ዝኸበርካ ሓው ተስፋጽዮን ወዲ ወዱ ንሃብተስሉስ!!

እቲ ብትብዓት ጀሚርካዮን ግንከኣ ከይተሓለልካ ከምቲ ኣመል እቦሓጎታትካ ብሓቦ ትቕጽሎ ዘሎኻ ኣግኣዝያዊ ኣስተምህሮ ኣዚና ነመስግነካ። ተዓወት! ንትዓወት! ዓወት ንህዝቢ ኣግኣዝያን ከኣንብል!! ከም ኣልፋን ኦሜጋን መጠን፣ ዓወት ድሕሪ ስቕይ ረኺቡ፣ ኣብቲ ኦሜጋ ምሉእ ፍጹም ክኾነሉ፣ ብስም ደቀባት ደቂ ኣግኣዝያን መጠን ብልቢ ንምነ። ርግጽዩ ንሕና ነገደ ኣግኣዝያን፣ ሕቡን ታሪኽን፣ መንነትን፣ ኦሪታዊ ሃይማኖትን ዘሎና፣ እኳድኣ ጀመርቲ ሃይማኖትን ምዕባሌን፣ ፍትሓዊ ዋንነት መሬትን፣ ሕጊንዳባን ዝኾና ህዝቢ ምዃንና፣ ማንም መጻሕፍቲ ታሪኽ ዝከታተል ግዱስ ሰብ፣ ዘይስሕቶ ሓቂ እዩ። ህዝቢ ኣግኣዝያን ይባረኽ!! ሓያል ከኣ ይኸልክለሉ!!

ብፍላይ እኳድኣ እቶም ንሕና ኢና ጀመርቲ ምዕባሌን፣ ወነንቲ ሃይማኖትን ዝብሉ፣ ግንከኣ ዓመጽን ስርቂን ዝምታን ዝኾነ ባህሎም፣ነቲ ሕብሮም ከኣ ከም “ጻዕዳን ጽሩይን ብሉጽን” ገሮም ዘቕርቡዎ፣ብፍላይ ንኣፍሪቃዊ ሕብሪ ድማ ከም ፉንፉንን ርጉምን ገሮም፣ ንህዝቢ ዓለም ከእምኑ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለው፣ ንህዝቢ ኣግኣዝያን ጽቡቕ ገሮም እዮም ዝፈልጡዎ። መኽንያቱ ድማ፣ ካብ መዋእል ባርነት ጀሚሮም፣ ካብ ኩሎም ኣፍሪቃውያን መኸተ ኣጋጢሙዎም ዘይፈልጥ፣ ንመጀመርያ ግዜ ግና ኣብ ኲናት ዶጋሊ (ብ27 January 1887 ዓ.ም.ፈ.) ዓድዋን (21. Februar 1896 ዓ.ም.ፈ)፣ ንዘልኣለም ክርስዑዎ ዘይክእሉ ሃንደበታዊ መቕጻዕቲ እጓኒፉዎም። ካብኡ ኣትሒዞም ከኣ መን ምዃና ስለዝተረድኡና፣ ክሳብ ሎሚ ካብ ክሳድና ክወርዱ ኣይከኣሉን። እወ፣ ባዕሎም ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም ክገጥሙና ስለዘይበቕዑ ግና፣ ውዲታውያን ስለዝኾኑ፣ገረብ ብሓኽላ ተጠቒሞም ኣላሽ መታን ከቡሉና፣ ንብዓል ክናናን ምናንን ህግደፍ ምሂዞም ትንፋስና የምሉቝና ኣለው። ብስለላን ኮለላን ንፍርቂ ዘመን ዝሰልጠነን (ማይንድ ኮንትሮልድ ወይ ክሎንድ) ዝኾነን ልኡኽ መላኺ “የኛ ሰው በደማስቆ” ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣሰልጢኖም ኣላሽ ከብሉና ይራባረቡና ኣለው። እወ፣ ሎሚስ ወረ ኣግሂዶሞ፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ እንዳበሉ ገና ወርቅና ብነጻ ጓሕጒሖም ይዘምትዎ ኣለው። መንእሰይ ወለዶ ድማ፣ መመክሒ ኤውሮጳውያን ኮይኑ፣ ባህርያዊ ጸግኡ እንዳተጋሕተጠን ተዘምተን፣ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳ ተጸባዪ ትኳቦት ገንዘብ ኮይኑ ይሳቐ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግና ኣስታት 200 ቢሊዮን ዶላር ሽያጥ ወርቂ ጥራይ ኣብ ባንክታት ስዊዘርላንድን ለንዶንን ንዮርክን ተኾሚሩ ኣሎ። ኣብታ ኮብላሊ መራሒ ዘለዋ  ሃገርና ድማ፣ ማይ መጺኣ፣ ሉቸ ከኣ ጠፊኣ ክብል ይውዕል ኣሎ።

