ገረብ ብሓኽለ ይኣክል! ምስ ዝኾነ ኣይንድመርን ኢና!! ሎሚ ኣይንድመር ጽባሕ ኣይንድመር!!

ጭፍራ ማፍያ ህግደፍ ግደፍ! ቅዋም ይጽደቕ!

ህግደፍ ምስ ኣቢ ኣሕመድ  ይደመር እምበር: ህዝቢ ኤርትራ ግና ኣስስላሙን ክርስትያኑን፣ እሱራትን ሰራዊቱን፣ መንእሰያቱን፣ ኣብ ውሽጡ ነንሓድሕዱ ቅድም ክድመርዩ!!!

ነቲ ብጻማን ወጽዓን ህዝቢ ኤርትራ ዝሽቅጥ ዘሎ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣  ብምቅዋም ካብ መላእ ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ካብ 8 ሽሕ ንላዕሊ ዝቝጽሮም  ኤርትራውያን ኣብ ትማሊ ዓርቢ 31 ነሓሰ ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት ዓለም ፣ “ሎሚ ኣይንድመር! ጽባሕ ኣይንድመር”! እንዳበለ መኸትኡ ኣርእዩ።

 

ኣብ ዝቕጽል ብሰፊሕ ዝበለ ጸብጻብ ብዛዕባ ሰላማዊ ሰልፊ ብትንታኔ ክቐርብ እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
ዕለት 01.09.2018 ዓ.ም.ፈ.