“ማንኪ” ብፋስ ንማርተሎን ተጨፍጪፉ፡ አምባሲ አርትራ መንኲሱ፡ ኣባላት ህግደፍ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ሃዲሞም፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ስደተኛታት ኣብ ፈቐዶ ፕያሳታት ሮማ ብሓጎስ ይስዕስዑ፡ ተሓባበርቲ ጣልያን ንስደተኛታት ኣብ ጎድንኹም ኣለና ይብል ትማሊ ረቡዕ ሰዓት 11፡00 ምሸት ኣቢሉ፡ ኣብ ሮማ ኣብ፡ ቪያሞ ንተብሎ ኣብ ዝርከብ፡ “ረስቶራንተ ማሳዋ“ ዝተባህለ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ረስቶራንተ፡ ክልተ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ አምባሲ እርትራ ፍስሃጼንን፡ የማነ “ማንኪ“ ተባሂሉ ዝንገረሉ ካልኣዩን ኣብ ረስቶራንተ ተደሪሮም ክወጹ እንከለዉ፡ ከቢድ ጭፍጨፋ ኣካይዶምሎም፡፡
ድሕርቲ ማህረምቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበረታ ከምዝሕብሮ፡ እዞም ክልተ ሰባት፡ ብሓደ ጎኑ ማሳ ብካልኣይ ጫፉ ፋስ ብልሒ ዘለዎ ማርተሎ ሒዞም፡ ንየማነ ማንኪ ደጋጊሞም ኣብ ርእሱን ካሳዱን,, ክንቀትለ ካኢና፡ ድሕሪ ሕጂ ደምኩም እምበር ደም ህዝቢ ኣይፈስስን እዩ “እናበሉ ኣብ ርእሱ ንክሳዱን ጨፍጪፎምዎ፡፡ እቲ መውቃዕቲ ብርቱዕን ተደጋጋምን ብምንባሩ ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ማርሻፐዲ ወዲቑ፡፡
ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ፍስሃጼን፡ ዋላኳ ዘራይ እንተ ኣተወ፡ ኣብቲ ፈንጠርጠር ኢዱ ተሰይሩን ሞንኲሱን እምበር፡ እቶም ሰባት ኣብኡ ዘተኮሩ ኣይ መስሉን፡፡ እቶም ሰባት ድሕርቲ መጥቃዕቲ ንፕያሳ ኢንደፐንደንሳ ገጾም ብምኻድ፡ ቀልጢፎም ተሰዊሮም፡፡ ኣብቲ ረስቶራንተ ዝነበሩ ኣባላት ህግደፍ፡ ነቲ ዋዕ ዋዕ ሰሚዖም ደገ ምስወጹ፡ ኣብ ክንዲ ምዝራይ ወይ ኣምቡላንስ ምጽዋዕ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበሉ፡ በኣንጻር መንገዲ መንደቕ መንደቕ ተጸጊዖም፡ ኣብ ኦፊቾ ፊናንሳ ኣቢሎም ንግልብጥሽ ሃቲፎም ተሰዊሮም፡፡
ፖሊስ ሮማ፡ ብዝገበርዎ ምክትታል፡ እቲ መርመራ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብጥርጠራ ሒዞም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኢምባሲ ሓዳስ ኤርትራ ፍስሃጺን ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ መስበርቲን ኢድን ምልሕጻጽን ኮይኑ፡ ማህረምቲ ማንኪ ግን፡ ንህይወት ዘስግእ ከቢድ መውቃዕቲ እዩ፡፡ ኣብ ኦስፐዳለ ሮማ ህጹጽ ረድኤት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንጽብሒቲ ሓሙስ ኣብ ዘይተፈልጠ ሆስፒታል ኣብ ንሚላኖ ተወሲዱ፡፡