ክቡር ሓው ተስፋጽዮን፣

ክሳብዛ ንስኻ ብትብዓት ንመንነት ህዝቢ ኣግኣዝያን ንኽትጣበቕ ዝተበገስካላ ስዓት፣ እቶም ”ንሕና ተቓወምቲ ኢና፣ ተሓለቕቲ ሽግር ህዝቢ ኣርትራ ከኣ ኢና፣ ኢሰያስ ድማ ዲክታቶር እዩ“ እንዳበሉ፣ ካብ ድሕሪ ነጻነት ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ 26 ዓመታት ገሮም ኣለው። እወ፣ ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳወቀጡ ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ዝኾኑ፣ ገና ይረባረቡና ኣለው። እወ፣ ነቲ ሓቂ ረሲዖም ጥራይ ዘይኮነስ፣ ኮነ ኢሎም ብመደብ ዝተላእኩ፣ ንሶምውን መሳርሒ ባዕዳውያን ኮይኖም፣ ሽርካ ድያብሎስ ኢሰያስ እዮም። ስለዚ ንስኻ ግና፣ ውርሻ ሓቦ ደቂ ኣግኣዝያን ኣቦታትካን ኣባኻጎታትካን፣ እወ፣ ብዓል ኣቦ ፍትሒ ሃብተስሉስ፣ ብዓል ጅግና ራእሲ ዓንደሃይማኖት፣ ብዓል ራእሲ ሃይሉን ራእሲ ወልደሚካአልን፣ ከምታ በትሪ ሙሤ ኣጽኒዕካ ሒዝካ ብሓቂ ትብድህ ኣሎኻሞ፣ ዕድመ ይሃብካ። እሎና ከኣ ግዲ የብላን ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ዘይኮነስ፣ ብሓይሊ ኣምላኽ ቅድሚ ማይ ኣብ ብዓቲ ዝብል መርሆ ሒዝና ኣንጻር ኩሎም ከድዓት ክንዓርድ ኢና። ኣምላኽ ኣቦሓጎታትካ ኣግኣዝያን ድማ ክሕግዘና ኢዩ።

ከም ኣሕዋትካን መቃልስትኻን መጠ፣ ነቲ ኩሉ ኣስተምህሮኻ ብዘይ ምቍራጽ ሓደ ብሓደ ንከታተሎ ስለዘሎና፣ ሓጋዚ ዝኾነ ሓውሲ ነቐፌታን ምኽርን ከነመሓላልፈልካ ግና ግድነት ኮይኑ። ቀዳማይ፣ ኣብ መላእ ትግራይን ምድረባሕርን (ሎሚ ኤርትራ) ክርስትያኑ ኣስላሙ ካብ ነገደ ኣግኣዝያን እዩ። ርግጽዩ ኣመጻጽኣ ኣግኣዝያን ካበይ ከምዝኾነ ንዓኻ ኣይጠፍኣካን እዩ። ኣብ ሃገረ እግኣዝያን ሃይማኖት ምስልምና ምኣስ ከምዝተኣታተወ ድማ ኣይትስሕቶን ኢኻ። ንመረዳእታ፣ ህዝቢ መንሳዕ፣ ህዝቢ ሰኒሒት፣ ህዝቢ ሳሕል፣ ህዝቢ ባርካን፣ እንተኾነውን፣ ብወራር ቱርክን ግብጽን እዩ መስሊሙ እምበር መበቆሉስ ሓደ ኣካል ህዝቢ ኣግኣዝያን እዩ። ጀበርቲ እንተኾይኖምውን ደቂ ኣግኣዝያን እዮም። ዓሳውርታ ድማ ደቂ ንጉስ ሳውር ሓው ንጉስ መሮኒ እዮም። ስለዚ ኣብ መንነትን ዓሌትነትን ገዲፍና፣ ከምኡውን ኲናት ምስ ኣስላም ከይከፈትና፣ ኣድህቦና ኣብቶም ዝምንቁሱና ዘለው ልኡኻት ሳጥናኤል፣ ወይከኣ ማሕበር ሰይጣን ዝኾኑ፣ ብሰላሊ ኢሰያስ ዝምርሑ፣ ግንከኣ ብምሃንድሳት ጽዮናውያን ዝጓስዩን ዝምዓዱን ህግደፍ፣ ኣስላምናን ክርስትያናን ደቂ ኣግኣዝያን ብሓባር ክንምክቶም ጥራይ ኣሎና። ካብኡ ሓሊፉ ውሑዳት ዓሌታት ይኹኑ ኣስላም ኢና ኩናማ ኢና እሞ ንበይንና ንህግደፍ ክንምክቶ ኢና ዝብሉ እንተድኣ ሃልዮም፣ ኣይሰልጦምን እዩ። ከምኡ ይሓይሽ ዝብሉ እንተድኣ ኮይኖም ግና፣ እንታይግድኻ ትምኢልካ ጥራይ ቀዳመይ ዕማምካ ኣሳልጥ። ምክልኻልን ምጥቃዕን ብኹሉ መኣዝን ንድያብሎሳዊ ልኡኽ ባዕዳውያን ህግደፍ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ። ነቶም ክሳብ ሎሚ ጸላኢኦም ዘየለለዩ ድማ ክሳብ ዝስቆሮም ኣይትገደሰሎም። ኤነርጂኻ ኣይተጥፍኣሎም።

ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበየና ስለዘሎ፣ ሓይልና (ኤነርጂና) ኣብ ማጆሪቲ ድኣንበር ኣብ ማይኖሪቲ ኣይነጥፍእ። ኣንጻር እዞም ወኻሩ መበል 21 ክፍለዘመን ህግድፍ ጥራይ ይኹን ኩሉ መኸቴና። ካብኡ ሓሊፍና እንገብሮ ቃልሲ፣ ከም ፍልልይ ስለዝርአ፣ ንዕድመ ህግደፍ ድማ መናውሒ ጥራይ እዩ ክሕግዝ ዝኽእ። ነቲ ባዕዳውያን ዝምሃዙዎ ኣይሲስን ኣልቃሂዳን ዝብል ወፍሪ፣ ንረብሓ ምስልምና ሃይማኖት ዘይኮነስ፣ ብሱሩ ንረብሓ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ምዃኑ ክንግንዘቦ ኣሎና። ደድሕሪ ምዕራባያን ዝምሃዙዎ ፍልስፍና፣ ዘብዘብ ንብል እንተድኣ ኮንና ግዳይ ቴሮሪዝም ብምዃን ኣገልገልትን መሳርሕን ባዕዳውያንን ጥራይ ኢና ክንክውን።

2ይ) ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ መንነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ክትንትን ከሎኻ፣ “ኢሰያስ ሕሉፍ ጸጋማዊ እዩ“ ትሽዓተ ብሐራት መስሪቱ ኤርትራዊ መንነት ንኽምስርት ዝቃለስ ዘሎ ሕሉፍ ጸጋማዊ እዩ „ እናበልካ ብዙሕ ግዜ ትገልጾ ኢኻ። ስለዚ እስከ ብዓቕምና ንእሽቶ ምኽሪ ክንልግሰልካ። ከምቶም ካብ ኣፍንጭኦም እርሕቕ እቢሎም ዘይሓስቡ፣ ማለት ካብ ብቐልቦም፣ ብኸብዶም ዝሓስቡ ዝዘልፉኻን ዝጸርፉኻን ግና ኣይኮናን። ብጾትካ ኢና እጆኻ ጽኑዕ ርገጽ እምበር ንብለካ።

መልሲ፣ ክብር ተስፋጽዮን ምስ ይቕሬታ፣ ኢሰያስ ሕሉፍ ጸጋማዊ ኣይኮነን።  ወሪዱዎ ፓፓጋሎ  ጽዮናውያን ግና ክንደይዅኳ እዩ።እቲ ሕሉፍ ጸጋማዊ ዝብሃል ፍልስፍና በልዩ እዩ። እወ፣ ከም ሽዳ ተጋደልቲ እምበር ተሰንድዩ። ብብጊሓቱ ፍሹልን ስንዑን ፍልስፍና ኮይኑ፣ ግንከኣ ንመዳናገሪ ፍልስፍና ኣግኣዝያን ተባሂሉ ብመሃንድሳት ጽዮናውያን ዝተማህዘ ብላሽ ፍልስፍና እዩ።

እቲ ሓቂ ግና ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም ከምዝብሃል፣ ኢሰያስ ካብ 1969 ዓ.ም.ፌ. ብማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነን፣ ንዘርኢ ኣግእዝያን ንኸጥፍእ ንሜዳ ዝወፈረ እምበር፣ ሕሉፍ ጸጋማዊ ማለት ርእዪን ብንጹር ህዝባዊ ዓላማን ዘይነበሮ ኣይኮነን። ንሱ ልኡኽ ጽዮናውያን ኮይኑ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ ልኡኽ ሓዲሽስ ዓለማዊ ስርዓት ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ማርዮነት እዩ። ካብቲ ጽዮናውያን ኣውጺኦምሉ ዘለው መደብ ዕዮ፣ ሓንቲ ሜትሮ ፈልከት እንተድኣ ኢሉ፣ ከምታ ንመለስ ዜናዊ ዘጋጠመቶ ጽዋእ ጥራ እዩ ክረክብ። ስለዚ ኢሰያስ ቅሉዕ ሰላዪ ጽዮናውያን ኮይኑ ንመንነትናን ባህልናን፣ ኦሪታዊ ሃይማኖትናን፣ ብፍላይ ንመንእሰይ ወሎዶና ንምጽናትን ብመደብ ባዕዳውያን ዝተላእከ ድያብሎስ እዩ ኢልካ ምስ ዝግለጽ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ።

