ንኢሰያስ ኣብ ዲያብሎስ ዝቐየሩዎ መሃንድሳት ጽዮናውያን እዮም።

ኢሰያስ ድኣ ወሪዱዎ ኣብዛይ ሓሰቦ ደልሃመት ከምዝሸኽሉዎ ቀደም እንተዝፈልጥ ነይሩ ሕይወቱ ክሕልፍ ምሓሾ ነይሩ። ኢሰያስ ሎሚ ከይደቀሰ ክሳቐ ዝሓድር ዘሎ ዘደንግጽ ሕሱር ሰብ እዩ። ንላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ንኤርትራ ንከይኣትዉ ከልኪሉዎም ኣኢሉ ክያረብ ይስማዕ። እወ ብርግጽ ከምዘይኣትዉ ተኸልኪሎም። መንዩ ግን ከልኪሉዎም። ስዉራት ሓይልታት ብኻልእ ኣገላልጻ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን እዮም ንኤርትራን ንኢሰያስን ዝቆጻጸሩዎ ዘለው።

ስለዚ ኢሰያስ ኣይኮነን ንህልው ሰብ፣ ንሬሳ ካይኣቱ ከምዝኽልክል ዘማኽሩዎ ንሶም እዮም።

እቲ ኣብ ሽፍታ ዝቕየሩዎ ፈዛዝ zombified Zombie ኢሰያስ፣ ቅድሚ 20 ዓመት በቲ ብምኽሪ ጽዮናውያን ዝተውልዐ ብስም ዶባዊ ኲናት ዝፍለጥ ከም ዝለምስ ምስ ገበሩዎ፣ ካብ ዓለም ካብ ዝንጸል  ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓዲ ሃሎን ባጽዕን እንዳኾብለለ ክውዕልን ክሓድርን ከሎ ብስውር ምስ መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን እዩ ዝራኸብ። ጽሉል መሲልካ ድራሮምውድኣለም። ኢሰያስ ኣብ መዳ ኤርትራ ካብ ዝሕወስ ብዘይካ ስለላን ኮለላን እንታይ ክሰርሕ ጸኒሑ ኢልኩም ሓሲብኩምዶ ትፈልጡ?

~ንኤርትራ ብኹሉ መምዘኒታት ምፍራስን ንድሕሪት መምላስን፣ ካብቲ እከይ ኮሎንያል እንግሊዝ ዝሓንጸጾ ሕንጻጽ እዩ ዝጅምር።

~ማይ በርሚል ክንደይ ከምዝሽየጥ ምቁጽጻር፣ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ምህናጽን ክንደይ እስረኛታት ከምዝሞቱን ምክትታል፣ ቀንዲ ስርሑ ከምዝኸውን መኺሮሞ እዮም። እምቢ እንተበለ ድማ ክቕንጽልዎ እዮም።
~ን 11 ተቃወምቲ ወያነ ፣ተቃወምቲ ሱዳንን ንኣልሸባብ (ሶማል)ዝወጽእ ገንዘብ ምስላዕ፣
~ማይ ቢሑቅ ካብ ዞባ ኣብ ዞባ ካይዘዋወር ይከታተል፣
~ካብ ሱዳን ብከሰላ ዝሰግሩ፣ ሽኮርን ቡንን ይራሲ ፣
~ታርጋ ዘይብለን ብሽክለታ ይቀጽዕ፣
~ቁሩብ ቁራቦ ካብ ደገ ዝተላኣኸ ገንዘብ (ታሕዊል) የሕድግ፣
~ወፍሪ ጠለ-በጊዕ ይከታተል፣
~ካብ ወጻኢ ንዝኣቱ ሬሳ ይኽልክልን ይፈቅድን ፣
~ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝኣቱ ሞባእ ይዘምት፣
~ሰብ ጥበብ (አርቲስት) ኣብ ወጻኢ ከይዶም ገንዘብ ክእክቡ ይልእኽ፣
~ኣብ ወጻኢ ንዝቅመጡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝህድዱ ኣሸበርቲ የዋፍር።

ዋናታት ትካላት ከም ብዓል ወዲ ለገሰን፣ ከም ቤት መግቢ ገብሩ ኣስራትን ከምዝበትኩ ዝገብር፣ ንካልኦት ሃብታማት ንጁባን፣ ንኡጋንዳን፣ ንከንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ነፊጾም ከምዝዂብልሉ ዝገብር።፣ ገንዝብ ህዝቢ ዝውንን እንታይሞ ዝይገበረ ብትእዛዝ ሃጸያውያን።
ሎሚ ከኣ በተን መሳርሒ ጽዮናውያን ዝኾና ሃገራት፣ ከም ኢራን፣ኢማራት፣ ስዑድያ፣ ዝተኻረየኦ ኣታዊ ክራይ ወደብ ኣኣኪቡ ንህጁባ ሃጸያውያን ይመልእ ኣሎ። ንሱ ግን ንሽንፍላን ኲሊትን ጸላም ከብድን መቅያየሪ ግንየብ እንታዘይኮኑ ኣብ ዓለም ብሰላም እንዳነበረ ነቲ ተኣኪቡ ዘሎ ገንዘብ ብዓይኑ ኣይርእዮን እዩ መኽንያቱ ገንዘብ ይጸያውያን ስለዝኾነ።
ሽያጥ ዕደና ወርቅን ካልኦት ማዕድናትን፣ ጎይቶቱ እዮም ዝዘምትዎ ዘለው። ንሱ ግን ሓላው ሕዛእቲ ጥራይ እዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዝገርም ግን እቲ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣብ ባንክታት ሃጽያውያን እዩ ዝመሕላለፍ። መኽንያቱ ኤርትራ ምንጭ እቶት ህጸያውያን ህግሓኤ ድማ ትካል ህጸያውያን ስለዝኾነ።
ሎሚ ኻኣ ኣብ ንግደት ቤተክርስትያን ዝሳተፉን መራሕቲ ሃይማኖት ብምቁጽጻር ፣ ካርዲናል ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣባ ብርሃነየሱስ ደመረው ንኤርትራ ከይኣትዉ ከልኪልዎም ።
እዚ ሽፍታ መራሒ ዘይኮነስ መንሽሮ ህዝቢ ኮይኑ ንኸገግል እዩ ብሃጸያውያን  እዩ ተዓሊሙ።
ነዚ ንኤርትራ ን 56 ዓመታት መንሽሮ ኮይኑ ዘሳቅያ ዘሎ ሕማም መንሽሮ ኢሰያስ ፣ መሃንድሳት ስነኣእምሮን መሃንድሳት ማሕበራዊ ምርምርን ሃጸያውያን ኣሊሞምን ጠሊፎምን እዮም ንኢሰያስ ስኒዖሞ። መኽንያቱ 
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምንጪ ባህርያዊ  ጸጋ ማኣለያ ዘይብሉ ከምዝኾነ ብመጽናዕትን ምርምርን ኣምሆ ዘመን ስለይበጽሑዎ ህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ገርካ ክጽንት ፈሪዶሞ እዮም። ነዚ ከኣ ብኾፎም ከለው ኢሰያስ የተግብረሎም ኣሎ።