ብካልእ ሸነኽ ዝመጸ፡ ገና ክጻረ ዝግብኦ ሓበረታ ድማ፡ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ብህጹጽ ካብ ኣስመራ ንዓዲ ጣልያን ኩነታት ማንኪ ንምክትታል መጺኡ እሎ። ማንኪ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሮማ ንተደናገጽቲ ህግደፍ ኣኼባ ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንቐዳም ዕለት 09.07. ድማ ኣብ ጀርመን ኣብጊሰን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንኣባላት ህግደፍ መግለጺ ክህብ መደብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ፡፡ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝግበር ኣኼባ መጺኡ መግለጺ ክህብ ዝመደቦ መደብ ግና፣ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስለዝወረዶ ኣይተረኽበን ብፍጹም ድማ ኣይተራእየን፡፡
ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝኾና መርበብ ሓበረታታት ከምኒ ማዶት ዝበሃላ ግና፡ ነዚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተኸፍሉ ተቓወምቲ ዘካየድዎ እዩ ነይሩ“ ክብላ ኮኒነንኦ ኣለዋ፡፡
ኣብ ልዕሊ ማንኪ ዝወረደ ሃንደበታዊ ጭፍጨፋ ኣብ ከተም ሮማ ኢጣልያ ምስ ተሰምዐ ግና፡ ኩሎም ካብ ሊብያ ዝመጹ ኣብ ፈቐዶ ቢንቶን፡ መዕረፍ ኣውቶቡስን፡ ገዛውቲ ዝሓዘ = ሓዘ (ካዛ ኦኩፓታ) ተድርብዮም ዝነብሩ ኣሽሓት አርትራውያን፡ ብታሕጓስ ጓይላን ሳዕሳዒትን ይገብሩ ኣለዉ፡፡
ደርፍታት ወዲ ትኹል እናደረፉ ድማ “ንዓና ዝበልዎ ኣብኣቶም ተጠውዩ፡ ህግደፍ ተደሰቑ፡ ሕቖኦም ተጎዘዩ፡ ዓለም ረኣየቶም ተጠሊዖም ከእውዩ፡ ብዓል ዓንበርበራ፡ ገና ክኾኑ እዮም ድራር ኣሞራ“ እናበሉ ፈቐድኡ ክደርፉ ይስምዑ፡፡ ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተላ ማሕበራትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ኣብ ልዕሊ ማንኪን ፍስሃጼንን ዝተወስደ ስጉምቲ “ደም ንጹሃት ኣብ አርትራ ምፍሳስ ንከቋርጽ ዝተወስደ መኸተ እዩ“፡ ክብላ ይስምዓ፡፡
This is just a warning to PFDJ junta. The next one will be more severe.The blood of innocent Eritrean victims cannot be ignored. This PFDJ gangs will have to pay the price for the damages caused.
እዚ ቀቀሊሉ እዩ። ፈታህ ናይ ገዛ መስራህ አገልግሎት ነጻ እዳጋ ዲሞክራሲ ወዘተ ሰጋብ ዘየለ አባ ተረክብዋ። አብ ቀጻሊወን ዘዝመጸ ከሰህናዩ።