ክቡር ሓው ተስፋጽዮን፣

ንሓና ካብ 2000 ዓመተ ምሕረት ፈረንጂ ጀሚርና፣ ምእንቲ ጭቁን ህዝብና፣ ቅለቱና ከይበልና ጉልባብና ቀሊዕና ንኣካይዳ ህግደፍን ወያኔን ዘሌሌና፣ ኣዳልውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን ኢና። ብዓምድታትን ቃለ ምሕታትን ብዓቕምና ብዙሕ ግዜ ኣብ መርበብ ደቀባት ዘርጊሕና ኢና። እተን ብባዶ 3 ዝምወላ መርበብ ሓባሬታታት፣ ከምኒ መርበብ ሓበሬታ መስከርምን፣ ብፍልስፍና ምስልምና ዝምወላ ከምኒ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተን፣ ከምኡውን ከምተን ኣገልገልቲ ፍሹላት ተቓወምቲ ዝኾና ከምኒ መርበብ ሓበሬታ ተጎርባን ግና ኣይኮናን። ከምኡውን ከምተን ብቕሎቱና ማሕፉዳአን ዘርጉዳ፣ ግንከኣ ብራድዮን ቪድዮን ውልዕ ጥፍእ ዜናታት ዘቃልሓ፣ መርገጸን ዘይፍለጥ ከም ብዓል መርበብ በሬት ኣሰና ከኣ ኣይኮናን። ከምቶም ኣብ ውሻጠ ተኸዊሎም ብፓልቶክ ቆየቛ ላልማየ ላሎ ክብሉ ዝሓድሩ ግዳይ ስለላ መርበብን ባዶ 3ን ድማ ኣይኮናን።

ከምቶም ንኣንባባይን፣ተኸታታላይ ቅኑዕ ሓበሬታ ኢንተርነት ንምድንጋርን ንምዝንባዕን፣ ተባሂሎም፣ ብባዶ 3 ዝተዋፈሩ ኣረገዊቲ ኣናብር ኢንተርነት፣ ኣብ ብዓል መስከረም ዕንክሊል ክብሉን ክኹብሉሉን ዝሓድሩን ዝውዕሉን ዘለው ድማ ኣይኮናን። ንሕና ድኻታት ከም ህዝብና ኢና። ህዝብና ብሓቅን ብቕንዕናን ክነቅሓን፣ ነቒሑ ድማ ጸላእቱ ክፈልጥን ግና፣ ገና ከይተሓለልና፣ ነቲ ዓላማ ኣግኣዝያን ኣብ ሾቶኡ ንምብጻሕ ክንቅጽል ኢና። ህዝቢ ኣግኣዝያን ሓንቲ መዓልቲ ጸላእቱ ኣለልዩ መኪቱ ከምዝቃለስ ድማ ዘይሕለል ራእዪና እዩ።

ዘሎናዮ እዋን፣ ዘመነ ምድንጋርን ማይንድ ኮንትሮልን ስለዘርከብና ግና፣ ብዙሕ ዕንቅፋታት ኣጋጢሙና እዩ። ገናውን ከጋጥመን እዩ። ክሳብ ግዜ ሞትና ግና ህዝብና ከይቀሰነ ኣላሽ እይክንብልን ኢና። ዝኾነ ኮይኑ ግና፣ በትሪ ሓቂ (በትሪ ሙሴ፣በትሪ ኣግኣዝያ) ትቐጥን እንበር ኣይትስበርን እያ ኢልና ስለንኣምን፣ ምስቲ ጀሚርካዮ ዘሎኻ ራእዪ ኣግኣዝያን ተላፊንና፣ ምሳኻን ምስኩሎም ንቑሓትን ክነቕሑ ዝሃርፉ ደቂ ኣግኣዝያንን፣ ብፍላይከኣ ደለይቲ ነጻነት ዝኾኑ ኣሓትን ኣሕዋትን፣ ኢድን-ኢድ ተታሓሒዝና ግድነት ክሳብ፣ ግብኣተ መሬት ህግደፍ ብድሆና ክንቅጽል ኢና። ሓቂ ሒዝና ድማ ክንዕወት ምዃንና ኣይንጠራጠርን ኢና።

ካብ እሕዋትካን መቃልስትኻን፣ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት-ኣግኣዝያን።

5 ጥሪ 2017 ዓ.ም.ፈ.