳእታ ዶባዊ ጎነጽ ባዱመ”። እቲ ጉዳይ ዶብ ኣብ ቤት ፍርዲ ዴንሃግ እኳ ብዘይ ይግባይ እንተተፈርደ፣ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤል ስለዘይደለይኦ ግና፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ግብሪ ከይተተርጎመ ንመናውሒ ስልጣን ኢሰያስን ወያኔን ኮይኑ ኣሎ። እወ፣ ጉዳይ ዶብ እንተድኣ ተወዲኡ መዋእል ወያነን ህግደፍን ከብቅዕ ስለዝኾነ፣ እቲ ፕሮጀክት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግና ጽዮናውያን ክትግበር ስለዝደልዩዎ፣ እዚኦም እንተድኣ ተሳናቢቶም ከጸግሞም እዩ። ስለዚ ነዞም መሳርሒ ዝኾኑ ጭፍራ ክሕደት ወያኔን ህግደፍን ዕድሜኦም ከናውሑሎም ግድነት እዩ። እወ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምትላል ብፈላሊኽ ግዛእ ዕድሜ ከናውሕሎም ክፍትኑ እዮም። “ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ” ካብ ዝብል ውዲታዊ ፕሮጀክት ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግዳይ ጂኦፖለቲካዊ ገሮም ይላገጹሉ ኣለው።


“ወይ ዝበልናኩም ግበሩ ወይ ክንቅንጽለኩም ኢና”፣ እቲ ውዲት 
ኣቦኹም ኣብዘደሱና ስተመስረተ እዩ።ትማሊ ሒዳርናይ መለስ ተቐንጺሉ፣ ጽባሕ ከኣ እዚ ተሪፉ ዘሎ ድያብሎስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣይተርፎን እዩ።

ኣብዚ ዓምዲዚ ዝተመርኮሰ ርእይቶ፣ እዚ ኢሰያስ ከይ ሓፈረ ወግሐ ጸብሐ፣ ኣሜሪካ ከምዚ ገራትና፣ ከምዚ ሸንጪራትና፣ዘርያትና እንዳበለ ዝግዕሮ፣ እዝዩ ዘሕፍርን ንኽትሰምዖ እዝንኻ ዘጽምምን ሓሶት እዩ። ኣሜሪካስ ይኣይ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ክነሳ፣ ኢሰያስ ንዓና ከረድኣና። መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ካብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ጀሚራ ንኤርትራ ከም ዝተቖጻጸረታ ነቶም ምሁራትን ግዱሳት ኤርትራውያንን ግሉጽ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ. ትካል መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃና ኢሰያስ ኣይኮነን ዘረድኣና። ባዕልና ንፈልጦ ኢና።ኢሰያስ ድማ ካብ ዓላ ጀሚሩ ብ1970 ዓ.ም.ፈ. ብስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነን፣ ንረብሓ ኣሜሪካ ንኽሕሉ ዝተዋፈረን ሰላዪ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና። ካብ ሪቻርድ ኮፐላንድ 1970 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ፕረሲደን ካርተርን 1985 ዓ.ም.ፈ. ካብ 1991 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ ሎሚ ብኣምባሳ. ሄርማን ኮሀንን፣ ኢሰያስ እንዳተጓሰየ ዝኸይድ ስላዪ መበል 21 ክፍለዘምን ምኻኑ ንመጻሕፍተ ታሪኽን ጉዳይ ስለላ መርበብን ዝከታተል ሰብ ከምጽሓይ ቀትሪ ብሩህ እዩ። ፍልጠትን ንቕሓትን፣ ዓወትን፣ ሰላምን፣ፍቕርን፣ ነቲ ብመበቆል ዘይርሓሓቕ ግንከእ ብሰንኪ ከድዓት መራሕቲ ተደናጊሩ ዘሎ፣ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትግራይን!!

ይቕጽል…………….

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
19.03.2018 ዓ.ም.ፈ..