አረ ገና! ዋላኳ ሎሚ እዞም ዕሱባት ባዕዳውያን፣ ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ክናናን ምናናን ነዛ ሃገርና ህዝብናን ትሕቲ ኩለን ሃገራት ዓለም ደቚሶማ ንዕዘብ እንተሃሎና፣ ጽባሕ ብጊሓት ግና ከነድግመሉ ኢና። ንወርር ቱርክን፣ መሓመድ ግራኝን፣ ወራር ግብጽን፣ ወራር ማህድን፣ ኮሎንያል ጣልያንን፣ መግዝእቲ እንግሊዝን፣ መግዛእቲ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ ደርግን ዘባህረረን ዝስዓረን ህዝቢ እኮ እዩ። ሎሚ መላገጺ ወኻሩ ሳሕል ኮይኑ ዝተርፍ ከይመስለካ። ደቂ ሸራሙጥን፣ ጸማቚቲ ስዋን፣ ጸሞቕቲ ሜስን፣ ከም ብዓል ኢሰያስን፣ ማንኪን ክሻን ንዘልኣለም ክላገጹሉ ከቶ ኣይክኽእሉን እዮም። ንፍናን ጀጋኑን ኤርትራ ክድምስሱ ጽዒሮም። ሓቀኛ ታሪኽን፣ ቅዱስ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣርኪሶምን ኣነዊሮምን። ሞባእ ፈጊሮምን፣ ጭዋን ውርዙይን ባህሊ ኣጋዕዚዮም። ብሸርሙጣ ባህሊ ተኪኦሞ ኣሎዉ። ፍትሓዊ ሕገ-ንዳባ፣ ደምሲሶሞ። ሕገ-ኣልቦን፣ ባይቶ-ኣልቦን ኣንጊሶም። ግና ግዲየብልካን ሓው ኤርትራዊ፣ ክወግሕ እዩ!! እዞም ወኻሩ ሳሕል እዚኦም፣ ብስለላ መርበብ ኣሜሪካን እንግሊዝን እስራኤል፣ እንዳተጓሰዩ እዮም ክሳብ ሎሚ ጸኒሖም እምበር ብኽእለቶም ከይመስለካ። ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ። ብዓል ወዲ መድህን በራድ፣ ኣብ ዓውዲ ውግእ ከይኣቶዉ ነስመራ ከም ዝበጽሑ ትፈልጥዶ? ብዓል ማንኪን ክሻን ብራሾ ማይ ከየቍቐበሉ ኣብ ስልጣን ከምዝደየቡ ትፈልጥዶ? ብዓል ሰመረ ርእሶም ብዘይካ ኣብ ካርቱምን ከሰላን ንጹሃት ተጋደልቲ ምቍንጻል ካልእ ከምዘይሰርሐ ትፈልጥዶ? እቶም ሓርበኛታት ከም ብዓል ድሩዕን ጴጥሮስ ሰሎሞንን መሓመድ ሠሪፎን ወዘተ መዋእሎምዶ ንሃገሮም ኣይተቓለሱንዮም? መን ስለዝኣዘዞም እዮም ነቶንም ጀጋኑ ብዘይፍርዲ ክሳብ ሎሚ ኣሲሮሞም ዘለው። ሲኣይኤን ሞሳድን ኤምእይ 6ን እዮ። ኤርትራ ንብረት ምዕራባውያን እያ ኮዝና ዘላ ብወረ ከይትሰምዖ። ግና ጥፍእቶምሲ ከነርክበሉ ኢና፣ ሃይለስላሲe ሓሊፉ፣ ደርጊ ሓሊፉ፣ እዚምድእሞ መን ኮይኖም aዮም ክጸንሑ። ክሳብ ሎሚ ብውዲት ምዕራባውያን ጸኒጕሖም ሕጂ ግና ምስጢሮም እንዳተቐልዐ ስለዝመጽእ ዘሎ ከምዝይሓልፍ ክሓልፉ እዮም።
ነዞም ብደም ህዝቢ ተሓጺቦም ዘለዉ መውቃዕቲ ከማን ውሒድዎም። ንህዝቢ ኤርትራ ከጽንቱ ተበጊሶም ስለዘለዉ፣ ነዚ ሒዞሞ ዘለዉ መደብ ምእንቲ ከየተግብርዎ፣ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክቃለሶም ኣለዎ።
እቶም ወቓዕቲ ድማ ወላኳ ንሰብ ምውቃዕ ገበን ይኹን እምበር፣ እዚ ዝገበርኩሞ ዘመስግነኩም እዩ። ኣናብስ!
ሠላም ክቡር ሓው ዳኒኤል፣ ግርም፣ “ዋላኳ ሰብ ምውቃዕ ገበን እንተኾነ፣ ይኹን እምበር እዚ ዝገበርኩሞ ዝምስገን እዩ ኣናብስ” ክትብል ርእይቶኻ ሂብካ። ኣይግድን!! ስማዕ እንዶ ክቡር ሓው ዳኒኤል፣ ንጭፍራ ህግደፍ ትፈልጦም ዲኻ?? እዞም ልኡኻት ባዕዳውያን ሸፋቱ ገደና እዚኣቶም ዘፍሰስዎን ዘፍስሱዎ ዘለው ደምን ኣስተብሂልካሉዶ ኣሎኻ?? እዞም ኣብቲ ፈርካሽ ስልጣን ግዝያዊ መንግስቲ ህግደፍ ዘለው ኩሎም፣ ከምዚ ንየማነ ዝወረዶ ጭፍጭፋ፣ ክጭፍጨፉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ከምቲ ንሶም ብኢደ ወነኖም፣ ንጀጋኑ ደቂ ሃገር ዝቕንጽሉዎምን፣ ዝኣስሩዎምን ዘለው፣ ንሳቶም ድማ ከምኡ ክጭፍጨፉ ግድነት ኣለዎም። እዚ እዩ እቲ ፍትሕ። ኣነ ከምዝርድኣኒ ዘሎ ግና እቲ ህዝብና፣ ዋላ ንስኻውን ፣ ከምዚ ርእይቶኽዕ፣ ነቲ እዞም ድያብሎስ ጭፍራ ህግደፍ ዝፍፈጸሙዎ፣ ማእለያ ዘይብሉ ገበናት፣ ስለዝተደራረበ፣ ከም ዘይገበን ገርኩም ዝተረዳኣኩም ትመስሉ። ከምኡ ግና እኣይኮነ። ግሁድን ቅሉዕን ገበን እዩ። ብገበን ድማ ይላገጹ ኣለው። እዚ ከኣ እዩ ንማፍያን ገበነኛታትን ጭፍራ ህግደፍ ከምድላዮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንኽዕንድሩ ፍናን ሂቡዎም ዘሎ። ስለዚ እቲ ትማሊ ኣብ ሮማ ዝተፈጸመ መኸተ ኣብ ልዕሊ ህበይ ወይ ማንኪ ዝወረደ ጭፍጨፋ ብዘይ ንሕስያ ክቕጽል ኣሎዎ። እንዳህግደፍ ጀጀውቲ ስለዝኾኑ፣ ብዘይካ ምጭፍጫፍ ካልእ ቋንቋ ድማ ስለዘይርድኦም፣ ኩሉ ሰብ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ይኹን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር፣ እዞም ጽንጽያ ጎዱፍ እዚኦም እብ ዝነጠቡዎ ቦታ፣ ከም ማግነት እንዳ ኣርከብና ክጭፍጭፎም ኣሎና። ካልእ ፍታሕ ፍጹም የልቦን። ንኣድጊ ዝገበረካ ጠይቂ ግበሮ ስልዝኾነ፣ ጭፍራ ህግደፍን ሓለቓኦም ድያብሎስ ኢሰያስን፣ እንተዘይተጨፍጪፎም ክሳብ ዝሞቱ ብደም ንጹሃት እንዳተሓስጽቡ ክቕጽሉ እዮም።
ምናልባሽ እቲ ገበን ዝበልክዎ ንምንታይ ከም ዝኾነ ዘይተረዳኣኩም ከይከውን። ብሓፈሽኡ ንሰብ ምውቃዕ ገበን እዩ። ዝከኣል እንተዝኸውን ሕጋው ብዝኾነ መገዲ ክሕተቱ እዩ ዝግባእ ነይሩ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዘለዉ ግፍዒን ጭከናን ብቓላት ንምግላጽ ኣይከኣልን እዩ። እዚ ግፍዒን ጭከናን ደው ምእንቲ ክብልን ነቶም ነዚ ግፍዒ ዘውርዱ ዘለዉ ውልቀሰባት ብሕጋዊ መገዲ ዓገብ ክንብሎም ኣይንኽእልን ኢና ዘለና። ስለዚ ካልእ መገዲ ስለዘየለ፣ በቲ ዝርድኦም ቋንቋ (መውቃዕቲ) ክንቃለሶም ኣለና፣ ካብኡ ሓሊፍና እውን ኣብ ልዕሊኦም መሳርያ ኣልዒልና ክንዋግኦም ኣለና። እቲ ኣብ ኤርትራ ሰፊኑ ዘሎ ስርዓት ሸፋቱ እዩ። ሕጊ የለን ፍትሒ የለን። ሰብ ብዘይ ምኽንያት ኣብ ማእሰርቲ ይበሊ ኣሎ እቲ ዝፈስስ ዘሎ ደምውን መዐቀኒ የብሉን። ብሽም ኣገልግሎት ሙሉእ ዘበኖም ኣብ ታሕቲ ባርነት ኣትዮም ዘለዉ የሕዋትና እውን ኣይወሓዱን። እቲ ዝተረፈ ህዝቢ እውን ብኸብዱ ተታሒዙ ኣሎ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ክንቀሳቐስ ከም ዘይክእል ኮይኑ ኣሎ ሰሪሑ ክነብር እውን ኣይክእልን እዩ ዘሎ። ነዚ ግፍዒ ዘውርዱ ዘለዉ ሸፋቱ ክጠፍኡ ኣለዎም።
በዚ ምኽንያት ድማ እየ ነቶም ኣብ ሮማ ንኣባላት እዞም ጨፍጨፍቲ (ሸፋቱ) ዝወቕዑ ኤርትራዊያን ጀጋኑ (ኣናብስ) ዝበልክዎም። እዚ ዝገበርዎ ከኣ ንኹልና ኣርኣያ ኾይኑ ከበግሰና ኣለዎ፣ ነቶም ሸፋቱ (ህግደፍ) ድማ መእተውን መውጽእን ከነስእኖምን ኣብ መወዳእታ ከኣ ንዓድና ካብ ኢዶም ነጻ ክንገብራ ኣለና።
ናይ መወዳእታ ዕላማና ክኸውን ዘለዎ ግን ፍትሒ ዝሰፈኖ ሕብረተሰብ ምምስራት እዩ። ብኸምኡ ምኽንያት ከኣ እየ ንሰብ ምውቃዕ ገበን እዩ ዝበልኩ።
Oh, Yes!